banner

ሣልሳይ ሰንበት፡ ኖላዊ

ኖላዊ፦

ጓሳ ማለት እዩ። ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተወልደ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓቀኛ ትጉህ ጓሳ እዩ’ሞ እዚ ሰሙን ‘ኖላዊ’ ይበሃል። ካብ 21 ታኅሣሥ ክሳዕ 27 ታኅሣሥ ዘሎ ጊዜ እዩ። ጓሳ ነባጊዑ ዘድልዮም ዘበለ እናዳለወ ከም ዝሕልዎም፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ከምቲ ነቢያት ዝተነበይሉ፡ ንሕዝቡ ብሥጋን ነፍስን ካብ ኣጋንንትን ሲኦልን ዝሕልው ሓቀኛ ለዋህ ጓሳ እዩ።

ኣርእስቲ መዝሙር፦

ኖላዊ ዘመጽአ ውስተ ዓለም ወልዱ ወቃሉ ለእግዚአብሔር። ዘወረደ እምላዕሉ በዓቅሙ ክርስቶስ እስመ ውእቱ እግዚአ ለሰንበት፡ ይቤሎ አብ ለወልዱ ወልድየ ንበር በየማንየ።

ዘቅዳሴ ምንባብ፦
መልእክታት፦
ዕብ. 13፡16-ፍጻሜ።
1ይ ጴጥ. 2፡21-ፍጻሜ።

ግብረ ሐዋርያት፦
ግብ.ሐዋ. 15፡13-21።

ምስባክ፦
መዝ 79/80
ኖላዊሆሙ ለእስራኤል አጽምእ። ዘይርዕዮሙ ከመ አባግዐ ዮሴፍ። ዘይነብር ላዕለ ኪሩቤል አስተርአየ።

ወንጌል፦
ዮሐ. 10፡1-21።

ቅዳሴ፦
ቅዳሴ፡ ዘእግዝእትነ ማርያም።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

ካልኣይ ሰንበት፡ ብርሃን

 ብርሃን፦ 

ከምቲ ኣቐዲሞም ቅዱሳን ነቢያት፡ “ብርሃንካን ጽድቅኻን ልኣኽ” እናበሉ ዝተነበይዎ፡ (መዝ. 42፡3)፣ ነታ ኣብ ጸልማት ኃጢኣትን ጽላሎት ሞት ክሕደትን ዝነበረት ዓለም ንምብራህ ኣካላዊ ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ብርሃን ዓለም ንምዃን ፍጹም ሰብ ኮይኑ ተወሊዱ እዩ’ሞ ካልኣይ ሰሙን ‘ብርሃን’ ይበሃል። (ኢሳ. 9፡2፣ ዮሓ. 8፡12)። ካብ 14ታኅሣሥ ክሳዕ 20ታኅሣሥ ዘሎ ጊዜ እዩ።

ኣርእስቲ መዝሙር፦

አቅዲሙ ነገረ በኦሪት። አቅዲሙ ነገረ በኦሪት፡ ከመ ይመጽእ ወልድ በስብሐት ዘይዜንዋ ለጽዮን ቃለ ትፍሥሕት። ወካዕበ ይቤ በአፈ ዳዊት ቡሩክ ዘይመጽእ በስመ እግዚአብሔር፡ ብርሃን ዘመጽአ ውስተ ዓለም። ዘያበርህ ላዕለ ጻድቃን መርዓዊሃ ለቤተ ክርስቲያን፡ ይርዳእ ዘተኀጕለ ያስተጋብእ ዝርዋነ መጽአ ኅቤነ።

ዘቅዳሴ ምንባብ፦

መልእክታት፦
ሮሜ 13፡8-ፍጻሜ።
1ይ ዮሐ. 1፡1-ፍጻሜ።

ግብረ ሐዋርያት፦
ግብ.ሐዋ. 26፡12-23።

ምስባክ፦
መዝ. 42/43
ፈኑ ብርሃነከ ወጽድቀከ። እማንቱ ይምርሐኒ ወይሰዳኒ ደብረ መቅደስከ። ወውስተ አብያቲከ እግዚኦ።

ወንጌል፦
ዮሐ. 1፡1-18።

ቅዳሴ፦
ቅዳሴ፡ ዘእግዚእነ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

ቀዳማይ ሰንበት፡ ስብከት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ቀዳማይ ሰንበት፡ ስብከት፦

