banner

ዐሥራት በኵራት(እሽር)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ዐሥራት በኵራት(እሽር)

ሥርዓተ ኣምልኮ ካብ ዝግለጸሉ ሓደ ዐሥራት በኵራትት እዩ። ዐሥራት፦ ዐሥራት ዓሥራይ ኢድ ማለት ክኸውን ከሎ በኵራት ድማ ናይ መጀመርታ ማለት እዩ። ዐሥራት በኵራት ምሃብ ትእዛዝ እግዚአብሔር ክኸውን ከሎ እዚ ድማ ሠሪሕካ ካብ ዝረኸብካዮ ኵሉ ዓሥራይ ኢድ(ዐሥራት) ናይ መጀመርታ (በኩራት) ንቤተ እግዚአብሔር ምሃብ እዩ። እዚ ንክልተ ዕላማ ይፍጸም፦ ቀዳማይ ብዘለና ነገር ንእግዚአብሔር ምምስጋን ምምላክ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ነቲ ትሸዓተ ኢድ ክባረክ ምግባር እዩ። ስለዚ ዐሥራት በኩራት ናብ ቤተ እግዚአብሔር እነቕርቦ ሕያብ፡ ንእግዚአብሔር ዝቐርብ ኣምልኾ ወይ ድማ ናይ ኣምልኾ መግለጺ ክኸውን ከሎ፡ ነቲ ዝህብ ድማ ዓስቢ ኣምልኾቱ ቡራኼ ጸጋ ሐብት ዘውህብ ሥርዓት እዩ።


ዐሥራት በኵራት መዓስ ተጀመረ፧

ዐሥራት በኩራት ትእዛዘ እግዚአብሔር እዩ። ወድ ሰብ ናቱ ዝኾነ ዋላ ሓደ ነገር የብሉን፡ ዘለዎ ነገር ኵሉ ካብ እግዚአብሔር ዝረኸቦ እዩ። ብምዃኑ’ውን ፈጣሪና እግዚአብሔር ካብ ዝሃበና ምሃብ ሚሂሩናን ኣዚዙናን እዩ። ኣብ ቤተ ክርስቲያና ሠለስተ ዓይነት ሕጊ ኣሎ ሕገ ልቦና ሕገ ኦሪትን ሕገ ወንጌልን፡ ዐሥራት በኩራት ብጹሑፍ ዝተዓዘዘ እዃ እንተኾነ ዝተጀመረ ግና ብዘመነ ኣበው ብሕገ ልቦና እዩ። ኣብርሃም ብኃይለ እግዚአብሔር ስዒሩ ኺምለስ ከሎ ንካህን ንመልከ ጼዴቅ ብምርኾ ካብ ዝረኸቦ ነገራት ኵሉ ዕሽር ሂብዎ እዩ። ብነጻ ብዝረኸቦ ሃብቲ ንእግዚአብሔር ኣኽቢሩዎ እዩ። (ዘፍ. 14፡20) ያዕቆብ ንእግዚአብሔር ናብ ቤት ኣብኡ ብሰላምም ብጥዕና ኃልዩ ዝበልዖ ዝሰትዮ ሂቡ እንተ መሊስዎ ዕሽር ከም ዝህቦ ቃል ኪዳን ኣተወ።(ዘፍ. 28፡20-22) ስለዚ ዐስራት ቕድሚ እግዚአብሔር ንሙሴ ከም ሕጊ ምሃቡ ብሕገ ልቦና ዝፍጸም ዝነበረ እዩ። እዚ ብሕገ ልቦና ዝጀመረ እዚ ሕጊ ብሕገ ኦሪትን ከይተወሰነ ብሕገ ወንጌል ቀጺሉን ጸኒዑን እዩ። “ካብቲ በብዓመት ካብ ግራትኩም ዝወፀ ኵሉ እቶት ዘርእኹም ዕሽር ኣውፅኡ።” (ዘዳ. 14፡22) ኣገልግሎቱን ምኽንያቱ ክዛረብ ከሎ፡ ዐሥራት ንደቂ ሌዊ ኣብ ክንዲ እቲ ኣገልግሎቲም ርስቲ ክኾኖም ዝሃብክዎም እዩ። (ዘኁ. 18፡21-24)

