banner

ጸሎት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ጸሎት

ጸሎት ምስ እግዚአብሔር ዘራኽበና መንገዲ እዩ። ስለዚ ሓደ ክርስቲያን ኵሉ ጊዜ ኺጽሊ ይግባእ። እዚ ማለት ድማ ኽንትንሥእን ክንድቅስን ክንበልዕን ክንሰትን ክንሠርሕን ከነዕርፍን ክንወፍርን ክንኣቱን ከሎና፡ ብጸሎት ስም እግዚአብሔር ጸዊዕና፡ ክግበረልና ብእንደልዮ ክንልምን፡ ብዝተገብረልና ኸነመስግን ክርስቲያናዊ ሕጊ እዩ።

ብንጹሕ ሕሊና ነቒሕናን ተጊህናን ክንጽሊ ከም ዝግብኣና ቕዱሳት መጻሕፍቲ ይነግሩና እዮም። በዚ መሠረት’ዚኻብ ጸሎት ዝተፈልየ ሕይወት ክህልወና ፍቓድ ኣምላኽ ኣይኮነን። ጸሎትና ኸምቲ ንበልዖ እንጌራን ንሰትዮ ማይን ዘየቋርጽ ኺኸውን ይግባእ። ክንጽሊ ዝመሃረና’ውን ባዕሉ ጐይትና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ቅዱስ ዳዊት’ውን “ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ጊዜ ኣመስግነካ ኣሎኹ።” ይብል።

(መዝ. 119፡1640 ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብወገኑ፡ “ንምትጋህ ኣይትተሃከዩ ብመንፈስ ተቓጸሉ፡ ንእግዚአብሔር ኣገልግሉ፡ ብተስፋ ተሓጐሱ ብጸበባ ተዓገሡ ፡ ጸሎት ኣዘውትሩ።” ኢሉ ምሂሩና ኣሎ። (ሮሜ 12፡9-15) ስለዚ ብጸሎት ተሰኒና ናብ እግዚአብሔር እንተ ደኣ ቐሪብና ጸሎትና ብዘይ መልሲ ኣይተርፍን እዩ። ንኣብነት ሰላም፡ ቅሳነት ፡ ጥዕና፡ በረኸት፡ ቅድስና፡ ጽድቂ ናይ ጸሎትና መልሲ ኻብ እግዚአብሔር ዝወሃበና ጸጋ እዩ።

እምበኣርከስ ሓደ ሰብ ጸሎት ዘየዘውትር እንተ ኾይኑ ንፈተና ሰይጣን ዝተቓልዐ እዩ ዝኸውን። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ኺምህረና “ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ ንቕሑን ጸልዩን፡ መንፈስ ድልዊ እዩ ሥጋ ግና ድኹም እዩ።” ማቴ.26፡41 ኢሉ እዩ። ስለዚ ሓደ ክርስቲያን ንሰይጣን ኺስዕር ዝኽእለሉ ኃይሊ ኻብ ጸሎት ዝብርትዕ ኣጽዋር የልቦን። ኵሎም ቅዱሳን ንሰይጣንን ናይ ሥጋን ናይ ዓለምን ፈተና ዝሰዓሩ ብጸሎት እዩ። እግዚአብሔር ከኣ ዅሉ ጊዜ ጸሎትና ኺሰምዕ ባህ እዩ ዝብሎ። በቲ ዘይሕሶ ቓሉ እውን “ለምኑ ይወሃበኩም፡ ድለዩ ትረኽቡ ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ ይኽፈተልኩም እዩ።” ይብለና። ማቴ. 7፡7 ኣዴና ቅድስት ቤተ ክርስቲያን’ውን ኣብ ጸሎት ትጉሃት ክንከውን ናይ ጸሎት ጊዜያትን ሥርዓትን ሠሪዐትልና ኣላ።