እግዚአብሔር ወልድ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ከም ዝውለድ፡ ኣቐዲሞም ቅዱሳን ነቢያት ሰቢኾም እዮም’ሞ፡ ቀዳማይ ሰሙን ‘ስብከት’ ይበሃል። ስብከት፡- ‘ትምህርቲ፡ ኣዋጅ’ ማለት እዩ። ካብ 7 ታኅሣሥ ክሳዕ 13 ታኅሣሥ ዘሎ ጊዜ እዩ። እዚ ድማ ነቢይ ሙሴ ብኦሪት፡ ቅዱሳን ነቢያት ብትንቢቶም፡ ቅዱስ ዳዊት ብመዝሙሩ “ክወርድ እዩ፡ ክውለድ እዩ” እናበሉ ዝተዛረብዎ ዝዝከረሉ እዩ።

ኣርእስቲ መዝሙር፦
ወልዶ መድኅነ ንሰብክ። ዘእምቅድመ ዓለም ሀሎ። አክሊለ ሰማዕት ሠያሜ ካህናት ወተስፋ መነኮሳት። 

ዘቅዳሴ ምንባብ፦
መልእክታት፦
ዕብ. 1፡1-ፍጻሜ።
2ይ ጴጥ. 1፡19-ፍጻሜ።

ግብረ ሐዋርያት፦
ግብ.ሐዋ. 3፡19-ፍጻሜ።

ምስባክ፦
መዝ. 143/144
ፈኑ እዴከ እምአርያም። አድኅነኒ ወባልሐኒ እማይ ብዙኅ። ወእምእዴሆሙ ለደቂቀ ነኪር።

ወንጌል፦
ዮሐ. 1፡38-ፍጻሜ።

ቅዳሴ፦
ቅዳሴ፡ ዘወልደ ነጐድጓድ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር

 

ዘመነ ስብከት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ዘመነ ስብከት

ካብ 7-13 ታኅሣሥ ክሳዕ ልደት ዘለዉ ሠለስተ ሳምንታት (ሰናብቲ) ዘመነ ስብከት ይበሃሉ። ኣብዞም ሳምንታት፡ ብዛዕባ እግዚአብሔር ወልድ ፍጹም ሰብ ከምዝኸውን ኣቐዲሞም ቅዱሳን ነቢያት ንዚተነበይዎ ትንቢት፡ ዚመሰልዎ ምሳሌ፡ ዚረኣይዎ ኅብረ ኣምሳል፡ . . . ንዝክርን ነስተንትንን። ሰሙን መጸ’ውን ምሥጢረ ሥጋዌ ዝገልጹ ጽሑፋት ይንበቡ፡ መዛሙር ይዝመሩ፡ ትንቢትን ምሳሌን እናተጠቅሰ’ውን ሰፊሕ ትምህርቲ ይወሃብ። ብሓፈሻ ጊዜኡ ንበዓለ ልደት ብኣፍልጦን ርድኢትን ናፍቆትን ክብርን ንምኽባር ዝግበር ምድላዋት’ዩ።
ኣብ ዘመነ ስብከት ዘለዉ ሠለስተ ሳምንታት ስብከት፡ ብርሃንን ኖላዊን ይበሃሉ።

1. ስብከት፦ እግዚአብሔር ወልድ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ከም ዝውለድ፡ ብቅዱሳን ነቢያት ተሰቢኹ እዩ’ሞ፡ ናይ መጀመርታ ሰሙን ‘ስብከት’ ይበሃል
2. ብርሃን፦ ክርስቶስ ብርሃን ዓለም ዓለም ንምኹን መጺኡ እዩሞ ‘ብርሃን’ ተባህለ።
3. ኖላዊ፦ ክርስቶስ ንሱ ሓቀኛ ትጉህ ጓሳ እዩ’ሞ እዚ ሰሙን ‘ኖላዊ’ ተባህለ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

