banner

ሥርዐተ ቤተ ክርስቲያን (፩ይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሥርዐተ ቤተ ክርስቲያን
፩ ትርጕም
ትምህርቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዶግማ፣ ሥርዐት(ቀኖና)ን ትውፊትን ዝተመሥረተ እዩ። ‘ዶግማ’ ዝበሃል መሠረተ እምነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝገልጽ፣ ዘይልወጥ ትምህርተ ሃይማኖት እዩ። ብዛዕባ ኃሙሽተ ኣዕማደ ምሥጢር፣ ነገረ ማርያም፣ ኣማልድነት ቅዱሳንን ካልእ ቤተ ክርስቲያን እትኣምኖን እትምህሮን ኵሉ ኣካል ዶግማ እዩ።
‘ትውፊት’ ዝበሃል ከኣ ካብ ቀዳሞት ኣበው ቤተ ክርስቲያን ጀሚሩ ንወለዶታት ዝመኃላለፍ መንፈሳዊ ውርሻ እዩ። ሕዝበ ክርስቲያን ኣብ መንፈሳዊ ጕዕዞኦም ብምርኣይን ብቃልን ብንብረትን ዝተረከብዎምን ዝወረስዎምን ቅዱሳት ናይ ናብራ ባህልታት፡ ቅርስታት፣ ቅዱሳት መጻሕፍት፣ ንዋያተ ቅዱሳትን ካልእን ዝመኃላለፉሉ መንፈሳዊ ቅብብል እዩ።

ሥርዐት፣ “ሠርዐ” ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዚወፅአ ኮይኑ፣ ትርጕሙ ድማ ሕጊ፣ ኣሠራርሓ፣ መርሓ ግብር ማለት እዩ። ቀኖና ክበሃል ከሎ ኸኣ፣ “ካኖን” ካብ ዝብል ናይ ግሪኽ ቃል ዝተረኽበ ኾይኑ፣ ትርጕሙ ድማ መዐቀኒ፣ ሕጊ፣ ሥርዐት፣ ፍርዲ፣ መቕጻዕቲ ማለት እዩ። ስለዚ ሥርዐት (ቀኖና) ቤተ ክርስቲያን ክንብል ከሎና፣ ኣሠራርሓ፣ መርሓ ግብር ወይ ከኣ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ማለት እዩ።
በዚ ኸኣ፦
• “ቤተ ክርስቲያን ሕንፃ እዩ” (፪ ዜና. መዋ. ፯፥፲፪-፲፮/7፥12-16)፣ ሥርዐት ቤተ ክርስቲያን ከኣ ነቲ ሕንፃን ኣብኡ ዝፍጸም ኵሉ ተግባራትን ኣሠራርሓ ዘመልክት እዩ። ነዚ ዝፍጽምን ዘፈጽምን ግና ሰብ እዩ።
• “ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓደ ምእመን ሰብነት እዩ” (፩ይ ቆሮ. ፫፥፲፮/3፥16፣ ፮፥፲፱/6፥19)፣ ሥርዐት ቤተ ክርስቲያን ከኣ ናይ’ቲ ምእመን ሥርዐት ዝሓለወ ሕይወት ማለት እዩ።
• “ቤተ ክርስቲያን ሓድነታዊ ጉባኤ ምእመናን እዩ” (ማቴ. ፲፰፥፳/18፥20)፣ ሥርዐት ቤተ ክርስቲያን ከኣ ኣብ ምእመናን ጸኒዓ እትነብር ብዘይምፍልላይ ንዅሉ ተመዓራሪ ሓንቲ መንገዲ ሃይማኖት ማለት እዩ።
