banner

ሓፂር ታሪኽ ቅዱስ ጴጥሮስ ተፍጻሜተ ሰማዕት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ቅዱስ ጴጥሮስ ተፍጻሜተ ሰማዕት ካብቶም ፍርሃት እግዚአብሔር ዝነበሮም፡ውላድ ግና ዘይነበሮም ሊቀ ካህናት ቴዎድሮስን ቅድስት ሶፍያን ኣብ ሃገረ ግብጽ ተወሊዱ።
ኣብ በዓል ጴጥሮስ ወጳውሎስ(፭ ሓምለ)፡ ኣደኡ ቅድስቲ ሶፍያ ብዙኃት ፃዕዳ ክዳን ዝተኸድኑ ምእመናንን ምእመናትን ንደቆም ኂዞም ናብ ቤተ ክርስቲያን ኪኸዱ ከለዉ ምስ ርኣየት እምብዛ ኃዘነት። ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣትያ ኸኣ ቡሩኽ ውላድ ኽህባ ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምሪራ ብንብዓት ለመነት። ቅዱስ ፍቓድ ጐይታ ኾይኑ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ቅዱሳን ሓዋርያት ጴጥሮስን ጳውሎስን ተገሊጾም፦ “እግዚአብሔር ንንብዓትኪ፡ ንጸሎትክን ምህለላኽን ተቐቢልዎ እዩ፡ ቡሩኽ ውላድ ከኣ ኪህበኪ እዩ እሞ ስሙ ጴጥሮስ በሊዮ፡ ናብ ሊቀ ጳጳሳት ኣባ ቴዎናስ ኴድኪ ንገርዮ እሞ ንሱ ክጽልየልኪ እዩ” በልዋ። ብድኅር’ዚ ፀኒሳ ምስ ወለደት ስሙ ‘ጴጥሮስ’ ሰመየቶ። ቅድስት ሶፍያ ወዳ ሾብዓተ ዓመት ምስ ኮኖ ልክዕ ከም ሕፃን ሳሙኤል ንሊቀ ጳጳሳት ወፈየቶ። ፍትው ወዲ ኸኣ ነበረ እሞ ፈለማ ኣናጕንስጢስ ብድኅሪኡ ዲያቆን ቀጺሉውን ኣብ ኣገልግሎት ኣብያተ ክርስቲያናት ምእንቲ ክላኣኾ ኢሉ ካህን ጌሩ ሸሞ።

