banner

መስቀል ብርሃን ለኵሉ ዓለም መሠረተ ቤተ ክርስቲያን !

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

መስቀል ብርሃን ለኵሉ ዓለም መሠረተ ቤተ ክርስቲያን

ዓመት መጸ (፲፯) 17 መስከረም፡ ብስብሐተ ማኅሌትን ውዳሴን ቅዳሴን፡ ብብርሃን ዳሜራን ሆየ ሽግን፡ ብዓቢይ ሓጐስ እነኽብሮ በዓል፡ በዓለ መስቀል’ዩ። እዚ በዓል’ዚ ወርኀ ክረምት እዋን ልምላሜ ኃሊፉ ወርኀ ጽጌን ፍሬን ዝትክኣሉ፡ ከምኡ’ውን ብርሃን ፀሓይ ዝደምቀሉ ኣብ ቀዳማይ ወርኂ ናይ ሓድሽ ዓመት ዝብዕል ብምዃኑ በዓል ተስፋን ብርሃንን እዩ።
ዋላ እኳ “መስቀል” ማለት ዝተመሳቐለ ናይ ዕለተ ሠሉስ ፍጥረት ዕፅ እንተኾነ፡ ብደመ መለኮት ዝኸበረን ዝተቐደሰን ስለዝኾነ፡ ‘ንጉሠ ዕፀዋት’ ዝብል ቅጽል ስም ክወሃቦ ክኢሉ።


ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ “መስቀል” ትእምርተ ውርደትን መርገምን ብምንባሩ (ዘዳ. 21፡23) ብፍላይ ሮማውያን ንገበነኛ ሰብ ኣብ መስቀል ሰቂሎም ይቐትልዎ ነበሩ። ኣብቲ ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ወንጌለ መንግሥት ድኅነተ ዓለም ዝሰብከሉ ዝነበረ ጊዜ፦ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ሮማውያን ዝነበሩ ኣይሁድ ብጽልእን ጭካነን ተላዒሎም ብሥርዓት ሮማውያን ክሰቕልዎ መደቡ። ነቲ ብባህሪኡ በደል ዘይብሉ ኣምላኽና፡ “በደለኛ እዩ” ንኽብሉ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ “ይሰቀል፡ ይሰቀል” እናበሉ ጨርሑ። (ማቴ. 27፡22-23) ጲላጦስ ኣኅሊፉ ምስ ሃቦም’ውን ምስ በደለኛታት ቈጺሮም ኣብ መንጐ ክልተ በደለኛታት ሸፋቱ ኣብ መስቀል ሰቐልዎ። (ኢሳ. 53፡12 ፣ ሉቃ. 23፡33) ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ኣብ ቅዳሴኡ ቍጽሪ ፶፫ ፦ ‘ፍቅር ሰሐቦ ለወልደ አምላክ እመንበሩ ወአብጽሖ እስከ ለሞት፡ ሰቀልዎ ከመ እቡስ ለዘአልቦቱ አበሳ ወኈለቍዎ ምስለ ጊጉያን ለገባሬ ሕይወት/ ፍቕሪ ሰብ ንወዲ ኣምላኽ ካብ መንበሩ ስሒቡ ክሳብ ሞት ኣብጽሖ።

ነቲ ኣበሳ ዘይብሉ ከም ኣበሰኛ ሰቐልዎ፡ ነቲ ሕይወት ዝፈጠረ ምስ ገበኛታት ቈጸርዎ’ ከምዝብል መፍቀሬ ሰብእ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንበደል ኣዳም በደሉ ገይሩ፡ ምስ በደለኛታት ከም በደለኛ ተቈጺሩ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ንዓለም ኣድኃነ። ነቲ ንኣዳም ዕፀ በለስ ኣብሊዑ ካብ ገነት ዘውፅኦ ዲያብሎስ ኣብ ዕፀ መስቀል ተሰቒሉ ሰዓሮ። ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ኢዱ ዘርጊሑ ተሰቒሉ ሞተ። ሞቱ ድማ ነቶም ተረኃኂቆም ዝነበሩ ሰማያውያንን ምድራውያን ኣቀራረቦም፣ ተፈላልዮም ንዝነበሩ ሕዝብን ኣሕዛብን ድማ ሓደ ገበሮም። (ኤፌ. 2፡14-17)

ቅድም ትእምርተ ውርደትን መርገምን ዝነበረ መስቀል፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ፡ ኃይሊ እግዚአብሔር ዝተገልጸሉን ድኅነት ኣዳም ዝተፈጸመሉን ቅዱስ ዕፅ ብምዃኑ ትእምርተ ክብርን ልዕልናን ትእምርተ ድኅነትን ሰላምን፣ ትእምርተ ብርሃንን ፍቕርን፣ ትእምርተ ሥርየትን ምሕረትን ኮነ።