ኣብ ዘመነ ብሉይ ንእስራኤል ዘሥጋ ዝተፈላለዩ ሥርዐታት ተሠሪዖምሎም ነይሮም እዮም። ኣሠራርሓ ንዋያተ ቅዱሳት (ዘፀ. ፳፭-፳፰/25-28)፣ ሥርዐተ መሥዋዕት (ዘፀ.፳፱-፴/29-30)፤ ሥርዐተ ካህናት (ኦሪት ዘሌዋውያን)ን ካልኦትን። ሊቀ ነቢያት ሙሴ ንሕዝቡ ዝተፈላለየ ሥርዓታት ሠሪዑሎም ስለ ዝነበረ፣ ሥርዐት ሙሴ ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ። (ግብ. ሓዋ. ፲፭፥፩/15፥1)። ዳኅረዎት ነቢያት’ውን ሃይማኖትን ግብርን ሕዝቦም ዘጽንዑ ሥርዐታት ሠሪዖም እዮም። ነህምያ “በዚ ኸምዚ ካብ ኵሉ ጋሻ ነገር ኣጽረኽዎም። ነቲ ኣገልግሎት ካህናትን ሌዋውያንን ከኣ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰሥራሑ ብምትኃዝ ኣቖምክዎ። ብዛዕባ እቲ ንመሥዋዕት ዝኸውን ዕንፀይትን ብዛዕባ በዅራትን በቲ ዝተመደበ ጊዜ ኪቐርብ ኣዘዝኩ። ኦ ኣምላኸይ፣ ንጽቡቕ ሕሰበለይ።”ይብል።(ነህ. ፲፫፥፴-፴፩/13፥30-31)።
ቅዱሳን ሓዋርያት’ውን ነቲ ኣብ መንጎ ካብ ኣይሁድ ዚኣመኑ ክርስቲያንን ካብ ኣሕዛብ ዚኣመኑ ክርስቲያንን ዝተፈጥረ ናይ ሥርዐት ፍልልይ ንምፍታሕ ኣብ ቀዳማይ ጉባኤኦም ሠለስተ ቀኖናታት ሠሪዖም እዮም። ንጣዖት ካብ ዝተሠውዐ ንኺርኅቁ፡ ኅሉቕ ከይበልዑን ካብ ዝሙት ኪርኅቁን ዝብሉ ቀኖናታት። (ግብ.ሓዋ. ፲፭፥፩-፳፱/15፥1-29)።
ቅዱሳን ሓዋርያት፣ “ኵሉ ብኣገባብን ሥርዐትን ይኹን” (፩ይቆሮ. ፲፬፥፵/14፥40) ብምባል፣ ሕዝበ ክርስቲያን ብሥርዐት ኪነብሩ ደጋጊሞም ምሂሮም እዮም። ኣይኮነን’ዶ ንሥርዐት ቤተ ክርስቲያንሲ ንሥርዐት ሰብ’ውን ክንእዘዝ ከም ዘሎና፣ “ስለ ጐይታ ኢልኩም ንዅሉ ሥርዐት ሰብ ተኣዘዙ” (፩ይ ጴጥ. ፪፡፲፫/2፡13) ኢሎም ምሂሮምና እዮም። ምኽንያቱ ንሥርዐት ሰባት ምእዛዝ ምልክት ትሕትና እዩ። ሰባት ድማ ነዚ ሠናይ ግብርና ርእዮም ንእግዚኣብሔር የመስግንዎ። (ማቴ. ፭፥፲፮/5፥16)። ድኅሪ ሓዋርያት ዝመጽኡ ቅዱሳን ኣበው’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ጊዜያት ዝተፈለለዩ ሥርዐታት ሠሪዖም፣ ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን መሪሖም እዮም። ነዚ ኸኣ ቅዱሳት መጻሕፍቲ መርሚሮም፡ ብጸሎት ምስ እግዚኣብሔር ተዘራሪቦምን ምስ ብጾቶም መኺሮምን እዮም ፈጺሞምዎን ዝፍጽምዎ ዘለዉን።
፪. ምንጭታት ሥርዐተ ቤተ ክርስቲያን
