banner

ዓቢይ ጾም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሓደ ካብ ሾብዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ዓቢይ ጾም እዩ። እዚ ጾም እዚ ፈጣሬ ሰማያትን ምድርን፡ ጐይታ ጐይቶትን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ብኢድ ዮሓንስ መጥማቑ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ከይዱ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ዝጾሞ እዩ።

• ስለምንታይ ጐይታ ጾመ፧

1. ተወሊዱ፡ ጸዋትወ መከራ ተቐቢሉ፡ ብሞቱ ንሞት ኣዳም ስዒሩ፡ ብትንሣኤኡ ትንሣኤ ሂቡ ንደቂ ሰባት ፍጹም ድኅነት ንምሃብ እዩ።
2. ሓጋጌ ሕግ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ብቓሉ ጽሙን ጸልዩን ኢሉ ምእዛዙ፡ ባዕሉ ነቲ ቅኑዕን ርቱዕን መንገዲ ጾም ብግብሪ ኣርኣያ ኾይኑ ንኺምህረና ጾመ። “ነዚ ኢኹም ዝተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኣሰር ኣሰሩ ክትስዕቡ፡ ኣርኣያ ኃዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ።” (1ይ ጴጥ. 2፡21)
3. ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ዝኾነ ግብሪ ብምጻም፡ ጾም ቀዳማይ ሕጊ ምዃኑ ነገረና።

ተውሳክ፡ . . . ዓቢይ ጾም

ጾም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ጾም፦ “ኣደ ጸሎት፡ ምንጪ ንብዓት፡ መሠረተ ጽድቅ”

ጾም፡ ካብ ‘ጸወመ፡ ጾመ’ ዝብል ግእዛዊ ቃል ዝወፅአ ኾይኑ ተኸልከለ፡ ተዓቀበ፡ ተቘጠበ ማለት እዩ። ብሕጊ ኣብ ዝተሠርዐ ንዝተወሰነ ጊዜ ካብ ዝብላዕን ዝስተን ምኽልካል፡ ከምኡ’ውን ኣብቲ ሕጉግ ጊዜ ጾም ካብ ጥልላት መባልዕን መስተን ማለት ሥጋ፡ ጸባ፡ እንቛቑሖ፡ ጠስሚ . . . ብተወሳኺ ካብ ዘስክር መስተ ምቑጣብ እዩ።
መምርሒ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ መጽሓፍ ፍትሓ ነገሥት’ውን “ጾምሰ ተከልኦተ ብእሲ እመብልዕ በጊዜ ዕዉቅ፣ በውስተ ሕግ/ ጾምሲ ብሕጊ ኣብ ዝተፈልጠ እዋን፡ናይ ሰብ ካብ መግቢ ምኽልካል እዩ” ይብል። ፍትሕ መንፈሳዊ አን. 15፣ ዲድ. አን. 29፣ ዳን. 10፡2-3

ጾም ማለት ንሰብነትና ካብቲ ኵሉ ዝጸበቐን ዝጠዓመን ብምሕሳም ንሕገጋትን ፈቃዳትን እግዚአብሔር ተገዛኢ ምግባር ከምኡ’ውን ኃይልን ፍትወትን ሥጋኻ ብምድኻም፤ ፍቓድ ሥጋኻ ንፍቓድ ነፍስኻ ከም እትግዛእ ምግባር እዩ። (ፍት. መን አንቀጽ 15፤ ማቴ. 6፥16) 

ተውሳክ፡ . . . ጾም

ጾመ ነነዌ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ጾመ ነነዌ ሓደ ካብቶም ሾብዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት እዩ። ኣብ ነነዌ ዝቕመጡ ዝነበሩ ሕዝቢ ጾይሞም ምሕረት ከምዝረኸቡ፡ ሕዝበ ክርስቲያን ድማ ከምኡ ምሕረት ንክረኽቡን ንመዘከርታ ጾም ሕዝበ ነነዌ ‘ጾመ ነነዌ’ እናበሉ ንሠለስተ መዓልቲ ዝጾምዎ እዩ።

