banner

ነገረ ስግደት (1ይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ነገረ ስግደት (1ይ ክፋል)

‘ስግደት’ ካብ ‘ሰገደ’ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝወፀ ቃል ኮይኑ ምድናን፡ ምንብርካኽ፡ ድፍእ ምባል፡ ደኒንካ ብግንባርካ መሬት ስዒምካ ምምላስ . . . ማለት እዩ።

• ስግደት፡ ሠለስተ ዓይነት እዩ፦
ሀ) ሰጊድ፥ ናብ ምድሪ ወዲቕካ ብግንባርካ ምድሪ ተንኪፍካ ምትንሣእ እዩ።
ለ) ኣስተብርኮ ፥ ብብርክኻ ምድሪ ተንኪፍካ ምትንሣእ እዩ።
ሐ) ኣድንኖ ፥ ርእስኻ ትሕት ኣቢልካ ኢድ ምንሣእ እዩ።

• ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዚስገደሎም ጊዜያት፦
ሀ) ናብ ቤተ ክርስቲያን ክትኣቱ
ለ) ጸሎት ክትጅምርን ምስ ወዳእካን
ሐ) ኣብ መንጎ ጸሎት ስግደት ዝጠቕስ ወይ ዝእዝዝ ቃል ምስ ዝርከብ

ብብዝኂ ምስጋድ፡ ናይ ንስሓን ናይ ትእዛዝን ስግደት ግና ኣብ ዕለተ ሰንበት፡ በዓለ ኃምሳ፡ ኣብ በዓላት ጐይታናን ቅድስት ድንግል ማርያምን ዓበይቲ በዓላትን፣ ከምኡ’ውን ድኅሪ ሥጋኡን ደሙን ምቕባልካ ኣይስገድን እዩ። እዚ ድማ ካብ ሰሙነ ሕማማት ወፃኢ ማለት እዩ።

* ስግደት ኣብ ክልተ ይኽፈል፦
ሀ. ናይ ኣምልኾ ስግደት
ለ. ናይ ጸጋ ስግደት
፨ ናይ ኣምልኾ ስግደትን ናይ ጸጋ ስግደትን ዝፍለ ብኣእምሮኻ (ብሕሊናኻ) እዩ።

ሀ. ናይ ኣምልኾ ስግደት

ናይ ኣምልኾ ስግደት ንፈጣሪ እግዚአብሔር ጥራሕ ንበይኑ ንኣምላኽነቱ ዚስገደሉ ስግደት እዩ። ሰብ ነቲ ኣምልኾቱን ተገዛእነቱ ንምግላጽ ዝሰግዶ እዩ።
ኵሉ ብርኪ ንበይኑ ንእኡ ጥራሕ ከም ዚሰግድ ኣብ ነቢይ ኢሳይያስ ኃዲሩ እግዚኣብሔር፡ “ኵሉ ብርኪ ኪሰግደለይ ኵሉ ልሳን ከኣ ብኣይ ኪምሕል እዩ ኢለ ብርእሰይ እምሕል ኣሎኹ” ይብል። (ኢሳ. 45፡23) ባዕሉ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ኣምልኾ ስግደት ከም ዚግባእ ኪነግር ከሎ ፡ “ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ስገድ ንእኡ ንበይኑ ድማ ኣምልኽ” ይብል። (ማቴ 4፡10)
ብርሃን ዓለም ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን “ስለዚ ንኽብሪ ስም ኢየሱስ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዘሎን ኵሉ ፍጥረት ብብርኩ ክንብርከኽ እዩ” ብምባል ናይ ኣምልኾ ስግደት ንበይኑ ንእግዚኣብሔር ክንሰግድ ከም ዘሎና ይነግረና። (ፊል. 2፡10፣ ሮሜ 14፡11)

ለ. ናይ ጸጋ ስግደት

ናይ ጸጋ ስግደት ኪበሃል ከሎ ነቶም እግዚአብሔር ዘኽበሮም፦ ንቕድስት ድንግል ማርያምን፣ ቅዱሳን መላእኽትን ቅዱሳን ሰባትን ከምኡ’ውን ንቅዱስ መስቀል፡ ቅዱሳት ኣሣእል . . . ዚስገድ እዩ።

