banner

ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን (ካልኣይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን (ካልኣይ ክፋል)
ካብ ዓለመ መላእክት ክሳዕ ልደተ ክርስቶስ

ሓደ ካብቲ ትርጕም ‘ቤተ ክርስቲያን’ ሓድነት ናይቶም ሃይማኖተ እግዚአብሔር ዘለዎም ብምዃኑ፡ ብጊዜያት ቤተ ክርስቲያን ብሠለስተ ክፍሊ ንርእያ፦

ሀ. ሰብ ቅድሚ ምፍጣሩ ኣብ ዓለመ መላእክት ዝነበረት ሓድነት መላእክት።
ለ. ካብ ኣቤል ክሳዕ ሓድሽ ኪዳን ናይ ዝነበሩ ሓድነት ቅዱሳን ሰባት።
ሐ. ብደም ክርስቶስ ዝተመሥረተት ኣማናዊት ሓድነት ክርስቲያን።

ሀ. ዓለመ መላእክት
እግዚአብሔር ኣብ ዓሠርተ ከተማታት ሚእቲ ነገድ ገይሩ ብዕለተ እሑድ (ሰንበት) ምስ ፈጠሮም ተኸወሎም። ንሳቶም ኸኣ “መን ፈጢሩና፧ ካበይ’ከ መጺእና፧” ኢሎም ኪሓቱ ጀመሩ። ኣብዚ ጊዜ’ዚ ሳጥናኤል “አነ ፈጠርክዎሙ ለፍጡራን፡ ንፍጡራን ኣነ ፈጢረዮም” ብምባል፡ ፈጣሪኦም ምዃኑ ገለጸሎም። ገሊኦም ኪስዕብዎ እንከለዉ፡ ገሊኦም ግና ተቓወምዎ። በዚ ድማ ኣብ መንጎ መላእኽቲ ብሰንኪ ክሕደት ሳጥናኤል ክርክር ኮነ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ እግዚአብሔር ተገሊጽሎም ኣቦ ሓሶት ዝኾነ ሳጥናኤልን ሠራዊቱን ናብ ዘለዓለም ፍርዲ፡ እቶም ኣብ “ንቁም በበህላዌነ እስከ ንረክቦ ለአምላክነ/ ንኣምላኽና ክሳዕ እንረኽቦ ኣኣብ ዘሎናዮ (ኣብ ሃይማኖትና) ንጽናዕ” ዚብል ስብከት ሊቀ መላእኽቲ ቅዱስ ገብርኤል ኣሚኖም ንዚጸንዑ ድማ ዘለዓለማዊ ኽብሪ ሃቦም። (ራእ. 12፡7-8፣ ኢሳ. 14፡15)።

1. ኣብ ዘመነ ብሉይ ዝነበሩ ቅዱሳን ሰባት
ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ዝነበሩ ሰባት ኣብ ኣርባዕተ ዘመናት ነበሩ፦
1. ዘመነ አበው
2. ዘመነ መሳፍንት
3. ዘመነ ነገሥት
4. ዘመነ ነቢያት (ካህናት)

1.1 ዘመነ አበው
ካብ ኣዳም ክሳዕ ኖኅ ዘሎ 2256 ዓመታት ኪኸውን እንከሎ፡ ካብ ኖኅ ክሳዕ ሙሴ ዘሎ ኸኣ 1600 ዓመታት ብድምር ካብ ኣዳም ክሳዕ ሙሴ ዚነበረ 3856 ዓመታት ዘመነ አበው ወይ ኸኣ ዘመነ ሕገ ልቡና ይብሃል። ደቂ ሰባት ብሕገ ልቡና ማለት በቲ እግዚአብሔር ኣብ ልቦኖኦም ዘቐመጠሎም ሕጊ ዝምርሑ ዝነበሩ ዘመን እዩ።
ኣብዚ ዘመን እዚ ዝነበሩ ዕሥራን ክልተን አበው ካብ ኣዳም ጀሚሮም ክሳዕ ያዕቆብ ዘለዉ እዮም።