ብዛዕባ ኸተማ ነነዌን ጾም ሕዝቢ ነነዌን ነቢይ ነነዌ ዮናስን . . . ኣብ መጽሓፍ ትንቢት ዮናስ ተገሊጹ ኣሎ። ነነዌ፡ ከባቢ 120,000 ተቐማጦ ዝነበርዋ ናይ ኣሶራውያን ዓባይ ርእሰ ኸተማ እያ ነይራ። ከም መጠን ዕብየታን ዝናኣንን ሥልጣነኣን፡ እቲ ኃጢኣታ ድማ ኣዝዩ ኸፊኡ ስለዝነበረ ‘ዓባይ ከተማ’ እናበለ ኣርባዕተ ጊዜ ጠቒስዋ ኣሎ። ሕዝባ ኃጢኣቶም ዝበዝኀ፡ የማኖም ካብ ጸጋሞም ኪፈልዩ ዘይክእሉ ነበሩ። እግዚአብሔር ‘ ተነስሑ ኣበሳኹም ጥፍኣት ከየምጽኣልኩምሲ ኻብ ኵሉ ግህሰትኩም ተመለሱ። ነቲ እትገብርዎ ዝነበርኩም ኃጢኣትኩም ደርብይዎ፡ ሓድሽ ልብን ሓድሽ ኣእምሮን ኣጥርዩ። . . ስለምንታይከ እትሞቱ፧ ኣነ ሓደ እኳ ኺመውት ኣይፈቱን እየ እሞ ኃጢኣት ምግባር ኅደጉ ብሕይወት ድማ ንበሩ።’(ት.ሕዝ. 18.31-32) ዝብል ለዋህ ኣምላኽ ስለዝኾነ፡ እቶም ሕዝቢ ከይለመንዎን ዚምህሮም ነቢይ ዮናስ ጸዊዑ “ተንሥእ እሞ ናብ ነነዌ ናብታ ዓባይ ከተማ ኬድካ መሃር” በሎ። ነቢይ ዮናስ ግና ለውሃት እግዚአብሔር ከምኡ’ውን ክፍኣት ሕዝቢ ነነዌ ይፈልጥ ስለዝነበረ ፈቓደኛ ኮይኑ ኣይተረኽበን።

ተውሳክ፡ . . . ጾመ ነነዌ

ጸሎት ኵሉ ሳዕ

ጸሎት ኵሉ ሳዕ

መኽፈቲ ጸሎት ናይ ነፍስ ወከፍ መዓልትታት አዐትብ ገጽየ ወኵለንታየ በትእምርተ መስቀል እንዘ እብል/ ገጸይን ኵሉ ኣካላተይን ብትእምርተ መስቀል ብስም አብን ወወልድን ወመንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ እናበልኩ አማዕትብ።
ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ፡ ብቅድስት ሥላሴ እናኣመንኩን እናተማኅፀንኩን ኣብ ቅድሚ እዛ ኣደይ ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሰይጣን እኽሕደካ ኣሎኹ። ንሳ’ውን ናይ ዘለዓለም ምስክረይ ዝኾነት ማርያም ጽዮን እያ።

ነአኵተከ
• ኦ ጐይታ ፈጺምና ነመስግነካ ኣሎና፡ ኦ ጐይታ ንባርኸካን ንእመነልካን ኣሎና፡ ኦ ጐይታ ፈጺምና ንቅዱስ ስምካ ንግዛእ ኣሎና። ኵሉ ብርኪ ዚሰግደልካ ኵሉ ልሳን ዚግዝኣልካ ጐይታ ንሰግደልካ ኣሎና። ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡ ጐይታ ጐይቶት፡ ንጉሥ ነገሥታት ንስኻ ኢኻ፡ ኣምላኽ ኵሉ ሥጋን ኵላ ነፍስን ንስኻ ኢኻ፡ ከምቲ ቅዱስ ወድኻ ንስኻትኩም’ሲ ክትጽልዩ ከሎኹም ከምዚ በሉ እናበለ ዝመሃረና ንጽውዓካ ኣሎና።

አቡነ ዘበሰማያት
• ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ስምካ ይቀደስ፡ መንግሥትኻ ትምጻእ፡ ፈቓድካ ከምቲ ኣብ ሰማይ ዝኾነ ከምኡ’ውን ኣብ ምድሪ ይኹን፡ ነናይ ዕለት ሲሳይና ሎሚ ሃበና፡ ንሕና ንዝበደለና ክንኃድግ ኣበሳናን ጌጋናን ኅደገልና፡ ካብ ኵሉ ክፉእ ፈጺምካ ኣድኅነና እምበር ኣብ ፈተና ኣይተእትወና፡ ከመይ መንግሥትን ኃይልን ክብርን ንዘለዓለም ናትካ እዩ። (ማቴ. 6፡9-13)

Read more: ጸሎት ኵሉ ሳዕ

"ታቦት "

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ታቦት፦ ካብ ‘ቤተ’ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝተረኽበ እዩ። ትርጒሙ ኸኣ፦ ማኅደር፡ መኅደሪ፡ ማኅደረ እግዚአብሔር ማለት እዩ። ታቦት፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕደስ ካብ ዘለዉ ንዋያተ ቅድሳት ላዕላዋይ ደረጃ ኂዙ ዚርከብ፡ ዝተፈልየ ክብርን ታሪኽን ዘለዎ እዩ። ብፍቓድ እግዚአብሔር ንምእመናን ምስክርን ምልክትን ኣምልኾኦም ንኪኸውን ብእግዚአብሔር ተፈቒዱ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ካብ ሊቀ ነቢያት ሙሴ እናተመኃላለፈ ዝመጽአ እሞ ክሳዕ ምጽኣት ዚቕጽል፡ ኣብ ሰማይ ውን ዘሎ እዩ።

