banner

ሥርዓተ ስግደት ካልኣይ ክፋል

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አማላክ!

ሥርዓተ ስግደት ካልኣይ ክፋል

“ኣነ ኸኣ ክሰግደሉ ኢለ ናብ ቅድሚ ኣእጋሩ ፍግም በልኩ፡ ንሱ ድማ ኸይትገብሮ ተጠንቀቕ፡ ምስክር ኢየሱስ እቲ መንፈስ ትንቢት እዩ’ሞ ኣነስ ከማኻን ከምቶም ምስክር ኢየሱስ ዚኅዙ ዘለዉ ኣኅዋትካን ባርያ እየ፡ ንኣምላኽካ ስገድ በለኒ” ራእ. ዮሓ. 19፡10

ብመሠረቱ እዚ ጥቕሲ’ዚ ንመላእኽቲ ናይ ጸጋ ስግደት ከም ዚግባእ ዚገልጽ ደኣ እምበር ዚቓወም ኣይኮነን። ፍቁረ እግዚእ ቅዱስ ዮሓንስ ነቲ መልኣኽ ምስጋዱ ከይፈለጠን ከይተረድአን ኣይኮነን። ጥበብን ምስትውዓልን ጸጋ ፍልጠትን ዚዕድል መንፈስ ቅዱስ ዝኃደሮን ብዛዕባ ምሥጢረ መለኮት ዝተዛረበን ብምዃኑ ብጌጋ እዩ ንመልኣኽ ሰጊዱ ምባል ዕሽነት ጥራይ ዘይኮነ ክሕደት’ውን እዩ።
እቲ መልኣኽ ንቕዱስ ዮሓንስ ‘ኣይትስገደለይ’ ዝበሎ ብሠለስተ ምኽንያት እዩ።

1. ስለ ትሕትና

ዲያብሎስ ካብ ክብሪ ናብ ኅስራን ዝወረደ ብትዕቢት እዩ። ቅዱሳን መላእኽቲ ግና ትሕትና ስለ ዘለዎም ከምቲ ሰይጣን ንሠራዊት መላእኽቲ “ስገዱለይ ኣነ እየ ኣምላኽኩም” ዝበለ ‘ስገዱልና’ ዝብሉ ኣይኮኑን። እግዚኣብሔር ግና ቅዱሳን መላእኽቲ ንኽኸብሩ ፍቓዱ ስለ ዝኾነ ደቂ ሰባት ንኸኽብርዎምን ንኸፍቕርዎምን ኣዚዝዎም እዩ።
እቲ ንቕዱስ ዮሓንስ ‘ኣይትስገደለይ’ ዝበሎ መልኣኽ እቲ ስግደት ካብ ኣምልኾ እግዚኣብሔር ዝረሓቐ ከም ንጣዖት ምስጋድ ስለዝኾነ ዘይኮነስ እቲ መልኣኽ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ዮሓንስ ርእሱ ንምትሓት ስለ ትሕትና ዝተዛረቦ እዩ። ንኣብነት፦ ሓደ ሰብ ንኻልእ ብጻዩ ወይ ካብኡ ንዚዓቢ ኢድ ኪነሥእ ኢሉ ካብ ኮፍ መበሊኡ ተንሢኡ ኪቕበሎ ኸሎ “ኣይፋሉን ኣይግብኣንን እዩ ኣነ እንታይ ድየ” ከም ዝብል ማለት እዩ። ነዚ ዘረጋግጸልና ኣብ ራእይ ዮሓንስ 19፡10 እቲ መልኣኽ ምስናይ መጠንቐቕታ ‘ኣይትስገደለይ’ ኢልዎ ከብቅዕ ቅዱስ ዮሓንስ ግና ስለ ትሕትና ምዃኑ ፈሊጡ ንኻልኣይ ጊዜ ከኽብሮ ኢሉ ከም ዝሰገደሉ ራእይ ዮሓንስ 22: 9 ነንብብ።

2. ሥልጣነ ክህነት ንኽኽብር

ናይ ቤተ ክርስቲያና ኮከበ ጽባሕ ቅዱስ ጳውሎስ ንሥልጣነ ካህናት ኣመልኪቱ ኪምህር እንከሎ ‘“ኢተአምሩኑ ከመ መላእክተ ጥቀ ንኴንን/ ንመላእኽቲ ከም እንፈርዶም’ዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም’ ኢሉ ኣሎ። (1ይቆሮ 6፡3) ካህናት፡ ኣብዚ ዓለም’ዚ ንዘለዉ ነገሥታትን መኳንንትንሲ ይትረፍ ንመላእኽቲ’ውን ከምዝገዝኡ ዘረድእ እዩ። ነዚ ዘብርሃልና ድማ ታሪኽ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ንመልከት።

ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ፓትርያርክ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ፡ እቶም ፈተውቱን ቀረብቱን ዝነበሩ ንንጉስ ኣርቃድዮስን ንግሥቲ አውዶክስያን ዘዝወለድዎም ይሞትዎም ስለዝነበሩ፡ ‘ስለምንታይ እዮም ዘዝወለድናዮም ዝሞቱ፧’ ኢሎም ሓተቱ። ዝተዋህቦም መልሲ ድማ፦ ‘እቶም ሕፃናት ኺጥመቑ ኸለዉ ንጹሓን ሰባት ስለዘየጠመቕዎም እዩ’ ዝብል ስለዝነበረ፡ “እሞ ኸምዚ እንተ ደኣ ኾይኑ ካብ ዮሓንስ አፈወርቅ ዚበልጽ ንጹሕ ሰብ ደኣ መን ኣሎ” ኢሎም ጓል ምስ ወለዱ ንቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ‘ጓል ወሊድና ኣሎና እሞ መጺእኻ ኣጥምቐልና’ ኢሎም ለኣኽሉ። ሽዑ ንኸጠምቓ ኪኸይድ ከሎ መልኣኸ እግዚኣብሔር ኣብ መንገዲ ጸንሖ’ሞ፡ ‘ናበይ ደኣ ትኸይድ ኣሎኻ፧’ ኢሉ ሓተቶ። እቲ መልኣኽ ድማ ‘ነዛ ኸተጥምቓ ትኸይድ ዘሎኻ ሕፃን ነፍሳ ካብ ሥጋኣ ፈሊኻ ኣምጽኣያ ኢሉ ፈጣርየይ ስለዝኣዘዘኒ ናብኣ እኸይድ ኣሎኹ’ በሎ። ሽዑ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ‘በል ጸጋ ጥምቀት ኣይተቐበለትን እሞ ኸጠምቓ ሓንሳእ ጽንሓኒ’ በሎ። ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፡ ነታ ሕፃን ኣጥሚቑ ብኻልእ መንገዲ ገይሩ ናብ ቤቱ ተመልሰ። እቲ መልኣኽ ግና በቲ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ጽናሕ ዝበሎ ቓል ካብኡ ንየማን ኮነ ንጸጋም ከይበለ ንዓሠርተ ዓመት ዝኣክል ጠጠው ኢሉ ጸንሖ። እዚ ኸኣ ሥልጣነ ካህናት ማዕረ ኽንደይ ዓቢይ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ። 

እታ ዝተጠምቀት ሕፃን ጓል ዓሠርተ ዓመት ኮይና ተሓጽያ ቈጸራ መርዓ ምስ ተገብረ “እታ ዘጥመቕካያ ከነመርዕዋ ደሊና እሞ መጺእኻ ናይ ሓጐስና ተኻፋሊ ኾይንካ መሪቕካን ባሪኽካን ከተፋንዋ ምሳና ወዓል” ኢሎም ለኣኽሉ። ንሱ ኸኣ ሕራይ ኢሉ በታ ቕድም ዝኸደላ መንገዲ ኪኸይድ ከሎ፡ ነቲ መልኣኽ ጠጠው ኢሉ ምስ ረኸቦ፡ ‘ስለምንታይ ደኣ ኣብዚ ደው ኢልካ፧’ ኢሉ ሓተቶ። እቲ መልኣኽ ድማ ናይ ካህናት መዓርግኩም (ሥልጣንኩም) ቀሊል’ዶ መሲልካ ንየማነ ጸጋም የብል ድዩ፣ ንስኻ ጽናሕ ካብ እትብለኒ ጀሚረ ክሳብ ሎሚ ንየማነ ጸጋም ኢለ ኣይፈልጥን’የ’ ኢሉ መለሰሉ። ብድኅሪ እዚ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ‘ለካ ኽሳብ ክንድ’ዚ ዝኣክል’የ ኣጥፊአ ዘሎኹ . . . ኺድ ዝተኣዘዝኻዮ ግበር’ በሎ። በታ ጊዜ’ቲኣ እቲ መልኣኽ ነፍሳ ካብ ሥጋኣ ፈልዩ ወሰዳ። ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ኣብቲ ገዛ ምስ በጸሐ ኪበኽዩ ጸንሕዎ‘ሞ ‘ኅደግዎ ኣይትብከዩ፡ ነገሩ ካብ እግዚኣብሔር ዝኾነ እዩ’ ኢሉ ኣጸናኒዕዎም ናብ ዓዱ ተመልሰ።

ስለዚ ሥልጣነ ካህናት ዓቢይ ስለዝኾነ፡ እቲ መልኣኽ ንቅዱስ ዮሓንስ ‘ኣይትስገደለይ’ ዝበሎ፡ ንሥልጣነ ክህነት ቅዱስ ዮሓንስ ንምኽባር እዩ።

3) ዮሓንስ ብንጽሕናኡ ከም መላእኽቲ ስለ ዝኾነ

ኣብ ትምህርቲ ምሥጢር ሥላሴ ከም እንምሃሮ፡ ‘ሰብ ናይ ግብሪ ስሙ መልኣኽ ወይ ሰይጣን ይበሃል። ጽቡቕ እንተ ሠርሐ መልኣኽ ይበሃል፣ ሕማቕ እንተ ገበረ ድማ ሰይጣን ይበሃል።’ ይብል።
ስለዚ ቅዱስ ዮሓንስ ድማ በዓል ሠናይ ግብርን ንጹሕን ስለ ዝነበረ ናይ ግብሪ ስሙ መልኣኽ እዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ከኣ እቲ መልኣኽ “ንስኻ እውን ብንጽሕና ኸማና ናይ ምድሪ መልኣኽ ስለዝኾንካ ‘ኣይትስገደለይ’ ” በሎ።

፨ ስለዚ ቅዱሳን መላእኽቲ ‘ይገለጹ ኣይገለጹ’ ህልውናኦም ርጉጽ ስለዝኾነ ክብሮምን ቅድስናኦምን ንዘለዓለም ዝነብር እዩ። በዚ ኸኣ ኣብቲ እግዚኣብሔር ዝርከበሉ ቅዱሳን መላእኽቲ ስለዝርከቡ፡ ንእግዚአብሔር ናይ ኣምልኾ ስገደት፣ ንቅዱሳን መላእኽቲ ድማ ናይ ጸጋ ስግደት ብእምነት ክንሰግድ ይግብኣና። ዮሐ 4፡24 

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195