banner

"ታቦት "

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ታቦት፦ ካብ ‘ቤተ’ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝተረኽበ እዩ። ትርጒሙ ኸኣ፦ ማኅደር፡ መኅደሪ፡ ማኅደረ እግዚአብሔር ማለት እዩ። ታቦት፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕደስ ካብ ዘለዉ ንዋያተ ቅድሳት ላዕላዋይ ደረጃ ኂዙ ዚርከብ፡ ዝተፈልየ ክብርን ታሪኽን ዘለዎ እዩ። ብፍቓድ እግዚአብሔር ንምእመናን ምስክርን ምልክትን ኣምልኾኦም ንኪኸውን ብእግዚአብሔር ተፈቒዱ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ካብ ሊቀ ነቢያት ሙሴ እናተመኃላለፈ ዝመጽአ እሞ ክሳዕ ምጽኣት ዚቕጽል፡ ኣብ ሰማይ ውን ዘሎ እዩ።

* ታቦት ኣብ ብሉይ ኪዳን

ኣቐዲሙ ዅሉ ወዲ ኣዳም ብጽሑፍ ዝተዋህበ ሕጊ ዘይኮነስ ብሕገ ልቡና እዩ ዝነብር ዝነበረ። ሰብ ብሕገ ልቡና ንፈጣሪኡ ከምልኽን ኪርዳእን ስለዘይከኣለ፤ ብዓይኑ ርእዩ፡ ብእዝኑ ሰሚዑ፡ ንፈጣሪኡ ናይ ምምላኽ ድልየት ከምዘለዎ ካብ እግዚአብሔር ዝተሠወረ ስለዘይነበረ ካብ ሕገ ልቡና ናብ ሕገ ኦሪት (ጽሑፋዊ ሕጊ) ኪሳገር ባዕሉ እግዚአብሔር ፈቐደሉ። ነቲ ሕጊ ናብ ሕዝቡ ዘብጽሕ ድማ ንእሙን ኣገልጋሊኡ ሊቀ ነቢያት ሙሴ መረጸ። “ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒ ጽረብ እሞ ናባይ ናብዚ እምባ ደይብ፡ ብዕንፀይቲ ጌርካ ድማ ታቦት ሥራሕ። ነቲ ኣብተን ዝሰበርካየን ቀዳሞት ጽላት ዝነበረ ቓላት ከኣ ኣብዘን ጽላት እዚአን ክጽሕፎ እየ፡ ናብቲ ታቦት ድማ ከተንብረን ኢኻ” ኢሉ ድማ ኣዘዞ። (ዘዳ. ፲፥፩-፭/10፡1-5, ዘፀ. ፳፬፥፲፪/24:12) በዚ ኸኣ ዓሠርተ ትእዛዛት ዝተጻሕፎ ቅዱስ ሰሌዳ ጽላት ብእግዚአብሔር ከምዝተዋህበን፥ ናይ’ዚ ጽላት መኅደሪ ዝኾነ ታቦት ድማ ብእግዚአብሔር ተኣዚዙ ከምዝተሠርሐን ንርዳእ። እቲ ዝኃድር በቲ ዝኃድረሉ ምጽዋዕ ልማድ ስለዘሎ፡ እቲ ጽላት ታቦት እናተባህለ ይጽዋዕ እዩ።
ካብ ዘመነ ሙሴ ክሳዕ ዘመነ ዳዊት ታቦተ እግዚአብሔር ከም መቕደስ ኮይኑ ኣብ ዘገልግል ደብተራ ኦሪት ኣብ ድንኳን ይቕመጥ ነበረ። እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ካብ ዝወፅኡ፡ ድኅሪ 480 ዓመት ግና ሰሎሞን ንታቦት መኅደሪ ዝኸውን ቤተ መቅደስ ምስ ሓነፀ፡ ታቦተ እግዚአብሔር ናብ ቤተ መቅደስ ኣተወ። (1ይ ነገ. 8፥11)።

* ታቦት፡ መኅደሪ ጽላት ጥራሕ ዘይኮነስ መርኣይን መግለጽን እግዚአብሔር ውን እዩ።

ንጉሥ ኣብ ዝፋኑ ከምዝርከብን ኣብኡ ኾይኑ ከምዝርአን ከምዝግለጽን፣ ታቦት ድማ ኣምላከ እስራኤል ዚግለጸሉ፡ ናይ ክብሪ ዙፋን እዩ። እግዚአብሔር ንእስራኤል ኪእዝዝ ምስ ዝደሊ ኣብቲ ታቦት ኃዲሩ ድምፁ የስምዕ ነበረ። እግዚአብሔር ንነቢይ ሙሴ “ኣብኡ ድማ ንኣኻ ኪግለጸልካ እየ፡ ካብቲ መኽደን መተዓራቒ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ልዕሊ ታቦት ዘለዉ ኪሩቤል እቲ ንደቂ እስራኤል ኢለ ዝእዝዘካ ዅሉ ክነግረካ እየ።” (ዘፀ. ፳፭፥፳፪/25:22) ድኅሪ ምባሉ ሰብ ምስ ዓርኩ ከምዝዘራረብ ምስ ሙሴ ገጸ ገጽ ይዘራረብ ነበረ። (ዘፀ. ፴፫፥፱-፲፩/ 33:9-11) ።

* ታቦት፡ ናይ እግዚአብሔር ኃይልን ጐይትነትን መግለጺ እዩ!

