በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ
ርደተ መንፈስ ቅዱስ
ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ትንሣኤኡ፡ ንደቀ መዛሙርቱ “እንሆ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ፡ ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ኃይሊ ክሳዕ እትለብሱ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ጽንሑ” ዝብል ሓደ ዓቢይ ተስፋ ሂብዎም ናብ ሰማያት ዓረገ። ሉቃ. 24፡49 ካብ ዝዓርግ ኣብ ዓሥራይ መዓልቱ፡ ካብ ዚትንሥእ ከኣ ኣብ መበል ኃምሳ መዓልቱ፡ ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ተስፋ’ዚ ኪጽበዩ ጸኒሖም፡ ብሓድነት ኣብ ሓደ ቤት ተኣኪቦም ከለዉ፡ ሃንደበት ካብ ሰማይ ከም ድምፂ ነፋስ ዝበለ ተሰምዐ። በአምሳለ እሳት ዘይትከፈል/ ዝተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም። ኵሎም ከኣ መንፈስ ኃይሊ፡ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ። ፈራሃት ዝነበሩ ተባዓት ኮኑ፣ ካብ ብልየት ተሓደሱ፣ ብኣእምሮ በርትዑ፣ ምሥጢር ተርጐሙ፣ ሓደ ቛንቋ ዚፈልጡ ዝነበሩ ሰብዓን ክልተን ቋንቋ ተገሊጽሎም ብሰብዓን ክልተን ተዛረቡ። ብዘይ ገለ ጸገም ንዅሎም እቶም ካብ ኣርባዕተ መዓዝን ካብ ሃገረ ኣሕዛብ ተፈልዮም መጺኦም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተጋብኡ በብቛንቋኦም ኪምህርዎም ጀመሩ።
ንዅሎም በብቛንቋኦም ንጐይትነት እግዚአብሔር ኪምህርዎምን ንዝሓተትዎም ኪምልስሎምን ምስ ሰምዑ ዓቢይ ዘደንቕ ተኣምር ስለዝኾነ እቶም ካብ ሃገራት ኣሕዛብ ዚመጽኡ የዋሃን ኣይሁድ ተገረሙ። ገሊኦም እቶም ኣብ እስራኤል ዚቕመጡ ኣብ ስቕለት ጐይታ ዚሓበሩ ክፉኣት ኣይሁድ ግና ‘ እዚኦምሲ ዘይፈልሐ ጕዕሽ ሜስ ሰትዮም ሰኺሮም ሃተውተው ይብሉ ኣለዉ’ በልዎም።
ተውሳክ፡ . . . ርደተ መንፈስ ቅዱስ