መጽሓፍ ቅዱስ ንዝኾነ ትምህርትን ሥርዐትን ቤተ ክርስቲያን ምንጪ ብምዃን ብቐዳማይ ደረጃ ይሥራዕ። ሥርዐተ ቤተ ክርስቲያን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተወስደ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙኃት ሥርዐታት ተጠቒሶም ኣለዉ። ንምሳሌ ኣብ ብሉይ ኪዳን ፡-እግዚአብሔር ንእስራኤላውያን ናፃ ንኽወፅኡ ምስ ፈቐደ፡ ሥርዐት ገንሸል ፋሲካ ሓደ ካብ ዝተዋህቦም ሥርዐት እዩ። እስራኤላውያን ናብ ደብተራ ኦሪት ቅድሚ ምስግጋሮም ኣብ ደብረ ሲና ሥርዐት ከም ዝፈልጡ ገበረ።ኣዘዞ።(ዕብ ፰፡፭/ 8፡5፣ ዘፀ ፳፭፡፵/ 25፡40)።
ኣብ ሓዲስ ኪዳን’ውን ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሥርዐት ኦሪት ፈጺሙ እዩ። ሓዲስ ኪዳን ምስ መሥረተ ድማ ብደሙ ኣንጺሑ ሓዲስ ሥርዐት ኣጽንዐ። ኣብ ቤት ኣልኣዛር ሥርዐተ ቍርባን፡ ኣብ ጌተሴማኒ ሥርዓተ ጸሎትን ስግደትን፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ሥርዐትን ኣፈጻጽማን ጾም፡ጸሎት፡ምጽዋት ሠሪዑ እዩ። ቅድሚ ዕርገቱ ውን ንቅዱሳን ሓዋርያት ምሂርዎም እዩ። (ማቴ. ፭፡፲፯/ 5፡17፣ ዕብ ፱፡፲፰/ 9፡18)።
ስለዚ ብሉይ ኪዳንን ሓዲሽ ኪዳንን መሠረት ገይሩ ዝተሠርዐ ሥርዐተ (ቀኖና) ቤተ ክርስቲያን ሠለስተ ምንጭታት ኣለውዎ። ንሳቶም ድማ፦ ሲኖዶስ ሓዋርያት፣ ጉባኤያት ቤተ ክርስቲያንን ውሳኔታት ኣበው ቤተ ክርስቲያንን፣ ከምኡ’ውን ትውፊት እዮም።
፪.፩ ሲኖዶስ ሓዋርያት
ቅዱሳን ሓዋርያት ኣብ ዘመኖም ብዝገበርዎም ጉባኤታት ዝተፈላለያ ሥርዐታት (ቀኖናታት) ሠሪዖም ንቤተ ክርስቲያን ገዲፎሙላ እዮም። እዘን ቀኖናታት እዚኣተን ኣብ ሲኖዶስን ዲድስቅልያን ዝተባህሉ ክልተ መጻሕፍተ ቤተ ክርስቲያን ይርከባ። ‘ሲኖዶስ’ ናይ ግሪኽ ቃል እዩ፤ ትርጕሙ ድማ ቅዱስ ጉባኤ ማለት ኮይኑ፣ እዚ መጽሓፍ እዚ ሥርዓተ ጽዮን፣ ኣብጥሊስ፣ ትእዛዝን ግፅውን ዝተባህሉ ኣርባዕተ ክፍልታት ኣለውዎ። ትእዛዝ (ረስጠብ) 71/72፣ ግፅው (ረስጠጅ) 56/57፣ ኣብጥሊስ (ሊስጣ ወይ ረስጠኣ) 82/83 ፣ ሥርዓተ ጽዮን (ዓይን) ድማ 30 ቀኖናታት የጠቓልል።
፪.፪ ጉባኤያት ቤተ ክርስቲያንን ውሳኔታት ኣበውን
ካብ ዘመነ ሓዋርያት ጀሚሩ እምነት ቤተ ክርስቲያን ንምምስካር፣ ሓድነታ ንምጽናዕ መናፍቃን ንምኅፋር፣ ኣበው ጳጳሳት ኣብ ዝገበርዎም ጉባኤታት ሓደ ካብ’ቲ ዝገበርዎ ዓበይቲ ሥርሓት ምሕጋግ ሥርዐት ቤተ ክርስቲያን እዩ። ጉባኤያት ቤተ ክርስቲያን፡ ዓለም ለኻውያን ጉባኤያትን ሃገራውያን ወይ ድማ ኣከባብያውያን ጉባኤያትን ተባሂሎም ይኽፈሉ።
፪.፪.፩. ዓለም ለኻውያን ጉባኤያት ቤተ ክርስቲያን