ታቦት ካብ ቅዱስነቱ ዝተላዕለ ዝተፈላለየ ኃይልን ተኣምራትን ይገብር እዩ። ድኅሪ ሞት ሙሴ ንእስራኤላውያን መሪሑ ዚጓዓዝ ዝነበረ መስፍን ኢያሱ፡ ንሕዝቡ ሩባ ዮርዳኖስ ከፊሉ ንምስጋርን ቀጽሪ ኢያሪኮ ኣፍሪሱ ንምኅላፍን ኃይሊ ዝኾኖ ታቦት እዩ። (ኢያ. ፫፥፲፯/ 3:17, ኢያ. ፮፥፩-፲፯/ 6:1-17) ከምኡ ውን እስራኤላውያን ካብ ጸላኢ ዘድኅነና ታቦት እዩ ብምባል “. . .ኣብ ማእከልና ኾይኑ ካብ ኢድ ጸላእትና ምእንቲ ከድኅነና፡ ንታቦተ ኪዳን እግዚአብሔር ካብ ሺሎ ናባና ነምጽኣዮ” ይብሉ ነበሩ።(1ይሳሙ. 4፥3, 1ይሳሙ. 5፥1-ፍ)
ኣሕዛብ ከይተረፉ ታቦት ገባሬ ተኣምራት ምዃኑ ፈሊጦም፥ “ምእንቲ ንኣናን ንሕዝብናን ኪቐትሉናስ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ኣምጺኦምልና” እናበሉ መስኪሮም እዮም። (1ይሳሙ. 5፥10)።

**ታቦት ኣብ ሓዲሽ ኪዳን

ኣገልግሎት ታቦት ኣብ ብሉይ ኪዳን ተጀሚሩ ዝተረፈ ኣይኮነን። ኣብ ሓዲስ ኪዳን ውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣምልኾተ እግዚአብሔር ይፍጸመሉ እዩ። ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክብርን ምስጋናን ይብጽሓዮ! ኪምህር ከሎ “ንሕጊ ሙሴ ኾነ ንነቢያት ክፍጽሞም ደኣ እምበር፡ ክስዕሮም ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም” (ማቴ. ፭፥፲፯/5፥17) ብዝበሎ መሠረት፦ ናብ ዘመነ ሓዲስ ሰጊሮም ካብ ዝጸንዑ ሕግታት ብሉይ ኪዳን፡ እቲ ቐንዲ ታቦት እዩ። እግዚአብሔር ንነቢይ ሙሴ ዝሃቦ ዓሠርተ ትእዛዛት የውጣ ብዝብል ስም ኣብ ናይ ሎሚ ጽላት ይጽሓፍ። ምኽንያቱ ቓል እግዚአብሔር ዘይኣርግን ዘይሰዓርን ዝነበረን ዘሎን ንዘለዓለም ዚነብር ሕያው ቃል ስለዝኾነ።
ስለዚ ኸኣ እቲ ኣብ ጽላት ዝተጻሕፈ ሕጊ ካብ ዘይተሳዕረ፡ እቲ ዝተጻሕፈሉ ጽላትን ናቱ መኅደሪ ታቦትን ከመይ ገይሩ ክተርፍ ይኽእል፧
ታቦት ኣብ መንጎ እግዚአብሔርን ሰብን ጸኒዑ ዚነብር ናይ ኪዳን ምስክር እዩ። ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ካብ ሥርዓተ ብሉይ ንዝረኸበቶም ብክርስቲያናዊ መንፈስ እናተርጐመት፡ ሥርዓተ ኦሪት ምስ ሥርዓተ ወንጌል ኣሰማሚዓ ትግልገለሎም እያ።
ሓዲስ ቤተ ክርስቲያን ተሓኒፁ ምስ ተወድአ፡ ታቦት ኪኣትዎን ኪባረኽን ግድን እዩ። ዘይነቅዝን ዘይምሽምሽን ዕንፀይቲ ወይ እምነ በረድ ምስ ተዳለወ፡ ኣብ ልዕሊኡ ስም እግዚአብሔር ይጸሓፎን ካልእ ተወሳኺ ይቕረጸሉን። ታቦት ብስም ሥላሴ፡ ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ብስም ቅዱሳን መላእኽትን ቅዱሳን ሰባትን ይቕረጽ። ታቦት ምስ ተቐርጸ፡ ብኢድ ጳጳስ ተባሪኹን ቅብኣ ሜሮን ተቐቢኡን ኣብቲ መንበር ይሥየም፡ (ይቕመጥ)። ኣብ ጸሎተ ቅዳሴ (አኰቴተ ቍርባን) ኅብስቲ ናብ ሥጋ መለኮት፡ ወይኒ ድማ ደመ መለኮት ዚልወጥ ኣብ ልዕሊ እዚ ታቦት እዚ እዩ። በዚ ኸኣ ታቦት እቲ ኣማናዊ መግቢ ሕይወት ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ዚቐርበሉን ዚፍተተሉን መሠውዒ ይብሃል። ሠራዕያነ ሕግ ኣቦታት ኣብ ፍትሐ ነገሥት ከም ዚገለጽዎ፡ ታቦት ንዋየ ቅድሳት ናይ ቤተ ክርስቲያን ስለዝኾነ፡ “ብዘይ ብእኡ መሥዋዕቲ ምሥዋዕ ኣይግባእን”፥ ታቦት ዘይብሉ ቤተ ክርስቲያን ከም ቤት መቕደስ ኣይቍጸርን። ታቦት ዘይብሉ ቤት፡ ጸሎት ክንገብረሉን ትምህርቲ ክንመሃረሉን ንኽእል እምበር ኣብኡ ክንሳለም፡ ከነቐድስ፡. . . . ሥርዓተ ኣምልኾና ክንፍጽም ኣይንኽእልን። ከመይ! ቤተ ክርስቲያን ዝቕደስ ብታቦት ስለዝኾነ። ኣብ ዝኾነ ጊዜ ታቦት ካብ መንበሩ ኪለዓል ዘይግባእ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ጊዜ ክብረ በዓል ንዑደት ድዩ ንቡራኬ፡ ከምኡ ውን ኣገዳሲ ሥርዓት ንምፍጻምን ኣብ ጊዜ ስደት ድዩ ናይ ሓዊ ኃደጋ ምስ ዘጋጥምን ግና፡ ካህናት ፀይሮም ከንቀሳቕስዎ ይኽእሉ።