1.2 ዘመነ መሳፍንት
‘መስፍን’ ማለት ገዛኢ፡ ዳኛ እዩ። እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጽ ብኃያል ቅልጽም ተኣምራት እግዚአብሔር፡ ብመሪሕነት ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤልን ሊቀ ነቢያት ሙሴን ወፂኦም፡ ኣብታ መዓርን ጸባን እተውኅዝ (ሕገ ኦሪትን ሕገ ወንጌልን ዚሥርዓላ) ንኣቦታቶም ኣብርሃም፡ ይስሓቅን ያዕቆብን ከውርሶም ቃል ዚኣተወሎም ቦታ ምስ ኣተዉ፡ ብፍላይ ድኅሪ ሞት መስፍን ኢያሱ ናብ ኣማልኽቲ ኣሕዛብ እናተሳሕቡ ንፈጣሪኦም እግዚአብሔር የቘጥዑ ነበሩ። ንሱ ኸኣ ምእንቲ ኺምለሱ ኢሉ ንምርኮ ኣኅሊፉ ይህቦም እሞ ተጨኒቖም ናብኡ ምስ ተመልሱ ግና መሳፍንቲ ኣተንሢኡ ካብ ኢድ እቶም ዘሳቕይዎም የናግፎም ነበረ። በዚ መሠረት እግዚአብሔር ካብ ኢያሱ ክሳዕ ሳሙኤል ኣብ 450 ዓመት ኣተንሥአ። መሳ. 2፡16፣ 21፡25፣ ግብ 13፡20

እቶም መሳፍንቲ ኸኣ እዚኦም ዝስዕቡ እዮም፦
1. ኢያሱ
2. ጎቶንያል (መሳ. 3፡7-11)
3. ናኦድ (መሳ. 3፡12-30)
4. ሴሜጌር (መሳ. 3፡31)
5. ነቢይት ዲቦራን ባርቅን (መሳ. 4፡1-24)
6. ጌዴዎን (መሳ. 6፡8)
7. ኣቤሜሌክ (መሳ. 3፡31)
8. ቆላ (መሳ. 10፡1-2)
9. ኢያዕር (መሳ. 10፡3-5)
10. ዮፍታሔ (መሳ. 11፡10)
11. ኣብዘን (መሳ. 12፡8-10)
12. ኤሎም (መሳ.12፡110
13. ኣብዶን (መሳ. 12፡13-15)
14. ሶምሶን (መሳ. 13፡16)
15. ኤሊ (1ይ ሳሙ. 4፡18)
16. ሳሙኤል (1ይ ሳሙ. 7፡15)

ዘመነ መሳፍንት ካብ ዘመነ አበው ዝያዳ ናብ አማናዊት ቤተ ክርስቲያን ዚቐረበ እዩ። ምኽንያቱ፦
1. ሕገ ኦሪት ዚተዋህበሉ ዘመን ብምዃኑ
2. ታቦተ ሕግ ዚተዋህበሉ ዘመን ብምዃኑ
3. ደብተራ ኦሪት ዚተተኽለትሉ ዘመን ብምዃኑ (ዘፀ. 26)
4. ቀኖና በዓላት ዚተጀመረሉ ዘመን ብምዃኑ (ዘሌ. 23)
5. ካህናት ብሕጊ ዚተሾሙሉ ዘመን ብምዃኑ (ዘፀ. 28)
6. ንዋያተ ቅዱሳት ኪሥርሑሉ ዚጀመሩሉ ጊዜ ብምዃኑ (ዘፀ. 27፡3)።
ኣብ ዘመኑ መሳፍንት ዝነበሩ ምሳሌታት ቤተ ክርስቲያን
1. ደብተራ ኦሪት ምሳሌ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን
2. ሌዋውያን ካህናት ምሳሌ ካህናት ሓዲስ ኪዳን
3. መሥዋዕት ገንሽል ምሳሌ መሥዋዕት ሓዲስ ኪዳን (ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን)
4. በዓላት ኦሪት ምሳሌ በዓላት ቤተ ክርስቲያን

