banner

ነገረ ቅዱሳን (፩ይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ቅዱሳን፦ ካብ “ቀደሰ” ዝብል ግእዛዊ ቃል ዝተረኽበ ኮይኑ ምስጉን፣ ፍሉይ፣ ምሩጽን ክቡርን ማለት እዩ::
‘ቅዱስ’ ዝብል ቃል ብብዝኂ ቍጽሪ ክንገር ከሎ ‘ቅዱሳን’ ይኸውን። ቅድስና ናይ ባህርይን ናይ ጸጋን ተባሂሉ ኣብ ክልተ ይኽፈል፦
፠ ናይ ባህርይ ቅድስና
ቅድስና ናይ እግዚኣብሔር ባህርይ ገንዘቡ እዩ። ቅድስናኡ ካብኡ ኣይፍለን፡ ካብ ማንም ዘይተቐበሎ ወይ ዘይተዋህቦ፡ ማንም ዘየኅድጎ ናቱ ናይ በይኑ ገንዘቡ እዩ። በዚ ምኽንያት “ቅዱስ እግዚኣብሔር” ይበሃል። ነዚ ቅድስናኡ ሱራፌል “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚኣብሔር ጸባኦት ፍጹም ምሉእ ሰማያተ ወምድረ ቅድሳተ ሰብሐቲከ” “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ኵላ ምድሪ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ” ብምባል ብምስጋና ናይ ባህሪይ ቅድስናኡ ይገልጽ። (ኢሳ. ፮፥፫/ 6፡3፣ ራዕ. ፬፥፰/ 4፡8) “ኣታ ዅሉ እትኽእል እግዚኣብሔር ኣምላኽ ግብርኻ ዓቢይን ግሩምን እዩ፣ ኣታ ንጉሥ ኣሕዛብ መንገድኻ ጽድቅን ሓቅን እዩ። ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቅዱስ እሞ ኦ እግዚኣብሔር ዘይፈርሃካን ንስምካ ዘየመስግንከ መን ኣሎ፧. . .” (ራዕ. ፲፭፥፬/ 15፡4)


ቅድስና እግዚኣብሔር ናይ ባህሪኡ ስለዝኾነ ብብዝኂ ጊዜ ወይ ብትሩፋት ዝረኸቦ ኣይኮነን። ነቲ ቅድስናኡ ዝወዳደሮን ዝመስሎን የልቦን። ነዚ ቅድስናኡ ውን ባዕሉ ክዛረብ ከሎ “ኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ።” (ዘሌ. ፲፱፥፪/ 19፡2) ኣደ ነቢይ ሳሙኤል ሃና ውን “እስመ አልቦ ቅዱስ ከመ እግዚአብሔር ወአልቦ ጻድቅ ከመ አምላክነ/ ከም እግዚኣብሔር ዝበለ ሓቀኛ ከም ኣምላኽና ዝበለ ቅዱስ የልቦን ከም ኣምላኽና ዝበለ ጻድቕ ከኣ የልቦን” (1ይሳሙ. ፪፥፪/ 2፡2)
እግዚኣብሔር ካብ ኵሎም ፍጡራን ዝኸበረን ብቅድስናኡ ኾነ ብኣምላኽነቱ ዝመሳሰሎን ዝተኻኸሎን ከም ዘየሎ ክቡር ዳዊት ነዚ ከምዚ ኢሉ ይዛረብ “ኣብ ጠፈር ንእግዚኣብሔር ዚመዓራረዮስ መን እዩ፡ ካብ ውሉድ ሥልጡናትከ መን እዩ፧ ንእግዚኣብሔር ዚመስሎ ኣብ ምኽሪ ቅዱሳን ኣዝዩ ዜፍርህ ካብቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ዅላቶም ዜሸብር ኣምላኽ እዩ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ሠራዊት ከማኻ ሥልጡን መን እዩ፧ ኦ ጐይታይ እምነትካውን ኣብ ዙርያኻ ኣሎ”(መዝ. 89፡6-8)
እስራኤላውያን ውን ካብ ምድሪ ግብጺ ኣብ ዝወፅኡሉ እዋን “መኑ ይመስለከ እምነ አማልክት እግዚኦ፡ ከማኻ ዝበለ መን እዩ ብምስጋና እተፈራህካ ገባር ተኣምራት ፡ ብቅድስናኸ ኸማኻ ዝኸበረ መን እዩ፧” ብምባል ቅድስናኡ ኣመስጊኖም እዮም (ዘፀ. ፲፭፥፲፩/ 15፡11)። ስለዚ ቅድስና ናይ ባህርይ ሃብቱ ንዝኾነ እግዚኣብሔር እነቕርቦ ምስጋናን ክብርን ከምኡውን ስግደት ንኻልእ ንማንም ዘይወሃብ እዩ።

