banner

ዐሥራት በኵራት(እሽር)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ዐሥራት በኵራት(እሽር)

ሥርዓተ ኣምልኮ ካብ ዝግለጸሉ ሓደ ዐሥራት በኵራትት እዩ። ዐሥራት፦ ዐሥራት ዓሥራይ ኢድ ማለት ክኸውን ከሎ በኵራት ድማ ናይ መጀመርታ ማለት እዩ። ዐሥራት በኵራት ምሃብ ትእዛዝ እግዚአብሔር ክኸውን ከሎ እዚ ድማ ሠሪሕካ ካብ ዝረኸብካዮ ኵሉ ዓሥራይ ኢድ(ዐሥራት) ናይ መጀመርታ (በኩራት) ንቤተ እግዚአብሔር ምሃብ እዩ። እዚ ንክልተ ዕላማ ይፍጸም፦ ቀዳማይ ብዘለና ነገር ንእግዚአብሔር ምምስጋን ምምላክ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ነቲ ትሸዓተ ኢድ ክባረክ ምግባር እዩ። ስለዚ ዐሥራት በኩራት ናብ ቤተ እግዚአብሔር እነቕርቦ ሕያብ፡ ንእግዚአብሔር ዝቐርብ ኣምልኾ ወይ ድማ ናይ ኣምልኾ መግለጺ ክኸውን ከሎ፡ ነቲ ዝህብ ድማ ዓስቢ ኣምልኾቱ ቡራኼ ጸጋ ሐብት ዘውህብ ሥርዓት እዩ።

ተውሳክ፡ . . .ዐሥራት በኵራት(እሽር)

ምጽዋት፦

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ምጽዋት፦

ምጽዋት፡ ናይ ግእዝ ቃል ኾይኑ ሕያብ ለውሃት ልግስና ማለት እዩ፡ ምጽዋት መግለጺ ምሕረት እዩ። (ፍት. ነገ. ኣንቀጽ 16 ቁ125)

ምጽዋት ባሕርየ እግዚአብሔር እዩ።
ምጽዋት ርኅራኄን ለውሓትን ካብ ኣምላኽ ዝተወሃበና ጸጋ እዩ። ንሰብ ድማ ብዝኸኣሎ መጠን ንፈጣሪኡ ክመስል ይገብሮ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ንዝህቦ ህያብ መልሲ ከይደለየ ከይለመንዎ ንፍጥረታ ዘድልዮም ነገራት ኵሉ ፈሊጡ ይህብ። ርህራሄ ናይ ፍጽምና ናይ ፍቕሪ መግለጺ እዩ። “ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ብምሕረት ፍጹም ዝኾነ፡ ባእድ ዘመድ ከይበልኩም ንዅሉ ብምፍቓር ፍጹማን ኩኑ” (ትርጓሜ ማቴ. 5፡48) “እቲ ኻባኻ ዝተቐበልናዮ ኸኣ ኢና ዝሃብናካ” (1ይ ዜና. 29፡14)

ተውሳክ፡ . . .ምጽዋት፦

ሥርዐተ ጸሎት ኣብ ቤተ ክርስቲያን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሥርዐተ ጸሎት ኣብ ቤተ ክርስቲያን

“ጸሎትሰ ይእቲ ተናግሮተ ሰብእ ኀበ እግዚአብሔር ልዑል፦ ጸሎትስ ሰብ ምስ ልዑል እግዚአብሔር ዚዘራረበላ ነገር እያ” ከምዚበለ ፍት. መን. ዐን. 14። ጸሎት ብምስጋና፡ ልማኖን ዝማሬን ምስ እግዚአብሔር እንዘራረበሉ እዩ። ጸሎት ኃይሊ ኣጋንንቲ ኣድኪምና ካብ ፈተናን መከራን ንድኅን፤ ካብ እግዚአብሔር ዘድልየናን ዚጐደለናን ሓቲትና እንቕበለሉ (ማቴ. 7፡7) መንፈሳዊ ግብሪ እዩ።
ጸሎትና ፍጹም ቅቡልን መልሲ ዘምጽእን ኪኸውን ካብ ጥርጥር ዝረኃቐ። ብሓቅን እምነትን ዝማዕበለ። ትሕትና ዝመልአን ሓቀኛ ተስፋ ዝተዓጥቀን ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ሥርዓቱ ዚሓለወ ኪኸውን ኣለዎ፣ ንሎሚ ንዘራረበሉ ድማ ሓፈሻዊ ብዛዕባ ሥርዓተ ጸሎት ዘይኮነስ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ዝግበር ጸሎት ሥርዓት እዩ ኪኸውን፣ እግዚአብሔር ጥበቡን ምስትውዓሉን ይሃበና።