• ጉባኤ ኒቅያ፦ ንኣርዮስ ከውግዙ ብ325 ዓ.ም. ኣብ ኒቅያ ዝተጋብኡ ኣበው ‘ወልድ ዋሕድ’ ኢሎም መስኪሮም ንኣርዮስ ድኅሪ ምውጋዞም፣ ዕሥራ ቀኖናታት ሠሪዖምልና እዮም።
• ጉባኤ ቍስጥንጥንያ፦ ብ381 ዓ.ም. ኣብ ቍስጥንጥንያ ዝተጋብኡ ኣበው ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ቅኑዕ ትምህርቲ መስኪሮም ንመቅዶንዮስን ኣቡሊናርዮስን ድኅሪ ምውጋዝ፣ ቀኖናታት ቤተ ክርስቲያን ሠሪዖም እዮም።
• ጉባኤ ኤፌሶን፦ ብ431 ዓ.ም. ኣብ ኤፌሶን ዝተጋብኡ አበው፡ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላኽ ምዃና መስኪሮም፤ ንንስጥሮስ ምስ ኣውገዙ፡ ሸሞንተ ቀኖናታት ቤተ ክርስቲያን ሠሪዖም እዮም።
፪.፪.፪. ሃገራውያን ወይ ኣከባብያውያን ጉባኤያት
ብዘይካ እዞም ዓለም ሓቀፋውያን ጉባኤያት እዚኣቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ጊዜያት ብሓድነት ኣበው ቤተ ክርስቲያን ዝተኻየዱ ኣከባብያውያን ሲኖዶሳት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ክትምርሓሎም እትኽእል ቀኖናታት ሠሪዖም እዮም። ንኣብነት፦
• ጉባኤ ዕንቆራ፦ ኣብ 314 ዓ.ም. ሎሚ ኣንካራ (ዕንቆራ) ኣብ እትበሃል ከተማ ዝተጋብኡ ዓሠርተው ክልተ ኤጲስ ቆጶሳት ዕሥራን ኃሙሽተን (25) ቀኖናታት ሠርዑ። ኣብ መጻሕፍተ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን፡ ቀኖና እዚ ጉባኤ “ዕንቆራ” ተባሂሉ ይጽዋዕ።
• ጉባኤ ቅርጣግና፦ ኣብ ጥንታዊት ቂሣርያ፣ ቅርጣግና ኣብ እትብሃል ከተማ ዝተጋብኡ 50 ኤጲስ ቆጶሳት ንመርዓን ካህናትን ዝምልከቱ 14 ቀኖናታት ሠርዑ። ኣብ መጻሕፍተ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን፡ ቀኖና እዚ ጉባኤ፣ “ቀጠግ” ተባሂሉ ይጽዋዕ።
• ጉባኤ ጋንግራ፦ ብ314 ዓ.ም. ኣብ ጋንግራ ዝተጋብኡ 15 ኤጲስ ቆጶሳት ነቶም ንምብላዕ ሥጋን መውስቦን ዝኽልክሉ ሰባት ድኅሪ ምውጋዞም፣ 20 ቀኖናታት ቤተ ክርስቲያን ሠርዑ። ቀኖና እዚ ጉባኤ፣ “ግንር” ተባሂሉ ይጽዋዕ።
• ጉባኤ ኣንጾኪያ፦ ኣብ ሣልሳይ ክፍለ ዘመን ኣብ ከተማ ኣንጾኪያ ክሕደት ጳውሎስ ሣምሳጢ ከውግዙ ዝተጋብኡ 13 ኤጲስ ቆጶሳት 25 ቀኖናታት ቤተ ክርስቲያን ሠርዑ። ኣብ መጻሕፍተ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን፡ እዚ ቀኖና፣ “ጾክ” ተባሂሉ ይጽዋዕ።