ሎሚ፣ “ኣብ ሓዲስ ኪዳን ልቦናና ታቦትን ጽላትን ስለዝኾነ ታቦትን ጽላትን የልቦን፤ ንእኡ ክትሠርሕ ንምንታይ እዚ ዅሉ ሽግር” ዝብሉ መናፍቓን ኣለዉ። ከምዝፍለጥ ልቢ ክርስቲያን ከም ታቦት መኅደሪ እግዚአብሔር ቤተ መቕደስ ምዃኑ እሙን እኳ እንተኾነ፣ ልቢ መተካእታ ታቦት ኮይኑ ከገልግል ግና ኣይክእልን እዩ ።
ታቦት፦ ይትረፍ ኣብዚ ምድሪ፡ ኣብ ሰማይ ውን ዘሎ እዩ፥ “እታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ ኣምላኽ ከኣ ተኸፍተት፡ ኣብታ መቕደስ ኣምላኽ እውን ታቦት ኪዳኑ ተራእየ” ከምዝብል፡ መቕደስን ታቦት ሕግን ንሰማያዊ ሥርዓት መሲሉ ኣብዚ ምድሪ መስገዲ፡ መጸለዪ፡ መሠውዒ ኪኸውን ዝተሠርዐ እዩ። (ራእ. ፲፩፥፲፱/ 11፥19) ነዚ ከጽንዕ ከሎ ሊቅ ቤተ ክርስቲያንና ዮሓንስ ኣፈወርቅ ኣብ ድርሳኑ ክፍሊ 17 ፥ “ርኢከኑ ኦ ፍቁር ከመ ሥርዓተ ምድር ተገብረ በአርአያ እንተ በሰማያት / ኦ ፍቁር ኃወይ ኣብዚ ምድሪ ዘሎ ሥርዓት በምሳል እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ከም ዝተሠርዐ ኣስተውዒልካ ዶ!” ይብል።

