banner

ዓቢይ ጾም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሓደ ካብ ሾብዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ዓቢይ ጾም እዩ። እዚ ጾም እዚ ፈጣሬ ሰማያትን ምድርን፡ ጐይታ ጐይቶትን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ብኢድ ዮሓንስ መጥማቑ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ከይዱ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ዝጾሞ እዩ።

• ስለምንታይ ጐይታ ጾመ፧

1. ተወሊዱ፡ ጸዋትወ መከራ ተቐቢሉ፡ ብሞቱ ንሞት ኣዳም ስዒሩ፡ ብትንሣኤኡ ትንሣኤ ሂቡ ንደቂ ሰባት ፍጹም ድኅነት ንምሃብ እዩ።
2. ሓጋጌ ሕግ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ብቓሉ ጽሙን ጸልዩን ኢሉ ምእዛዙ፡ ባዕሉ ነቲ ቅኑዕን ርቱዕን መንገዲ ጾም ብግብሪ ኣርኣያ ኾይኑ ንኺምህረና ጾመ። “ነዚ ኢኹም ዝተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኣሰር ኣሰሩ ክትስዕቡ፡ ኣርኣያ ኃዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ።” (1ይ ጴጥ. 2፡21)
3. ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ዝኾነ ግብሪ ብምጻም፡ ጾም ቀዳማይ ሕጊ ምዃኑ ነገረና።

• ስለምንታይ ጐይታ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጾመ፧

1. ኣዳም ኣብ ኣርብዓ መዓልቲ ዝተዋህቦ ክብሪ ስለ ዘጥፍአ፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ክብሪ ኣዳም ንምምላስ ኣርብዓ መዓልቲ ጾመ።
2. ነቢይ ሙሴ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጸይሙ ሕጊ ኦሪት ተቐበለ፡ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጸይሙ ሕጊ ወንጌል ሠርዐ። (ዘፀ. 24፡12-18፣ 31፡18)
3. ነቢይ ሙሴ ዝለኣኾም ዓሠርተው ክልተ ሰለይቲ ምድረ ርስቲ ሰልዮም ኣብ ኣርብዓ መዓልቶም ተመልሱ፤ (ዘኍ. 18፡25) ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ መራሒ መንግሥተ ሰማያት ስለ ዝኾነ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጾመ።
4. እቲ ኣብ ኣርብዓ መዓልቲ ተሥእሎተ መልክዕ (ቅርጺ ኣካል) ዝተሠርዓሉ ሰብ ስለ ዝበደለ፡ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ካሕሣ ንክኸውን ኢሉ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጾመ።

• ስለምንታይ እዚ ጾም’ዚ ‘ዓቢይ’ ተባሂሉ፧

1. ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ዝጾሞ ስለዝኾነ እዩ።
2. ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሠለስተ ኣርእስተ ኃጣውእ ዝበሃሉ ዓበይቲ ፈተናታት ሰይጣን ዝሰዓረሉ ስለ ዝኾነ እዩ። ንስስዕቲ ብትዕግሥቲ፣ ንትዕቢት ብትሕትና፣ ንፍቅሪ ገንዘብ ድማ ገንዘብ ብምጽላእ ሰዓሮ።
3. ካብቶም ካልኦት ኣጽዋማት ዝጽወመሉ መዓልታት(55 መዓልታት) ዝበዝኀ ስለ ዝኾነ እዩ።

• ስለምንታይ 55 መዓልታት ንጸውም ፧

ዓቢይ ጾም፡ ብመሠረት ባሕረ ሓሳብ ዓመት መጽአ ዝጅመረሉን ዝፍጸመሉን ዝተፈላለየ ዕለት ደኣ ይኹን እምበር ብዝኂ ዕለታቱ 55 እዩ፣ ዘይውስኽን ዘይጐድልን እዩ።
1. ኣብ 55 መዓልታት ዓቢይ ጾም፦ ሸሞንተ ቀዳምን ሾብዓተ ሰንበትን ማለት 15 መዓልታት ኣለዉ። ኣብዞም 15 መዓልታት ካብ ጥሉላት እምበር ካብ እኽለ ማይ ኣይጽወምን እዩ። ስለዚ ብዘይ እዞም 15 መዓልታት ድማ 40 መዓልታት ጾም ይኸውን።
2. ኣብ ዓቢይ ጾም ከም መእተውን መውፅእን ዝጽወሙ ክልተ ሰሙናት ኣለዉ። እቲ መእተዊ ናይ መጀመርታ ሰሙን ‘ዘወረደ’ ዝበሃል ሸሞንተ መዓልታት ኮይኑ ፣ እቲ መውፅኢ ናይ መወዳእታ ሰሙን ድማ ሰሙነ ሕማማት ዝበሃል ሸውዓተ መዓልታት ዘለዎ እዩ። ስለዚ ከም እግርን ርእስን ኮይኖም ምስ ዓቢይ ጾም ብሓንሳብ ተቘጺሮም 55 መዓልታት ይኾኑ።

• ሰናብቲ ዓቢይ ጾም ኣስማት ኣለዎም’ዶ፧

ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ዓቢይ ጾም ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ ሊቅ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ጾመ ድጓ ነናቶም መዝሙር ስለዝሠርዓሎም፡ ነፍሲ ወከፍ ሰንበት ብስም እቲ መዝሙር ይጽዋዕ። ነፍሲ ወከፍ ሰንበት’ውን ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ምድሪ ዝመሃሮ ትምህርትን ዝገበሮ ተኣምራትን ዝገልጽ፡ ምስቲ መልእኽቲ መዝሙር ዝሰማማዕ ንባባትን ዜማን ተመዲቡሉ ኣሎ።

፨ ስለዚ ዓቢይ ጾም፡ ንፍቓድ ሥጋና ብፍቓድ ነፍስና ነግዝኣሉ፣ ካብ ገቢረ ኃጢኣት ተኸልኪልና ብሠናይ ግብሪ ንተግሃሉ፣ 

. . . ጊዜ ጽድቅን ቅድስናን እዩ እሞ ካብ በረኸቱ የሳትፈና!

                                                                      ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195