• ጉባኤ ሎዶቅያ፦ ብ345 ዓ.ም. ናይ ማኒ ክሕደታዊ ትምህርቲ ንምውጋዝ ኣብ ሎዶቅያ ዝተጋብኡ 19 ኤጲስ ቆጶሳት 59 ቀኖናተ ቤተ ክርስቲያን ሠርዑ። ኣብ መጻሕፍተ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን፡ ቀኖና እዚ ጉባኤ፣ “ዶቅ” ተባሂሉ ይጽዋዕ።
• ጉባኤ ሰርድቅያ፦ ብ343 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ኣትናቴዎስ ንዝተላዕሉ ኣርዮሳውያን ንምውጋዝ ኣብ ሰርድቅያ ዝተጋብኡ 140 ኤጲስ ቆጶሳት 21 ቀኖናተ ቤተ ክርስቲያን ሠርዑ። ኣብ መጻሕፍተ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን፡ ቀኖና እዚ ጉባኤ፣ “ሰድቅ” ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ብዘይካ እዚ በብጊዜኡ ዝተንሥኡ ቅዱሳን አበው ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ንምስፋሕ፣ ትምህርተ ሃይማኖት ንምጽናዕ፣ ሥርዐት ንክሕሎ፣ ሕይወት ምእመናን ንክዓቢ ቀኖናታት ቤተ ክርስቲያን ሠሪዖም እዮም። ንኣብነት ኣቡሊድስ ሊቀ ጳጳስ ዘሮሜ ዝሠርዖም 38 ቀኖናታት (በደስ)፣ ብዛዕባ ምንኵስናን መርዓን ዝምልከት ቅዱስ ባስልዮስ ዝሠርዖም 106 ቀኖናታት (በስ)፣ ብዛዕባ ናይ ካህናትን ምእመናንን ሥነ ምግባር ኤጲፋንዮስ ዝሠርዖም 45 ቀኖናታት፣ ጎርጎርዮስ ዘኑሲስ ዝሠርዖም ቀኖናታት (ግር)፣ ብዛዕባ ሥርዐተ ክህነት ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዝሠርዖም ቀኖናታት (ሓ) ዝጥቀሱ እዮም።
፪.፫. ትውፊት
ትውፊት ካብቶም ቅድሜኻ ዝነበሩ ወለዶታት ተቐቢልካ ንስኻ ተጠቒምካ ናብ’ቲ ድኅሬኻ ዚመጽእ ወለዶ “ዘአወፈየኒ አወፈይኩከ/ ነቲ ዝተወፈየለይ አወፍየልካ ኣሎኹ” ኢልካ እተኅልፎ ዝድኅሠሥን ዘይድኅሠሥን ከይተወሰኾን ከይጐደሎን እናተኃላለወ ዚነብር ቅኑዕ ውርሻ ኣበው እዩ። ነዚ ቤተ ክርስቲያንና ካብ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ቅዱሳን ሓዋርያትን ጻድቃን አበውን ብምስማዕን ብምርኣይን ዝወረሰቶ ምንጪ ዅሉ ነገር (ዋላ ውን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ) ዝኾነ ቅዱስ ትውፊት፣ መሠረተ ትምህርታ ገይራ ትጥቀመሉ እያ። “ሃይማኖት ርትዕት እንተ ሐዋርያት ትውፊት፦ እታ ትውፊት ሓዋርያት ዝኾነት ቅንዕቲ ሃይማኖት” (ቅዱስ ቄርሎስ)።