ኣብ ሰማይ ቤተ መቅደስ ከምዘሎ ኣብ ምድሪ ውን ቤተ መቅደስ ኣሎ፥ ኣብ ሰማይ ታቦት ከምዘሎ ኣብ ምድሪ ድማ ታቦት ኣሎ። ስለዚ ኣብ ሰማይ ዘሎ ቤተ መቅደስን ታቦትን ከይተረፈ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ቤተ መቅደስን ታቦትን ዝጠፍኣሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ ዓላውያነ ሕግ መናፍቃን “ኣብ ምድሪ ዘሎ ታቦት ከም ጣዖት፡ ቤተ መቅደስ ከም ቤተ ጣዖት እዩ” እንተበሉ፡ (ሎቱ ስብሐት!) ነቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ታቦትን ቤተ መቅደስን ደኣ እንታይ ክብልዎ እዮም፧  ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣብ መንጎ ታቦትን ጣዖትን ዘሎ ፍልልይ ንምግላጽ፡ ታቦት ኣብ ሓድሽ ኪዳን ውን ከም ዘገልግል ንምርግጋጽ፡ ንሰብ ቆሮንቶስ ኪጽሕፈሎም ከሎ፦ “ጽድቅን ኃጢኣትን እንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ኅብረት ኣለዎ፧ ክርስቶስ ከ ምስ ቤልሆር እንታይ ምስምማዕ ኣለዎ፧ ንኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ግደ ኣለዎ፧ ንታቦተ እግዚአብሔር ኣብ ቤተ ጣዖት ዘንብርከ መን እዩ፧” ይብል። (2ይ ቆሮ. ፮፥፲፬-፲፯/ 6፥14-17 ናይ ግእዝ መጽሓፍ ቅዱስ ተመልከት) ምሁረ ኦሪት ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ዝጠቐሰ ንታሪኽ ብሉይ መሠረት ገይሩ እዩ፥ ፍልስጥኤማውያን ንታቦት ኣምላኽ ወሲዶም ኣብ ጥቓ ዳጎን ምስ ኣቐመጥዎ፡ ንጽባሒቱ እንሆ ዳጎን እቲ ማእከሉ ጥራይ ተሪፉ ርእሱን ክልተአን ኣእዳዉን ተቘሪጹ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚአብሔር ብግንባሩ ናብ ምድሪ ወዲቑ ጸንሐ። (1ይ ሳሙ 5፥1-4) “ኣነ እግዚአብሔር ኣምላኽኩም እየ እሞ ንስኻትኩም ጣዖታት ከይትገብሩ። እተወቕረ ምስሊ ወይ ሓወልቲ ድማ ኣይተቑሙ ወይ እተሣዕለ እምኒ ኪትሰግድሉ ኢልኹም ኣብ ምድርኩም ኣይትግበሩ። . . .” ኢሉ ካብ ጣዖታት ክንሕሎ ባዕሉ እግዚአብሔር ምሂሩና እዩ። (ዘሌ. ፳፮፥፩-፪/ 26፥1-2) ንታቦት ኣየድልን ዝብሉን ከም ጣዖት ገይሮም ዝሓስቡን ሰባት ማዕረ ክንደይ ተጋግዮም ኣለዉ። ከመይ! ብትእዛዝ እግዚአብሔር ንዝተሠርሐ ታቦት ምልጋጽ ንእግዚአብሔር ምንዓቕን ኣብ ልዕሊኡ ምሽክዕላልን ስለዝኾነ። (ዘፀ. ፳፭፥፲-፵/ 25፥10-40, ዘፀ. ፳፮፥፴፩-፴፯/ 26፥31-37, ዘፀ. ፴፯፥፩-፱/37፥1-9)።