ስግደት ንመላእኽቲ

ንቅዱሳን መላእኽቲ ናይ ጸጋ ስግደት ይስገደሎም። ንመላእኽቲ ናይ ጸጋ ስግደት ከምዝግብኦም ዘረድኡ ጥቕስታትን ታሪኻትን ንረክብ።
• ሰዶምን ገሞራን ብብዝኂ ኃጢኣትን፡ ዘጸይፍ ነገራትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ረኺሰናሉ ኣብ ዝነበራ ጊዜ፡ ነዘን ከተማታት እዚኣተን ብሓዊ ከቃጽሉ (ኪቐጽዑ) ዚመጽኡ መላእኽቲ ናብ ቤት እቲ ንበይኑ ጻድቕ ዝነበረ ሎጥ ኪኣትዉ ኸለዉ ሎጥ ብግንባሩ ተደፊኡ ናይ ጸጋ ስግደት ሰገደሎም። “ እቶም ክልተ መላእኽቲ ድማ ምሸት ናብ ሰዶም መጽኡ። ሎጥ ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ሰዶም ተቐሚጡ ነበረ፡ ምስ ረኣዮም ድማ ኪቀባበሎም መጽአ፡ ፍግም ኢሉ ድማ ሰገደ።” (ዘፍ 19፡1) ከምዝብል።

• እቲ ድኅሪ ሞት ሊቀ ነቢያት ሙሴ ንሕዝቢ እስራኤል ዚመርሕ ዝነበረ ኢያሱ ወልደ ነዌ፡ ሊቀ መላእኽቲ ቅዱስ ሚካኤል ምስ ተገልጸሉ ብግንባሩ ፍግም ኢሉ ናይ ጸጋ ስግደት ከም ዝሰገደሉን፡ ቅዱስ ሚካኤል ድማ ንኢያሱ ‘ኣይትስገደለይ’ ዝብል ናይ ተቓውሞ ቃል ከምዘይተዛረቦ ኣብ መጽሓፍ ኢያሱ 5፡14 ነንብብ።

• ቅዱስ ዳዊትን ሽማግለታት እስራኤልን፡ ንመልኣኽ እግዚኣብሔር ሰይፉ መሊሑ ኃዲግ ሰማይ ኃዲግ ምድሪ ቆይሙ ምስ ረኣይዎ ፍግም ኢሎም ሰገድሉ። (1ይ ዜና መዋዕል 21፡16)

• ወለዲ ሶምሶን እውን ነቲ ከምዝወልዱ ከበሥሮም ዝመጽአ መልኣኽ ሰገድሉ። (መሳ. 13፡20)

• ነቢየ እግዚኣብሔር ዳንኤል ኣብ ሩባ ኡባል ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ምስ ተገልጸሉ በቲ ግርማኡ ተደኒቑን ፈሪሁን ብገጹ ተደፊኡ ናይ ጸጋ ስግደት ሰገደሉ። (ዳን 8፡15)

• . . .

፨ ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝሰብክልኹም መራሕትኩም ዘክርዎም፡ ከመይ ኢሎም ከም ዝነበሩን ከም ዝሞቱን ኣስተውዒልኩም ኣሰር ኣሰር እምነቶም ሰዓቡ።” (ዕብ 13፡7) ዝብለና፡ ቅዱሳን ኣቦታትና ነቲ ኣብ ቅዱሳን መላእኽቲ ዘለዎም ኣኽብሮት ብልባዊ ፍቅርን ብስግደትን ከም ዝገልጽዎ፡ ንሕና’ውን ኣብ ቅድሚ ሥእሎም ናይ ጸጋ ስግደት ብምስጋድ ፍቕርና ኽንገልጽን፡ ንቅዱሳን መላእኽቲ ናይ ጸጋ ስግደት ምስጋድ ከም ዝግባእ ክንምስክርን ይግብኣና።

እቶም ቅዱሳን ኣቦታትና ብዓይኖም ርእዮም ብኣእዛኖም ሰሚዖም ዝገበርዎን ዝሰምዕዎን ናባና ኣኅሊፎምዎ እዮም እሞ ንሕና ነቲ ዓይኖም ከም ዓይንና ነቲ እዝኖም ከም እዝንና ጌይርና ነቶም ክብሪ ዝሃብዎም ክብሪ ክንህብ ይግባእ።

                                    ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

                                      ተፈጸመ ቀዳማይ ክፋል

 

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195