1.3 ዘመነ ነገሥት
ሕዝበ እስራኤል፡ ነቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ነገሥታት ኣሕዛብ ብምርኣይ ንካህን ሳሙኤል “ንጉሥ ኣንግሠልና” ኢሎም ሓተትዎ። ንሱ ኸኣ ብትእዛዝ እግዚአብሔር ንሳኦል ወዲ ቂስ ኣንገሠሎም።
እዚ ዘመነ ነገሥት ንኣርባዕተ ሚእቲ ዓመታት ዚኣክል ጸንሐ (ካብ 4000 ክሳዕ 4400 ዓመተ ዓለም)
ኣብዚ ዘመን’ዚ ሳኦል፡ ዳዊት፡ ሰሎሞን፡ ሮብዓም ኸኣ ነገሡ።
ኣብ’ዚ ዘመን እዚ ንሎሚ ዘሎ ኣሠራርሓ ቤተ ክርስቲያን መሠረት ዚኾነ ዘመን እዩ ነይሩ። ኣብ ደብተራ ኦሪት (ድንኳን) ዝነበረት ታቦተ ጽዮን ናብ ቤተ መቅደስ ኣተወት። ንጉሥ ዳዊት ኣብ ቤተ መቅደስ በብሳምንቶም ዘገልግሉ ካህናትን መዘምራንን ብምምዳብ፡ ሎሚ ንእንጥቀመሉ ሥርዓት መሠረት ኣቐሚጡ እዩ።
ኣብ ዘመን ንጉሥ ሮብዓም መንግሥቲ እስራኤል ኣብ ክልተ ተመቕለት (2ይ ነገ. 12፡1-18)። እቶም ክልተ ነገዳት (ነገደ ብንያምን ነገደ ይሁዳን) ሰፈሮም ኣብ ደቡብ ፍልስጥኤም ኮይኑ ርእሰ ኸተማኦም ኢየሩሳሌም ኮይኑ ንጉሦም ድማ ሮብዓም ነበረ። እቶም ዓሠርተ ነገዳት ድማ ኣብ ሰሜን ፍልስጥኤም ሰፊሮም፡ ኣብ ሰማርያ ርእሰ ኸተማኦም ሴኬም ገበሩ። ንጉሦም ከኣ ኢዮሮብዓም ኪኸውን እንከሎ፡ መንግሥቶም ድማ መንግሥቲ እስራኤል ተባህለ። (1ይ ነገ. 12፡25)
ነሓድሕዱ ዚተመቓቐለ ሕዝቢ፡ ንመጥቃዕቲ ጸላእቱ ዝተቓልዐ ስለዝኾነ፡ እቶም ኣብ ሰሜን ዝነበሩ እስራኤላውያን ብመሪሕነት ንጉሥ ሰልምናሶር ብኣሶራውያን ተወጊኦም ተማረኹ። (1ይ ነገ. 17) እቶም ኣብ ደቡብ ዝነበሩ እስራኤላውያን ኸኣ ብመሪሕነት ናቡከደነፆር ብባቢሎናውያን ተወሩ። ኢየሩሳሌም ዓነወት፡ ቤተ መቅደስ ፈረሰ፡ እስራኤላውያን ድማ ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ተወስዱ።

1.4 ዘመነ ነቢያት (ካህናት)
እዚ ዘመን እዚ ካብ 586 ዓ.ቅ.ል.ክ. ክሳዕ ልደተ ክርስቶስ ንዘሎ ጊዜ የጠቓልል። እዚ ኸኣ ንጉሥ ኣይሁድ ሴዴቅያስ ኣብ ምርኮ ባቢሎን ድኅሪ ምማቱ ኣብ 2ይ ዜና. 36፡1-16 ተጠቒሱ ዘሎ ጊዜ ማለት እዩ።
ነቢያት፦ ብሓፈሻ ናይ እግዚአብሔር ነቢያትን ነቢያት ሓሶትን (ነቢያት ጣዖትን) ተባሂሎም ኣብ ክልተ ይኽፈሉ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ እንረኽቦም ነቢያተ እግዚአብሔር ናይ ቃል ነቢያትን ናይ ጽሑፍ ነቢያትን ኢልና ኣብ ክልተ ንኸፍሎም። ናይ ጽሑፍ ነቢያት ብመዓርጎምን ብቕዓቶምን ዓበይትን ደቂቅን (ንኣሽቱን) ይብሃሉ። ናይ መጀመርታ ናይ ብሉይ ኪዳን ነቢይ ኣዳም፡ ናይ መወዳእታ መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ ፡ ሊቀ ነቢያት ድማ ነቢይን መስፍንን ዚነበረ ሙሴ እዩ።
ካህናት፦ እግዚአብሔር ፍሉይ ክህነት ካብ ዝሃቦም (ንኣብነት ኣዳም፡ መልከ ጼዴቅ . . .) እንተ ዘይኮይኑ፡ ክህነት ኣብ ብሉይ ኪዳን ብመሪሕነት ኣሮን ንሌዋውያን ጥራይ እዩ ዚወሃብ ነይሩ። ቅዱስ ፍቓዱ ኾይኑ እግዚአብሔር፡ ንሙሴ ኃዉ ኣሮንን ደቁን ካህናት ኪኾኑ ኣዘዞ እሞ ኮኑ ኸኣ። (ዘሌ. 8፡1) ክህነት ከይተዋህቦም ንኣገልግሎት ክህነት ዚተላዕሉ ሰባት ተቐጺዖም እዮም። (ዘኍ. 26፡18-20)
እግዚአብሔር ንእስራኤላውያን ዝምህሩ ነቢያትን ካህናትን እናለኣኸ እኳ እንተመሃሮምን እንተ ገሠፆምን፡ ልቦም ኣትሪሮም ስለዘይተመልሱ ተቐጽዑ። (2ይ ዜና 36፡11-21፣ ኤር. 39፡1-10)ንጉሥ ባቢሎን ናቡከደነፆር ንኸተማ ኢየሩሳሌም ኣዕነዋ፡ ንሕዝባ ብሴፍ ኣጥፍኦም፡ ንዋያተ ቅድሳት ወሲዱ ኸኣ ዚተረፈ ቅዱሳት መጻሕፍትን ኣቃጸለ። ነቶም ካብ ሞት ዝተረፉ ከኣ ማሪኹ ወሲዱ ባሮት ገበሮም።

