banner

መጽሓፈ ሄኖክ

መጽሐፈ ሄኖክ


መሠረትን መምርሕን ሃይማኖት መጽሓፍ ቅዱስ’ዩ። እግዚአብሔር፡ ‘ከምዚ በሉ’ እናበለ ዘጽሓፎ; ብራእይ ዝገለጾ፡ ኣብ ልቢ ዝቐረጾ ሕያው ዘለዓለማዊ ቃሉ እዩ። ነዚ ቅዱስ ቃሉ፡ ኣብዚ ዓለም ካብ ዝተወልዱ ሰባት ንሱ ኣቐዲሙ ንፊደላት ኣብ ቃላት ሠሪዑ ክጽሕፍ ዝጀመረ ሻብዓይ ወለዶ ካብ ኣዳም ዝኾነ ነቢይ ሄኖክ’ዩ። (መጽ. ኩፋ. 5፡22) ‘ሄኖክ’ ማለት ቀንዴል፡ ዘይቲ፡ ሥዉር፡ ዚተሓደስ ማለት እዩ። ካብ ኣቦኡ ያሬድን ኣደኡ ባረካን 25 ሓምሌ ተወልደ። ዓብዩ ሰበይቲ ኣእትዩ 164 ዓመት ምስ ገበረ ካብ ዕድና ንማቱሳላ ወለደ። ኣወዳትን ኣዋልድን’ውን ወለደ።

ኣብዚ ዓለም 365 ዓመት ምስ ገበረ፡ ኣካይዳኡ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ጽቡቕ ስለዝነበረ፡ ብ27 ጥር ተሠዊሩ ኣብ ብሔረ ሕያዋን ከደ።

ቅድሚ ዳግም ምጽኣት ናብዚ ምድሪ መጺኡ ንሓሳዌ መሢሕ ክቃወምን ንምእመናን እናመሃረ ከጸናንዕን እዩ። ብሰንኪ’ዚ ድማ ብሓሳዌ መሢሕ ምስ ነቢይ ኤልያስ ሰማዕትነት ከምዝቕበል ቅዱሳት መጻሕፍቲ ይነግሩ። ዘፍ. 5፡22-24። መጽ. ቀሌምንጦስ
እምበኣር እቲ ናይ መጀመርታ ጸሓፊ ሄኖክ ካብ ኮነ፣ እቲ ናይ መጀመርታ መጽሓፉ ድማ ንሱ ዝጸሓፎ መጽሓፈ ሄኖክ ይበሃል። መጽሓፈ ሄኖክ 42 ምዕራፋት ዘለዎ ኾይኑ ካብ ፍጥረት ዓለም ክሳዕ ዳግም ምጽኣት ዘሎ ኵነታት፡ ትንቢትን ሰማያዊ ራእይን ይገልጽ። ብፍላይ ብዛዕባ ዑደት ብርሃናት፡ ነገደ መላእክት፡ ቍጽሪ ዘመናት፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ሓዋርያትን፡ ጻድቃንን ኃጥኣንን ጠቒሱ ኣሎ።

ብመልክዕ ኣከፋፍላ ክንምልከቶ ከሎና፦
1. ምዕራፍ 1 - ቅዱሳን መላእክት ንነቢይ ሄኖክ ዘርኣይዎ ራእይ
2. ምዕራፍ 2-7 - ደቂ ሴት ምስ ደቂ ቃየል ዝፈጸምዎ በደል
3. ምዕራፍ 3 - መልሲ እግዚአብሔር
4. ምዕራፍ 4-20 ሄኖክ ብዛዕባ መላእኽትን ከዋኽብትን ዘመናትን ዝረኣዮ ራእይ
5. ምዕራፍ 21-27 ሄኖክ ብዛዕባ ፀሓይን ወርኅን ከዋኽብትን ዘመናትን ዝረኣዮ ራእይ
6. ምዕራፍ 28-38 ሄኖክ ንወዱ ማቱሳላ ዝነገሮ ትምህርትን ትንቢትን
• ብዛዕባ ፀሓይን ከዋኽብትን፣ ብዛዕባ ዘመነ ብሉይ፣ ብዛዕባ ሓዋርያት፡ ብዛዕባ ዳግም ምጽኣት፡ ብዛዕባ ምኽሪ ምግባረ ሠናይ . . .
7. ምዕራፍ 41-42 ብዛዕባ ማቱሳላ

ንመጽሓፈ ሄኖክ፡ ቅዱሳን ሓዋርያት ኣብ ጽሑፋቶምን ስብከታቶምን ይጥቀምሉ ስለዝነበሩ ኣብ መጽሓፍ ሓዲስ ኪዳን ተጠቂሱ’ሎ፡ (ይሁ. 1፡14-15, ዕብ. 11፡5) ሓዋርያ ይሁዳ ኣብ መልእክቱ ‘እቲ ካብ ኣዳም ሻብዓይ ወለዶ ዝኾነ ሄኖክ’ውን . . .” ብምባል ዘኪርዎ’ሎ። (መልእክተ ይሁዳ 1፡14-15)

ስለዚ ድማ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንትኅዝቶ እዚ መጽሓፍ’ዚ ተመኪታ፡ ሓደ ካብቶም 81 መጽሓፍ ቅዱስ ጌራ ትቕበሎን ትግልገለሉን ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195