banner

ወንጌላውን ሰማዕትን ቅዱስ ማቴዎስ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ !

ወንጌላውን ሰማዕትን ቅዱስ ማቴዎስ

እግዚአብሔር ብሓድነቱ ዓለም ቅድሚ ምፍጣሩ ብልቢ ዝመኸሮ፣ ዓለም ድኅሪ ምፍጣሩ ኣብ ነቢያት ኃዲሩ ዘዛረቦ ትንቢታት ንምፍጻም፣ ካብ ሠለስተ ኣካል እቲ ሓደ ኣካል፣ ወልድ፣ ሥጋ ለቢሱ ሰብ ኮነ፣ ሰብ ኮይኑ ድማ ሕጊ ጠባያውን ሕጊ መጽሓፋውን እናፈጸመ ዓበየ። ኣብ 30 ዓመቱ ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ብኢድ ዮሓንስ ተጠሚቑ፣ 40 መዓልትን ለይትን ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ምስ ጸለየን ጾመን ናብ ገሊላ ተመሊሱ ትምህርቲ ኪምህርን ተኣምራት ኪገብርን ጀመረ። ሉቃ. 4፡14 ተኣምራቱ ርእዮም ትምህርቱ ሰሚዖም ካብ ዝተፈላለየ ቦታ፣ ክንዲ 5ተ ዕዳጋ ዝኣኽሉ ሕዝቢ ሰዓብዎ። ካብኣቶም ድማ መጀመርታ 12ተ ሓዋርያት ቀጺሉ ኸኣ 72 ኣርድእቲ፣ 36 ቅዱሳት ኣንስቲ ኃረየ። 120 ቤተ ሰብ ዝበሃሉ እዚኣቶም እዮም። ግብ. ሓዋ. 1፣-15 በዚ ኸኣ ኣብ ምድረ እስራኤል እናተዛወረን እናተመላለሰን 3 ዓመትን 3 ወርኅን ወንጌል ምስ መሃረ፣ ንድኅነት ደቂ ሰብ ኣብ ማእከል ምድሪ ኣብ ቀራንዮ ተሰቂሉ፡ ብሞቱ ንዓለም ኣድኃነ። ኣብ 3ይ መዓልቲ ካብ ምዉታን ተንሢኡ፣ 40 መዓልቲ ንደቂ መዛሙርቱ መጽሓፍ ኪዳን ምስ መሃሮም፣ ካብ ዝትንሥእ ኣብ መበል 50 መዓልቲ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ለኣኸሎም።


ሓዋርያት ከኣ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ ፈራሃት ዝነበሩ ተባዓት ኮኑ፣ ካብ ብልየት ተሓደሱ፣ ብኣእምሮ በርትዑ፣ ምሥጢር ተርጐሙ፣ ሓደ ቋንቋ ዝፈልጡ ዝነበሩ 71 ቛንቋ ተገሊጹሎም ብ72 ቋንቋ ተዛረቡ። ኣብ ኢየሩሳሌም እናመሃሩ ንሓደ ዓመት ብኃባር ምስ ተቐመጡ። “ሑሩ ወመሀሩ ውስተ ኵሉ ዓለም/ ኪዱ፣ ንዅሉ ዓለም መሃሩ/ ዝበሎም ትእዛዝ መምርሒ ብምግባር ነዛ ዓለም ዕጫ ኣውዲቖም ብምክፋል ወንጌለ መንግሥትን ድኅነተ ዓለምን ንኺእውጁን ከበሥሩን፣ ናብ ዘዝበጽሖም ሃገር ተዋፈሩ።

ሓደ፣ ካብዞም ዓሠርተው ክልተ ቅዱሳን ሓዋርያት ኣብ ብሔረ ካህናት ዝበጽሖ ሓዋርያ ማቴዎስ እዩ።
ስም ኣቦኡ ዲቁ (እልፍዮስ)፣ ኣደኡ ድማ ክሩትስያ ይበሃሉ። ማር. 2፦14 ቀዳማይ ስሙ ‘ሌዊ’ ነይሩ፡ ደኃር ግና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘውፅኣሉ “ማቴዎስ” ዝብል ስም ይጽዋዕን ይፍለጥን። ‘ማቴዎስ’፦ ማለት ኅሩይ፣ ምሩጽ እዩ።

ዝቐደመ ሥራሑ ቀረጽ ምቕራጽ (ግብሪ ምእካብ) ነበረ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እናመሃረ ኣብ መደበር ቀረጽ ተቐሚጡ ምስ ረኣዮ “ሰዓበኒ” በሎ። ማቴዎስ ድማ ተንሢኡ ሰዓቦ፣ ማቴ. 9፦9 ኣብዚ እዋን እዚ’ውን ብትእምርተ ምናኔ፡ ኣብ ቤቱ ናይ መፋነዊ ምሳሕ ገይሩ ንጐይታ ሰዓቦ። ማቴ. 9፣10 ጐይታ ኣብ ዝወዓሎ እናወዓለ፡ ኣብ ዝኃደሮ እናኃደረ ሠለስተ ዓመትን ሠለስተ ወርኅን ተመላለሰ።

