banner

ሥርዐተ ጸሎት ኣብ ቤተ ክርስቲያን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሥርዐተ ጸሎት ኣብ ቤተ ክርስቲያን

“ጸሎትሰ ይእቲ ተናግሮተ ሰብእ ኀበ እግዚአብሔር ልዑል፦ ጸሎትስ ሰብ ምስ ልዑል እግዚአብሔር ዚዘራረበላ ነገር እያ” ከምዚበለ ፍት. መን. ዐን. 14። ጸሎት ብምስጋና፡ ልማኖን ዝማሬን ምስ እግዚአብሔር እንዘራረበሉ እዩ። ጸሎት ኃይሊ ኣጋንንቲ ኣድኪምና ካብ ፈተናን መከራን ንድኅን፤ ካብ እግዚአብሔር ዘድልየናን ዚጐደለናን ሓቲትና እንቕበለሉ (ማቴ. 7፡7) መንፈሳዊ ግብሪ እዩ።
ጸሎትና ፍጹም ቅቡልን መልሲ ዘምጽእን ኪኸውን ካብ ጥርጥር ዝረኃቐ። ብሓቅን እምነትን ዝማዕበለ። ትሕትና ዝመልአን ሓቀኛ ተስፋ ዝተዓጥቀን ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ሥርዓቱ ዚሓለወ ኪኸውን ኣለዎ፣ ንሎሚ ንዘራረበሉ ድማ ሓፈሻዊ ብዛዕባ ሥርዓተ ጸሎት ዘይኮነስ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ዝግበር ጸሎት ሥርዓት እዩ ኪኸውን፣ እግዚአብሔር ጥበቡን ምስትውዓሉን ይሃበና።


ናብ ቤተ ክርስቲያን ኬድካ ምጽላይ ግቡእ እዩ፣ ምኽንያቱ ቤተ ክርስቲያን ቤተ ጸሎት እያ። (ማቴ. 21፡13)፣ ነዚ ቅዱስ ሥርዓት እዚ እግዚአብሔር ኣብ ነቢያቱ ኃዲሩ ተዛሪቡና እዩ፤ አምላከ ነቢያት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሥጋ ኣብ ዚተገልጸሉ ጊዜውን ብቓልን ብግብርን ነቲ ትምህርቲ ምሂሩና እዩ።

እግዚአብሔር ምሉእ በኵሉሄ (ኣብ ኵሉ ሥፍራ ምሉእ) እዩ፣ ስለዚ ድማ ዚኾነ ይኹን ሰብ ኣብ ዚኾነ ቦታ ኮይኑ እንተ ጸልዩ ይሰምዖ እዩ፣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኮይንካ እትጽልዮ ጸሎት ግና ካብ ኵሉ ዚበለጸን ኣድማዕን እዩ፣ ምኽንያቱ፦

ሀ. በቶም። “አማን አማን እብለክሙ ዘአሰርክሙ በምድር ይከውን እሱረ በሰማያት፤ ወዘፈታሕክሙ በምድር ይከውን ፍቱሐ በሰማያት፦ ኣብ ምድሪ ዚኣሰርክምዎ ዅሉ ኣብ ሰማያት እሱር ኪኸውን እዩ፤ ኣብ ምድሪ ዝፈታሕክምዎ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማያት ፍቱሕ ከምዝኸውን ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ሓደውን፦ ካብ ምድራውያን ነገሥታት፡ ካብ ሌዋውያን ካህናት እትፍለዩሉ ናይ ምእሳርን ምፍታሕን ሥልጣን ተዋሂቡኩም ኣሎ፣” ኢሉ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኪዳን ዚኣተወሎም፡ ጓሶት ነፍሳትና ዚኾኑ፡ ስለ ድኅነት ነፍስና ዚጽልዩ፡ ዘማልዱልናን ዚባርኹናን ካህናት ስለዝምራሕ።

