banner

ካብ ተኣምር ቅድስት ኣርሴማ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ካብ ተኣምር ቅድስት ኣርሴማ

ብገንዘብ ኃላፍን ጠፋእን ዝኾነ ዓለም ኣዝያ ሃብታም ዝኾነት ሓንቲ ሰበይቲ ነበረት፡ ብዝኂ ገንዘባ ሥፍርን ቊጽሪን ኣይነበሮን። ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከም ሑጻ ባሕርን እዩ። ምግባ ግና ብማይ ዝተኣልከ ፍረ ዓተር ነበረ። ንሳ ግና ንሽጉራትን ንጥሙያትን፡ ካህናትን ዲያቆናትን መንገደኛታትን ስደተኛታትን፡ ኣረገውትን ዘኽታማትን ትጽውዕ ነበረት።

ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፡ ብስም እግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያምን ብስም መላእኽትን ጻድቃንን ሰማዕታትን ዝኽሪ ክትገብር ከላ ኣብ ዓዳ ካብ ዘለው ሰባት ንሓደ እኳ ኣይትፈልን ነበረት። ዝያዳ ድማ ዝኽሪ በዓል ብፅዕት ኣርሴማ 29 መስከረም፡ 6 ታኅሣሥ ዝክረ በዓል ትፈቱ ነበረት። ቃል መክብብ ከም ዝብሎ፦ ‘ነቶም ሕያዎት ሰባት ለጋስነቶም ትመርሖም ካብ መከራ’ውን ተናግፎም። ከምኡ’ውን ንኣዕዋፍ ሰማይ እኽልን ማይን ትህቦም ኣብ ልዕሊ እንስሳታት’ውን ትርኅርኅ ነበረት። ሰሎሞን ኣብ መጽሓፈ ምሳሌ፦ ‘ጻድቅ ሰብ ኣብ ልዕሊ እንስሳ ርኅሩኅ እዩ ኃጢአተኛ ግና ርኅራኄ የብሉን’ ከም ዝበለ።

እዛ ሰበይቲ እዚኣ ግና ሠናይ ምግባራ ብዙኅ እዩ። ምጽዋት ብምሃብ ካብ ደቂ ሰብ ዝወዳደራ ኣይነበረ፡ ካብ ሰብ ብሥውርን ኅቡእን ደኣ እምበር ንውዳሴ ከንቱ ኢላ ኣይኮነትን ትህብ ዝነበረት።

ሓደ መዓልቲ ናብ ቤተ ክርስቲያን ብፅዕትን ቅድስትን ኣርሴማ ከደት ኣብኡውን ክሳዕ ሾብዓተ መዓልቲ ሱባኤ ኃዘት ኣብ መወዳእታ ሱባኤኣ ድማ ብፅዕትን ቅድስትን ኣርሴማ ንግሥቲ መሲላ ተገልጸትላ። “ጸሎትክን ምጽዋትክን ኣብ ቅድሚ መንበር ልዑል እግዚአብሔር ዓሪጉ እዩ።” ብምባል ነዛ ሃብታም ሰበይቲ ነገረታ። ‘ድኅሪ ሠለስተ መዓልቲ ካብዚ ዓለም’ዚ ብሞት ተፈሊኺ ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ክትከዲ ኢኺ፡ ኣብ መንግሥተ ሰማያት ምሳይ ክትነግሢ ኢኺ፡ ኣነ’ውን ካብቲ ኣምላኸይ እግዚአብሔር ዝሃበኒ ንዓኺ መዓርን ጸባን እተፍስስ ሓድሽ ምድሪ አዳልየልኪ ኣለኹ።” በለታ።

ከምዚ ኢላ ከኣ ከም ብልጭታ መብረቕ ካብኣ ተሠወረት፡ነዚ ብምስማዕ እዛ ሕያወይቲ ሰበይቲ ንእግዚአብሔር ኣመስገነቶ፡ ልዕልና ግርማ ብፅዕትን ቅድስትን ኣርሴማ ኣድነቐት ብሓቂ ብፅዕትን ቅድስትን አርሴማ ተገሊጻትለይ” እናበለት ብዓቢይ ሓጐስ ናብ ቤታ ተመልሰት።

በዚ ከኣ ዓቢይ በዓል ገይራ ንዝጠመዩ ኣጽገበቶም፡ ንዝተሸገሩን ንነዳያንን ኵሉ ገንዘባ ሃበት፡ ብዘይካ መግነዛ ሓንቲ እኳ ኣየትረፈትን። እቲ ጨርቑ ድማ ፈትሊ ሱፍ እዩ። ድኅሪ’ዚ ነፍሳ ወፂኣ ብሰላም ዓረፈት። ምስ ብፅዕትን ቅድስትን ኣርሴማ ድማ ናይ ሓጐስ መኅደሪ ወረሰት።

ጸሎታን በረኸታን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ንዘለዓለም ይኹን፡ አሜን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195