5ይ ሰንበት፡ ደብረዘይት

ደብረ ዘይት

እታ ኃሙሸይቲ ካብ 4 ክሳዕ 6 ታኅሣሥ ዘላ ሰንበት ደብረ ዘይት ትበሃል። ብዛዕባ ነገረ ምጽኣት ጐይታን እታ መዓልቲ ከም ሰራቂ ሃንደበት ከይመጽአቶም ከላ ሕዝበ ክርስቲያን ሰማያዊ መዝገብ ክእክቡ ከም ዘለዎም፡ ከምኡ’ውን ቀዳሞት ኣበው ኣብ ዝኣተውዎ ቦታ ዕረፍቲ ንኽኣትዉ ነቶም ዝቐደሙ ብእምነትን ብግብርን ክመስልዎም ከም ዝግባእ ዘዘኻኽር ትምህርቲ ይንገር። (ሉቃ. 12፡31-40)

ኣርእስቲ መዝሙር፦

“ሠርዐ ሰንበተ ለሰብእ ዕረፍተ። ለእለ በሰማይ ወለእለ በምድር ለእለ በባሕር ወለእለ በየብስ።/ ነቶም ኣብ ሰማይን ምድርን ባሕርን መሬትን ዘለዉ ንዕረፍቲ ደቂ ሰባት ሰንበት ሠርዐ።"

ዘቅዳሴ ምንባብ፦

መልእክታት፦
1ይ ቆሮ. 15፡19-32
2ይ ጴጥ. 3፡10-ፍጻሜ

ግብረ ሐዋርያት፦
ግብ.ሐዋ. 26፡1-11።

ምስባክ፦

መዝ. 131/132
“ወለነዳያኒሃኒ አጸግቦሙ እክለ። ወለካህናቲሃኒ አለብሶሙ ሕይወተ። ወጻድቃኒሃኒ ትፍሥሕተ ይትፌሥሑ።
ዓዲ መዝ. 36/37
“ያጸንዖሙ እግዚአብሔር ለጻድቃን። ወየአምር እግዚአብሔር ፍኖተ ንጹሐን። ወለዓለም ውእቱ ርስቶሙ።”

ወንጌል፦
ሉቃ. 12፡32-48።

ቅዳሴ፦
ዘአትናቴዎስ።
***

4ይ ሰንበት፡ መፃጕዕ

መፃጕዕ
እታ ራብዓይቲ ካብ 27 ኅዳር ክሳዕ 3 ታኅሣሥ ዘላ ሰንበት መፃጉዕ ትበሃል። ፈዋሴ ድዉያን ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ዓይነ ሥዉር ኾይኑ ዝተወልደ ከም ዘብርሃሉ፣ ኣይሁድ ድማ ብተኣምራቱ ተደኒቖም ከብቅዑ ከይኣመኑ ከም ዝተረፉ ይንገር። ዮሐ. 9፡1-41

ኣርእስቲ መዝሙር፦

"ይቤሉ እስራኤል ኢርኢነ ወኢሰማዕነ ዘዕውሩ ተወልደ ወተከሥተ አዕይንቲሁ በሰንበት።/ እስራኤል ብዕለተ ሰንበት ዓይነ ሥዉር ኮይኑ ዝተወልደ እሞ ዓይኑ ንዝበርሃሉ ኣይርኣናን ኣይሰማእናን በሉ።"

ዘቅዳዜ ምንባብ፦

መልእክታት፦
2ይ ቆሮ. 4፡1-12።
1ይ ዮሐ. 5፡11-ፍጻሜ።

ግብረ ሐዋርያት፦
ግብ. ሐዋ. 4፡14-23።

ምስባክ፦

መዝ. 6፡
“ወአንተኒ እግዚኦ እስከ ማእዜኑ። ተመየጥ እግዚኦ ወባልሓ ለነፍስየ። ወአድኅነኒ በእንተ ምሕረትከ።”
ዓዲ መዝ. 4
“ደቂቀ ዕጓለ እመ ሕያው እስከ ማእዜኑ ታከብዱ ልበክሙ። ለምንት ታፈቅሩ ከንቶ ወተሐሱ ሐሰተ። አእምሩ ከመ ተሰብሐ እግዚአብሔር በጻድቁ።”

ወንጌል፦
ዮሐ. 9፡13-25።

ቅዳሴ፦
ቅዳሴ፡ ዘእግዚእነ ዓዲ ዘወልደ ነጐድጓድ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195