banner

ወርኀ ጽጌ - ወርኀ ስደት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

        ወርኀ ጽጌ

ሐዋርያዊትን ኣጽናፋዊትን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ዓመታዊ ናይ ኣጽዋማትን በዓላትን ሰሌዳ ጊዜ ከምኡ’ውን ናተይ ትብሎ ናይ ቋንቋ ፊደልን ቍጽርን ዓውደ ኣዋርኅን ኣለዋ። ካብ 26 መስከረም ክሳዕ 6 ኅዳር ዘሎ ጊዜ ወርኀ ጽጌ ይበሃል።
ጽጌ ማለት ካብ ጸገየ ዝብል ግሢ ዝወፅአ ኮይኑ ዕምባባ ማለት እዩ። ኣብ’ዚ ወርኃት እዚ ድማ መሬት ብዕምበባ ኣጊፁ ስለ ዝርአ ወርኀ ጽጌ ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ብመንፈሳዊ ምሥጢሩ ክትርጐም ከሎ ኸኣ . . .

ፍረ ድኅሪ ዕምባባ ከም ዝርከብ፣ እታ ኣማናዊት ዕምባባ ዝኾነት ድንግል ማርያም ንኣማናዊ ፍረ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ብምፍራያ፡ ሓደ ምሥጢር ክኅዝ ከሎ፡ ብተወሳኺ ድማ ስደት ዕምባባ ድኅነት ኣዳም ኸኣ ፍረ ብምዃኑ ስደት ኣዳም ንኸብቅዕ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ምስ ኣደኡ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተሰደሉ ንዝክረሉ ወርኃት ወርኀ ጽጌ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ትንቢተ ነቢያት ምስ ስብከተ ሐዋርያት ኣሰማሚዓን ኣማሣጢራን እትምህር ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ስደት ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ ኣቐዲሙ ብነቢያት ዝተነግረ ንምፍጻም እዩ። “እቲ እግዚአብሔር ብነቢይ፡ ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ፡ ዝበሎ ምእንቲ ኺፍጸም ድማ፡ ሄሮድስ ክሳዕ ዚመውት ኣብኣ ጸንሔ።” ማቴ. 2፡15 ከምኡ’ውን “ንእስራኤል ሕፃን ከሎ ኣፍቀርክዎ፡ ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ” ሆሴእ 11፡1 ይብል።

ከምኡ’ውን ስደት ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ ናብ ምድረ ግብጺ ኣምልኾ ጣዖት ንምጥፋእ እዩ ነይሩ። ግብጺ ኣምልኾ ጣዖት ኣስፋሕፊሑላ ዝነበረት ሃገር ብምዃና ኺገልጽ ልዑለ ቃል ነቢይ ኢሳይያስ “እንሆ፡ እግዚአብሔር ብቕልጡፍ ደመና ይመጽእ፡ ናብ ግብጺ’ውን ይመጽእ፡ ጣዖታት ግብጺ ኣብ ቅድሚኡ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም፡ ልቢ ግብጺ ኸኣ ኣብ ውሽጣ ኺመክኽ እዩ።” ኢሳ. 19፡1 ኢሉ ኣብ መጽሓፉ ኣስፊርዎ እዩ።

ብተወሳኺ ስደት ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ ንባርኾት ምድረ ግብጽን ንብዙኅ መካናትን ኣድባራትን ምድረ ኣግአዝን ምዃኑ‘ውን ብሣልሳይ ዝጥቀስ እዩ። ጥንታዊት ሓወልቲ ክርስትና ምድረ ኣግአዚ ዝኾነት ገዳም ደብረ ሲና ድማ ሕያው ሰማዕት በረኸትን ጸጋን ናይ’ዚ ስደት እያ።

