banner

ቀዳማይ ሰንበት፡ አስተምህሮ

ቀዳማይ ሰንበት፡ አስተምህሮ

ሀ. አስተምህሮ፦ በዛ ቀዳማይቲ ሰንበት’ዚኣ ዝዝመር መዝሙር “ኢተዘኪሮ አበሳ ዚአነ ፡ ኢኃደገነ ፍጹመ ንማሰን/ ኃጢኣትና ዘኪሩ፡ ፈጺምና ክንጠፍእ ኣይኃደገናን” ዝብል፡ ናይ እግዚአብሔር ምሕረትን ይቕሬታን፡ ርኅራኄን ትዕግሥትን ዝገልጽ እዩ። ንሕና ገና ኣብ ኃጥኣት እናነበረና፡ እግዚአብሔር በቲ ዓቢይ ምሕረቱን ብዙኅ ርኅራኄኡን ነዊኅ ትዕግሥቱን ዕድመ ንንስሓ ከምዝህበና ብዛዕባ ምሕረት እግዚአብሔር ዝንገረላ ሰንበት እያ። (ሮሜ 5፡10)

ኣቐዲሙ ነቢየ ልዑል ቅዱስ ዳዊት “ኢትዝክር ለነ አበሳነ ዘትካት፡ ፍጡነ ይርከበነ ሣህልከ እግዚኦ፡ እስመ ተመንደብነ ፈድፋደ/ ዝቐደመ በደልና ኣይትዘክረልና፡ ኣዚና ተሸጊርና ኣሎና እሞ ምሕረትካ ቀልጢፋና ትርከበና” መዝ. 78(79)፡8 ክብል ዝጸለዮ፡ ግብረ መልሲ ከም ዝረኸበ ከረድእ ከሎ ቅዱስ ያሬድ ‘ኢተዘኪሮ አበሳ ዚአነ” ክብል ዘመረ።

ኣርእስቲ መዝሙር፦
“ኢተዘኪሮ አበሳ ዚአነ ፡ ኢኃደገነ ፍጹመ ንማሰን . . . / ኃጢኣትና ዘኪሩ፡ ፈጺምና ክንጠፍእ ኣይኃደገናን”

ዘቅዳሴ ንባብ፦

መልእክታት፦
ሮሜ 5፡10-ፍጻሜ።
1ይ ዮሐ. 5፡13-ፍጻሜ።

ግብረ ሐዋርያት፦
ግብ.ሐዋ. 13፡38-43።

ምስባክ፦
“ኢትዝክር ለነ አበሳነ ዘትካት፡ ፍጡነ ይርከበነ ሣህልከ እግዚኦ፡እስመ ተመንደብነ ፈድፋደ/ ዝቐደመ በደልና ኣይትዘክረልና፡ ኣዚና ተሸጊርና ኣሎና እሞ ምሕረትካ ቀልጢፋና ትርከበና” መዝ. 78(79)፡8

ወንጌል፦
ማቴ. 6፡1-15።

ቅዳሴ፦
ዘእግዚእነ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195