ናይ ጸሎት ጊዜያት፦

ናይ ጸሎት ጊዜያት ሾብዓተ እዮም (መዝ. 119፡164)
ሀ. ነግህ ለ. ሠለስት ሐ. ቀትር መ. ተስዕት ሠ. ሠርክ ረ. ሰዓት ንዋም (እዋን ድቃስ) ሰ. መንፈቀ ሌሊት (ፍርቂ ለይቲ)
ካብተን ሾብዓተ ጊዜያት ካህናትን ምእመናን ናብ ቤተ ክርስቲያን ከይዶም ዝጽልዩሎም ነግህን ሠርክን እዮም። ኣብ ዝተረፈ ጊዜያት ግና በብዘለውዎ ኺጽልይዎም ይግባእ። (ፍት.መን.ኣን. 14 ረስጣ 48፡47 ድስቅ. 12)

ጸሎት ኣብ ሠለስተ ይኽፈል፦

1. ናይ ውልቂ ጸሎት
2. ናይ ስድራ ጸሎት
3. ናይ ማኅበር ጸሎት

ናይ ውልቂ ጸሎት

ናይ ውልቂ ጸሎት ዝጽለ ኣብ ቤትን ዝጥዕም ቦታን እዩ። ናይ ውልቂ ጸሎት ዝኾነ ሰብ ከይረኣዮን ከይሰምዖን ሓደ ሰብ ብውልቁ ቤቱ ዓጽዩ ብሰቂለ ሕሊና ኮይኑ ፈጣሪኡ ጥራይ ክርእዮን ክሰምዖን ጌሩ ብኅቡእ ዚጽለ ጸሎት እዩ። (ማቴ. 6፡5-13)

ናይ ስድራ ጸሎት

ናይ ስድራ ጸሎት እቲ ስሙ ከምዘረድኦ’ውን ሓንቲ ስድራ ብኃባር ኮይና እትገብሮ ጸሎት እዩ። ነዚ’ውን ጸሎት ናይቲ ሓለቓ ሚእቲ ቆርኔሌዎስን ጻድቅ ኣቦና ኢዮብ ኣብነት ክኾኑና ይኽእሉ። (ግብ.ሓዋ. 10፡2-6 ፣ ኢዮ. 1፡4-5 ኢያ. 24፡15) እዚ ናይ ስድራ ቤት ጸሎት ኣብ ስድራ ቤት ፍቅርን ስላም ዘምጽእ እዩ።

ናይ ማኅበር (ቤተ ክርስቲያን) ጸሎት

ናይ ማኅበር ጸሎት ዝበሃል ካህናትን ምእመናንን ኣወዳትን ኣዋልድን ሽማግሌታትን መንእሰያትን ብኃባር ኮይኖም ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ምቹኣት ኣብ ዝኾኑ ቦታታትን ተኣኪቦም ዝጽልይዎ ጸሎት እዩ።
ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበሩ ኣማንያን ናብ ቤተ እግዚአብሔር እናኸዱ ይጽልዩ ኔሮም። ( 1ይ ሳሙ። 1፡9-13 ፣ መዝ.122፡1 ፡ ሉቃ. 18፡10-14)

ኣብ ሓዲስ ኪዳን’ውን ሓዋርያትን ሰዓብቲ ሓዋርያት ዝኾኑ ክርስቲያናትን ቀዳሞት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝኾኑ ጽርሓ ጽዮን ኣብ ቤት ማርያም ኣደ ማርቆስ ከምኡ’ውን ኣብ ኣንጾኪያ ቤተ ክርስቲያን ተኣኪቦም ይጽልዩ ኔሮም (ግብ.ሓዋ. 1፡14 - 25 ፣ 3፡1 ፣ 12፡12 13፡1-3)

በዚ መሠረት’ዚ ከኣ ካህናትን ምእመናንን ኵሉ መዓልታት ኣብ ቤተ ክርስቲያን እናተረኽቡ ብሰዓታትን ማኅሌትን ጸሎተ ቅዳሴን ከመስግኑ ቤተ ክርስቲያን ሥርዓት ሠሪዓ ኣላ።

