banner

ጸሎት ኵሉ ሳዕ

ጸሎት ኵሉ ሳዕ

መኽፈቲ ጸሎት ናይ ነፍስ ወከፍ መዓልትታት አዐትብ ገጽየ ወኵለንታየ በትእምርተ መስቀል እንዘ እብል/ ገጸይን ኵሉ ኣካላተይን ብትእምርተ መስቀል ብስም አብን ወወልድን ወመንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ እናበልኩ አማዕትብ።
ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ፡ ብቅድስት ሥላሴ እናኣመንኩን እናተማኅፀንኩን ኣብ ቅድሚ እዛ ኣደይ ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሰይጣን እኽሕደካ ኣሎኹ። ንሳ’ውን ናይ ዘለዓለም ምስክረይ ዝኾነት ማርያም ጽዮን እያ።

ነአኵተከ
• ኦ ጐይታ ፈጺምና ነመስግነካ ኣሎና፡ ኦ ጐይታ ንባርኸካን ንእመነልካን ኣሎና፡ ኦ ጐይታ ፈጺምና ንቅዱስ ስምካ ንግዛእ ኣሎና። ኵሉ ብርኪ ዚሰግደልካ ኵሉ ልሳን ዚግዝኣልካ ጐይታ ንሰግደልካ ኣሎና። ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡ ጐይታ ጐይቶት፡ ንጉሥ ነገሥታት ንስኻ ኢኻ፡ ኣምላኽ ኵሉ ሥጋን ኵላ ነፍስን ንስኻ ኢኻ፡ ከምቲ ቅዱስ ወድኻ ንስኻትኩም’ሲ ክትጽልዩ ከሎኹም ከምዚ በሉ እናበለ ዝመሃረና ንጽውዓካ ኣሎና።

አቡነ ዘበሰማያት
• ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ስምካ ይቀደስ፡ መንግሥትኻ ትምጻእ፡ ፈቓድካ ከምቲ ኣብ ሰማይ ዝኾነ ከምኡ’ውን ኣብ ምድሪ ይኹን፡ ነናይ ዕለት ሲሳይና ሎሚ ሃበና፡ ንሕና ንዝበደለና ክንኃድግ ኣበሳናን ጌጋናን ኅደገልና፡ ካብ ኵሉ ክፉእ ፈጺምካ ኣድኅነና እምበር ኣብ ፈተና ኣይተእትወና፡ ከመይ መንግሥትን ኃይልን ክብርን ንዘለዓለም ናትካ እዩ። (ማቴ. 6፡9-13)

 

በሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልአክ
• ኦ እግዝእትየ(እመቤተይ) ማርያም ብናይ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ሰላም፡ ሰላምታ ንኣኺ ይግባእ። ብሕሊናኺ ድንግል ኢኺ፡ ብሥጋኺ’ውን ድንግል ኢኺ። ኣደ እግዚአብሔር ጸባዖት (ጐይታ ሠራዊት) ሰላም ንኣኺ ይግባእ። ካብ ኣንስቲ ተፈሊኺ ንስኺ ብርኽቲ ኢኺ፡ ፍረ ከርሥኺ’ውን ቡሩኽ እዩ። ፍሥሕት ባህ ይበልኪ፡ ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ እሞ፡ ኃጢኣትና ምእንቲ ኪሠርየልና ናብ ፍቁር ወድኺ ኢየሱስ ክርስቶስ ፈጺምኪ ለምንልና።