ሓዋርያ ማቴዎስ፡ ድኅሪ በዓለ ሓምሳ ንሓዋርያዊ ኣገልግሎት ኣብ ግሪኽ እትርከብ ኣጵሎን ዝበሃል ጣዖት ዝምለኸላ ዓዲ ኣምርሐ። ናብዚ ዓዲ እዚ ምስ ኣተወ፣ ምስ ኣርሚስ ዝበሃል ካህን ናይቲ ጣዖት ተራኺቡ ብዛዕባ ጣዖት ኣጵሎን ተሓታተተን ኣዕለለን። ብድኅርዚ ሓዋርያ ማቴዎስ ምስ ጸለየ፣ ኣጵሎንን ሰዓብቱን ዝተንከዮም ዘይብሎም “ትኽስ ከም ዝበለ ቆልዐ” ንቕድሚኦም ተደፈኦም ወዲቖም ተሰባበሩ። ካህን ኣርሚስ ነቶም ዝተሰባበሩ ጣዖታት ምስ ረኣየ፣ ብጐይታና ኢያሱስ ክርስቶስ ኣሚኑ ንሱን ቤተ ሰቡን ኣሚኑ ተጠምቐ። ንጉሥ እታ ዓዲ፣ ከም ልማዱ ናብ ቤተ ጣዖት ኪሰግድ እንተ መጽአ፡ እቲ ቤተ ጸሎት ተዓጽዩ፣ ጣዖታት ተሰባቢሮም ብእምንን ሓመድን ተደብዮም ጸንሕዎ። ንጉሥ ነዚ ኵነታት እዚ ምስ ፈለጠ፣ ንኣርሚስን ሓዋርያ ማቴዎስን ኣብ መንገዲ ክጐትዎምን ብሕይወቶም ከለዉ ሓዊ ክንድድዎምን ትእዛዝ ኣመኃላለፈ። እንተኾነ ትእዛዝ ንጉሥ ኣብ ግብሪ ከይወዓለ ኸሎ ወዲ ንጉሥ ሞተ። ቅዱስ ማቴዎስ ናብቲ ንጉሥ ኸይዱ “ንወድኻ፣ ኣጵሎን ንኸተንሥኣልካ ዘይትጽውዖ’’ ምስ በሎ፡ ንጉሥ ድማ “ካብ ኣማልኽቲ ምዉት ዘተንሥአ’ዶ ኣሎ እዩ፧” ክብል መለሰሉ። ሓዋርያ ማቴዎስ “እወ ኢየሱስ ዝበሃል እኳ ኣሎ’ ኢሉ ምስ ነገሮ“ወደይ ዘሕዊ ኣምላኽ እንተደኣ ተረኺቡስ፣ ብእኡ ኣሚነ ጣዖታት ኣየምልኽን እየ” ኢሉ ቃል ኣተወሉ።

ብድኅር’ዚ ቅዱስ ማቴዎስ ኣብ ልዕል’ቲ ዝሞተ ወዲ ንጉሥ ምስ ጸለየ፣ ብኡ ንብኡ ተንሥአ። ንጉሥን ኵሎም ስድራ ቤቱን መላእ ሕዝቢ እታ ሃገርን ኣሚኖም ተጠምቁ። እቲ ንጉሥ ነቲ ቤተ ጣዖት ኣፍሪሱ፣ ቤተ ክርስቲያን ሓነፆ።

ብድኅር’ዚ ቅዱስ ማቴዎስ ጽንዓት ሃይማኖቶም ምስ ኣረጋገጸ ብሰላም ተፋንይዎም፣ ናብ ኢየሩሳሌም ኣትዩ ብቛንቋ ዕብራይስጥ ወንጌል ጸሓፈ። ናብ “ኣፓይኔጌ” እትብሃል ዓዲ ኸይዱ በቲ ዝጸሓፎ ወንጌል ምሂሩ ኣእመኖም። ናብ በርትያ እትብሃል ዓዲ ኸይዱ’ውን፣ ናይ ክርስቶስ ልደቱ፣ ጥምቀቱ፣ ሞቱ፣ ትንሣኤኡን ዕርገቱን ዳግም ምጽኣቱን ነገሮም። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዚርከቡ ከይኣመኑ ከይተርፉ ኢሉ እናኣተወ ምሂሩ የእምኖም ነበረ። እንተኾነ እቲ ስብከቱ ከም ገበን ተቘጺሩ፡ ኂዞም ኣብ ቤት ማሕቡስ ኣእተውዎ። ኣብቲ ማእሰርቲ እንከሎ ድማ ምስ ሓደ ኵሉ ሳዕ ዝኃዝንን ዝጭነቕን እሱር ተራኸበ። ስለምንታይ ከምዝኃዝን ምስ ሓተቶ፡ እቲ እሱር ኸኣ “ሓለቓይ ሃብታም እዩ፣ ኣነ ኸኣ ብመርከቡ እናሸቀጥቅሉ ከለኹ፡ መርከቡ ምስ ንብረታ ጥሒላ፣ ኣነ ግና ሕይወተይ ኣትሪፈ መጺአ ዘጋጠመኒ እንተነገርክዎ ተቘጢዑ ናብዚ ደርብዩኒ” ክብል ንሓዋርያ ማቴዎስ ነገሮ። ቅዱስ ማቴዎስ ድማ “ኣጆኻ፡ ሓለቓኻ ምስ መጸካ እታ መርከብካ ምስ ንብረታ ካብ ባሕሪ ወፂኣ ኣላ’ሞ ከምጽኣልካ በሎ። ናብቲ ባሕሪ ምስ ከድካ’ውን ንመርከብካ ኣብኡ ክትረኽባ ኢኻ” ክብል ኣጸናንዖ። እቲ እሱር ከምቲ ዝበሎ ምስ ገበረ፡ ኵሉ ተፈጸመሉ እሞ ንሱን ሓለቓኡን ቤተ ሰቡን ኣሚኖም ተጠምቁ። እዚ ዜና’ዚ ኸኣ ኣብታ ከተማ ተሰምዐ።

