banner

ቀዳም ስዑር ስለምንታይ ሰቲ ንኣስር፧

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

         ቀዳም ስዑር ስለምንታይ ሰቲ ንኣስር፧

ኣብ ቀዳም ስዑር ኣብ ርእስና እንኣስሮ ሰቲ ሰፊሕ ትርጕም ዝኃዘ መንፈሳዊ ባህሊ እዩ።
ናይቶም ኣብ ዘመነ ኖኅ ዝነበሩ ሕዝቢ ዓለም፡ ኃጢኣቶም ምስ በዝኀ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኃዚኑ ካብ ሰብ ክሳብ እንስሳ ካብ ገጽ ምድሪ ብማየ ጥፍኣት ኪድምስሶም ወሰነ። ነቲ ትእዛዛቱ ሓልዩ ብኣምልኮቱ ጸኒዑ ዝነበረ ኖኅ ግና ካብ ማየ ጥፍኣት ዝድኅነሉ መርከብ ሥራሕ ኢሉ ኣዘዞ። ብድኅር’ዚ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ምስ ዘነመ ብዘይካ ኖኅ ምስ ስድራ ቤቱን ናብ መርከብ ዝኣተዉ እንስሳታትን እቲ ዅሉ ኣብ ምድሪ ዝወሳወስ ፍጡር ዘበለ ጠፍአ።

ኖኅ እቲ ማይ ካብ ምድሪ ጐዲሉ እንተኾይኑ ኺርኢ ኢሉ ቅድም ንኳዅ ሰደዶ፡ ንሱ ግና ኣይተመልሰን። ደኃር ግና ንርግቢ ለኣኸ። ማይ ስለዘይነጸፈ እግራ እተዕርፈሉ ስኢና ተመልሰቶ። ቅንይ ኢሉ መሊሱ ምስ ሰደዳ ግና ልሙዕ ቈጽለ ኣውሊዕ ኣብ ኣፋ ኂዛ ተመልሰቶ። ‘ሐፀ ማየ አይኅ ነትገ ማየ ኃጢአት/ ማየ ጥፍኣት ጐደለ፡ ባሕረ ኃጢኣት ነቀጸ’ ክትብል ኣበሠረቶ እሞ ኣዝዩ ተሓጐሰ።
በዚ ምኽንያት ድማ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፦ እቲ ኃሙሽተ ሽሕን ኃሙሽተ ሚእትን ዓመት ተዓጽዩ ዝነበረ ማዕጾ ገነት ብስቕለት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተኸፍተ፣ ሞት ጠፍአ፣ ኃጢኣት ተደምሰሰ፣ ኣብ ሲኦል ዝነበራ ነፍሳት ናብ ገነት ተሳገራ ክትብል፡ ንሕዝበ ክርስቲያን ሰቲ ኂዛ ተበሥርን ንሰቲ ትዕድልን።

ሰቲ ልምላሜ ዘይፍለዮ ክረምቲ ኾነ ሓጋይ ዘይነቅጽ ቈጽሊ ብምዃኑ፡ ንሕና ሰዓብቲ ክርስቶስ ድማ ‘ብስቕለት ክርስቶስ፡ ካብ ጸልማት ሞትን ንቁጽ ሓዊ ሲኦልን ወፂእና ናብቲ ልምላሜ ዘይፍለዮ ጥንተ ቦታና ገነት ተመለስና’ ክንብል ልሙዕ ሰቲ ኣብ ርእስና ኣሲርና ነቲ በዓል ነኽብሮ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195