ለ. ቤተ ክርስቲያን፡ መሥዋዕተ ኣቤል፡ ኖኅ፡ ኣብርሃም፡ ያዕቆብን ካልኦት አበውን ዚተቐበለ ኣምላኽ፡ ነቲ ኅብስት ኣኽቢሩ ናብ አማናዊ ሥጋኡ፡ ነቲ ወይኒ ድማ ኣኽቢሩ ናብ አማናዊ ደሙ ቀይሩ፡ ንምእመናን ንኅድገት ኃጢኣት፡ ንዘለዓለማዊ ሕይወት ኪኸውን ዚወሃበሉ፡ ታቦተ ኪዳን ዘለዎ ቅዱስ ቦታ እዩ። ብሓቂ ኣብ’ዚ ቅዱስ ሥፍራ እዚ ተረኺብካ፡ ኃጢኣትካ ይቕረ ክብለልካ ምልማን ዓቢይ ዕድል እዩ።

ሐ. ብኅብረት ስለዚጽለ፣ ጥበበኛ ሰሎሞን “ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሓይሽ” (መክ. 5፡10) ከም ዝበለ። በይንኻ ኮይንካ ካብ ምጽላይ ብኃባር ኮይንካ ምጽላይ ይሓይሽ፣ ምኽንያቱ ሓደ ክደክም ከሎ፡ እቲ ካልእ “ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙኅ ተሥልጥ” ኢያ እሞ፡ ብእምነት ጸልዩ በረኸት፡ ረድኤት ከምጽእ ይኽእል። ኣቦታትና ሐዋርያት መንፈስ ቅዱስ ክሳዕ ዚወርዶም ብሓደ ኮይኖም ይጽልዩ ነበሩ። (ግብ. 1፡14)፣ ስለዚ ኣብ ቤትና ኮነ ኣብ ካልእ ቦታታት በይንና ኣብ ልዕሊ ምጽላይና፡ ካባና ዚሓሸ ቅድስናን ትሕትናን ዘለዎም አበው ካህናትን ምእመናንን ክርከቡሉ ኣብ ዝኽእእሉ ቤተ ክርስቲያን፡ ካህናትን ምእመናንን ኣብ ዝኽእሉ ቤተ ክርስቲያን ተረኺብና ጸሎትና ከነብጽሕ ይግብኣና።

መ. ቤተ ክርስቲያን፡ “ኣብ’ዛ ቦታ እዚኣ ንዚጽለ ጸሎት፡ ኣዕይንተይ ኪኽፈታ ኣእዛነይውን ጽን ኪብላ እየን” (2 ዜና. 7፡15)፤ ተባሂሉ ዘለዓለማዊ ቃል ኪዳን ዚተኣትወላ ስለዝኾነት። ኣብኣ ኬድና ተኻፈልቲ እዚ ቃል ኪዳን እዚ ክንከውን ይግብኣና።

* ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣቲና እንታይ ዓይነት ጸሎት ንጽሊ።

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣቲና ድኅሪ ምስጋድና፡ ንእግዚአብሔር ካብ ኵሉ ሕማቕ ነገራት ዓቂቡ ስለ ዘጽንሓና፡ ኃጢኣትና ከይጸብጸበ፡ ናብ ቤቱ ክንኣቱ ስለዘፍቀደልናን ስሙ ስለ ዘፍለጠናና ብሓፈሻ ስለ’ቲ ዘይንገር ውዕለቱ ናይ ምስጋና ሕልናዊ ጸሎት ነብጽሓሉ፣ ብድኅሪ’ዚ ናይ ኣቦታት ጸሎት ማለት ጸሎት ዘወትር፡ ናይ ዕለት ውዳሴ ማርያም፡ ናይ ዕለት ዳዊትን ካልኦት ጸሎታትን ከከም ዓቕምና፡ ደረጃ መንፈሳዊ ሕይወትናን መንፈሳዊ ግዴታናን ክንጽሊ ንኽእል። እዚ ጸሎት እዚ ናይ ውልቅኻ ጸሎት ስለዝኾነ፡ ቅድሚ ናይ ኃባር ጸሎታት (ጸሎተ ማኅበር) ኪፍጸም ኣለዎ።
ብዘይካ’ዚ ናይ ኃባር ጸሎታት ኣሎ፣ እዚኣቶም ድማ ከም ሰዓታት፡ ማኅሌት፡ ኪዳን፡ ስብሐተ ፍቁርን ቅዳሴን ዝኣመሰሉ ጸሎታት እዮም። ንሎሚ እንርእዮ ግና ሥርዐተ ቅዳሴ እዩ ኪኸውን።

