banner

"ንሱ ንሕማምና ፆሮ ንስቓይና ከኣ ኣብ ርእሱ ጸዓኖ" - ነቢይ ኢሳይያስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ!

“ነቢይ ኢሳይያስ”

ነቢይ ማለት ፡ መንፈስ ትንቢት ኃዲርዎ ብዛዕባ ዚመጽእ ትንቢት ዚንበ፣ ብዛዕባ ዝኃለፈን ዚመጽእን ራእይ ዚርኢ፣ ብዛዕባ ግብረ እግዚአብሔር ኣብ ታሪኽ ዝትርኽ፣ ብዛዕባ ሕግን መንገድን ፍቕርን ጥበብን እግዚአብሔር ዝምህር፣ አፈ እግዚአብሔር ኮይኑ መልእኽቲ ዘመኃላልፍ መምህር ሰባኺ ማለት እዩ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ነቢያት’ ብኸምዚ ዚስዕብ ይፍለጡ፦

• ዓበይትን ናኣሽቱን፡
• ናይ ቃልን ናይ ጽሑፍን፡
• ሓቀኛን ናይ ሓሶትን፡
• ኣወዳትን ኣዋልድን
• . . .

ሓደ ካብ ዓበይቲ ነቢያት፡ ናይ ጽሑፍ ነቢይ፡ ሓቀኛ ነቢይ ‘ነቢይ ኢሳይያስ’ እዩ። ¬‘ኢሳይያስ’ ማለት መድኃኒት፡ ቅቡዕ እምቅብዐ ትንቢት ማለት እዩ። ከምቲ ‘ኢየሱስ፡ ኢያሱ’ ማለት መድኃኒት ዝኾነ እዩ። ናቱ መድኃኒነቱ ከምቲ መስፍን እስራኤል ኢያሱ ንሕዝቡ መሪሑ ካብ ኣማሌቃውያን ዘድኃነ ወይ ድማ ከም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ደሙ ኣፍሲሱ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ዘድኃነ ኣይኮነን። መድኃኒትነት ናይ ኢሳይያስ ብትንቢቱን ትምህርቱን ንሕዝቢ ከምዘድኅን ፈሊጦም ዘውፅእሉ ስም እዩ። ትውልዱ ካብ ነገደ ስምዖን ኮይኑ ኣቦኡ ኣሞጽ፡ ኣደኡ ከኣ ሶፍያ ይበሃሉ። ‘ኢሳይያስ’ ብዝብል ስም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝተጠቕሱ ንኽፍለ ወዲ ኣሞጽ ይበሃል። ዕዝ. 8፡7 ፣ ነህ 11፡7።
ነቢይ ኢሳይያስ፥ ኣብቶም ኣብ ምድረ ይሁዳ ዝነገሡ ኃሙሽተ ነገሥታት ዘመን ማለት ኣብ ዘመነ ዖዝያን፡ ኢዮኣታም፡ ኣካዝ፡ ሕዝቅያስን ምናሴን ትንቢት ዝተነበየ፡ ቃለ እግዚአብሔር ዝመሃረ ነቢይ እዩ።

• ሊቀ ካህናት ኣዛርያስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንጉሥ ዖዝያን እንከይተገብኦ ልብሰ ተክህኖ ለቢሱ ክዓጥን ኣብ ቤተ መቅደስ ኣተወ። ክዓጥን ከሎ እቲ ትኪ ኣብ ግምባሩ ወፅኦ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኢዮኣታም ነገሠ። ኣብ ዘመኑ ዝነበረ ነቢይ ኢሳይያስ ፈሪሁ ስለ ዘይገሠፆ ለምፂ ወፂእዎ ሃብተ ትንቢት ተወሲድዎ ሠለስተ ዓመትን መንፈቕን ዝኣክል ተኸልኸለ። ነቢይ ኢሳይያስ ብፍጹም ንስሓ፡ ብጾምን ጸሎትን ተወሲኑ ነበረ። ንስሓኡ ከም ዝተቐበለሉ ንኸፍልጦ ከኣ፡ በታ ንጉሥ ዖዝያን ዝሞተላ ዓመት ጐይታ ኣብ መንበረ ጸባዖት ኮይኑ ኪሩቤል ዙፋኑ ተሸኪሞም፡ ሱራፌል ‘ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር” እናበሉ እናመስገንዎ ተገልጸሉ። (ኢሳ. 6፡1-8) ከድኅኖ ስለዝደለየ ድማ ናብ ሕዝበይ እስራኤል መን ክልእኽ እየ፧ በሎ። ነቢይ ኢሳይያስ ድማ “ኣነ ከንፈረይ ዝርኹስ ሰብ እየ። ለምፂ ወፂኡኒ ሃብተ ትንቢት ተወሲዱኒ እምበር ምተላኣኽኩ ነይረ ኣይፈርህን እየ” በለ። ንመልኣኽ ‘ካብ ዓለመ መላእክት ፍሕሚ ብጕጤት ወሲድካ ኣልክፎ’ በሎ። ድኅሪ’ዚ ንኢሳይያስ ለምፁ ርኂቕሉ ሀብተ ትንቢቱ ተመሊሱሉ እንደገና መሃረ። (ኢሳ. 6፡8-10)

