banner

ሓዋርያዊት ቅድስት ቴክላ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሓዋርያዊት ቅድስት ቴክላ

ኣብ ዘመነ ስብከቱ ንሐዋርያ ጳውሎስ ዝስዕባ ካብ ዝነበራ ቅዱሳት ኣንስት ሓንቲ ቅድስት ቴክላ እያ።

ኣብ ዝተወለደትሉ ሃገር ኒቆምድያ ኣብ ቤት ሓደ ስፋሮስ ዝስሙ ምእመን ኮይኑ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ንብዙኅ ሕዝቢ ይምህር ነበረ። ቴክላ ድማ መስኮት ቤታ ከፊታ ንትምህርቱ ትሰምዕ ነበረት። ትምህርቱ ምስ ሰምዐት ንሠለስተ መዓልትን ለይትን እክለ ማይ ከይበልዐት ቀነየት። ትምህርቱ ድማ ኣብ ልባ ኃደረ እሞ ኣሰሩ ሰዓበት። ኣቦኣን ኣደኣን ግና መምለኽቲ ጣዖት ስለዝነበሩ እምብዛ ኃዘኑ። ኵሎም ቤተ ሰባ ከይተረፉ’ውን ንሓዋርያ ጳውሎስ ንኸይትቕበል ኣምሪሮም ለመንዋ። እንተኾነ ግና ካብ ቃለ እግዚአብሔር ካብ ፍቅረ ክርስቶስ ክፈልይዋ ኣይተኻእሎምን። ሮሜ 8፡35

ተውሳክ፡ . . .ሓዋርያዊት ቅድስት ቴክላ

ቅዱስ ኡራኤል መልአክ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

መራኄ ብርሃናት ቅዱስ ኡራኤል መልአክ

ቅዱሳን መላእክት- ልዑካት እግዚአብሔር፡ ኣብሠርቲ ሐጐስ፡ ሓለውቲ ሰባት እዮም።

ቅዱሳን መላእኽቲ ወትሩ ከይደኸሙ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጸባዖት ፍጹም ምሉእ ሰማያተ ወምድረ ቅድሳተ-ስብሐቲከ / ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት ክብሪ ምስጋናኻ ኣብ ሰማይን ምድርን ምሉእ እዩ። እናበሉ የመስግኑ። (ኢሳ. 6፡3-4 ራእ 4፡8 ) ሓደ ካብቶም 7ተ ሊቃነ መላእክት ዝኾኑ ቅዱስ ኡራኤል እዩ።

ተውሳክ፡ . . .ቅዱስ ኡራኤል መልአክ

ካብ ተኣምራት ኣቡነ ብፁዐ ኣምላክ!

ካብ ተኣምራት ኣቡነ ብፁዐ ኣምላክ!

ቅዱሳን ናይ እግዚአብሔር ግብርን ተኣምራትን መግለጺ እዮም። ምንጪ ቅድስናኦም ንሱ እዩ። ሓደ ካብዞም ዘሥመርዎ ቅዱሳን፡ በቲ ዝሃቦ ጸጋ’ውን ብቅድስናኡን ተኣምራቱን ፍሉጥ ዝኾነ ጻድቕ ኣቡነ ብፁዐ አምላክ እዩ። ብእግዚአብሔር ዝተገብረሉ ተኣምራትን ባዕሉ ዝገበሮ ተኣምራትን ኣብ መጽሐፈ ገድሉ ተጠቂሱ ኣሎ። ካብ በረኸቱ ንምስታፍ ሓደ ካብ ተአምሩ ኣስዒብና ኽንጠቅስ ኢና።

ወአሐተ ዕለተ እንዘ የሐውር ፍኖተ ረከበ ብእሲተ ዘአዕረቅዋ ፈያት። ወሶበ ርእያ ደንገፀ ወይቤላ “ሰብእኑ አንቲ ወሚመ ሰይጣን” ወዓተበ ገጾ በትእምርተ መስቀል ወይእቲኒ ዓተበት ገጻ በትእምርተ መስቀል ወትቤሎ “ኦ አቡየ ኢትኅድገኒ በእንተ አምላክከ እስመ ክርስቲያናዊት አነ ወፈያት ነሥኡኑ ልብስየ።”

ተውሳክ፡ . . .ካብ ተኣምራት ኣቡነ ብፁዐ ኣምላክ!