* ሥርዐተ ቅዳሴ

ሥርዐተ ቅዳሴ ማለት ናይ ምስጋና መርሐ ግብር (ናይ ምስጋና ሥርዓት) ማለት እዩ። ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ኪግበር ዚግብኦ ሥርዓት ንርአ፦

1. ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ክንጥንቀቐሎም ዝግብኣና ነገራት

ሀ. ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተጀመረ። ዲያቆን። “እትው በሰላም፦ ብሰላም ነናብ ቤትኩም እተው” ኢሉ ከየፋነወካ። ካብ ደገ ንውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ኮነ ካብ ውሽጢ ናብ ደገ ምኻድ ኣይግባእን እዩ፣ (ፍት. መን. ዐን. 23 በስ. 103)፣ ስለዚ ድማ እዩ ኣብ መጀመርታ ቅዳሴ።
“እመቦ ብእሲ እምእመናን ዘቦአ ቤተ ክርስቲያን በጊዜ ቅዳሴ ወኢሰምዐ መጻሕፍተ ቅዱሳተ፡ ወኢተዐገሠ እስከ ይፌጽሙ ጸሎተ ቅዳሴ፡ ወኢተመጠወ እም ቍርባን ይሰደድ እም ቤተ ክርስቲያን እስመ አማሰነ ሕገ እግዚአብሔር ወአስተሐቀረ ቁመተ ቅድመ ንጉሥ ሰማያዊ ንጉሠ ሥጋ ወመንፈስ ከመ ዝ መሀሩነ ሐዋርያት በአብጥሊሶሙ፦ ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ካብ ምእመናን ናብ ቤተ ክርስቲያን ዚኣተወ እንተሎ። ቅዱሳት መጻሕፍቲ እንተዘይሰምዐ። ጸሎት ቅዳሴ ክሳዕ ዚፍጸም ከኣ እንተዘይተዓገሠ። ካብ ቍርባንውን እንተዘይተቐበለ። ሕጊ እግዚአብሔር ኣፍሪሱ እዩ እሞ። ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉሥ ሥጋን መንፈስን ዚኾነ ሰማያዊ ንጉሥ ምቛሙ ኣቃሊሉ እዩ፡ ሐዋርያት ከኣ ብሲኖዶሶም ከም’ዚ ኢሎም ስለ ዚመሃሩና። ‘ካብ ቤተ ክርስቲያን ይፈለ’ ዚብል መጠንቀቕታን ትምህርትን ዚመኃላለፈልና።

ለ. ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ምራቕ ጺቕ ምባል ኣይፍቀድን እዩ። (ፍት. መን. ዐን. 23፡ 476)፣ ብተወሳኺውን ዘስዕልን ዓኽታ ዘለዎን ንኻልኦት ኣቐደስቲ ዘሰናኽል ሕማም ዘለዎ ሰብ፡ ብዝተኻእለ መጠን በይኑ ብሕት ኢሉ ዘቐድሰሉ ቦታ ኪመርጽ ኣለዎ እምበር። ናብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ክኣቱ ኢሉ ኪከራኸር ኣይግባእን። “ካብ’ዞም ብኣይ ዝኣምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዘስሕት ግና። መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ዓሚቝ ባሕሪ ኺጥሕል ምሓሾ” (ማቴ. 18፦6) ስለ ዚተባህለ።