ቅዱሳን ሓዋርያት ብትውፊትን ብመጽሓፍን ንዝነገሩና ትምህርቲ ኣጽኒዕና ክንኅዝ ከም ዝግብኣና፣ “ወይእዜኒ አኃዊነ ቁሙ ወዕቀቡ ትእዛዘ ዘመሀሩክሙ ወሠርዑክሙ ዘበቃልነ ወዘበመጽሐፍነ፦ ደጊም፣ ኣቱም ኣኅዋትና ጸኒዕኩም ቁሙ እሞ ነቲ ብቓልና ወይስ ብደብዳቤታትና ዝተመሃርክምዎ ትምህርታት ኃዝዎ።” (፪ይ ተሰ. ፪፥፲፭/2፥15) ኢሎም ምሂሮምና እዮም።
፫. ኣድላይነትን ጥቕምን ሥርዐት ቤተ ክርስቲያን
ኣድላይነትን ጥቕምን ሥርዐት ቤተ ክርስቲያን ፍሉጥ እዩ። ንኣብነት ግና እዞም ዚስዕቡ ንጠቅስ።
• ንወዲ ሰብ ሃይማኖት ምፍላጥ ጥራይ ኣየድኅኖን እዩ፣ ኣፈጻጽማኡ ፈሊጡ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ሰብ ንኺድኅን ኪኣምን ፣ ኪጥመቕ፣ ቅዱስ ቍርባን ኪቕበል. . . ከም ዘለዎ ይነግር እምበር፣ ዝርዝራዊ ኣፈጻጽማኦም ግና ሥርዐት ቤተ ክርስቲያን እዩ ዝምልሶ።
• ኣብ መንጎ ምእመናን ብጉዳይ ሃይማኖት ዝለዓል ብሥርዐት ቤተ ክርስቲያን እዩ ዚፍታሕ። ንኣብነት ኣብ ዘመነ ሓዋርያት ኣብ መንጎ ካብ ኣይሁድን ካብ ኣሕዛብን ናብ ክርስትና ዝኣተዉ ምእመናን ዘጋጠመ ፍልልይ፣ ቅዱሳን ሓዋርያት ብዝሠርዕዎ ሥርዐት እዩ ተፈቲሑ። (ግብ. ሓዋ. ፲፭/15)
• ሥርዐት ቤተ ክርስቲያን ነቶም ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ዘለዉ ምእመናን ብቦታን ጊዜን ከይተጸልዉ፣ ሓደ ዓይነት ናይ ሥርዐተ ኣምልኾ፣ ሥነ ምግባርን ኣነባብራን ኪህልዎም ይገብር። ንኣብነት ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ናይ ቅዳሴ፣ ንባባት፣ ኣጽዋማትን ጸሎታትን ትኅዝቶን ብሥርዐት ቤተ ክርስቲያነን ሓደ ኮይነን ይነብራ። በዚ ኸኣ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ይዕቀብ።
• ብሕገ እግዚኣብሔር ንዝመላለሱ ሰባት ካብቶም ብሕገ እግዚኣብሔር ዘይመላለሱ ፈልዩ፣ ቅድሚ ሰማያዊ መቕጻዕቲ ምምጻኡ ምድራዊ መቕጻዕቲ እናሃበ ኪእርምን ኪዓርቕን ዚኽእል ሥርዐተ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ሕጊ እግዚኣብሔር እንተ ጥሒሱ፣ ኃጢኣቱ ተናዚዙ ብዝወሃቦ ቀኖና (መቕጻዕቲ) ብመንገዲ ካህን ምስ እግዚኣብሔር ይተዓረቕ፣ በዚ ድማ ካብ ዘለዓለማዊ መቕጻዕቲ ይድኅን።
፬. ሥርዐተ ቤተ ክርስቲያን ዚውስን መን እዩ፧ ዘመኃይሽ’ከ፧