* ታቦት ኣብ ብሉይ ኪዳን

ኣቐዲሙ ዅሉ ወዲ ኣዳም ብጽሑፍ ዝተዋህበ ሕጊ ዘይኮነስ ብሕገ ልቡና እዩ ዝነብር ዝነበረ። ሰብ ብሕገ ልቡና ንፈጣሪኡ ከምልኽን ኪርዳእን ስለዘይከኣለ፤ ብዓይኑ ርእዩ፡ ብእዝኑ ሰሚዑ፡ ንፈጣሪኡ ናይ ምምላኽ ድልየት ከምዘለዎ ካብ እግዚአብሔር ዝተሠወረ ስለዘይነበረ ካብ ሕገ ልቡና ናብ ሕገ ኦሪት (ጽሑፋዊ ሕጊ) ኪሳገር ባዕሉ እግዚአብሔር ፈቐደሉ። ነቲ ሕጊ ናብ ሕዝቡ ዘብጽሕ ድማ ንእሙን ኣገልጋሊኡ ሊቀ ነቢያት ሙሴ መረጸ። “ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒ ጽረብ እሞ ናባይ ናብዚ እምባ ደይብ፡ ብዕንፀይቲ ጌርካ ድማ ታቦት ሥራሕ። ነቲ ኣብተን ዝሰበርካየን ቀዳሞት ጽላት ዝነበረ ቓላት ከኣ ኣብዘን ጽላት እዚአን ክጽሕፎ እየ፡ ናብቲ ታቦት ድማ ከተንብረን ኢኻ” ኢሉ ድማ ኣዘዞ። (ዘዳ. ፲፥፩-፭/10፡1-5, ዘፀ. ፳፬፥፲፪/24:12) በዚ ኸኣ ዓሠርተ ትእዛዛት ዝተጻሕፎ ቅዱስ ሰሌዳ ጽላት ብእግዚአብሔር ከምዝተዋህበን፥ ናይ’ዚ ጽላት መኅደሪ ዝኾነ ታቦት ድማ ብእግዚአብሔር ተኣዚዙ ከምዝተሠርሐን ንርዳእ። እቲ ዝኃድር በቲ ዝኃድረሉ ምጽዋዕ ልማድ ስለዘሎ፡ እቲ ጽላት ታቦት እናተባህለ ይጽዋዕ እዩ።
ካብ ዘመነ ሙሴ ክሳዕ ዘመነ ዳዊት ታቦተ እግዚአብሔር ከም መቕደስ ኮይኑ ኣብ ዘገልግል ደብተራ ኦሪት ኣብ ድንኳን ይቕመጥ ነበረ። እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ካብ ዝወፅኡ፡ ድኅሪ 480 ዓመት ግና ሰሎሞን ንታቦት መኅደሪ ዝኸውን ቤተ መቅደስ ምስ ሓነፀ፡ ታቦተ እግዚአብሔር ናብ ቤተ መቅደስ ኣተወ። (1ይ ነገ. 8፥11)።

ተውሳክ፡. . . "ታቦት "

ሥርዐተ ቤተ ክርስቲያን (፩ይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሥርዐተ ቤተ ክርስቲያን
፩ ትርጕም
ትምህርቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዶግማ፣ ሥርዐት(ቀኖና)ን ትውፊትን ዝተመሥረተ እዩ። ‘ዶግማ’ ዝበሃል መሠረተ እምነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝገልጽ፣ ዘይልወጥ ትምህርተ ሃይማኖት እዩ። ብዛዕባ ኃሙሽተ ኣዕማደ ምሥጢር፣ ነገረ ማርያም፣ ኣማልድነት ቅዱሳንን ካልእ ቤተ ክርስቲያን እትኣምኖን እትምህሮን ኵሉ ኣካል ዶግማ እዩ።
‘ትውፊት’ ዝበሃል ከኣ ካብ ቀዳሞት ኣበው ቤተ ክርስቲያን ጀሚሩ ንወለዶታት ዝመኃላለፍ መንፈሳዊ ውርሻ እዩ። ሕዝበ ክርስቲያን ኣብ መንፈሳዊ ጕዕዞኦም ብምርኣይን ብቃልን ብንብረትን ዝተረከብዎምን ዝወረስዎምን ቅዱሳት ናይ ናብራ ባህልታት፡ ቅርስታት፣ ቅዱሳት መጻሕፍት፣ ንዋያተ ቅዱሳትን ካልእን ዝመኃላለፉሉ መንፈሳዊ ቅብብል እዩ።

ተውሳክ. . . ሥርዐተ ቤተ ክርስቲያን (፩ይ ክፋል)

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195