ቅዱሳን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ቅዱሳን

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅዱስ ወንጌል ብዛዕባ ቅዱሳን ኣስፊሑ ነጊሩና እዩ። ንቕዱሳን ምቕባል ከምዝግባእ “ንጻድቕ ብስም ጻድቕ ዝቕበል ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ። ካብዞም ንእሽቱ ንሓደ እኳ ብስም ወዲ መዝሙር ዝሑል ብርጭቆ ማይ ጥራይ ዜስቲ ዓስቡ ከቶ ከም ዘይስእን ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ” (ማቴ. 10፡41-42) ይብል። ከምኡ’ውን ቅዱሳን ተኣምራት ከምዝገብሩ “እቲ ብኣይ ዝኣምን ንሱ ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ከም ዚገብር፡ ካብኡ ዚዓቢ’ውን ከም ዚገብር ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ኣቦ ብወልድ ምእንቲ ኪኸብርሲ ብስመይ ዝለመንክምዎ ዘበለ ዅሉ ኽገብረልኩም እየ። ብስመይ ዝኾነ ነገር እንተለመንኩም’ውን ክገብረልኩም እየ” (ዮሐ. 14፡14) ይብለና።

ተውሳክ፡ . . . ቅዱሳን

ታሪኽ ሰማዕት ቅድስት ድምያና ምስ ኣርብዓ ሰማዕታት ደናግል ሰኣብታ።

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ታሪኽ ሰማዕት ቅድስት ድምያና ምስ ኣርብዓ ሰማዕታት ደናግል ሰኣብታ።

ሣልሳይ ክፍለ ዘመን ኣብ ምፍጻሙ ሓደ ማርቆስ ዝበሃል ሕያዋይ ክርስቲያን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ግብጺ ናይ ዝርከባ ክልተ ኣውራጃታት ኣማሓዳሪ ነበረ። ንሱ ሓንትን እንኮን ዝኾነት፡ ድምያና እትበሃል፡ ምልክዕትን ምጭውትን ጓል ነበረቶ።

ብዓልቲ ቤት ማርቆስ፡ ድምያና ጓሉ ገና ሕፃን እንከላ ስለዝሞተት፡ ጓል ሠለስተ ዓመት ምስ ኮነት ናብ ቤተ ክርስቲያን ወሲዱ፡ ናይ’ቲ ኣውራጃ ንዝነበረ ጳጳስ እግዚአብሔር ክባርኻን ኣብ ዕቍባኡ ክሕልዋን ምጽዋት ሃባ። እቶም ኣቦ ድማ ከይጽምዋ ብምባል ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ ኣርብዓ ሕፃናት ደናግል ኣምጺኦም ብሓንሳብ ክምህርወን ጀመሩ። በዚ ድማ ካብ ሕፃንነታ ኣትሒዛ ኣብ ናይ ብሕታ ክፍሊ ምጽላይን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ምንባብን ትፈቱ ነበረት።

ተውሳክ፡ . . .ታሪኽ ሰማዕት ቅድስት ድምያና ምስ ኣርብዓ ሰማዕታት ደናግል ሰኣብታ።

“ሰማዕት ቅዱስ ፒሉፓዴር መርቆሬዎስ”

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“ሰማዕት ቅዱስ ፒሉፓዴር መርቆሬዎስ”

ፒሉፓዴር ማለት ፈታዊ ኣቦ ማለት እዩ፡ ብኻልኣይ ትርጕሙ ከኣ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ’ውን መርቆሬዎስ ማለት እዩ። ስመ ክርስትና ናይ ኣቦኡ ‘ኖኅ’ ኮይኑ፡ ስመ ኣደኡ ድማ ‘ታቦት’ እዩ። ሃገሩ ኣስሊጥ ኪኸውን ከሎ፡ ዚዓበየሉ ግና ሃገረ ሮሜ እዩ።

ቅድሚ ልደት መርቆሬዎስ፡ ኣቦኡን ኣበሓጉኡን ሃዳኖ ስለዝነበሩ ከም ልማዶም ንሃደን ምስ ወፅኡ ካብ ወገን ገጸ ከለባት ተራኸብዎም እሞ ንኣባ ሓጎ መርቆሬዎስ በልዕዎ። ቀጺሎም ንኣቦ መርቆሬዎስ ክበልዕዎ እናተዳለዉ ግና መልኣከ እግዚአብሔር ተገሊጹ “ካብኡ ዚወፅእ ምሩጽ ፍረ ስለዘሎ ኣይትተንክፍዎ” ብምባል ገሠፆም።

ድኅሪኡ ቅዱስ መርቆሬዎስ ተወልደ። ስሙ ከኣ ፒሉፓዴር በልዎ። በቲ ጊዜ’ቲ ዝነብረ ንጉሥ ንኖኅ ሓለቓ ሠራዊት ሸይሙ ናብ ኲናት ከም ዝኸትት ገበሮ።

ተውሳክ፡ . . .“ሰማዕት ቅዱስ ፒሉፓዴር መርቆሬዎስ”

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195