ኣብዚ ስደት ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ ካብ ወገን መላእክት ቅዱስ ዑራኤል፡ ካብ ደቂ ሰባት ዮሴፍን ሰሎሜን ዝተሳተፍዎ፣ ካብ ቅዱሳን አበው ኣባ ቴዎፍሎስ፡ “ምሳኺ እንተ ዝስደድ” ኢሉ ዝተመነዮ፡ ፍጹም ትሕትናን ዕፁብ ተኣምራት ጐይታ ዝተራእየሉን ዝተፈጸመሉን ስደት እዩ።

እቲ ንኤልያስ ብሠረገላ እሳት ናብ ሰማይ ዘዕረገ ጐይታ ብእግሩ ናብ ግብጺ ዝተሰደሉ፣ ‘ወሲድዎ እዩ ኣይተራእየን’ ተባሂሉ ንዝተመስከረሉ ሄኖክ ዝሠወረ ጐይታ ብእግሩ ናብ ግብጺ ዝተሰደሉ፣ ንነቢይ ሕዝቅያስ ኣብ ዕድሚኡ ዕድመ ዝወሰኸ ጐይታ ንኽቅተል ብሠራዊት ሄሮድስ ዝተሃድነሉ፣ንነቢይ ኢሳይያስ ካብ ለምጹ ዘንጽሐ ጐይታ ብኮቲባ ካብ ሑቝፊ ኣደኡ ተመንጢሉ ኣብ መሬት ዝወደቐሉ፣ ንጉሠ ነገሥታት፡ አምለከ ኣማልክት፡ ጐይታ ጐይቶት ክንሱ ንዅሉ ስለ ፍቕሪ ኣዳም ብትሕትና ፀይሩ፡ ኣርኣያን ኣብነትን ብምዃን ንሕና’ውን ክንጸዋወር ከምዘሎና ዝምሃረና ስደት እዩ።

ኣብ ማኅፀን ኣዴኣ ሃና ከላ ኣዕይንቲ ዕዉር ዘብርሀት፡ ብመልአክ ፋኑኤል እናተመገበት ዝዓበየት፡ ብዜናዊ ፍሥሓ ቅዱስ ገብርኤል ጐይታ ጐይቶት ካብኣ ኸምዝውለድ ዝተበሠረት፡ ምስ ኃያል ተጸጊዑ ዘይፍክር፡ ምስ ሃብታም ቀሪቡ ዘይዕበ ልባ፡ ነዚ መሪር ስደት ብአኰቴት ምቕባላ ፍጹም ምልኣተ ጸጋኣ ዝተመስከረሉ ስደት እዩ።

ጕዕዞ ስደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ቅድስት ወላዲቱ ካብ ምድረ እስራኤል ናብ ምድረ ግብጽ ድኅሪ 42 ሰሙን ኣብ ደብረ ቊስቋም እዩ ተፈጺሙ።

ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ከኣ ነዚ ኻብ 26 መስከረም - 6 ኅዳር ዝዝከር ስደት፡ ሰንበተ ሰንበት ማኅለየ ሰሎሞን፡ ማኅሌተ ጽጌ ብምቋም ብዓቢይ ክብሪ እናዘከረት ተብዕሎ ኣላ። ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ጸሓፍቲ ድርሳናት ስለ እዚ መሪር ስደት ንብዓት ካብ ኣዕይንቶም እናኣዛረዩ፡ ቈርበት ፍሒቖም ቀለም በጽቢጾም ኣብ ብራናታት ጽሒፎም ንማኅሌትን ንጸሎትን ዝኸውን ድርሳናት ገዲፎሙልና እዮም።