ሓደ ልኡኽ ሰይጣን ዝኾነ ሰብኣይ፣ ናብ’ቲ ኣቆስጦስ ዝበሃል መኰንን እታ ዓዲ ኸይዱ፣ “ነዚ ማቴዎስ ዝበሃል ኣብ ዝብጻሕ ኣብጺሕካ ዚግበር ግበሮ” በሎ። እቲ መኰንን ድማ ነቲ ጕዳይ ናብ ንጉሥ ኣምርሖ። ንጉሥ ተቖጢዑ፣ ወተሃደራቱ ጸዊዑ ኬድኩም ክሳዱ ቆሪጽኩም ቀለብ ኣሞራታት ክኸውን ደርብይዎ ኢሉ ጽኑዕ ትእዛዝ ሃቦም። እቶም ወተሃደራት ንጉሥ ድማ ከምቲ ዝተኣዘዝዎ፣ ንቅዱስ ማቴዎስ ኣብ 12 ጥቅምቲ ክሳዱ ቈሪጾም ደርበይዎ። በረኸት ተኻፈሉ ዝበሎም ካብ ምእመናን ድማ ነታ ዝተቘርጸት ርእሱ ምስ ክሳዱ ኣቕሪቦም ብንጹሕ ዓለባ ገኒዞም ኣብ መቓብር ኣቦታቱ ቐበርዎ።
ብሓፈሻ ቅዱስ ማቴዎስ ኣብ ፍልስጥኤም፣ ፋርስ፣ ባቢሎን፡ ምድረ ዓረብ፡ ከምኡ’ውን ኣብ 40-42 ዓ.ም ኣብ ምድረ ኣግዓዚ (ኤርትራን ትግራይን) ወንጌል ከምዝሰበኸ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ይገልጹ።

ቅዱስ ማቴዎስ፡ ሓደ ካብ ጸሓፍቲ ኣርባዕቱ ወንጌል እዩ። ኣብ 8ይ ዓመት ድኅሪ ዕርገት ጐይታ (42 ዓ.ም.)፡ ብልሳነ ዕብራይስጥ እዩ ጽሒፍዎ። ወንጌል ማቴዎስ ንትምህርቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ካልኦት ብዝሰፍሐ ጠቒሱ ኣሎ። ኣብዚ ወንጌል’ዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመሃሮም ነዋኅቲ ትምህርተ ወንጌል ሰፊሮም ኣለዉ። ንኣብነት፦ ስብከት መልዕልተ ደብር (ምዕራፍ 5 ክሳዕ ምዕራፍ 7)፣ ተጽውዖተ ኣርድእት (ምዕራፍ 10)፣ ምሳሌ ዘርእን ዘራእን (ምዕራፍ 13)፣ ክርስትያናዊ ጠባያት (ምዕራፍ 18)፡ ኅልቀተ ዓለም (ምዕራፍ 24 ክሳዕ 25) . . .

ወንጌላዊ ማቴዎስ፡ ካብ ብሉይ ኪዳን ኣብዚኁ ብምጥቃሱ፣ ካብ ካልኦት ንወንጌል ዝጸሓፉ ይፍለ። ትንቢትን ምሳሌን ብሉይ ኪዳን፡ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ከም ዝተፈጸሙ ይነግር። እቲ ነቢያት ዝተነበይሉ ኣምላከ ነቢያት ንሱ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ንኸረድእ ድኅሪ ፍጻሜ ሓደ ታሪኽ “ከምዚ ዝብል . . . ኮነ” እናበለ ይጽሕፍ። ወንጌል ማቴዎስ፡ 28 ምዕራፋት ኣለዎ።
ናይ ሓዋርያ ቅዱስ ማቴዎስ ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵልና ይኹን።

ስብሓት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር!!!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195