Read more: ሥርዐተ ጸሎት ኣብ ቤተ ክርስቲያን

ጸሎት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ጸሎት

ጸሎት ምስ እግዚአብሔር ዘራኽበና መንገዲ እዩ። ስለዚ ሓደ ክርስቲያን ኵሉ ጊዜ ኺጽሊ ይግባእ። እዚ ማለት ድማ ኽንትንሥእን ክንድቅስን ክንበልዕን ክንሰትን ክንሠርሕን ከነዕርፍን ክንወፍርን ክንኣቱን ከሎና፡ ብጸሎት ስም እግዚአብሔር ጸዊዕና፡ ክግበረልና ብእንደልዮ ክንልምን፡ ብዝተገብረልና ኸነመስግን ክርስቲያናዊ ሕጊ እዩ።

ብንጹሕ ሕሊና ነቒሕናን ተጊህናን ክንጽሊ ከም ዝግብኣና ቕዱሳት መጻሕፍቲ ይነግሩና እዮም። በዚ መሠረት’ዚኻብ ጸሎት ዝተፈልየ ሕይወት ክህልወና ፍቓድ ኣምላኽ ኣይኮነን። ጸሎትና ኸምቲ ንበልዖ እንጌራን ንሰትዮ ማይን ዘየቋርጽ ኺኸውን ይግባእ። ክንጽሊ ዝመሃረና’ውን ባዕሉ ጐይትና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ቅዱስ ዳዊት’ውን “ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ጊዜ ኣመስግነካ ኣሎኹ።” ይብል።

ተውሳክ፡ . . .ጸሎት

ኦርቶዶክሳዊ መርዓ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
ኦርቶዶክሳዊ መርዓ
እቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ኣዳም ምስ ተፈጥረ ንበይኑ ይነብር ነበረ። መፍቀሬ ሰብ እግዚአብሔር ድማ ጸገም ሰብ ፈሊጡ፡ “ሰብኣይ በይኑ ኺነብር ጽብቕ ኣይኮነን። ንእኡ እትሰማማዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ” ብምባል ካብኡ ዘይትፍለ ሓቢራቶ እትነብር ካብ ጎድኑ ንሔዋን ፈጠረሉ። ኣዳም’ውን “እዚኣ ዓጽሚ ኻብ ኣዕጽምተይ፡ ሥጋ ኸኣ ካብ ሥጋይ እያ ካብ ሰብኣይ ተወሲዳ እያ እሞ ሰበይቲ ትብሃል” ብምባል ተቐቢልዋ ከም ነፍሱ ይፈትዋ የኽብራ ነበረ። ኣብ ጊዜ ሓጐሱ ኣብ ገነት ከመኡ ኸኣ ኣብ ጊዜ ሽግሩ ኣብ ምድረ ፋይድ ምስ ሓንቲ ሔዋን ከይተፈላለየ ጸኒዑ ተረኽበ። ሔዋን’ውን ምስ ኣዳም ጸኒዓ ተረኽበት።


እግዚአብሔር ኵሉ ዝኽእል እኳ እንተኾነ ንሓደ ኣዳም ሓንቲ ሔዋን ንሓንቲ ሔዋን ውን ሓደ ኣዳም እዩ ፈጢሩ። (ዘፍ. 2፡20-25)። ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ነዚ ሕጊ እዚ ደጊሙ ኸጽንዖ ኸሎ፦ “እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠረ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም። ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣደኡን ኃዲጉ ምስ ሰበይቱ ይዋሓድ፡ ክልቲኦም ድማ ሓደ ኣካል ይኾኑ። ደጊም ሓደ ኣካል እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን። እምበኣር ነዚ ኣምላኽ ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፍለዮ።” ይብል። ስለዚ ሓደ ምስ ሓንቲ ምጽማድ (መርዓ) ፍቓድ እቲ ዝፈጠረና እግዚአብሔር ኣምላኽ እዩ። “ብዝኁን ተፋረዩን ንምድሪ ድማ ምልእዋን” ዝብል ትእዛዝን ኸኣ ኻብኡ ዝተዋህበ ሕጊ እዩ። (ዘፍ. 1፡28) ስለዚ መርዓ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣምላኽ ብቅዱስ ተኽሊል ኪፍጸም ኣለዎ። ምኽንያቱ ተኽሊል ሓደ ካብ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ ብዝርአ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዘይርአ ጸጋን በረከትን ዘውህብ፡ ክልተኦም ተጻመድቲ ብሓድነት ኣብ ሃይማኖትን ፍቅርን ሓዳርን ከም ዝጸንሑ ዝገብር ምሥጢር እዩ። መጀመርታ እግዚአብሔር ንሰብኣይን ንሰበይትን ዝፈጠረ ሓደ ኮይኖም እናተረዳድኡ፡ እናተሓጋገዙ ናይ ኵሉ ገዛእትን ኣዘዝትን ኮይኖም ኪበዝኁን ኪፈርዩን ንምድሪ ውን ኪመልእዋን እዩ። (ዘፍ. 1፡27-28)። ቤተ ክርስቲያና ውን ጸሎተ ተኽሊል ኣብ እትፍጽመሉ ጊዜ ነዚ ዝዓለመ ኾይኑ እቲ ኽልተነት ጠፊኡ ብሓድነት፡ ምፍልላይ ጠፊኡ ፍጹም ፍቕሪ ኪምሥረትንን ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ምክብባርን ምጽውዋርን ምርድዳእን ኪህልዎም እዩ።

