banner

“ውርደት ባርያኡ ርእዩ ምሕረት ዝገበረለይ ዓስቢ ጸሎተይ ዘይከልኣኒ እግዚአብሔር ኣምላኽ ይመስገን”

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“ውርደት ባርያኡ ርእዩ ምሕረት ዝገበረለይ ዓስቢ ጸሎተይ ዘይከልኣኒ እግዚአብሔር ኣምላኽ ይመስገን”

ሓደ እዋን ቅዱስ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ምስ ተመሃሮኡ ብሓደ ዓዲ ኪኃልፍ ከሎ፡ ነታ ዓዲ እናተመልከተ፡ “ ሥራሕ እግዚአብሔር ዕፁብ ድንቂ እዩ” በለ። እቶም ምስኡ ዝነበሩ ተመሃሮኡ፦ “ ኣቦና! ዘገርመካ ዘሎ እንታይ’ዩ፧ ኣብ ቅድሜኻ እንታይ ዝረአ ኣሎ ድዩ፧” በልዎ። ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ድማ “ንኣይ ዘድንቐኒ ዘሎ ብዛዕባ’ቲ ብሕጂ ካብዛ ዓዲ እዚኣ ዚውለድ፡ ብርሃን ቤተ ክርስቲያን አበ ብዙኃን ዝኾነ ኣቦ እየ” ኢሉ ብዛዕባ ልደት ኣቡነ ፊልጶስ ትንቢት ነገሮም። እታ ዓዲ’ቲኣ ናይ ኣደ ኣቡነ ፊልጶስ ዝኾነት መግደላዊት ዓዲ’ያ።

መግደላዊት ምስ በዓል ቤታ ይርድኣነ እግዚእ ከም ኣብርሃም ተቐበልቲ ኣጋይሽ ከም ኢዮብ ዕጉሣት፡ ብዅሉ ሕይወቶም መፍቀርያነ እግዚአብሔር ነበሩ።

ቅድስት መግደላዊት ካብ ጊዜ ንእስነታ ቃለ እግዚአብሔር ትመሃር ስለ ዝነበረት፡ ብሠናይ ግብሪ እናሰዓበት ንብዓታ እናውኃዘት ምጻምን ምስጋድን፡ ለይቲ ምስ መዓልቲ ቤተ ክርስቲያን ምኻድን ቅዱስ ሥጋን ክቡር ደምን ምቝራብን ተዘውትር ነበረት። “ከምቲ ንሓና ምስ ጸለየት ዓቢይ ነቢይ ሳሙኤል ዝሃብካያ፡ ንኤልሳቤጥ ኣብ ዘመነ እርግናኣ ዓቢይ ናይ እግዚአብሔር ሰብ ዮሓንስ ዝሃብካያ . . . ንእግዚአብሔር ዘሥምር፡ ንኣይ ዘሐጕስ ውላድ ሃበኒ” እናበለት ትጽሊ ነበረት። 

ከምቲ ባዕሉ ኣምላኽና፡ “ለምኑ ኪወሃበኩም፡ ኳሕ ኵሑ ኺረሓወልኩም፡ ድለዩ ኺትረኽቡ ኢኹም፡ ዝዃሕኵሕ ክረሓወሉ ዝደለየ ክረክብ ዝለመነ ድማ ክወሃቦ እዩ።” (ማቴ. 7፡7) ዝበለና ኣብ ውሽጢ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እናጸለየት ከላ ጸሎታ ተቐቢሉ መልኣኹ ሰደደላ። እቲ መልኣኽ ድማ “እግዚአብሔር ኣምላኽ ጸሎትኪ ሰሚዑኪ መብፅዓኺ ተቐቢሉልኪ እዩ እሞ ብትምህርቱ ንሕዝቢ ዘድኅን ንብዙኃን’ውን ኣቦ ዝኸውን ብሩኽን ቅዱስን ልዑል ውላድ ክህበኪ እዩ” በላ። ቅድስት መግደላዊት እዚ ምስ ሰምዐት ኣዝያ እናተሓጐሰት፦ “ውርደት ባርያኡ ርእዩ ምሕረት ዝገበረለይ ዓስቢ ጸሎተይ ዘይከልኣኒ እግዚአብሔር ኣምላኽ ይመስገን” በለት።