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን “ንሕጊ ሙሴ ኾነ ንነቢያት ክፍጽሞም ደኣ እምበር፡ ክስዕሮም ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም” ማቴ. 5፡17 ብምባል ኣጽኒዕዎ እዩ። ጐይታ ዐሥራት ምሃብ ከም ዝግባዕ ናይ ቄሳር ንቄሳር ናይ እግዚአብሔር ንእግዚአብሔር ኢሉ ምሂሩ እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ዓለም ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ’ውን ምጽዋት ዐሥራት ኣብ ቤተ መቅድስ ምሃብ ዝተለመደ ነበረ። ዘኬዎስ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ካብ ገንዘቡ ኵሉ ፍርቂ ከም ዝህብ ተናዘዘ ጐይታውን ባረኮ።

ዐሥራት በኩራት ንምንታይ ንቤተ እግዚአብሔር ንሕብ፧

1. ንኣምልኾተ እግዚአብሔር መፈጸሚ።
ኣምልኾተ እግዚአብሔር ኣቐዲሙ ኣብ ድንኳን ደኃር ድማ ኣብ ቤተ መቅደስ ይፍጸም ነበረ። ሕዝበ እግዚአብሔር ዝከፍሎ ዐሥራት ኣብዚ ውሽጢ መኅደሪ እግዚአብሔር ንዝፍጸም ኣገልግሎት ዘገልግሉ ከም ዘይቲ ዕጣን ጥዋፍ ሽምዐ ዝኣመሰለ ይውዕል። “ኵሉ ዕሽር ዘበለ ድማ ካብ ዘርኢ ምድሪ ኾነ ካብ ፍረ ኦም ንኣይ ንእግዚአብሔር ዝተቐደሰ እዩ። ሰብ ካብቲ ዕሽሩ ኺብጆ እንተ ደለየ ኣብ ልዕሊ ዋጋኡ ኃምሳይ ኢድ ወሲኹ ይበጀዎ። ዓሥራይ ኣፍ ናይ ኵለን ኣሓን ጤለ በጊዕን ንኣይ ንእግዚአብሔር ይሃብ። . . . እቲ እግዚአብሔር ንደቂ እስራኤል ኢሉ ኣብ እምባ ሲና ንሙሴ ዝሃቦ ትእዛዝ እዚ እዩ።” (ዘሌ. 27፡30-34)

2. ነቶም ኣገልገልቲ (ካህናት) ንምርዳእ
ብዘመነ ብሉይ ኪዳን ካህናተ እግዚአብሔር ካብ ሕዝቢ ብዝመጽእ ዐሥራት እናተረድኡ ይነብሩ ነበረ። (ዘኁ. 18፡21) እግዚአብሔር ኣምላኽ ብኢያሱ ኣቢሉ ርስቲ ንሕዝበ እስራኤል ከከፋፍል ከሎ ቤተ መቅደስ ንዘገልግሉ ሌዋውያን ርስት ኣይተዋህበን። እዚ ኸኣ ንሌዋውያን ርስትኹም ኣነ እየ ኢሉ እዩ። እዚ ማለት ሌዋውያን ኣይኃርሱን ኣይጉልጉሉን ኣይነግዱን ሥርሖም ብክህንነት ንእግዚአብሔር ምግልጋል ጥራይ እዩ። እቲ ሕዝቢ ዐሥራት ዝኸፍል ንሌዋውያን ናይ ክህንነቶም ዋጋ እዩ። ካህናት ኣብ ቤተ መቅድስ ዝፍጸም ኣምልኾተ ሥርዓት ኵሉ ይፍጽሙ ንስሓ ይቅበሉ ንዝበደሉ ይዓርቁ ንዝሓመሙ ይጽልዩ . . . ዝኣመሰለ ኵሉ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያንን ሕዝብን ይፍጽሙ። ስለዚ ሕዝቢ ዓሥራት እንተ ዘየውጺኡ ካህናት ሥርሖም ብግቡእ ኣይፍጽሙን ምክንያቱ ንናይ ዕለት ምግቦም ንናይ ዓመት ክዳኖም ንካልእን ዝኾኖም ክሠርሑ ይግደዱ፡ ብሰንክ እዚ ድማ ኣገልግሎት ይጐድል ኣምልኾተ እግዚአብሔር ከምቲ ግቡእ ከይተፈጸመ ይተርፍ በዚ ምኽንያት በረከተ እግዚአብሔር ይሓጽጽ።