መርዓ ቕዱስ ምዃኑ ኪምህረና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ዓለም እዚ እቲ ቐዳማይ ተኣምራቱ ኣብ ቤት መርዓ ተረኺቡ እዩ ፈጺምዎ (ዮሓ. 2፡1-14)። “ነቲ ምትእትታውስ ጽቡቕ ኣይኮነን” ዝብል ዘረባ ሓዋርያት’ውን ጐይታ ከምዚ ኢሉ እዩ መሊስዎ። “እዚ ነገር እዚ ነቶም ዝተዋህቦም እንተ ዘይኮይኑ ዅሉ ዝኽእሎ ኣይኮነን። ካብ ከርሢ ኣደኦም ስሉባት ኮይኖም ዝተወልዱ ኣለዉ፡ ሰባት ዝሰለብዎም ስሉባት’ውን ኣለዉ፡ ምእንቲ መንግሥተ ሰማያት ኢሎም ዝተሰልቡ ስሉባት እውን ኣለዉ፡ ነዚ ትምህርቲ እዚ ኪቕበሎ ዝደሊ ይቀበሎ።” (ማቴ. 19፡10-17) ብምባል ኣብ ዓለም ካብዚ ዝተባህለ ትምህርቲ ወፃኢ ምንባር ከምዘይከኣልን ካብ ዓቕምካ ወፃኢ ምንባር ጌጋ ምዃኑን ኣርዲኡና እዩ።

በዚ መሠረት ኣብዚ ወርኀ ጥሪ’ዚ ብጸሎተ ተኽሊልንን ብሥጋሁ ወደሙ መርዓኦም ኪፍጽሙ ይርኣዩ። እዚ ዓይነት ሓሳብ ብዝተቐደሰ መርዓን ሕይወትን ንምንባር ዝዓለመ ስለዝኾነ ኣዝዩ ዘሐጕስ እዩ። ይኹን እምበር እቲ መርዓ ዝፍጸም ዘሎ ብመጽናዕቲ ናይ ዕድመ ልክዕ ናብራ ንምምሥራት ተሓሲቡሉ ድዩ፧ ዋላስ ብሃንደበት ‘ፈትየኪ ፈትየካ’ ብዝብል እዩ፡ ብዘይ ዓሚቝ መጽናዕትን ርድኢትን ዝምሥረት መርዓ ጾር ሓድሕድ ዝጠፍኦ ቐጻልነት ዘይብሉ እዩ። ሰብኣይ ንሰበይቲ ኸይፈለጣ፡ ሰበይቲ ኸኣ ንሰብኣይ ስለዝምርዓዉ ቐሊል ጉዳይ የባእሶም፡ ንእሽቶ ነገር የጨንቖም እሞ ጉዳዮም ናብ ቤት ፍርዲ ይኃልፍ። ሎሚ ኣብያተ ፍርዲ ተጻቢቦም ዝረኣዩ ብኽሲ ሰብኣይን ሰበይትን እዩ። እቲ ጸገም ካብኦም ኃሊፉ ናብ ሥድራን ከባብን ኪኃልፍ ይርአ። መርዓ ቅዱስን ክቡርን እኳ እንተኾነ ተመራዒኻ ምፍታሕ ከኣ ዝገደደ ኽፉእ እዩ።