፠ ናይ ጸጋ ቅድስና

ናይ ጸጋ ቅድስና ማለት ካብ እግዚኣብሔር ብጸጋ (ብህያብ) ዝተዋህበ ወይ ዝተረኽበ ማለት እዩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ብባህሪኡ ቅዱስ ዝኾነ እግዚኣብሔር ጥራይ እዩ፡ ስለዝኾነውን ምንጪ ናይ ፍጡራን ቅድስና ንሱ ጥራይ እዩ።
እግዚኣብሔር ቅዱስ ከምዝኾነን ሰባት ውን ከም ፍቓዱ ብምንባር ቅዱሳን ከም ዝኾኑ “ኣነ ቅዱስ እየ እሞ ንስኻትኩም ከኣ ቅዱሳን ኩኑ” (ዘሌ. ፲፱፥፪/ 19፡2) ብምባል ኵሉ ሰብ ተሳታፊ ቅድስናኡ ክኸውን ብኣቦኣዊ ፍቕሩን ርኅራኄኡ ዓዲሙ እዩ።

ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ውን “. . . ስለዚ ሓቛቑ ልብኹም ተዓጢቕኩም እናተጠንቀቕኩም ነቲ ብምግሃድ ኢየሱስ ክርስቶስ እትረኽብዎ ጸጋ ምሉእ ተስፋ ግበሩ። ከም እዙዛት ውሉድ እምበር ከምቲ ብዘመን ድንቍርና ኸሎኹም ዝገበርክምዎ ናይ ቀደም ትምኒት ኣይትግበሩ። ኣነ ቅዱስ እየ እሞ ቅዱሳን ኩኑ ዚብል ጽሑፍ ስለዘሎ” ብምባል ናይ ፈጣሪኡ ትእዛዝን ጻውዒት ጽሒፉ እዩ። (1ጴጥ. ፩፥፲፫-፲፭/ 1፡13-15) ‘ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝኾነ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳን ኩኑ’
እቶም ብባህርይኡ ቅዱስ ዝኾነ እግዚአብሔር ብረድኤት ዝኃደሮም፡ ብጸጋ ዝተዋሓዶም ናይ ሃይማኖት ሰባት ከኣ ቅዱሳን ይበሃሉ።ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሓንስ “ከምቲ ንሱ ጻድቕ ዝኾነ እቲ ጽድቂ ዚገብር ከኣ ጻድቕ እዩ” ኢሉ እዩ።(1ዮሓ. ፫፥፯/ 3፡7) መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ “ንሳቶም ብሓቂ ምእንቲ ኪቕደሱ ኣነ ርእሰይ ስሊኦም እቕድስ ኣሎኹ” (ዮሓ. ፲፯፥፲፱/ 17፡19) ብምባል ወድ ሰብ ቅዱስ ምእንቲ ኪኸውን ንባዕሉ ቅዱስ መሥዋዕቲ ጌሩ ሥጋኡ ቈሪሱ ደሙ ኣፍሲሱ ቀዲሱ ከም ዝሃበና ተዛሪቡ እዩ። ቅዱሳን ሃይማኖት (እምነት) ንምጽናዕ፡ ሠናይ ምግባር ንምሥራሕ ፍቓድ ሥጋኦም ንፍቓድ ነፍሶም ኣግዚኦም ካብ ክሕደት፡ ካብ ጥርጥር፡ ካብ ክፉእ ስለ ዝረኃቑ ናይ ጸጋ ቅድስና ብእግዚአብሔር ዝተወሃቡ እዮም። ከምቲ እቲ ‘ብእምነት ሰዓቡኒ’ ዝበሎም እግዚአብሔር ቅዱስ ዝኾነ ንሳቶም ከኣ ንነፍሶም ካብ ዓለም ፈልዮም ብገድልን ትሩፋትን ብምንባሮም ቅዱሳን ይበሃሉ። “. . . ከምቲ ክርስቶስ ጻድቕ ዝኾነ፡ እቲ ጽድቂ ዝገብር ከኣ ጻድቅ እዩ።” (፩ይ ዮሐ. ፫፡፯/3፡7)።

ቅዱሳን ሰባት እምበአር ንዝተፈላለየ ተግባራት፡ ግና ከኣ ንሓንቲ ዕላማ ብእግዚአብሔር ዝተጸውዑ እዮም፤ ጻውዒት ጥራይ ዘይኮነ’ውን ካብቶም ዝተጸውዑ ተፈልዮም ዝተመረጹ እዮም። “ከመይ ጽዉዓት ብዙኃት እዮም ኅሩያት ግና ውኁዳት እዮም” ዝተባሃለ ነዚ እዩ። (ማቴ. ፳፪፡፲፬/22፡14)። ስለ ዝኾነ ኸኣ ነቶም ካብ ብዙኃት ፈልዩ ዝመረጾም ቅዱሳን መሊስካ ምስቶም ብዙኃት ምጽንባር ኣይግባእን። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ኣመልኪቱ “እምበኣርከስ ንስኻትኩም ሰብነት ክርስቶስ ኢኹም፤ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ኣካላቱ ኢኹም። ኣምላኽ ከኣ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ብመጀመርታ ሓዋርያት፡ ካልኣይ ነቢያት፡ ሣልሳይ መምህራን፡ ደኅር ተኣምራት ዝገብሩ፡ ናይ ምፍዋስ ውህበት ዘለዎም፡ ዝሕግዙ፡ ዘመኃድሩ፡ በብዓይነቱ ቛንቋታት ዝዛረቡ ሠርዐ። ኵላቶምዶ ሓዋርያት እዮም፧ ኵላቶምዶ ነቢያት እዮም፧ ኵላቶምዶ መምህራን እዮም፧ ኵላቶምዶኸ ገበርቲ ተኣምራት እዮም፧ ኵላቶምዶ ውህበት ምፍዋስ ዘለዎም እዮም፧ ኵላቶምዶ ቋንቋታት ይዛርቡ እዮም፧ ኵላቶምዶ ይትርጕሙ እዮም፧ (፩ይ ቆሮ ፲፪፡፳፯-፴፩/12፡27-31)። ስለ ዝኾነ ኸኣ እግዚአብሔር ጸዊዑ ዝመረጾም፡ ዘጽደቖም፡ ዘኽበሮም አበዉ፣ ነቢያት፣ ሓዋርያት፣ ሰማዕት፣ ጻድቃን፣ ነገሥት፣ ካህናት፣ ኣርድእት፣ ጳጳሳት፣ ሊቃውንት፣ ደናግል፣ ምእመናን ቅዱሳን እዮም።