* ክብሪ ታቦት

ታቦት፡- ናይ እግዚአብሔር ናይ ክብሩ መግለጺ ዝፋን ስለዝኾነ ኪኸብር ናይ ግድን እዩ። በዚ ምኽንያት እዮም ሕዝበ ክርስቲያን፡ ታቦት ኪዓውድን ኪነግሥን ከሎ እናሰገዱ ዝዕልሉ፡ ዘንጨብጭቡን ዝግባእ ክብሪ ዚህቡን። ነዚ መሠረቱ፦“እቲ ታቦት ኪዳን እግዚአብሔር ናብ ሰፈር ምስ ኣተወ፡ ብዘለዉ እስራኤል ምድሪ ኽሳዕ እተንደቕድቕ ብዙኅ ዕልል በሉ፡ ፍልስጥኤማውያን ከኣ እቲ ድምፂ ዕልልታ ምስ ሰምዑ፡ እዚ ኣብ ሰፈር ዕብራውያን ዘሎ ድምፂ ብዙኅ ዕልልታስ እንታይ ኮን እዩ፧ በሉ። ታቦት እግዚአብሔር ናብ ሰፈር ከም ዝኣተወ ኸኣ ፈለጡ።” (1ይ ሳሙ. 4፥5) ንጉሥ ዳዊትውን ታቦተ ጽዮን ኣብ ቤት ኣሚናዳብ ድኅሪ ምቕማጣ፣ ንኽብሪ ታቦት ሠላሳ ሽሕ ዝኣኽሉ ሰባት ኣሰሊፉ ፡ ኣብ ሓድሽ ሠረገላ ኣንቢሩ ብኽብሪ እናዘመረን እናሸብሸበን ናብ ከተማ ኣእተዋ።ሰበይቱ ሜልኮል ግና ንታቦተ እግዚአብሔር ክብሪ ብዘይ ምሃባ ማሕፀና ተዓፅወ።(2ይ ሳሙ. 6: 6-23) ሜልኮል ምሳሌ ናይቶም ንታቦት ክብሪ ዘይህቡ መላገጽቲ ሰባት እያ።
ታቦት፡ ክቡር ስለዝኾነ ሥልጣነ ክህነት ዘለዎ እዩ ዚትንክፎን ዚፆሮን፣ እግዚአብሔር ንታቦት ዚኅዙን ዚስከሙን ሥልጣን ዘለዎም ጳጳሳትን ቀሳውስትን ጥራሕ ከም ዝኾኑ መለበሚ ንምግባር፣ ነቶም ንታቦት ናብ ውሽጡ ዚጠመቱ፣ ብድፍረት ዚተንከፉ ከም ዝቐሠፎም ምስትውዓል ይግባእ። (1ይ ሳሙ. 6፥19)።
ክሳዕ ሎሚ ምእመናን ርኅቕ ኢሎም እዮም ክብሮም ዚገልጹ፣ በቲ መስፍን ኢያሱ ንሕዝበ እስራኤል ዝሃቦም መጠንቀቕታ እዩ፥“እቶም ካህናት ሌዋውያን ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚአብሔር ኣምላኽኩም ፆይሮምዎ ምስ ርአኹም፡ ንስኻትኩም ድማ ካብ ሰፈርኩም ነቒልኩም ስዐብዎ፡ ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎኡን ግና ክልተ ሽሕ እመት ሥፍሪ ዚኣክል ዝምርኃቑ ይኹን እምበር፡ ኣይትቕረብዎ።” ኢያ. 3:3።
ንሥጋኡን ደሙን ናይ ክብሪ ዝፋኑ ንዝኾነ፡ ቅዱስ ስሙ’ውን ንዝተጻሕፎ ቅዱስ ታቦት ምኽባር ማለት፡ ነቲ ኣብ ዙፋን ኪሩቤል ዚቕመጥ እግዚአብሔር ምኽባርን ምፍራህን እዩ። ከመይ! ንዝፋን ንጉሥ ምኽባር ማለት ነቲ ንጉሥ ምኽባር ዶ ኣይኮነን፧

* ስግደት ንታቦት

ታቦት፦ ናይ ጸጋ፡ ናይ ክብሪ ዝስገደሉ ምኽንያት ስም እግዚአብሔር ስለዝተጻሕፎ እዩ።“ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ንስም ኢየሱስ ምእንቲ ኪምብርከኽ . . .” ከምዝብል፡ ንስም እግዚአብሔር ናብ መሬት ተደፊእካ ምስጋድ ይግባእ። መስፍን ኢያሱ ምስቶም ዓበይቲ እስራኤል “ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚአብሔር ብገጾም ናብ ምድሪ ከም ዝተደፍኡ” (ኢያ. ፯፥፮/ 7፥6) ከምኡ ውን ንጉሥ ዳዊትን ኵሎም እስራኤላውያንን ንታቦት ይሰግዱ ከም ዝነበሩ ተጻሒፉልና ኣሎ።
ለቡ! ታቦት፡ ስመ እግዚአብሔር ዝተጻሕፎ፡ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ዝዳለወሉ መሠውዕን ማኅደር እግዚአብሔርን እዩ ኢልና ንሰግደሉ እምበር ታቦት ናይ ባህርይ ኣምላኽ እዩ ኢልና ፍጹም ኣይንሰግድን ኢና።