ስለዚ እምበኣር ተጻመድቲ ናብቲ ዘለዓለማዊ ኽብርን ሕይወትን ኪበጽሑ ዝኽእሉ ብምጽውዋርን፡ ብምክብባርን፡ ብምርድዳእን ዝመርሕዎ ቈይቍ ኾነ ግጭት ዘይብሉ ናብራ ኺህልዎም፡ ሓደ ናይቲ ሓደ ድኹም ጐኒ ብምፍላጥ ኪዕገስን እቲ ድኹም ጎኒ ዚፍወሰሉ መንገዲ ኪፈጥርን ቃል ኪዳን ኸጽንዕን እዩ ዝግባእ። እወ መርዓ ቕዱስ ምዃኑ ምፍታሕ ውን ከምዘይግባእን ሓዋርያት ምሂሮምና እዮም። ምፍልላይ ብሞት ብዝሙት ወይ ብእምነት ምልዋጥ ናይ ሓደ ወገን እንተ ዘይኮይኑ ፍቑድ ኣይኮነን።

ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ኣቱም ሰብኡት ከምቲ ክርስቶስ ንቤተ ክርስቲያን ዘፍቀራ ኸምኡ ድማ ንኣንስትኹም ኣፍቅሩ፡ እቲ ንሰበርቱ ዘፍቅር ንገዛእ ርእሱ እዩ ዘፍቅር፡ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ይምግባን፡ ይከናኸናን እምበር ሰብነቱ ሓደ ይኸውን፡ ክልቲኦም ከኣ ሓደ ኣካል ይኾኑ እዚ ዓቢይ ምሥጢር እዩ” ብምባል እቲ ኺህሉ ዘለዎ ሓድሕዳዊ ፍቕሪ ገሊጽዎ ኣሎ። (ኤፌ. 5፡25-31)። ሰብኣይ ንሰበይቱ ከኽብራ፡ ሰበይቲ’ውን ንሰብኣያ ክተኽብሮ ቅዱስ ተግባር ኮይኑ ንኽልተኦም ብማዕረ ዝብጽሖም እዩ።

ነዞም ኣብዚ እዋን’ዚ ብግቡእ ክርስቲያናዊ ሥርዓትን ትምህርቲ ሃይማኖትን መርዓኦም ዝፍጽሙ ዘለዉ፡ ኸምቲ ጐይታ ብመጀመርታ ኣብ ቤት መርዓ ተረኺቡ በረኸቱ ዝሃበ ሎሚ ውን እዚ በረኸት እዚ ኽህቦምን ክሳዕ ፍጻሜ ሕይወቶም ከጽንዖምን ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን።

ይትባረክ እግዚአብሔር አምለከ አበዊነ! 
ወስብሐት ለእግዚአብሔር

ዘመነ ልደት

ዘመነ ልደት

ካብ 29 ታኅሣሥ ክሳዕ 5 ጥር ዘሎ ጊዜ ኾይኑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብኅቱም ድንግልና ተጸኒሱ፡ ብኅቱም ድንግልና ከም እተወልደ ብሰፊሑ ይንገር። ከምኡ’ውን ምስጋና መላእኽት፡ ሓጐስ ጓሶትን አምኃ ሰብአ ሰገልን ዝገልጹ ንባባት ይንበቡ።

ኣርእስቲ መዝሙር፦

ይሠርቅ ኮከብ እምያዕቆብ። ወየአትት ኃጢአተ እምእስራኤል። ወአነሂ በኵርየ እሬስዮ። ልዑል ውእቱ እምነገሥት ምድር። ወ፡ ወይከውን ምስማከ ለኵሉ ምድር። ወ፡ ውስተ አርእስተ አድባር። ወ፡ ዮምሰ በሰማያት ይትፌሥሑ ሠራዊተ መላእክት። ወአነሂ በኵርየ እሬስዮ። ወአነሂ በኵርየ እሬስዮ።

ዘቅዳሴ ምንባብ፦
መልእክታት፦
ሮሜ 11፡25-ፍጻሜ።
1ይ ዮሐ. 4፡1-9።

ግብረ ሓዋርያት፦
ግብ. ሓዋ. 7፡12-22።

ምስባክ፦
መዝ. 88/89፥27-28
ወአነሂ በኵርየ እሬስዮ። ወልዑል ውእቱ እምነገሥተ ምድር። ወለዓለም አዓቅብ ሎቱ ሣህልየ።

ወንጌል፦
ማቴ. 2፡1-12።

ቅዳሴ፦
ቅዳሴ ዘዲዮስቆሮስ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195