ሐ. ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተጀመረ፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ኮይንካ፡ መጽሓፍ ዘርጊሕካ ወይ ብቓልካ ናይ ውልቅኻ ጸሎት ምብጻሕ ክልኩል እዩ። ከምኡ ምግባር ካብ’ቲ ብኅብረት ዝጽለ ጸሎት፡ ካብ’ቲ ዚሥዋዕ መሥዋዕት ናተይ ጸሎት ይበልጽ ኢልካ ምሕሳብ እዩ። ከም’ዚ ዚበለ ሰብ ኣብ ጊዜ ፀሓይ ሽምዓ ኣብሪሁ ዚኸይድ ሰብ ይመስል። እንተኾነ ግና ካብ ኣቦታት ዚተወርሰ ናይ ጸሎት ልምዲ፡ ኣቐዲሙ ተጀሚሩ ዘይተወድአ ጸሎት እንተሎ፡ ድርገት ምስ ወረደ፡ ቈረብቲ እናቘረቡ ከለዉ፡ ድምፂ ከየስማዕካ ብህድኣት ክትጽሊ ትኽእል ኢኻ፣ እዚ ግና ሥርዋፅ እዩ፣ ሥርዋፅ ማለት ድማ ንዝቐነነ መቕንዒ፡ ንዚጐደለ መመልኢ ዚኸውን ሓሳባት (ርእይቶ) መምህራን እዩ። ሥርዓተ ቅዳሴ ቅድሚ ምጅማሩ ናይ ውልቂ ጸሎትካ ምፍጻምን ምጽፋፍን ግና ዝመስልዎ የልቦን።

መ. ዋዛ ፈዛዛ ኣይግባእን። ክፉኣት ሰባት ካብ’ቲ ክፉእ መዝገብ ልቦም ክፉእ ነገር ኣውፂኦም ይዛረቡ። (ማቴ. 12፦35)፣ ነዚ ክፉእ ጠባይ እዚ ንምእራም ከም ልበ አምላክ ዳዊት፡ “ግበር ዐቃቤ ለአፉየ፦ ጐይታየ ንኣፈይ ቀፈር ግበረሉ፤ ደገ ኸናፍረይ ሓሉ” (መዝ. 141፦3) ኢልካ ምልማን ካልእ ኣማራጺ ዘይርከቦ መፍትሒ እዩ። ብፍላይ ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ምውዛይ፡ ምዝራብ፡ ምስሓቕ ክልኩል እዩ። እቲ ዚሰሓቐ ካህን እንተኾይኑ፡ ንሓደ ሱባኤ (ሾብዓተ መዓልታት) ብቀኖና፡ ብጾም፡ ብጸሎት፡ ብስግደት ይቕጻዕ። ምእመን እንተኾይኑ ግና፡ ሽዑ ንሽዑ ካብ ቤተ ክርስቲያን ይወፅእ። በታ ዕለት እቲኣ ከ ቅዱስ ቍርባን ኣይቅበልን። (ፍት. መን. ዐን. 23 ። ድስቅ.23) ኣብ ጊዜ ቅዳሴ፡ ኣብ እግረ መስቀሉ ከምዝቘምና ዘንጊዕና ዘይረብሕ ዘረባ እንተተዛረብና፡ ነቲ ብዕለተ ዓርቢ ንዚረኸቦ ዓቢይ ዕድል ከየስተውዓለ ክላገጽ ዚወዓለ ፈያታዊ ዘጸጋምን (ኣብ ጸጋማይ ወገን ጐይታና ዚተሰቕለ ሽፍታን) ነቶም ኣራእሶም እናነቕነቑ ዚጻረፉ ዚነበሩ ኣይሁድን ንመስል። (ማቴ. 26፦39-49)፣ “ኣነ ግና፡ ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ፡ ብዘረባኻውን ኢኻ እትዅነን እሞ፡ ሰባት ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህቡሉ እዮም፤ እብለኩም ኣሎኹ” (ማቴ. 12፡37)

ሠ. ኣብ ጊዜ ጸሎተ ቅዳሴ ዚበሰለ እኽሊ፡ ማይ ወይ ከኣ ዚኾነ ዓይነት መግቢ ኂዝካ ናብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ምእታው ክልኩል እዩ።