ብዘመነ ሓዲሽ እውን ኣብ ፍትሃ ነገሥትን ኣብ ቃል ዐዋዲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኅዱር ኣገልገልቲ ካህናት ካብ ዐሥራት በኩራት ወርኃዊ ደመወዞም እናረኸቡ ኣገልግሎቶም ክፍጽሙ ተኣዚዙ ኣሎ።

3. ንስብከተ ወንጌል
ወንጌል ንዅሉ ምእቲ ክበጽሕ መድኃኒናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ሑሩ ወመሀሩ. . .” ዝብል ትእዛዝ ሂቡ እዩ። እዚ ትእዛዝ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓዋርያት ተግባር ይፍጽም። ነዚ ተግባር ንምፍጻም ዘድልይ ዝኾነ ዓይነት ነገር ናይ ሕዝበ ክርስቲያን ግቡእ እዩ። ነዚ ተግባር ናይ ፊልጵስዮስን ናይ መቂዶንያ ኣብያተ ክርስቲያና ኣዝዮም ተመስጊኖሙሉ እዮም። (ፊል. 1፡5 4፡15) ቀዳሞት ክርስቲያን ገንዘብ ከዋጽኡ ከለዉ መጀመርታ ንስብከተ ወንጌል የውዕልዎ ነበሩ።

4. ንነዳያን ንምርዳእ
ኣብ ዙርያ ቤተ ክርስቲያን ዝርከቡ ጽጉማን ካብ ምእመናን ካብ ዝዋጻእ ዕሽር ተቐኒሱ ክወሃቡ ሕገ ቤተ ክርስቲያን ይገልጽ። ሙሴን ሌዋውያንን ኣብ ቤተ መቅድስ ኣብ ዘገልግሉሉ ዝነበሩ ዘመን ካብ ዐሥራት ንነዳያን ክወሃቡ እግዚአብሄር ምእዛዙ ተጻሒፉ ኣሎ። (ዘዳ. 14፡28 16፡11 26፡12 ዘሌ. 19፡9-10) ናይ ቀደም ኣቦታት ሙዳየ ምጽዋት ክእክቡ ከለዉ ንነዳያን ሓደ ሣጹን የቐምጡ ነበሩ።

ነዳያን ዝበሃሉ ኣቦን ኣደን ዘይብሎም ሕጻናት፡ ኣብ ዓራት ንነዊሕ ዘመን ዝሓመሙ፡ ኣላይ ዘይብሎም ኣረግቶት፡ ዝኣመሰሉ ናይ ቤተክርስቲያን ኣባላት ዝኾኑ ጽጉማት እዮም። ብዛዕባ እዚ ናይ ኢየሩሳሌም ቤተ ክርስቲያን ኣብነት ነበረት (ግብ.ሓዋ. 6፡1) ክርስቲያን ንነዳያን ክጥንቀቑሎም ከም ዘለዎም፡ ኃላፍነት ክወስዱ ከም ዘለዎም ተጻሂፉ እዩ። (ማቴ. 25፡40 ያዕ. 2፡15 ገላ. 6፡10 ዕብ. 13፡16)