ጸሎተ ሃይማኖት
• ንዅሉ ብዝኃዘ ሰማይን ምድርን ዚረአን ዘይረአን ብዝፈጠረ ብሓደ ኣምላኽ እግዚአብሔር አብ ነኣምን። ብሓደ ጐይታ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዓለም ከይተፈጥረ ምስኡ ህልው ብዝኾነ ወልደ አብ ዋሕድ’ውን ንኣምን።
ካብ ብርሃን ዝተረኽበ ብርሃን፡ ካብ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝተረኽበ ሓቀኛ ኣምላኽ ፡ ዝተወልደ እምበር ፍጡር ዘይኮነ፡ ብመለኮቱ ምስ አብ ማዕረ ዝኾነ ፡ ኵሉ ብእኡ ዝተፈጥረ፡ ብዘይካኡ ግና ኣብዚ ምድሪ ዘሎ ይኹን ወይስ ኣብ ሰማይ ዘሎ ሓደ እኳ ዝተፈጥረ የልቦን። ምእንታና ምእንቲ ሰብ ፡ ምእንቲ ምድኃንና ካብ ሰማያት ዝወረደ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ለቢሱ ሰብ ኮነ። ሰብ ኮይኑ ድማ ብዘመን ጴንጤናዊ ጲላጦስ ምእንታና ተሰቕለ፡ መከራ መስቀል ተቐበለ፡ ሞተ ተቐብረ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍት ከም ዝተጻሕፈ፡ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ካብ ምውታን ተፈልዩ ተንሥአ። ብኽብሪ ናብ ሰማያት ዓረገ፡ ኣብ የማን ኣቦኡ ተቐመጠ። ከም ብሓድሽ ድማ ንሕያዋንን ንምውታንን ኪፈርድ ብኽብሪ ኪመጽእ እዩ። ንመንግሥቱ መወዳእታ የብሉን። ጐይታን መሕወዪን ብዝኾነ ካብ አብ ብዝሠረፀ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ነኣምን ፡ ምስ አብን ወልድን ንሰግደሉን ነመስግኖን፡ ንሱ ኣብ ነቢያት ኃዲሩ ዝተናገረ እዩ። ልዕሊ ኵሉ ብዝኾነት ጉባኤ ሓዋርያት ብሓንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንኣምን። ኃጢኣት ንምስትሥራይ ብሓንቲ ጥምቀት’ውን ንኣምን። ንትንሣኤ ምዉታንን ንዘለዓለመ ዓለም ዚመጽእ ሕይወትን ተስፋ ንገብር። ኣሜን።

ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ
• ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጸባኦት (ጐይት ሠራዊት) ምስጋና ጐይትነቱ ፈጺሙ ሰማይን ምድርን ዝመልአ እዩ፡ ኦ ክርስቶስ መጺእካ ኣድኂንካና ኢኻ’ሞ፡ ምስ መሓርን ሰማያውን ኣቦኻ፡ ከምኡ’ውን መሕወዪ ምስ ዝኾነ ቅዱስ መንፈስካ ንሰግደልካ ኣሎና።
ንአብ፡ ንወልድ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ሓንቲ ስግደት እሰግድ፣ ንአብ፡ ንወልድ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ሓንቲ ስግደት እሰግድ፡ ንአብ፡ ንወልድ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ሓንቲ ስግደት እሰግድ። ሓደ ከለዉ ሠለስተ ፡ ሠለስተ ከለዉ ሓደ ዝኾኑ ፡ ብኣካላት ሠለስተ ብመለኮት ሓደ እዮም።
ኣምላኽ ንዝወለደት ብሥጋን ብነፍስን ንጽሕት ዝኾነት እግዝእትነ (እመቤትና) ድንግል ማርያም እሰግድ። ዓለም ንምድኃን ብኽቡር ደሙ ንዝተቐደሰ መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እሰግድ።
መስቀል ኃይልና እዩ፡ መስቀል ጽንዓትና እዩ፡ መስቀል በጃና እዩ፡ መስቀል መድኃኒ ነፍስና እዩ፡ ኣይሁድ ከሓዱ ንሕና ግና ኣመንና፡ እቶም ብኃይሊ መስቀሉ ዝኣመንና ንሕና ድማ ደኃንና።