• ኣብ ዘመነ ንጉሥ ኣካዝ፡ ሠራዊት ሶርያን ሰማርያን ናብ ይሁዳ ዘመቱ። በዚ ጊዜ’ዚ ነቢይ ኢሳይያስ ንንጉሥ ኣካዝ ብእግዚአብሔር ኣምላኽ ክኣምን ደኣ እምበር ከይፈርሕ ነገሮ። ንጉሥ ኣካዝ ግና ኣብ ክንዲ ኣብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ዝውከል ኣብ ሰብ ይውከል ከምዘሎ ገሊጹ ተዛረቦ። (ኢሳ. 7፡1-17 ፣ 8፡1-14 ፣ 2ይ ዜና 28፡16-21)

• ኣብ ዘመነ ንጉሥ ሕዝቅያስ ከኣ ነቢይ ኢሳይያስ እቶም ንኢየሩሳሌም ከቢቦም ዝነበሩ ኣሶራውያን ምስ ንጉሦም ሰናክሬም ከምዝሰዓሩ ተነበየ። በዚ ኸኣ ካብ እግዚአብሔር ብዝተላእከ መልኣኽ ቅዱስ ሚካኤል 185,000 ሠራዊት ብሓንቲ ለይቲ ተቐዝፉ። ድኅሪ ጊዜ ነቢይ ኢሳይያስ ናብቲ ሓሚሙ ንሞት ተቓሪቡ ዝነበረ ንጉሥ ሕዝቅያስ መጺኡ “እግዚአብሔር ክትመውት እምበር ኣይክትሓውን ኢኻ እሞ ቤትካ ኣናብር ይብለካ ኣሎ” በሎ። ንጉሥ ሕዝቅያስ፡ መሪር ብኽያት ኣሰንዩ ናብ እግዚአብሔር ለመነ። ሽዑ እግዚአብሔር ንኢሳይያስ “ጸሎትካ ሰሚዐ ንብዓትካ’ውን ርእየ እየ’ሞ ኣብ ዕድመኻ ዓሰርተው ኃሙሽተ ዓመት ወሲኸልካ ኣለኹ። . . . ኢልካ ንገሮ” በሎ እሞ ከይዱ ንንጉሥ ሕዝቅያስ ነገሮ። (ኢሳ. 36 ፣ 2ይ ነገ. 18፡19 ፣ 2ይ ዜና 32፡ 16-21)

• ወዲ ንጉሥ ሕዝቅያስ ዝኾነ ንጉሥ ምናሴ ኣብ ዘመኑ ጣዖት ኣቒሙ ብምምላኹ ነቢይ ኢሳይያስ ካብዚ ክፉእ ግብሩ ክምለስ ገሠፆ። ኣብ ልዕሊኡ’ውን ተነበየ። በዚ ምኽንያት ከኣ ንጉሥ ምናሴ ተቘጢዑ ብመጋዝ ክቝረጽ ኣዘዘ። በዚ ድማ ኣብ 85 ዓመት ዕድሜኡ፡ ብዕለት 6 መስከረም ብመጋዝ ተቘሪጹ ሞተ።

መጽሓፍ ትንቢተ ኢሳይያስ

ነቢይ ኢሳይያስ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ትንቢተ ኢሳይያስ ይበሃል። ምስ 46 መጻሕፍተ ነቢያት ዝቝጸር ሓደ ካብ 81 መጽሓፍ ቅዱስ እዩ።
እዚ መጽሓፍ’ዚ ብሻምናይ ዘመን ቅድመ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ምድረ ይሁዳ ዝተጻሕፈ እዩ። 66 ምዕራፋትን 1292 ቍጽርታትን ኣለዎ።