፠ ‘ቅዱስ’፦ ዝብል ቃል ንእግዚኣብሔርን ሰባትን ኪንገር ከሎ ብኸመይ ይፍለ፧ ዝብል ሕቶ ይሕተት ይኸውን፡ ንእግዚኣብሔር ኪንገር ከሎ ሰብ ከደንቕ ጥራይ እምበር ተመራሚሩ ክበጽሖ ኣይክእልን’ዩ። ንሰብ ኪንገር ከሎ ድማ ከም መጠን ጽድቅን ተጋድሎን ናይቲ ሰብ ይንገር።
ንኣብነት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “ኣነ ብርሃን ዓለም እየ” ኢሉ ብርሃን ምዃኑ ተዛሪቡ እዩ። (ዮሓ. ፲፰፥፲፪/ 18፡12) ከምኡውን ንደቀ መዛሙርቱ “ንስኻትኩም ናይ ዓለም ብርሃን ኢኹም” ኢልዎም እዩ። (ማቴ. ፭፥፲፬/ 5፡14) “ብርሃን” ዝብል ቃል ሓደ ቓል ከሎ ኣብ መንጎ ክርስቶስን ሓዋርያትን ዘሎ ፍልልይ ግና ናይ ፍጡርን ፈጣሪን እዩ። ስለዚ ብርሃን ዝብል ቃል መልእኽቱን ክብደቱን ዝውሰን በቲ ዝንገረሉ ዘሎ በዓል ቤት ዝፍለ እዩ፡ ንክርስቶስ ክንገር ከሎ ናይ ባህርይ ገንዘቡ ምዃኑ ብምሕሳብ ክትርጐም ከሎ፡ ንሓዋርያትን ንዝኾነ ፍጡር ክንገር ከሎ ድማ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብርሃንነት ብጸጋ ዝረኸብዎ ምዃኑ ብምሕሳብ ይንገር።

ወንጌላዊ ዮሓንስ ናይ ዮሓንስ መጥምቅን ናይ ክርስቶስን ብርሃንነት ከወዳድር ከሎ ፡ ናይ ክርስቶስ ናይ ባህሪኡን ተወዳዳሪ ዘይብሉ ክኸውን ከሎ ናይ ዮሓንስ ግና ብጸጋ ካብ ክርስቶስ ዝተቕበሎ ምዃኑ ከረድእ “ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኺምስክር መጸ እምበር ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን፡” (ዮሓ. ፩፥፰/ 1፡8) እንተኾነ ግና መሊሱ “ንሱ ዚነድድን ዜብርህን መብረህቲ ነበረ” (ዮሓ. ፭፥፴፭/5፡35) ኢሉ ብርሃን ኢልዎ እዩ። ዮሓንስ ብርሃን ኣይኮነን ዝበሎ ምስቲ ናይ ክርስቶስ ናይ ባህርይ ብርሃንነት ከነጻጽር ከሎ እዩ፡ ምኽንያቱ ናይ ክርስቶስ ካብ ማንም ከይተቐበሎ ንኻልእ ናይ ብርሃን ምንጪ ዝኸውን እዩ፡ ናይ ዮሓንስ ግና ብጸጋ ካብ ክርስቶስ ብርሃንነት ዝረኸቦ እዩ። ስለዚ እዚ ብርሃን ዝብል ቃል ዝፍለ ኣብ ሕሊና ሰብ እዩ፡ ህሊና ሰብ በቲ ዝንገረሉ ክብርን ደረጃ መጠንን ፈልዩ ዝግለጽ እዩ።
ቅዱስ ዝብል ቃል ካብ ፍጡራን ንመላእኽቲ፡ ንሰባት ፡ ንቦታታት ፡ ንዕለታት፡ ንንዋየ ቅድሳት ይንገር እዩ።
                                                                                                                . . . ይቕጽል!

                                                                                                               ስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195