መፃጕዕ
እታ ራብዓይቲ ካብ 27 ኅዳር ክሳዕ 3 ታኅሣሥ ዘላ ሰንበት መፃጉዕ ትበሃል። ፈዋሴ ድዉያን ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ዓይነ ሥዉር ኾይኑ ዝተወልደ ከም ዘብርሃሉ፣ ኣይሁድ ድማ ብተኣምራቱ ተደኒቖም ከብቅዑ ከይኣመኑ ከም ዝተረፉ ይንገር። ዮሐ. 9፡1-41
ኣርእስቲ መዝሙር፦
"ይቤሉ እስራኤል ኢርኢነ ወኢሰማዕነ ዘዕውሩ ተወልደ ወተከሥተ አዕይንቲሁ በሰንበት።/ እስራኤል ብዕለተ ሰንበት ዓይነ ሥዉር ኮይኑ ዝተወልደ እሞ ዓይኑ ንዝበርሃሉ ኣይርኣናን ኣይሰማእናን በሉ።"
ዘቅዳዜ ምንባብ፦
መልእክታት፦
2ይ ቆሮ. 4፡1-12።
1ይ ዮሐ. 5፡11-ፍጻሜ።
ግብረ ሐዋርያት፦
ግብ. ሐዋ. 4፡14-23።
ምስባክ፦
መዝ. 6፡
“ወአንተኒ እግዚኦ እስከ ማእዜኑ። ተመየጥ እግዚኦ ወባልሓ ለነፍስየ። ወአድኅነኒ በእንተ ምሕረትከ።”
ዓዲ መዝ. 4
“ደቂቀ ዕጓለ እመ ሕያው እስከ ማእዜኑ ታከብዱ ልበክሙ። ለምንት ታፈቅሩ ከንቶ ወተሐሱ ሐሰተ። አእምሩ ከመ ተሰብሐ እግዚአብሔር በጻድቁ።”
ወንጌል፦
ዮሐ. 9፡13-25።
ቅዳሴ፦
ቅዳሴ፡ ዘእግዚእነ ዓዲ ዘወልደ ነጐድጓድ።