* ምሳሌ ታቦት

ታቦት መኅደሪ ቓላት እግዚአብሔር ዝተጻሕፎ ‘ጽላት’ ከም ዝኾነ፡ እታ ኣማናዊት ታቦት ዝተባህለት ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ናይ ኣካላዊ ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ መኅደሪት ኾይና ብምርካባ ምሳሌ ታቦት እያ።
“ነተን ጽላት ካብ ኢዱ ደርበየን፡ ኣብ እግሪ እቲ ኸረን ከኣ ሰበረን” (ዘፀ. ፴፪፥፲፱/ 32፥19) ከም ዝብል ዋላ እኳ እቲ መጀመርታ ዝተዋህበ ጽላት ታቦት ኪዳን እኳ እንተ ተሰብረ፡ ቃል ኪዳን ዘይልወጥን ዘይሰዓርን ስለዝኾነ ግና ተሰይሩ ኣይተረፈን፣ ዳግማይ ተቐሪጹ፡ ንቐጻሊ’ውን ኣብ ዘድልየሉ እዋን ንኽሥራሕ ተኣዘዘ፣ (ዘፀ.፴፬፥፩-ፍ/34፥1-ፍ) እዚ ምሳሌን ሓተታ ዘለዎን እዩ፡-
ሀ. እቲ ዝተሰብረ ጽላት ናይ ኣዳምን ሔዋንን ምሳሌ እዩ። ጽላት፡ ብምኽንያት በደል ሕዝቢ እስራኤል ከም ዝተደርበየ ኣዳምን ሔዋንን’ውን ብሰንኪ በደሎም ካብ ኢድ እግዚአብሔር ተደርብዮም ምንባሮም ምሳሌ እዩ።
ለ. እቲ ዳግማይ ዝተቐርጸ ጽላት ግና ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምሳሌ እዩ። ዳግማይ ምሥርሑ፡ ዋላ እኳ ኵሉ ሰብ ብምኽንያት ሔዋን ሞተ ሥጋ ሞተ ነፍስ ተፈሪድዋ እንተነበረ፡ በታ ዳግማይ ኣዳም ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተረኽበላ ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ምድኃኑ ምሳሌ እዩ። ሕዝበ እስራኤል በቲ ዳግማይ ዝተቐርጸ ጽላት እናተመርሑ ምድረ ርስቲ ከምዝወረሱ፡ ሕዝበ ክርስቲያን ውን ብድንግል ማርያም እናተመርሑ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ኪወርሱ እዮም እሞ በዚ “መራኂት መንግሥተ ሰማያት” ትበሃል።
* ብዛዕባ ታቦት ዚለዓሉ ሕቶታትን መልስታቶምን፦
ዓላውያነ ሕግ መናፍቃን ንታቦት ብዝምልከት ብዙኅ ሕቶታት የልዕሉ እዮም። ውኁዳት ካብቶም ሕቶታት ድማ፦

* ሕቶ፦ ኣብ ኤር. ፫፥፲፮/3፥16 “በቲ ዘመን እቲ ምስ በዛኅኩምን ኣብቲ ምድሪ ምስ ተፋሬኹምን፡ ብናይ ታቦት ኪዳን እግዚአብሔር ኣይኪዛረቡን፡ ኣይኪሓስብዋን ኣይኪዝክርዋን ድማ እዮም፡ ኣይከተድልዮምን እያ፡ ከም ብሓድሽውን ኣይኪገብርዋን እዮም፡ ይብል እግዚአብሔር” ብዝብል ጥቕሲ፥ ኣድላይነት ታቦት እንታይ እዩ፧ ንምንታይከ የገድስ፧
* መልሲ፦ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላስ ኣቐዲምካ መዓስ እዮም ዘይሓስብዋ፧ ኣበይ እዮም ዘይዝክርዋ፧ መዓስ እያ ዘይተድልዮም፧ ኣበይ እዮም ከም ብሓድሽ ዘይገብርዋ፧ ንዝብሉ ሕቶታት ምምላስ የድሊ። እዚ ድማ እስራኤላውያን ተማሪኾም ኣብ ፋርስ ባቢሎን 70 ዓመታት ኣብ ዝተቐመጥሉ ብዘይ ታቦት ስለ ዝነበሩ ታቦት እንተ ደለዩ ውን ኪረኽቡ ስለ ዘይክእሉ “ኣይተድልዮምን ኣይሓስብዋን” በለ። “ኣበይ እዮም ዘይዝክርዋ፧ ኣበይ እዮም ከም ብሓድሽ ዘይገብርዋ፧” እንተ ተባህለ ኣብ ፋርስ ባቢሎን እዩ። በቲ ጸኒዕዎም ዝነበረ መከራ ንታቦት ክዝክሩ ኾነ ከምቲ ኣብ እስራኤል ዝነበርዎ ኣብ ባቢሎን ከም ብሓድሽ ኪጥቀሙላ ስለዘይከኣሉ “ኣይኪዝክርዋን ከም ብሓድሽ ኣይኪገብርዋን” በለ። እምበኣር ነቢይ ኤርምያስ ዝተዛረበ ነተን 70 ዓመታት ኣብ ፋርስ ባቢሎን ብዘይ ታቦት ዝነበሩለን እምበር ንሓዋሩ ኣይበለን። ድኅሪ ሚጠት (ካብ ምርኮ ምምላሶም) ታቦት ኣይገበሩን ድዮም፧ ገይሮም እምበር። ስለዝኾነ ድማ ናብ ሃገሮም እስራኤል ምስ ተመልሱ ነቲ መኅደሪ ታቦት ዝኾነ ቤተ መቅደስ ኣሐዲሶምን ቀዲሶምን ከም ቀደሞም ናብ ታቦት ተመሊሶም እዮም።