ቀኖና (ሥርዐተ) ቤተ ክርስቲያን ክሕግግ ሥልጣን ዘለዎ፡ እቲ ኣብ እግሪ ቅዱሳን ሓዋርያት ዝተተክአ ጉባኤ ኣበው ጳጳሳት (ቅዱስ ሲኖዶስ) እዩ። ቅዱሳን ሓዋርያት ኣብ መጽሓፈ ሲኖዶስ፣ “ካባና ዝተረፈ ዝኾነ ነገር እንተሎ፣ ኤጲስ ቆጶስ የዘክር” (ትእዛዝ፣ ቀኖና ፴፭/35)። አበው ጳጳሳት ከም ሓዋርያት ጉባኤ ሠሪዖም ፣ “ንሕናን መንፈስ ቅዱስን ፈቒድና ኣሎና” ኢሎም ዚሕግግዎ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ኣካል ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ይኸውን። ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ብውልቆም ሥርዐት ዝሠርዑ ኣቦታት ነይሮም እኳ እንተ ኾኑ፣ ከም ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ቅቡል ዝኾነ ግና ቅዱስ ሲኖዶስ ብጉባኤ ምስ ኣጽደቖ እዩ።
ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ቅዱሳት መጻሕፍት፣ ዝቐደሙ ቀኖናታት ቤተ ክርስቲያንን ህልው ኵነታት ዘመንን ኣገናዚቡ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ኪሠርዕን ንዘሎ ከመኃይሽን ሥልጣን ተዋሂብዎ እዩ። “ንሕና ካብ’ዚ ዘጕደልናዮ እንተሎ፣ ንዅልና መንፈስ ቅዱስ ኣሎና እሞ፣ ንስኻትኩም መልእዎ” (ትእዛዝ፣ ቀኖና ፴/30)። “ኣብ መወዳእታ እዚ መጽሓፍ እዚ ንሊቃውንቲ ዝምልከት ተጻሒፉ ኣሎ። ኣብ ልዕሊኡ ኪውሰኹ ካብኡውን ከጕድሉ ኣብ ውሽጢ እዚ መጽሓፍ እዚ ዘይተፈቕደሎም ነገር የልቦን” (መቅድም ፍት.ነገሥ.)
ቅዱሳን ሓዋርያት ብሰንኪ ሥርዐት ቤተ ክርስቲያን ክርክር ተላዒሉ፣ ቤተ ክርስቲያን ከይትርበሽ፣ “ኣቱም ኣኅዋትና፣ ካባና ዝተረፈ ነገር እንተሎ ፣ ቤተ ክርስቲያን ርግኣት ናብ ዘለዎ ወደብ ንኽትምራሕ፣ እግዚኣብሔር ንዚግብኦ ሰብ ይግለጸሉ።” (ትእዛዝ፣ ቀኖና ፵፰/48) ኢሎም መኺሮም እዮም።
፭. ሥርዐተ ቤተ ክርስቲያን ምኽባርን ዘይምኽባርን ናይ ጽድቅን ኵነኔን ሕቶ ድዩ፧
ብዙኃን ሰባት ሕቶ ድፍረት ብዝመልኦ ባዕላዊ ኣተሓሳስባ ተመሪሖም፣ “ሥርዐት ቤተ ክርስቲያን ምኽባርን ዘይምኽባርን ናይ ጽድቅን ኵነኔን ጉዳይ ኣይኮነን” ኪብሉ ይስምዑ እዮም።
ቅዱሳን ሓዋርያት፣ሥርዐት ዘየኽብር ሰብ ካብ ቤተ ክርስቲያን ኪፍለ ከም ዝግባእ፣ “ካብ’ቲ በቲ ካባና ዝተቐበልክምዎ ትምህርቲ ምኻድ ገዲፉ፣ ብትህኪት ዚነብር ኃው ኵሉ ክትርኅቁ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንእዝዘኩም ኣሎና” (፪ይ ተሰ. ፫፥፮/3፥6) ኢሎም ኣዚዞምና እዮም። “እቲ ንኣኻትኩም ዚቕበል ንኣይ ይቕበል” (ማቴ ፲፥፵/10፥40) ንዝብል ቃል ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መሠረት ገይሮም እዞም ቅዱሳን ኣቦታት