ኣፈጸጽማ ጸሎት፦

1. መንደቕን ዓንድታትን ብዘይምድጋፍ መቖምያ ከይተተኃዘ ብኽልተ እግሪ ትኽ ኢልካ ደው ምባል እዩ። (መዝ.5፡3)
2. ሕቖ ምዕጣቕን፡ ክዳንካ ትሕት ኣቢልካ ድግድጊት ምዕጣቕን የድሊ። (ሉቃ. 12፡35 ፍት.መን.ኣን.140
3. ኣብ ጊዜ ጸሎት ገጽካ ናብ ምብራቕ መሊስካ ምቛምን ናብትን ናብዝን፡ የማንን ጸጋምን ከይበልካ ብሰፊሐ እድ፡ ብሰቂለ ሕሊና ኮይንካ ምጽላይ ይግባእ፡ (መዝ. 134፡2 ዮሓ. 11፡41)
4. ጸሎት ኪጅመርን ኪፍጸምን ኣመልካቲቶ ኣጻብዕ ምስ ካልኦት ኣጻብዕ ብምምስቓል ብኣምሳል ትእምርተ መስቀል ምምዕታብ እዩ። እቲ ምምዕታብውን ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ኻብ ጸጋም ንየማን እዩ። ኣብ እዋን ምምዕታብ መከራ መስቀል ክርስቲስ ምዝካር ይግባእ። (ሉቃ.11፡20)
5. ዝጽሊ ሰብ ብትሕትናን ስቕታን ኮይኑ ንኻልእ ሰብ ከምዘይስማዕ ንርእሱ ጥራይ ከምዝስማዕ ጌሩ ኃጢኣቱ ብምዝካር ምጽላይ ይግባእ። ነዚ’ውን ዝገብር ከኣ ስለ’ቲ ዝኃለፈ በደሉን ኃጢኣቱን እዩ። (1ይ ሳሙ. 1፡3)
6. ዝጽሊ ሰብ ከማዕትብ ከሎ “በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አዐትብ ገጽየ ወኵለንታየ በትእምርተ መስቀል” እናበለ እዩ። ካልኣይ’ውን “እግዚኦ መሐረነ፡ እግዚኦ መሐከነ፡ እግዚኦ ተሣሀለነ ወባርከነ አሜን” እናበለ የማዕትብ። ሣልሳይ ጊዜ’ውን “ስብሐት ለአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ይእዜኒ ወዘልፈኒ ወለዓለመ ዓለም አሜን፡ እግዚኦ ረስየነ ድልዋነ ከመ ንበል በአኰቴት አቡነ ዘበሰማያት” ንዝብል ጸሎት 3ተ ጊዜ እናደገመ እናሰገደን ብምምዕታብ ጸሎት ክጅምርን ክፍጽምን ከሎ ኸምኡ ኺገብር ኣለዎ። ከምኡ’ውን መስቀል ኣብ ዘልዕል ቃል ምስ በጽሐ ኸማዕትብ፡ ስግደት ኣብ ዘልዕል ቃል ምስ በጽሐ ኸኣ ኺሰግድ ይግባእ።
7. ናይ ጸሎት ተርታ ኸኣ መጀመርታ አቡነ ዘበሰማያት፡ መዝሙረ ዳዊት፡ ውዳሴ ማርያምን ካልኦትን ቀጺሉ ኸኣ አቡነ ዘበሰማያት ጸሎተ እግዚእትነ ማርያም ጸሎተ ሃይማኖት ኣብ መወዳእታ ድማ አቡነ ዘበሰማያት ኪርያላይሶን 41 ጊዜ ይበሃል። ክርስቲያን ኵሉ ጊዜ ምጽላይ ይግብኦ። ዘይፈልጥ ምእመን ተማሂሩ ኺጽሊ ግቡእ እዩ። (ኤፌ. 5፡19-20 ፣ ማቴ. 7፡7-8)
8. ክጽለ ኸሎ ብልቢ ምሕዛንን ምብካይን የድሊ፡ ኺበኪ ኸሎ’ውን ኃጢኣቱ እናዘከረ ኺከውን ይግባእ።
9. ዝጽሊ ሰብ ኣብ መንጎ ጸሎት ጸሎቱ ኣቋሪጹ ምስ ዝኾነ ሰብ ፈጺሙ ምዝርራብ ኣይግብኦን እዩ። ጸሎቱ ንኸቋርጽ ዘገድድ ነገር እኳ እንተገጠሞ ነቲ ጸሎቱ ብአቡነ ዘበሰማያት ኣሲሩ ጕዳዩ ፈጺሙ ኻብ ዘቋረጸሉ ተበጊሱ ጸሎቱ ኺጽሊ ይግባእ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195