* ሕቶ፦ ኣብ ዘዳ. ፴፩፥፲፫/ 31፥13, ፴፪፥፲፭-፲፱/32፥15-19, ፴፬፥፩-፭/ 34፥1-5, 2ይዜና 5፥10 እግዚአብሔር ንሙሴ ዝሃቦ ኽልተ ጽላት ጥራይ ከምዝኾነ ነንብብ። እንተኾነ ግና ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብዙኅ ጽላት ካበይ ኣምጺኣቶ፧ ኣብዚኅካ ቅረጽ ዝብል ዶ ኣሎ እዩ፧
* መልሲ፦ እግዚአብሔር ባዕሉ ኣዳልዩ ንሙሴ ዝሃቦ ክልተ ጽላት፡ እስራኤል ጣዖት ከምልኹ ምስ ጸንሕዎ፡ ሙሴ ተቘጢዑ ሰበሮ። ምሕረቱ ንዘለዓለም ዝኾነ እግዚአብሔር ውን ንነቢይ ሙሴ፡ ከምተን ናይ መጀመርታ ኣምሲሉ ኪሠርሕ ምስ ነገሮ፡ ንእአን ዝመስል ሠርሐ። ምሥራሕ ጥራይ ዘይኮነ ውን ነተን ዓሠርተ ናይ ቃል ኪዳን ቃላት ኣብ ጽላት ንኽጽሕፈን ሥልጣን ተዋሂብዎ፡ ኣብ ጽላት ጸሓፈ። (ዘፀ.፴፬፥፳፯-፳፰/ 34፥27-28) ካብዚ ጊዜ እዚ ጀሚሩ፡ ጽላት ኮነ ታቦት፡ እናኣምሰልካ ናይ ምሥራሕ ሥልጣን ተረኽበ። ነዚ ብዚምልከት ኣቦታት
“ኣዳም እንተ ዘይብድል ነይሩ፡ ኣምላኽና ሰብ ኾይኑ ኣብ ቀራንዮ ምእንታና ምስቃሉን ምምዋቱን ኵሉ ፍቕሪ ምሥጢሩ ኣይምፈለጥናን ነይርና” ከምኡ ውን “እስራኤላውያን ምስሊ ምራኽ ኣብዝኾነ ጣዖት እንተዘይብድሉ ሙሴ ኣይምተቘጠዐን፡ እግዚአብሔር ዘዳለወን ጽላት ውን ኣይምተሰብራን፤ ወዲ ሰብ ውን ነተን ብእግዚአብሔር ዝተሠርሓ ቐዳሞት ጽላት ኣምሲሉ ኪሠርሕ ሥልጣን ኣይምነበሮን፡ እንተ ሠርሐ ውን ንምንታይ ሠሪሕካ ንዝብል ሕቶ፡ መልሲ ኣይምረኸበሉን ነይሩ” ይብሉ። ስለዚ ጽላት ኣምሲልካ ኣባዚኅካ ናይ ምሥራሕ ሥልጣን፡ ካብ ኣቦና ሙሴ ክሳዕ ምጽኣት ዝቕጽል እዩ።
ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ ሥርዓት ናይ ጽላት ኮነ ናይ ቤተ መቅደስ፡ ኣገልግሎት ናይ መሥዋዕቲ ኾነ ናይ ዕጣን ኣብ ኢየሩሳሌም ጥራይ ስለዝነበረን ናይ ካልኦት ሃገራት ሕዝቢ ዝኽተልዎ ሥርዓተ ጣዖት እምበር ሕጊ እግዚአብሔር ብዘይምንባሩን እቲ ጽላት ተባዚኁ ንኻልእ ሃገር፡ ሕዝቢ ኣይተዋህበን ነበረ።
ኣብ ሓዲስ ኪዳን ግና “ስመይ ኣብ ማእከል ኣሕዛብ ዓቢይ ስለዝኾነ ስመይ ካብ ምብራቕ ፀሓይ ክሳዕ ምዕራባ ኣብ ኣሕዛብ ዓቢይ እዩ እሞ ኣብ ኵሉ ቦታ ንስመይ ዕጣን ይዓጥኑ፡ ንጹሕ መሥዋዕቲ ድማ የቕርቡ ይብል እግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት” (ሚል. ፩፥፲፩/1፥11, ማር. ፲፩፥፲፯/ 11፥17, ኢሳ. ፴፮፥፯/ 36፥7, ኤር. ፯፥፲፩/7፥11) ተባሂሉ ብዝተነግረ ቓል፡ ምእመናን ካብ ምብራቕ ፀሓይ ክሳዕ ምዕራብ በዝኁን ሥርዓተ ኣምልኾ’ውን ካብ ኢየሩሳሌም ወፃኢ ኣብ በቦታኡ ንእግዚአብሔር ምቕራብ ተኻእለን።
ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ጥራይ ዝነበረ ቤተ መቅደስ፡ ዕጣንን ቍርባንን ብደም ክርስቶስ ብዝተረኽበ ሓድሽ ሕይወትን ሓድሽ ሥርዓትን ንሕና ሕዝበ ክርስቲያን ኣብ ምሉእ ዓለም በብዘለናዮ ንኽንጥቀመሉ ካብ ተፈቕደልና፡ ነተን ኣብ ኢየሩሳሌም ተሓፂረን ዝነበራ ኽልተ ጽላት ካብ ምብራቕ ፀሓይ ክሳዕ ምዕራባ ተባዚኀን በብዘለናዮ ኣበየ ቤተ መቕደስና ንሥጋኡን ደሙን መሠውዒ ኪኾናና እንተ ተጠቐምናለንን ስም ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ እንተ ኣኽበርናለን ደኣ እንታይ ዝጐድእ ነገር ተረኽበ፧ እቲ ጌጋ ኸ ኣበይ እዩ፧ ዓሠርተ ትእዛዛት ዝተጻሕፈለን ክልተ ጽላት ክባዝኃ የብለንን እንተ ተባሂሉ፡ ኣብተን ጽላት ዝተጻሕፋ ዓሠርተ ትእዛዛትውን ኪባዝኃ የብለንን፡ ካብ ኢየሩሳሌም ውን ኪወፅእ የብሉን ምባል ዶ ኣይኮነን፧ እቶም ትእዛዛትከ ይከልከሉዶ ኣየስምዕን፧ ስለዚ ከምቲ ኣብ ሰማይ ታቦት ክርአ ፍቓድካ ዝኾነ (ራእ. ፲፩፥፲፱/ 11፥19) ኣብ ምድሪ ውን ከምኡ ፍቓድካ ይኹን ኢልና እንተ ተጠቐምናሉ ንሕና ኢና ንጥቀም።