ረ. ቂምን በቐልን ኂዝካ ምቕዳስ ኢክርስቲያናዊ ተግባር እዩ። ቂም ማለት ናይ ዚበደለካ በደል ኣብ ውሽጥኻ ምኃዝ ማለት እዩ። በቐል ማለት ድማ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስምዒት እዩ። ብሓፈሻ ኣብ ኵሉ ሕይወትና ብፍላይ ድማ ኣብ ጊዜ ቅዳሴ፡ ዚተቐየመ ወይ ዘቐየመ ሰብ። “ይቕረ በሉለይ፤ መሓሩኒ” ክብል ይግብኦ።
ምሕረትን ይቕረ ምባልን ከይፈለጥና ምሕረትን ይቕሬታን እግዚአብሔር ምልማንና። “እንካ ዘይፈልጥስ፡ ሃባ መን ኣልመዶ።” ከይኮነና። ስለዚ ድማ እዩ። “እቲ ካህን ኣብ መጀመርታ ቅዳሴ ነቶም ምስኡ ዘለዉ ኣገልገልቲ እናዞረ፡ ‘ይቕረ በሉለይ፤ መሓሩኒ ይበል፥ ብድኅሪኡ ናብ ሕዝቢ ተመሊሱ ድማ ይበል’ ኢሉ ሥርዐተ ቅዳሴ ዚኣዘዞ፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ‘እምበኣርከ መባእካ ናብ መሠውዒ እንተ ኣምጻእካ፡ ኃውኻ ኃዚኑልካ ምህላው ኸኣ ኣብኡ እንተ ሓሰብካ፡ ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሠውዒ ኅደጎ፡ ኪድ፡ ቅድም ምስ’ቲ ኃውኻ ተዓረቕ፥ ድኃር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ” ኢሉ ምሂሩና እዩ። (ማቴ. 5፦23-24)

ሰ. ሥርዓተ ቅዳሴ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ተንቀሳቓሲ ቴሌፎን ምዕፃው ዘይምርሳዕ። ምኽንያቱ፡ “ንኽልተ ጐይቶት ኪግዛእ ዚኽእል ኣገልጋሊ የልቦን”

ሸ. ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ወይ ኪዳን እንተኸፍአ ድማ ቅዱስ ወንጌል ኣብ ዚንበበሉ ሰዓት ብፍላይ ግና ኪሳለሙን ናብ መቕደስ ክኣት’ን ከለዉ ካህናትውን ካባኦምን መጠምጠምያኦምን ከውርዱ ኣለዎም። እዚ ቅዱስ ሥርዓት እዚ መበገሢኡ ካብ’ቲ፡ ኣብ (ራእ. 4፦11) ተገሊጹ ዘሎ ሰማያዊ ሥርዓት ዚተወስደ እዩ። እቶም ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ ኣኽሊላቶም ኣንቢሮም ኣብ ቅድሚ ዙፋን እግዚአብሔር ከገልግሉ ከለዉ። ደቂ ተባዕትዮ ርእሶም ተሸፊኖም ኪጽልዩ ክልኩል እዩ። ብኣንጻሩ ግና ኣዴታትናን ኣኃትናን ተሸፊነን ኪጽልያ ተኣዚዙ እዩ። (1 ቆሮ. 11፦7-15)

