banner

“ብጸሎት ጻድቕ፡ ሃገር ካብ ጥፍኣት ትድኅን”

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“ብጸሎት ጻድቕ፡ ሃገር ካብ ጥፍኣት ትድኅን”

ቅዱስ ኣቡነ ጰንጠሌዎን

ቅዱስ መጽሓፍ “ብጸሎት ጻድቕ ሃገር ካብ ጥፍኣት ትድኅን” ከምዝብል ንሕዝበ ክርስቲያን ብዛዕባ ናይ ጻድቃን መንፈሳዊ ፍቕርን ጽንዓት ሃይማኖትን ፍጹም ትዕግሥትን ክሰምዑ ከለዉ፡ ከይበልዑ ዘጽግብ፡ ከይሰተዩ ዘርዊ፡ ከይተኸድኑ ዘምውቕ፡ በረኸትን ዓስብን ዘውህብ እዩ።

ሓደ ካብ ዓበይቲ ጻድቃን፡ ሓበን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ሃይማኖት ዝኾነ ኣባ ጰንጠሌዎን እዩ። ‘ጰንጠሌዎን’ ማለት ብልሳነ ጽርኢ ‘ልብሲ’ ማለት እዩ። ትውልዱ ካብ ቤተ መንግሥት እኳ እንተኾነ፡ ጡብ ኣዲኡ ኻብ ዚኃድግ ኣትኂዙ፡ ኣብ ገዳማት ምስ መነኮሳት፡ ብመንፈሳዊ ጥበብን ተግሣፅን ብጾምን ጸሎትን እናተግሀ፡ ጋሻ እናቐበለ፣ ኣረጋውያን ኣቦታት እናኣለየ፣ ሕሙማን እናረድአ፣ ቃለ እግዚአብሔር እናተማህረ ዓበየ።

ድኅር’ዚ ኣብ መፋርቕ ኃሙሻይ ዘመን ምስ ሾመንተ ቅዱሳን ናብ ምድረ ኣግዓዚት ኣተወ። እዞም ቅዱሳን ብፍቕርን ሰላምን ኣብ ሡር ሓንቲ ትእዛዝ ኣብ ሓንቲ ወልድ ዋሕድ ተዋሕዶ ሃይማኖት ክርስቶስ እናኣስፋሕፍሑ ብደብረ ሲና ኃሊፎም ናብ ኣክሱም ኣተዉ።

ቀጺሎም ድማ ኣብ ዱር፣ ጸድፊ፣ ብብዙኅ ድኻምን ትግሃትን እናተዛወሩ፡ ነቲ ኣቡነ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ዘጽንሖ ቃለ ሃይማኖት በዓትን ገዳምን እናገደሙ ብዝበለጸ ንምጽናዕ ወሲኖም፡ ነፍስ ወከፎም ሰላም ተበሃሂሎም መንፈስ ቅዱስ ነናብ ዝመርሖም ተፈናነዉ።

ቅዱስ ኣቡነ ጰንጠሌዎን ናብ ሓንቲ ንእሽቶ ጎቦ ደየበ። ኣብዛ ጎቦ በዓቲ ወይ ከኣ ጒድጓድ ኵዒቱ ተቐመጠ። እዛ በዓቲ ቁመታ 2.5 ሜትር፣ ጐድና 1 ሜትር፣ ስፍሓታ ድማ 1.5 ሜትር፣ ጠፈራ ሓንቲ እምኒ፣ ሓንቲ መስኮት ድማ ነበራ። ኣብ ውሽጣ ቆይሙ፡ ብዘይካ ፍጹም ምስጋናን ጸሎትን፣ እኽሊ ወይ ቈጽሊ እኳ ቐንጢቡ ከይጠዓመ፣ ማይ’ውን ከይሰተየ 45 ዓመት ጸለየ። ከምቲ ጐይታና ኣብ ወንጌል “ሰብ፡ በቲ ኻብ ኣፍ እግዚኣብሔር ዚወፅእ ቃል እዩ ዚነብር እምበር ብመብልዕ ወይ ብእንጌራ ጥራይ ኣይኮነን ዚነብር” ዝበሎ (ማቴ. 4፡4) ብምስጋና ምስ መላእኽቲ ኃበረ። ምድራውን ሥጋውን ፍትወታት ጠፊእሉ ምስ መንፈሳውያን ተቘጽረ። ወዲ ነገሥታት ክንሱ፡ ተድላ እዚ ዓለም እዚ ምእንቲ እግዚኣብሔር ኢሉ ብምምናን ረሃጹ ኣንጠብጠበ፣ ኣብ ዱር በረኻ ኣብ ኣጻድፍ ተንከራተተ፡ ዚኽደኖ ከይሰኣነ ከሎ ዓሪቑ ብቝሪ ተገርፈ፣ ዚበልዖ ዘይሰኣነ ከሎ’ውን ጠመየ።

ኣቡነ ጰንጠሌዎን ዘፆማዕት(በዓታይ) ብዙኅ ተኣምር ፈጸመ። ካብቲ ዝገበሮ ተኣምራት፡ ንፍሕሚ ቤተ ክርስቲያን ዚኸውን ምስ ኣድለዮ ሓንቲ ኦም ብሓንሳእ ተኺሉ፡ ኣዕብዩ፡ ቈሪጹ ኣንቂጹ ንመሥዋዕቲ ዕጣን ዚኸውን ፍሕሚ (ፈሓም) ኣፍሒሙ ብኽዳኑ ዓቚሩ ናብቲ ዚድለዮ ቤተ ክርስቲያን ወሲዱ ዓጠነ።

ከምኡ’ውን ብናይ ኣቡነ ጰንጠሌዎን ምረቓን ተኣምራትን ንጉሥ ካሌብ ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ዓወት ተጐናጸፈ። በዚ ምኽንያት ንጉሥ ካሌብ መንግሥቱ መኒኑ ካብ ኣቡነ ጰንጠሌዎን ኣርዑት ምንኵስና ተቐቢሉ ብብሕትውና ተወሲኑ ነበረ።

ኣቡነ ጰንጠሌዎን፡ ጊዜ ዕረፍቱ ምስ በጽሐ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይኃልፍ ቃል ኪዳን ሃቦ። በዚ ኸኣ ብዕለተ 6 ጥቅምት ብሰላም ኣብታ በዓቱ ዓረፈ።

ሰላም ለጰንጠሌዎን ዘፍጹም ኵለንታሁ፣
ለእግዚአብሔር በስብሐቲሁ፣
ሞገደ ሥቃያት ኵሉ ድኅረ ኃለፉ ላዕሌሁ፣
በአፈ መጥባሕት በሊሕ መተሩ ኪያሁ፣
አምሳለ በረድ ፃዕደወ ሥጋሁ።

ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195