ብድኅር’ዚ መግደላዊት ፀነሰት። ንምውላድ ኣብ ዝቐረበትሉ ጊዜያት ግና በዓል ቤታ ይርድኣነ እግዚእ ዓረፈ። እንሆ ድማ ዕለት 9 ጥቅምት ኣቡነ ፊልጶስ ተወልደ። ቅድስት መግደላዊት ድማ ኣዝያ ተሓጐሰት ንእግዚአብሔር’ውን ኣመስገነት።
ሎሚ ውላድ ስኢነ ኢልካ ምጭናቕ፡ ከምኡ’ውን ተጨኒቐ ኢልካ ካብ ሕግን ፍቓድን እግዚአብሔር ዝወፀ ንሱ ኣብ ዘይከብረሉ ቦታታት ምኻድ ዘይኮነስ “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ደኣ ይፈለጥ እምበር ብሓደ እኳ ኣይትጨነቑ።” (ፊል. 4፡6) ከም ዝበለ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከም እኒ ቅድስት መግደላዊት ኣዴና ኣብነት ክንስዕብ ይግባእ።

ኣቡነ ፊልጶስ ካብ ዝውለድ 40 መዓልታት ምስ ገበረ ንኽጥመቕ ናብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ከዱ። ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ድማ ቅድስት መግደላዊት፡ “ሓና ንሳሙኤል ወዳ ንእግዚአብሔር መብፅዓ ገይራ ከም ዝሃበቶ፡ ኣነ ድማ ንወደይ ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ከገልግል ሂበዮ ኣሎኹ” በለት። እቶም ካህናት ድማ ብሕጊ ጥምቀት ኣብ ልዕሊ ማይ ሥርዓተ ቅዳሴ ኣብጺሖም፡ ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኣጥሚቖም ቅዱስ ሜሮን ቀብእዎ። ዕለቱ 18 ኅዳር በዓለ ሓዋርያ ፊልጶስ ስለ ዝነበረ ድማ ስሙ ‘ፊልጶስ’ ኢሎም ሰመይዎ።

እቲ ንቕድስት መግደላዊት ዝተገልጸላ መልኣከ እግዚአብሔር ካብኣ ከይተፈልየ ይዕቅባ ነበረ። ቅድስት መግደላዊት ድማ “እምበኣር እግዚአብሔር ሓሳብ ልበይ ኣሥሚሩለይ እዩ እሞ ኣነ ድማ ለይቲ ምስ መዓልቲ ምእንቲ ከሥምሮ ምንኵስና ተቐቢለ ፈጣርየይ ምግልጋል ይኅሸኒ” ኢላ ንወዳ ኂዛ መንኰሰት።

እቲ ሕፃን ድማ ብኃይሊ መንፈስ ቅዱስን ጽኑዕ ሃይማኖትን ሠናይ ግብርን ዓብዩ ጽላል ኣቦ ቤተ ክርስቲያን ኮነ። ስብከተ ወንጌል ኣስፊሑ ምእመናን ኣብዚኁ፡ ደቀ መዛሙርት ኣፍርዩ ገዳም ገደመ። እቲ ገዳም ድማ ደብረ ቢዘን ይበሃል።

እቲ ጕንዲ ጥሉል እንተ ኾይኑ እቲ ጨንፈር ድማ ጥሉል ይኸውን እዩ’ሞ ኣቡነ ፊልጶስ ድማ ጥሉል ኮይኑ ንኣና ጠሊ ዚዕድል ቃል ኪዳን ዝተቐበለ ቅዱስ ኣቦ ስለዝኾነ ረድኤቱ ክንቕበልን በረኸቱ ክኃድረናን ብጸሎቱ ኽንምኅፀን ይግባእ።

ረድኤት፡ ጸሎትን በረኸትን ናይ ቅዱስ ኣቡነ ፊልጶስ ኣብ ልዕሊ ኵላትና ዕጽፍን ድርብን ኮይኑ ይውረድ!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195