* ሕቶ፦ ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ታቦት ናይ እግዝእትነ ማርያም፣ ታቦት ናይ ቅዱስ ሚካኤል፣ ታቦት ናይ ቅዱስ ጊዮርጊስ . . . . እናተባህለ ዝስመየሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧
* መልሲ፦ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም፣ ብስም ቅዱሳን መላእኽትን ቅዱሳን ሰባትን ዝተሰየሙ ታቦታት ኣለዉ። በዞም ቅዱሳን ምስያሙ ድማ “እግዚአብሔር ከምዚ ይብል ኣሎ፥ ነቶም ሰናብተይ ዚሕልዉ ንኣይ ዘሐጒስ ዚኃርዩ፡ ኪዳነይ ድማ ዘጽንዑ ስሉባት ንኣታቶም ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ደምበይን ሥፍራ ካብ ኣወዳትን ኣዋልድን ዚበልጽ ስም ክህቦም’የ። ዘይጠፍእ ዘለዓለማዊ ስም ከኣ ክህቦም’የ” ንዝብል ትንቢት መሠረት ዝገበረ እዩ። (ኢሳ. ፶፮፥፬-፮/ 56፥4-6) ካብዚ ብምብጋስ ድማ ነቶም ንእግዚአብሔር ዘሥመሩ ቅዱሳን ኣብ ቤተ እግዚአብሔር ኣብቲ ሥጋኡን ደሙን ዝኸብረሉ ታቦት፡ ናይ ዘለዓለም መዘከርታ ይግበር። (መዝ. 111፥7, ማቴ. ፳፱፥፲፪/ 29፥12) መዘከርታ ጻድቕ ውን ንበረኸት’ዩ ከምዝብል። (ምሳ. 10፥7)።
ስለዚ ስም ቅዱሳን ኣብ ቤተ እግዚአብሔርን ታቦትን ደኣ ይርኸብ እምበር እቲ ዝምለኽን ዝኸብርንሲ እቲ ዘኽበሮም እግዚአብሔር እዩ። ስለዚ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ካብ ብሉይ ኪዳን ንዝተቐበለቶ ታቦተ ሕግ ኣኽቢራ ኣምልኮተ እግዚአብሔር ክትፍጽም፡ ስም እግዚአብሔር ኪትምስክር ክትነብር።
በዚ ምኽንያት ንሕና ሕዝበ ክርስቲያን ንታቦት ዝግባእ ክብርን ስግደትን ክንህብ ንነብር። ከመይ መሠረቱ መጽሓፍ ቅዱስ ስለዝኾነ!
ሕዝበ ክርስቲያን! ንታቦት ከነኽብርን ካብኡ ዝርከብ በረኸት ክንሳተፍን እግዚአብሔር ብጸጋኡ፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ፡ ቅዱሳን ብጸሎቶምን ረድኤቶምን ኣይፈለዩና! አሜን።
                                                                                                                                                                         ወስብሐት ለእግዚአብሔር

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195