ንዝሓገግዎ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ዘፍርስ ሰብ ንእግዚኣብሔር ይቃወም ከምዘሎ ንኺገልጹውን ሠለስቱ ምእት፣ “ኣቐዲምና ካብ ዝተዛረብናዮ ሓደ ነገርውን ዘፍርስ ሰብ፣ ንእግዚኣብሔር እምበር ንኣና ኣይኮነን ዝቃወም ዘሎ። እዚ ሰብ እዚ መጻሕፍተ እግዚኣብሔር ይመርምር፣ መጻሕፍተ ቤተ ክርስቲያንውን ይርአ እሞ፣ ሽዑ ነዚ ዅሉ እግዚኣብሔር ከም ዝኣዘዘና ኪርዳእ እዩ” (መቅድም ፍትሐ ነገሥት) ኢሎም ምሂሮምና ኣለዉ።
ስለዚ ሓደ ሰብ ካብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እናተፈልየ፣ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ እናተቓወመ ኸሎ፣ ‘ጉዳይ ጽድቅን ኵነኔን ኣይኮነን’ ዝብል እንተደኣ ኾይኑ፣ ኣእምሮኡ ብጸሊም ሰይጣናዊ መጋረጃ ተሸፊኑ ኣሎ ማለት እዩ። ወይ ድማ ካልእ ዕላማ ዘለዎ እዩ። እምበኣርከስ ነፍስ ወከፍ ሥርዐት ዘለዎ ሰብ፣ ነቲ ዝተሠርዐሉ ሥርዐት ቤተ ክርስቲያን እንተ ኣኽቢርዎ፣ ዚጸድቀሉ፤ እንተ ዘይኣኽቢርዎ ድማ ዚዅነነሉ ምዃኑ ኪፈልጥ፤ ፈሊጡ ድማ ብዝግባእ ኣሚኑን ኣተግቢሩን ወራሲ መንግሥተ ሰማያት ኪኸውን ኪጋደል ይግባእ። ምኽንያቱ እምነት ብዘይ ግብሪ(ሥርዐት) ምውቲ እያ። ያዕ. ፪፥፳፮/ 2፡26 ስለዚ ሥርዐት ዘይብሉ ሰብ ነፍሲ ዘይብሉ ሥጋ እዩ።
፮. መደምደምታ
ዶግማ መሠረት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ከም ዝኾነ፣ ሥርዐት (ቀኖና) ቤተ ክርስቲያን ድማ መንደቕ፣ ሓፁር፣ ቀጽሪ እዩ። ስለዚ ሕዝበ ክርስቲያን ብዝርዝር ተማሂሩ ብግቡእ ፈሊጡ ኪሕልዎ፣ ቅዱስ ሲኖዶስውን ቀኖና ኪሥርዐሎም ንዚግባእ ናይ ዘመንና ጉዳያት ግቡእ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ኪሠርዐሎም ይግባእ።
ልዑል እግዚኣብሔር ቅዱስ ሥርዐታቱ ሓሊና፡ ንኣና ኢሉ ዚሠርዖ ሰማያዊ መንግሥቱ ክንወርስ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!
                                                                                                                            ምንጪ፦ መጽሔት ‘ማዕዶት ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ’ 4ይ ዓመት ቍ.፩

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195