ኣከፋፍላ ትንቢተ ኢሳይያስ፦
1. እግዚአብሔር ቅዱስ ከም ምዃኑ፣ ነቶም ዓመጽቲ ከምዝፈርዶም (1-39)
1.1 ብዛዕባ ኢየሩሳሌም ይሁዳን ኣሶራውያንን (1-12)
1.2 ብዛዕባ ኣሕዛብ (13-28)
1.3 ዕላማን ፍርድን እግዚእብሔር ከምኡ’ውን ብዛዕባ ምምላስ ጽዮን (24-35)
1.4 ጸሎት ሕዝቅያስን ስዕረት ኣሶራውያንን (36-39)
2. ምርኮ ባቢሎንን ምምላሶምን ምጽንናዖምን (40-55)
3. ብዛዕባ ዘለዓለማዊ ክብሪ ጽዮንን ሓጐስ ሕዝበ እግዚአብሔርን (56-66)

• ኣብዚ መጽሓፍ’ዚ ብዛዕባ ይሁዳን ከባቢኣን ዝተነግረ ትንቢት ብብዝኂ እኳ እንተሎ ብቀንዱ ግና ብዛዕባ ሓዲስ ኪዳን፡ ብዛዕባ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። በዚ ኸኣ ነቢይ ኢሳይያስ ‘ደረቅ ሓዲስ’ ፡ ‘ወንጌላዊ ነቢይ’ እናተባህለ ይጽዋዕ እዩ።

ብዛዕባ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝተነበዮም፦

1. ካብ ድንግል ከም ዝውለድ (ኢሳ. 7፡14፡ ማቴ 1፡23)
2. መንግሥቱ ዘለዓለማዊ ምዃኑ (ኢሳ.9፡6፡ ሮሜ 9፡5)
3. መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ ቀቅድሚኡ መንገዲ ከም ዝጸርግ (ኢሳ. 40፡3-5፡ ማቴ. 3፡3)
4. ብርሃን ዓለም ምዃኑ (ኢሳ. 9፡1-2፡ ማቴ. 4፡14-16)
5. ናይ ባህርይ ሕይወቱ መንፈስ ቅዱስ ብህልውና ምስኡ ምዃኑ (ኢሳ. 61፡1፡ ሉቃ. 4፡17-19)
6. ፈዋሲ ምዃኑ (ኢሳ. 53፡4፡ ማቴ. 8፡16-17)
7. ፍትሒ ዘውፅእ ምዃኑ (ኢሳ. 42፡1-3፡ ማቴ. 12፡18-21)
8. እምኒ መሠረት ምዃኑ (ኢሳ. 28፡16፡ ሮሜ 9፡32-33)
9. መድኅን ኣሕዛብ ምዃኑ (ኢሳ. 65፡1-2፡ ሮሜ 10፡20)
10. ነገረ ሕማማቱ (ኢሳ. 53፡ ሉቃ. 18፡31-33፡ ዮሓ. 12፡37-38፡ ግብ. ሓዋ. 8፡32-35፡ ሮሜ 4፡24-25፡ 1ይ ጴጥ. 2፡24-25)
11. ስሌና መከራ ከም ዝቕበል (ኢሳ. 53፡1-12)
12. . . .

• እዚ መጽሓፍ’ዚ ባዕሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ዘንበቦ (ኢሳ. 61፡1-2 ፣ ሉቃ. 4፡18-19)፣ እቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ዘንብቦ ዝነበረ ( ኢሳ. 53፡7-8፡ ግብ. 8፡30) ፣ ብብዝኂ ወንጌላውያን ኣብ መጻሕፍቶም ዝጠቐስዎ መጽሓፍ እዩ።

ሰላም ለኢሳይያስ ነቢየ ሥርዓቱ ለዕብኖዲ።

ቅቡዐ ከናፍር ወአፍ እምአፍሐመ እሳት ነዳዲ።

እንዘ ይብል አስምዐ በእንተ ክርስቶስ የማነ ወላዲ።

ይፀነስ በከርሠ ድንግል ወይትወለድ ዓዲ።

ውስተ ግበ አርዌ ሕፃን እዴሁ ዘይወዲ።

                           በረኸት ነቢይ ኢሳይያስ ምስ ኵልና ይኹን!

                    ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195