banner

ሆሣዕና በአርያም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

          ሆሣዕና በአርያም 

ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል እግዚአብሔር ወልድ፡ ወዲ ሰብ ንምድኃን ፍጹም ሥጋና ተዋሓሒዱ፡ ጐይታ ዳዊት ክንሱ ካብ ዘርኢ ዳዊት ተወሊዱ፡ ‘ሆሣዕና ንወዲ ዳዊት’ እናተባህለ ኣብ ኣድግን ገልገል ኣድግን ተወጢሑ ምኻዱ ንወዲ ሰብ ክሳብ ክንደይ ፍቕሩ ከም ዝገለጸሉ ዝገልጽ እዩ ። ሆሣዕና ማለት መድኃኒት ማለት እዩ። መድኃኒት ዝተባህለ ድማ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ቅድሚ ስቕለቱ ኣብ ዘሎ መዓልትታት፡ ንኽልተ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ከምዚ ኢሉ ለኣኾም፡ ‘ኣብ ቅድሜኹም ናብ ዘሎ ዓዲ ኺዱ፡ ኣብኡ ምስ ኣቶኹም ድማ እሱር ኣድግን ገልገል ኣድግን ኪትረኽቡ ኢኹም እሞ ፈቲሕኹም ኣምጽኡለይ፡ ስለምንታይ ትፈትሕዎ ኣሎኾም፧ ኢሉ እንተሓተተኩም ከኣ ጐይታኦም ይደልዮም ኣሎ’ በሉ። (ብተፈጥሮ ጐይታኦም) ስለ ዝኾነ እዩ። ንሳቶም ድማ ከምቲ ዝተኣዘዝዎ ፈቲሖም ኣምጽእሉ። (ማቴ. 21፡1-3)

እዚ ኸኣ ከምቲ ብነቢይ ዘካርያስ “ኣቲ ጓል ጽዮን ኣዚኺ ተሐጐሲ፡ ኣቲ ጓል ኢየሩሳሌም ዕልል በሊ እንሆ ንጉሥኪ ንሱ ሓቀኛን የዋህን ትሑትን እዩ፣ ኣብ ኣድጊ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ” (ዘካ. 9፡10) ኢሉ ብእተነበዮ መሠረት፡ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣድጊ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ናብ ኢየሩሳሌም ከኣቱ ኸሎ ዝበዝኁ ካብቶም ሕዝቢ ክዳውንቶም ኣብ መንገዲ ኣንጸፉ። ካልኦት ድማ ካብ ኣእዋም ጨጨንፈሩ እናሰልዑ ኣብ መንገዲ ነስነሱ፡ ቀቅድሚኡ ዝኸዱ ደድኅሪኡ እውን ዝስዕቡ ሕዝቢ ዓው ኢሎም “ሆሣዕና ለወልደ ዳዊት ብሩክ ዘይመጽእ በስመ እግዚአብሔር፡” ንወዲ ዳዊት መድኃኒት ምባል ይግብኦ እዩ። እቲ ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ’ እናበሉ ሕፃናትን ብኣሽሐት ዝቝጸሩ ሕዝብን ናይ ስየ ጨንፈር ኂዞም ኣመስገንዎ።

ኣካለ መለኮት ምስ ኣካለ ሥጋ፡ ኣካለ ሥጋ ምስ ኣካለ መለኮት ብምውሕሓድ መድኃኒት ኮይኑ ንዓለም ዘድኅነሉ እዋን ከም ዝኣኸለ ንምርግጋጽ ፍጹም ትሕትናኡ’ውን ንምግላጽ ኣብ ክንዲ ዘባነ ኪሩቤል ኣብ ኣድጊ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ፣ ኣብ ክንዲ ምስጋና ሊቃነ መላእክትን መላእኽትን፡ ካብ ምድራውያን ኣረገውትን ሕፃናትን “ሆሣዕና ንወዲ ዳዊት፡ ሆሣዕና ኣብ ኣርያም” ዝብል ቃለ ምስጋና እናተቐበለ ካብ ቢታንያ ተበጊሡ ናብ ከተማ ኢየሩሳሌም ኣተወ።

ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣተወ ኸኣ ኵላ ብዘላ እታ ኸተማ “እዚ መንዩ ኢላ ተናወጸት። እቲ ሕዝቢ ኸኣ “እዚ ካብ ገሊላ ዝመጽአ እቲ በዓል ናዝሬት እዩ።” እንተኾነ ሊቃነ ካህናትን ጸሓፍትን ብዝኾነ ይኹን እዋን ቅንኣትን ተንኰልንን ኣይፍለዮምን እዩ’ሞ ነቶም ሕፃናት ጨንፈር ስየ ኂዞም ብሓጐስ እናወዛወዙ ‘ሆሣዕና ንወዲ ዳዊት ሆሣዕና ኣብ ኣርያም . . . እናበሉ ሰማያዊ ልዕልናኡን ጐይታ ዳዊት ክንሱ ወዲ ዳዊት ምባሉ ብትሕትናኡ ተደኒቖም ከመስግንዎ ኸለዉ ሰሚዖም ‘ስለምንታይ ዘይትኽልክሎም’ በልዎ።

ጐይታ ኸኣ ነቢይ ዳዊት ብዛዕባ’ዛ መዓልቲ’ዚኣ ብዓይኒ ትንቢት ጠሚቱ “እም አፈ ደቂቅ ወሕፃናት አስተዳሎከ ስብሐተ/ ምስጋና ካብ ኣፍ ሕፃናትን ቈልዑን ኣዳሎኻ” ኢሉ ንዝተነበዮ ቓልዶ ኣየንበብኩምን፧ በሎም። ደቂቅ ዝተባህሉ ደቂ ዓመትን መንፈቕን ፡ ሕፃናት ዝተባህሉ ድማ ደቂ ኽልተ ዓመት እዮም። ከምኡ’ውን “እዚኣቶም ስቕ እኳ እንተበሉ እዞም ኣእማን ከመስግኑ (ክጭድሩ) እዮም፡እብለኩም ኣሎኹ ኢሉ መለሰሎም። ሉቃ. 20፡40

ልሙዕ ስየ ኂዝካ ምቕባል ቅድሚ እቲ ጊዜ እቲ ልሙድ ነበረ።

ሀ. ኣብርሃም ኣብ ጊዜ እርጋኑ ንይስሓቅ ምስ ወለዶ ናይ ስየ ጨንፈር ኂዙ ከም ዘመስገነ ቅዱስ ያሬድ “ነሥአ አብርሃም አዕፁቀ በቀልት ሰብሐ ወዘመረ” ኣብርሃም ናይ ስየ ጨንፈር ኂዙ ንእግዚአብሔር ኣመስገነ’ ኢሉ ገሊጹዎ ኣሎ። ኩፋሌ 16፡14-20

ለ. እስራኤል ካብ ምድረ ግብጺ ኪወፅኡ ከለዉ ለምለም ስየ ኂዞም “ንሴብሖ ለእግዚአብሔር ስቡሐ ዘተሰብሐ/ ብባሕርይ ክቡር ንዝተመስገነ እግዚአብሔር ፍጹም ምስጋና ይብጽሓዮ” እናበሉ ብብርቱዕ ደሃይ ኣመስገንዎ። ዘፀ. 15፡1-18

ሐ. ብዛዕባ ክዳን ምንጻፍ ድማ የሁ (ኢዩ) ዝተባህለ ቅብዐ መንግሥቲ ምስ ተቐብዐ ነፍስ ወከፎም ከክዳኖም ወሲዶም ኣብ ትሕቲኡ ኣብቲ መደያይቦ ኣንጸፉ” ይብል። 2ይ ነገ. 9፡13

በዛ ጐይታ ናብ ኢየሩሳሌም ዝኣተወላ መዓልቲ’ዚኣ ኵሎም ነኣሽቱን ዓበይትን ነታ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወጥሓ ጻዕብ ብቕድሚትን ድኅሪትን ከቢቦም “ሆሣዕና ለወልደ ዳዊት፡ ሆሣዕና በኣርያም . . .” እናበሉ ነቲ ስየ እናወዛወዙ ክዘሉ ከም ዝወዓሉ ንሕና ሕዝበ ክርስቲያን ከኣ ብመድኃኒትነት ናይ ክርስቶስ ኣሚንና፡ ስላዕ ስየ ኂዝና ዓመት መጽአ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ከነመስግኖ እንነብር ዘሎና ነዚ ኣርኣያ’ዚ ብምስዓብ ኢና።

 

ካብዚ በዓለ ሆሣዕና ንመሃሮ ድማ ሕፃናት ኣፎም ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ክኸፍቱን ትምህርተ ተዋሕዶን መሠረተ እምነቶምን ኣጽኒዖም ክዓብዩ እሞ ንጹሓትን ርቱዓትን ወረስትን ሓለውትን ደረት ኣቦታቶም ክኾኑን፣ ብዅሉ ሥነ ምግባሮም ንእግዚአብሔር ከሐጕሱን ሎሚ ጽባሕ ዘየድልዮ ናይ ኵሉ ዝበ ክርስቲያን ኃላፍነት እዩ።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል፡ ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195