ኣብ ባቢሎን ተማሪኾም እንከለዉ እውን ሕዝቡ ኪጠፍኡ ዘይደሊ እግዚአብሔር፡ ብነቢያቱ ገይሩ ተስፋ ይህቦም ነበረ። ካብቶም ተማሪኾም ዚኸዱ ነቢያት በዓል ሕዝቅኤል፡ ዳንኤልን ሠለስቱ ደቂቅን ክኾኑ ከለዉ፡ ኣብ ባቢሎን ካብ ዝተወልዱ ኸኣ በዓል ዕዝራ፡ ሓጌ፡ ዘካርያስ፡ ንጉሥ ዘሩባቤልን ካህን ኢያሱን ይርከቡዎም።
ድኅሪ ናይ ሰብዓ ዓመት ምርኮ፡ ዘመነ ሚጠት ኮይኑ ተማሪኾም ዝነበሩ ተመልሱ፡ ቐጽሪ ኢየሩሳሌም ከኣ ተሓንፀ። (ዕዝ. 1፡1-14)
ድኅሪ ምርኮ ባቢሎን እቶም ናብ ሃገሮም ዘይተመልሱ እስራኤላውያን ምኵራብ (ቤተ ጸሎት) ሠሪሖም፡ ሃይማኖቶም ዓቂቦም ኣብ ዚተፈላለየ ሃገራት ይነብሩ ነበሩ። እቶም ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ኸኣ ብናጽነት ኪነብሩ ዕድል ስለዘይረኸቡ መሊሶም ብፋርስ ተወሩ። ቀጺሎም እውን ካብ ከባቢ 330 ዓ.ቅ.ል.ክ. ጀሚሮም ሮማውያን ምስ ገዝኡዎም ዝበዝኀ ሥርዓቶም፡ ባህሎምን ምምኅዳሮምን ተቐይሩ እዩ።

መጽሐፈ መቃብያንን ካልኦት መጻሕፍቲ ቤተ ክርስቲያንን ከም ዝነግሩና፡ ኣብ’ዚ ዘመን እዚ ካብ ዝተላዕሉ ሰባት፡ ደቂ መቃቢስ (መቃብያን) ስለ ሃይማኖቶምን ሥርዓቶምን ብዙኅ ተቓሊሶም እዮም። ነቶም “ትንሣኤ ሙታን የልቦን” ዝብሉ ዝነበሩ መናፍቃን (ሰዱቃውያን) እውን መልሲ ሂቦሞም እዮም።
ብሓፈሻ ነቢያትን ካህናትን ቅድሚ ምርኮ፡ ኣብ ጊዜ ምርኮ ኾነ ድኅሪ ምርኮ ንሕዝቢ እናመኸሩ ምስ እግዚአብሔር ብምትዕራቕ የገልግሉ ነበሩ። ብዝበለጸ ኸኣ ብዛዕባ ዘመነ ሓዲስ፡ ትንቢት እናተነበዩን ሱባኤ እናቘጸሩን ተስፋ ድኅነት ይሕብሩን ይጽበዩን ነበሩ።

እንሆ ድማ እቲ ልዑል እግዚአብሔር ድኅሪ 5500 ዓመት ንኣዳም ካብ ባርነት ሲኦል፡ ካብ ማእሰርቲ ዲያብሎስ ናጻ ከውፅኦ ምዃኑ ዝሃቦ ተስፋ፡ ዝፍጸመሉ ጊዜ ኣኸለ። (ገላ. 4፡4) ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ ፍጹም ሰብ ዝኾነሉ ዘመን ኣብ ዘመነ ካህናት እዩ።

ስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195