ዐሥራት በኩራት ብግቡእ እንተ ተፈጺሙ ነዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዙኅ ምእመናን ንዘይብሎም ኣብያተ ክርስቲያን ንምርዳእ፡ ጥንታውያን ጽሑፋት ንምሕላው፡ ንቕርሲ ቤተ ክርስቲያን ንትውልዲ ንምትሕልላፍ፡ መሠልጠኒ ካህናት ኮሌጅ ንምሥራሕ፡ ኣብ ዓድታት ንዝርከቡ ኣማንያን ወንጌል ንምስፋሕ ዝመሰሉ ጉዳያት ይውዕል።

ዕሽር ምሃብ በረኸት የውህብ እዩ።

ዕሽር ምሃብ በረኸት ከም ዘውህብ ብነቢይ ሚልክያስ ኃዲሩ ከምዚ ይብል “ኣብ ቤት መቕደሰይ ምግቢ ኸኸውንሲ ዕሽር ዘበለ ዅሉ ናብ ቤት መዝገብ ኣምጽእዎ። ሽዑ መሳዅቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩም በረኸት ድማ ብዘይ ልክዕ እንተ ዘየፍሲሰልኩም በዚ ተዓዘቡኒ፡ ኣነ እግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት ተዛሪበ ኣሎኹ” (ሚልክ. 3፡10)። ዕሽር ትእዛዝ እግዚአብሔር ከም ምዃኑ መጠን’ውን ምፍጻሙ የባርክ እዩ፡ “ንእግዚአብሔር ኣምላኽኩም እንተ ተኣዘዝኩምዎ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ትእዛዛቱ ኸኣ ተጠንቂቕኩም እንተ ሓሎኹምዎ እግዚአብሔር ኣምላኽኩም ኣብ ልዕሊ ዅሎም ሕዝብታት ምድሪ ኽብ ኬብለኩም እዩ።. . .” (ዘዳ. 18፡1-20) ስለዚ ዕሽር ምሃብ ነቲ ዘለና ዘጉድለልና መሲሉና መብዛኅትና ይስምዓና ይከውን ብኣንጻሩ ግና ዕሽር ብዘይ ምክፋልና ትእዛዝ እግዚአብሔር ብምጥሓስ ነቲ ዘለና ከይባረክ ንገብሮ።

ዕሽር ዘይምውጻእ ንእግዚአብሔር ምስራቕ እዩ!

ሰብ ንእግዚአብሔር ብኸመይ ይሰርቅ። “ሰብዶ ንኣምላኽ ኪሰርቆ ይኾነሉ እዩ፧ ንስኻትኩም ግና ሰረቅኩምኒ። ተመሊስኩም ከኣ ‘ብምንታይ እሞ ኢና ዝሰረቅናካ፧’ ትብሉ ኣሎኹም። ዕሽርን መባእን ብዘይምኽፋልኩም ኢኩም ዝሰረቕኩምኒ።”ሕዝብ ብምሉኣትኩም ስለ ዝሰረቕኩምኒ ኣብ ልዕሌኹም መርገም ወሪዱ ኣሎ፡” (ሚልክ. 3፡8-9) ወዲ ሰብ ብፍቓዱ ፈቲዩ ዝህቦ ብጽዐት ወይ መብዐእን ንምንታይ ዘይተሰዐልካ ኣይበሃልን፡ ዐሥራት በኵራት ግና ሕጊን ቀኖናን ሥርዓተ ኣምልኾ እዩ። ናይ ቤተ መቅደስ ኣምልኾ ዝፍጸመሉ መሣርሒ እዩ። ኣገልግሎተ እግዚአብሔር ናይ ትርፍ ጊዜ ሥራሕ ክኸውን ከሎ ንእግዚአብሔር ሰሪቕናዮ ይበሃል።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195