ድኅሪ ትንሣኤ ክርስቶስ፡ እዚ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ መስቀል፡ ብዙኅ ድንቂ ተኣምራት ይገብር ስለዝነበረ፡ ኣይሁድ ብኽፍኣት ተላዒሎም ስመ ዝኽሩ ንምጥፋእ ኣብ ጕድጓድ ቀበርዎ። ንኣስታት 300 ዓመት‘ውን ክሳብ ጎቦ ዝኸውን ብጐሓፍ ተደፊኑ ነበረ።

ሠናይ ዘመን ጊዜ ሰላም ምስ ኮነ ግና ነቲ ዝጠፍአ ምድላይ ልሙድ ስለዝኾነ፡ ንግሥቲ እሌኒ መብጽዓኣ ንምፍጻም ሠራዊት ኣኸቲላ ናብ ኢየሩሳሌም ብምኻድ፡ ብሓበሬታ ኪራኮስ ዝስሙ ሽማግለ ሰብኣይ ኣብቲ “መስቀል ጐይታ” ዝተቐብሮ ጎቦ በጺሓ ደሚራ ወልዐት። ከምቲ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ድርሰቱ (አርያም ዘኃሙስ)፡ “ዘዕጣን አንጸረ ሰገደ ጢስ በጎልጎታ ዘደፈኑ አይሁድ ዮም ተረክበ ዕፀ መስቀል” ዝበሎ እቲ ጢስ ዕጣን ናብ ሰማይ ዓሪጉ ናብቲ መስቀል ዘለዎ ቦታ ተመሊሱ ሰገደ። ንግሥት እሌኒ፡ በዛ ዕለት’ዚኣ ድማ 17 መስከረም መሥርሕ ኵዕታ ጀሚራ፡ 10 መጋቢት ብርሃን ቅዱስ መስቀል ረኣየት። ንሱ ምዃኑ ዘረጋግጽ ከኣ ሕሙማት ስለዘሕወየን፡ ምዉታን ስለዘተንሥአን ዜና ተኣምሩ ኣብ ኵሉ ዓለም ተሰምዐ።

ገቢረ ተኣምራት ናይ መስቀል ግና ካብ ዓለመ መላእኽት ዝጀመረ’ዩ። ቅዱሳን መላእክት ብእግዚአብሔር ኣምላኽ፡ ኣብ ኣካሎምን ልብሶምን ብርሃናዊ መስቀል ምስ ተቐርጸሎም፡ ንዲያብሎስ ምስ ሠራዊቱ ተዋጊኦም ብምስዓር ናብቲ መትሕተ ታሕቲት ተባሂሉ ዝፍለጥ ናብ እንጥርጦስ ደርበይዎ።

መፍቀሬ እግዚአብሔር ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ’ውን ኣብ ሰማይ ብርሃን መስቀል ምስ ተገልጸሉ፡ ንዓላዊ ንጉሥ መክስምያኖስ ስዒሩ ብሓቅን ርትዕን ነገሠ።

ቅዱስ መስቀል ኃይሊ ዝህብ፡ ዓወት ዘጓናጽፍ፡ ካብ ደዌ ሥጋን ነፍስን ዝፍውስ፡ ልብሰ ጸልማት ኃጢኣት ኣርኂቑ ብርሃን ጽድቂ ዘልብስ ብምዃኑ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለየ መንገዲ ተኽብሮ።
“መስቀል ብርሃን ለኵሉ ዓለም መሠረተ ቤተ ክርስቲያን / መስቀል ንዅሉ ዓለም ዘብርህ መሠረት ቤተ ክርስቲያን እዩ።” (ዘመድኃኔ ዓለም ኅዳር) ከም ዝብል ኵሉ ትምህርትን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ንቅዱስ መስቀል ሰንደቅ ዕላማ ዝገበረ እዩ። (መዝ. ፶፱፡፬/60፡4) ብቡራኬ በረኸት ንረኽበሉ፡ ብምምዕታብ ንሰይጣን ነርኅቐሉ፡ ሃይማኖትና ንምምስካር ኣብ ክሳድና ንኣስሮ፡ መንፈሳዊ ፍቕርና ንምግላጽ ኣብ ኵሉ ንዋየ ቅዱሳትን ክዳውንትናን ንሥዕሎ፡ . . . ኵሉ ትእምርተ መስቀል’ዩ። ብፍላይ 17 መስከረም ዳሜራ ወሊዕና፡ እነኽብሮ ሓደ ካብ ዓበይቲ በዓላት’ውን በዓለ መስቀል እዩ።

ስለዚ ቅዱስ መስቀል ክንድ’ዚ ኽብሪ ስለ ዘለዎ፡ “ዮምሰ ለእሊአየ አበርህ በመስቀልየ/ ሎሚ ብመስቀለይ ከብርሃልኩም እየ” እናበልና ክንዝምር ከምኡ’ውን መስቀሉ ተሰኪምና ክንስዕብ ይግባእ። (ማቴ. 10፡38)

ብርሃነ ብርሃናት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ልብና ዘለዓለማዊ ብርሃን ከብርሃልናን ብኃይለ መስቀሉ ካብ ኵሉ ፈተና ሰይጣን ክሕልወናን ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ፡ ኣሜን!



Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195