ቀ. ኣብ ጸሎተ ቅዳሴ ኃላፍ ዘላፍ ድምፅታት ከይፍጠር ንሓድሕድካ እና ተሰማማዕካ ምዝያምን ምድጋምን ይግባእ።

በ. ኣብ ሥርዐተ ቅዳሴ፡ “ንፉዕ ኣቐዳሲ እዩ፡ ፈላጥ እዩ፡ ጽቡቕ ገይሩ እዩ ተሠጥዎ ዚቕበል” ክንብሃል ብልብና ዚመጽኣና ፈተና ከነርኅቖ ምእንቲ፡ ካብ መጠኑ ዚኃለፈ ድምፅን ምዝንጋዕ ዘምጽእ ምምጣጥ ዜማን ከነወግድ ይግብኣና። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ “ከም ኣሕዛብ ከንቱ ዘረባ ኣይተብዝኁ” ከምዝበለ ናይ ኣኅዋትናን ኣኃትናን ኣቐደስቲ ኵነታት ብምርኣይ። “ካባይ ይበልጹ እዮም” ኢልካ ምሕሳብ ግቡእ እዩ። እዚ ድማ ካብ’ቲ ሰማያዊ ዓስቢ ዘኽልእ ውዳሴ ከንቱ የድኅነካ። ስለዚ ኣብ ቅዳሴ ዚቕድሱ ካህናት፡ ዲያቆናት፡ ምእመናንን ምእመናትን ነገረ መስቀል ክርስቶስ ብምስትንታን፡ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ምቛሞም ብዘይምዝንጋዕ ይቐድሱ፡ የመስግኑ እምበር ዜማ ካብ ልክዑ ኣኅሊፎም ኣየዚሙ። (ፍት. መን. ዐን. 23 ። በስ. 110)

2. ኣብ ሥርዐተ ቅዳሴ ካባና ካብ ዝድለዩ መንፈሳዊ ተሣትፎታት ብኸፊል

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ኵሉ ሰብ በብማዕርጉ። ብፍጹም ትሕትናን ፍርሃትን፡ ህድኣትን ንቕሓትን፡ ብንጽሕና ልቡና ምሕረት እግዚአብሔር እናዘከረ፡ ኣእጋሩ ከየስፈለን ከይሓላለኸን ሰጥ ኢሉ ክቐውም ኣለዎ። ምኽንያቱ ብኽልተ ኣእጋርካ ሰጥ ኢልካ ምቛም ጸሎተ ቅዳሴ ከምቲ ዚግባእ ጌርካ ክትከታተል ይኅግዘካ እዩ። (ፍት. መን. ዐን. 25፦529)፣ እዚ ማለት ከኣ ከም አባ ሕርያቆስ። “ወእቀውም ዮም በትሕትና ወበፍቅር ቅድመ ዝንቱ ምሥጢር፦ ሎሚ ኣብ ቅድሚ እዚ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ብትሕትናን ብፍቕርን እቐውም ኣሎኹ” (ቅዳሴ ማርያም) ብምባል። ኵሉ ዓቕሚ ዘለዎ ሰብ ቆይሙ ከቐድስ ኣለዎ ማለት እዩ። ስለዚ “ንእግዚአብሔር ምፍራህ መጀመርታ ጥበብ እዩ” እሞ፡ ኵሉ ሰብ ንእግዚአብሔር ብምፍራህ ኃጢኣትን ትዕቢትን ገዲፉ ትእዛዛቱ ብትሕትና ክፍጽም ይግብኦ። (ዘፍጥ. 12፦12)

እምበኣርከስ “ንዚጸልኡና ክንጸልእ፤ ንዘዋረዱና ከነዋርድ” ከይበልና። ከም ቅዱስ አባ ሕርያቆስ መሠረትን ጠፈርን መንፈሳዊ ቤት ንዚኾና፦ ፍቅረ እግዚአብሔርን ፍቅረ ቢጽን። ፍጹም ትሕትናን ፍርሃተ እግዚአብሔርን ክንውንነን ይግብኣና። ሊቀ ሐዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስውን ነዚ እዩ። “ንስኻትኩምውን ከም ሕያዋን ኣእማን ኴንኩም። ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ እግዚአብሔር ቅቡል ዚኾነ መንፈሳዊ መሥዋዕቲ ከተቕርቡ ንቅዱስ ክህነት ዚኸውን መንፈሳዊ ቤት ተሓነፁ” (1 ጴጥ. 2፦5) ኢሉ ዚመዓደና።

ልዑለ ባህርይ እግዚአብሔር ኣምላኽና ሥርዓቱ ሓሊና ከነሥምሮ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።

ይትባረክ እግዚአብሔር አምላከ አበዊነ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195