ኣብ ፍጻሜ ስደት ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወልዳ ብዕለት 6 ኅዳር ዚንበብ መጽሓፈ ስንክሳር፡ ነዚ ዕፁብ ስደት ብኸም’ዚ ኣገባብ ብግጥሚ ሰኒድዎ ይርከብ፦ “አመ በጽሐኒ ምንዳቤ ወዐገተኒ ትካዝ፡ በአምሳለ ዐቢይ ውኂዝ፡ እትፌሣሕ አነ በብሂል ከመዝ፡ ሀሎ አምለኪየ ወረድኤተ ተስፋየ በዝ፡ ዘንብረተ ሥጋየ ወነፍስየ በእዴሁ እኁዝ። / “ሽግር ምስ በጽሓኒ ኃዘን’ውን ምስ ዓገተኒ ብኣምሳል ዓቢይ ውሕጅ፥ ንብረት ሥጋይን ነፍሰይን ኣብ ኢዱ ትኁዝ ዝኾነ አምለከይ ተስፋ ረድኤተይ ኣሎ ምሳይ እናበልኩ እሕጐስ።”

ሰላም ለአእጋሪከ ኀበ ደብረ ቊስቋም እለ ጌሣ፡ ሕፃነ ማርያም ክርስቶስ ጐይየከ እምደወለ ምሕሳ፡ አመ በጽሐ ህየ እንዘ ይነሥእ ኀይለ አንበሳ፡ እንተ ሠመርከ በኅድአት ለነፍሱ ታፍልሳ፡ ሰላም ሰላም ወልደ ዮሴፍ ዮሳ።”
ነተን ናብ ደብረ ቊስቋም ዝኸዳ ኣእጋርካ ሰላም እብለን፣ ሕፃነ ማርያም ክርስቶስ ካብ ከባቢ ምህሳ ኣብ ዝኸድካሉ፡ ኃይሊ ኣንበሳ ተዋሂብዎ ኣብኡ ምስ በጽሐ ነፍሱ ብኅድኣት ከተዕርፋ ፍቓድካ ኮነ፡ ሰላም ሰላም ወዲ ዮሴፍ ዮሳ።”

ዮሴፍ ወዲ ዮሳ ሓደ ኻብ’ቶም ብዙኃት ኣብ’ዚ ታሪኽ ዚጥቀሱ እዩ። ‘ሄሮድስ ሠራዊቱ ልኢኹ ይመጸኩም ኣሎ እሞ ቐልጢፉ ህደሙ’ ኢሉ ንቕድስት ድንግል ማርያም ቀሪቡ ስለ ዘሰንበዳ፡ ብፍቓድ ጐይታ ኣብ’ቲ ነዚ ፍጻሜ ዝነገረሎም ቦታ ብኅድኣት ነፍሱ ኻብ ሥጋኡ ብምፍላይ ኣዕረፎ።

ኣብዚ ናይ ሠለስተ ዓመትን ሽድሽተ ወርኅን ስደት ብዙኅ ኣደናቒ ተኣምር፡ ዘኅዝን’ውን መከራ በጺሕዎም እዩ። ብቕዱሳን መላእክት እናተዓጀቡ ብሸፋቱ ዝተኸትርሉ፣ ንዝተሰብረ ሴፍ ጥጦስ ብተኣምራቱ ዘዐሪ ክንሱ፡ ልብሶምን ኣሳእኖምን ኪዝመቱ ስቕ ኢሉ ዝረአየ። ንመሪር ማይ ናብ ጣዕሚ መዓር ዝቐየረ፡ ብጽምኣት ኪጓዓዙ ዝፈቐደ . . . ወዘይመስሎ፡ ካብ’ቲ ትዕግሥቲ ጐይታና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምስትንታን ነዚ ወርኃት ከነኅልፎ ዝሕግዙና ፍጻሜታት ናይ’ዚ ወርኃት እዮም።

“ ብክዩ ኅዙናን ሐልየክሙ ስደታ፡ ወላኅው ፍሡሓን ተዘኪረክሙ ብዝኀ ሠናይታ፡ ማርያም ተዐይል ከመ ዖፍ ውስተ አድባረ ግብጽ ባሕቲታ ተአወዩ በኃጢኦታ ሀገረ አቡሃ ኤፍራታ ወደመ ሕፃናት ይውኅዝ በኵሉ ፍኖታ” ሰቆቃወ ድንግል።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195