ስብሐት ለአብ
• ንአብ ንወልድ ንመንፈስ ቅዱስ ምስጋና ይግባእ፡
ይ.ሕ.፡ እወ ንአብ ንወልድ ንመንፈስ ቅዱስ ምስጋና ይግብኦም።
ንአብ ንወልድ ንመንፈስ ቅዱስ ምስጋና ይግባእ፡
ይ.ሕ. እወ ንአብ ንወልድ ንመንፈስ ቅዱስ ምስጋና ይግብኦም።
ንአብ ንወልድ ንመንፈስ ቅዱስ ምስጋና ይግባእ፡
ይ.ሕ. እወ ንአብ ንወልድ ንመንፈስ ቅዱስ ምስጋና ይግብኦም።
ንእግዝእትነ(እመቤትና) ማርያም ድንግል ወላዲተ ኣምላኽ ምስጋና ይግባእ።
ይ.ሕ. እወ ንእግዝእትነ (እመቤትና) ማርያም ድንግል ወላዲተ ኣምላኽ ምስጋና ይግባኣ።
ንመስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጋና ይግባእ።
ይ.ሕ. እወ ንመስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጋና ይግባእ።
ክርስቶስ ብምሕረቱ ይዘክረና።
ይ.ሕ. ኣሜን።
ኣብ ዳግማይ ምጽኣቱ ኣየኅፍረና።
ይ.ሕ. ኣሜን።
ስሙ ንምምስጋን የንቅሓና።
ይ.ሕ. ኣሜን።
ብኣምልኾቱ’ውን የጽንዓና።
ይ.ሕ. ኣሜን።
እግዝእትነ(እመቤትና) ማርያም ድንግል ወላዲተ ኣምላኽ ጸሎትና ኣዕርግልን።
ይ.ሕ. ኣሜን።
ኵሉ ኃጢኣትና’ውን ኣስተሥርዪልና።
ይ.ሕ. ኣሜን።
ኣብ ቅድሚ መንበር ጐይታና።
ይ.ሕ. ኣሜን።
ነዚ ኅብስቲ እዚ ንዘብልዓና።
ይ.ሕ. ምሕረቱ ንዘለዓለም እዩ።
ነዚ መስተዚ’ውን ንዘስተየና።
ይ.ሕ. ምሕረቱ ንዘለዓለም እዩ።
ሲሳይናን ክዳንናን ንዝሠርዓልና።
ይ.ሕ. ምሕረቱ ንዘለዓለም እዩ።
ኵሉ ኃጢኣትና ንዝተዓገሠና።
ይ.ሕ. ምሕረቱ ንዘለዓለም እዩ።
ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን’ውን ንዝሃበና።
ይ.ሕ. ምሕረቱ ንዘለዓለም እዩ።
ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ ንዘብጽሓና።
ይ.ሕ. ምሕረቱ ንዘለዓለም እዩ።
ብኃባር፦ ንልዑል እግዚአብሔር ፍጹም ምስጋና ንሃብ፡ ከምኡ’ውን ንድንግል ወላዲቱን ንክቡር መስቀሉን ምስጋና ንሃብ፡ ስም እግዚአብሔር ኣምላኽና ብዅሉ ጊዜን ብዅሉ ሰዓትን ፈጺሙ ዝተመስገነ ይኹን።፡

ሰላም ለኪ
• እናሰገድና ንኣኺ ሰላምታ ይግባእ ንብለኪ። ኣዴና ማርያም ንልምነኪ፡ ካብ ሃዳናይ ኣርዌ ብኣኺ ንምኅፀን ፡ ምእንቲ ሓና ኣዴኽን፡ ኢያቄም ኣቦኽን ኦ ድንግል ሎሚ ማኅበርና ባርኺ።

ጸሎተ እግዝእትነ ማርያም
• ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ፡ መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኸይ ፡ በቲ መድኃንየይ ባህ ይብላ፡ ውርደት ባርያኡ ርእዩ እዩ’ሞ ፡ እንሆ ካብ ሕጂ ኵሎም ወለዶ ብፅዕቲ ኪብሉኒ እዮም። እቲ ኵሉ ዚኽእል ዓበይቲ ነገራት ገይሩለይ እዩ’ሞ፡ ስሙ ቅዱስ እዩ፡ ምሕረቱ’ውን ኣብቶም ዝፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ ይነብር። ብቕልፅሙ ኃይሊ ገበረ፡ ንዕቡያት ሓሳባት ልቦም በተነሎም፡ ንኃያላን ካብ መናብሮም ኣውረዶም፡ ንዝተዋረዱ ከኣ ልዕል ኣበሎም፡ ንጥሙያት ካብ በረኸቱ ኣጽገቦም፡ ንሃብታማት ከኣ ጥራዮም ሰደዶም። ከምቲ ነቦታትና ዝተዛረቦ ንኣብርሃምን ንዘርኡን፡ ናይ ዘለዓለም ምሕረቱ ዘኪሩ ንእስራኤል ቈልዓኡ ተቐበሎ። (ሉቃ. 1፡46-55)
ንአብ ንወልድ ንመንፈስ ቅዱስ ንዘለዓለም ዓለም ምስጋና ይኹን!!!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195