ኣባ ቴዎናስ ጊዜ ዕረፍቱ ምስ ቀረበ ድማ ንዅሎም ኤጲስ ቆጶሳትን ካህናትን ጸዊዑ ብድኅሪኡ ንጴጥሮስ ‘ሊቀ ጳጳሳት’ ንኽሸምዎ ኣዘዘ። በዚ ኸኣ ጴጥሮስ ‘ሊቀ ጳጳሳት’ ምስ ተሾመ እቲ ሕዝቢ ኣዝዩ ተሓጐሰ።
ኣብቲ ዘመኑ፡ ኣብ ኣንጾኪያ ምስ ንጉሥ ዲዮቅልጥያኖስ ብኣምልኮተ ጣዖት ዝሓብር ክልተ ውላድ ዝነበሮ መኰንን ነበረ። ሰበይቱ ግና ብሃይማኖታ ቀናእን ርትዕትን ስለዝነበረት ነቶም ደቃ ኣብ ኣንጾኪያ ከተጠምቖም ስለዘይከኣለት ንከተጠምቖም ኢላ ብመርከብ ናብ እስክንድርያ ኽትከይድ ከላ ኣብ ማእከል ባሕሪ ማዕበል ተላዒሉ ነታ መርከብ ከጥሕላ ደለየ። እዛ ቅድስት ኣደ፡ ደቃ ጥምቀተ ክርስትና ከይተጠምቁ ንከይሞቱ ስለዝፈርሀት በቲ ካብ ጡባ ጠቢሓ ዝወፅኣቶ ደም ገጾም ብትእምርተ መስቀል ኣማዕቲባ ሠለስተ ጊዜ ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኣብ ባሕሪ እናኣለኸት ኣጥመቐቶም። ፍቓድ ኣምላኽ ኮይኑ እዚ ምስ ገበረት እቲ ማዕበል ባሕሪ ሃዲኡ ብሰላም ናብ እስክንድርያ ኣተወት። ከም ብሓድሽ ነቶም ደቃ ኸተጥምቕ ኢላ ናብ ሊቀ ጳጳሳት ቅዱስ ጴጥሮስ ከደት። ሊቀ ጳጳሳት ቅዱስ ጴጥሮስ ንከጥምቖም ሠለስተ ጊዜ እንተፈተነ እቲ ማይ ረጊኡ ምዃን ኣበዮ። ሽዑ ነደኦም ጸዊዑ ‘እንታይ ዝገበርክዮ ኣሎ’ ኢሉ ሓተታ፣ ንሳ ኸኣ ኵሉቲ ዝገበረቶ ነገረቶ እሞ ቅዱስ ጴጥሮስ ነቲ ገባሬ ተኣምራት ኣምላኽ ኣመስጊኑ፡ ቤተ ክርስቲያንና ሓንቲ እያ፡ ጥምቀት’ውን ሓንቲ እያ፡ ዳግማይ ጥምቀት የለን’ በላ።
ከምኡ ውን ቅዱስ ጴጥሮስ ነቲ ንፈጣሪና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኸሓደ ኣርዮስ ብዙኅ እዋን ገሢጽዎ ክምለስ ሰለዘይከኣለ ብውግዘት ፈልዩ ካብ ቤተ ክርስቲያን ሰጐጎ። ብድኅር’ዚ ኣርዮስ በዓል ሊቀ ካህናት ኣኪላስን እለ እስክንድሮስን ካብ ግዘቱ ንኽፈትሖ ከምዝልምንሉ ገበረ። ቅዱስ ጴጥሮስ ግና ውግዘቱ ብምጽናዕ “በዛ ሎሚ ለይቲ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ ቀዳድ ክዳን ለቢሱ ቆይሙ ምስ ርኣኽዎ ‘መን ክዳንካ ቀዲድዎ፧’ እንተበልክዎ ኣርዮስ ክዳነይ ቀደዶ፣ ካብ ባህርይ ኣቦይ አብን ባህርይ ሕይወተይ መንፈስ ቅዱስን ፈለየኒ’በለኒ። ንስኻትኹም ግና ድኅረይ ሊቃነ ጳጳሳት ክትሽየሙ ኢኹም፣ ካብ ስሕተት ኣርዮስ ተሓለዉ ተጠንቀቁ። ንስኻ ኣኪላስ ድኅረይ ቅድሚ እለእስክንድሮስ ሊቀ ጳጳሳት ክትሸየም ኢኻ ግና ብኽሕደት ንኣርዮስ ክትመስሎን ቀልጢፍኻ ክትመውትን ኢኻ” በሎም።
ቅዱስ ጴጥሮስ ሕዝቢ ንጣዖት ከይሰግድ ይምህር ከም ዘሎ ንጉሥ ዲዮቅልጥያኖስ ፈሊጡ ኣብ ቤት ማእሠርቲ ኣእትዩ ብሴፍ ክቐትልዎ ኣዘዘ። ቅዱስ ጴጥሮስ ግና ኵሉ ሕዝቢ ኣብታ ቅንዕቲ ሃይማኖት ክጸንዕ ኣዘዞም። “ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምፍሳስ ደመይ መፈጸምታ ኣምልኾ ጣዖታት ይኹን፣ ጣዖታት ከኣ ካብ ኵሉ ዓለም ይሰዓሩን ይጥፋኡን” ኢሉ ክጽሊ ከሎ “እቲ ዝበልካዮ ብሓቂ ይኹን” ዝብል ቃል ካብ ሰማይ መጸ። ነዚ ቃል’ዚ ከኣ ኣብቲ ቦታ ቀሪባ ዝነበረት ድንግል ሰምዓቶ። ብድኅር'ዚ ቅዱስ ጴጥሮስ ነቶም ወተሃደራት ዝተኣዘዝክምዎ ፈጽሙ በሎም፡ ፳፱/29 ኅዳር ክሳድ ርእሱ ብሰይፍ መተርዎ፡ እሞ ኣኽሊል ሰማዕትነት ተቐበለ። ርእሱ ምስ ተቘርጸ እቲ በድኑ ከይወደቐ ንኽልተ ሰዓት ዝኣኽል ጸንሐ። ምስ ወግሐ እቶም ምእመናን ብሰማዕትነት ከም ዝተሰየፈ ምስ ፈለጡ ነቲ ሥጋኡ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣምጺኦም ኣብ መንበሩ ኣንበርዎ። ቅድም ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ መንበረ ሢመቱ ኮፍ ኢሉ ዝረኣዮ ስለዘይነበረ፡ ነዚ ዝፈልጡ ‘ስለምንታይ ደኣ ኣብ መንበርካ ኮፍ ኢልካ ዘይትፈልጥ ኮፍ ኢልካ’ ምስ በልዎ “ኣነ ኣብዚ መንበር ኃይሊ እግዚአብሔር ስለ ዝርኢ ኣብዚ ኮፍ ክብል ኣይደፍርን” በሎም። ድኅርዚ ገኒዞም ምስ ሥጋ ቅዱሳን ሊቃነ ጳጳሳት ኣንበርዎ ካብቲ ሥጋኡ ከኣ ብዙኅ ተኣምራትን መንክራትን ይፍጸም ነበረ።
                            በረከቱን ረድኤቱን ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተፍጻሜተ ሰማዕት ምስ ኵልና ይኹን።
                ሰላም ለከ ሰባኬ ሃይማኖት በጥያቄ፡አምሳለ ጳውሎስ በተሰሎንቄ፡ዕፀ ወይን ጴጥሮስ ወዕፀ ሐዲስ ኤሎቄ፡ አርጋበ ዘሞርሞንቄ፣ እንተ ጸለልከ እም አንቄ፡ እፌኑመ ጊዜ ሠርክ አውዓየከ መርቄ።

                                                                 ስብሐት ለእግዚአብሔር
                                                                 ወለወላዲቱ ድንግል
                                                                ወለመስቀሉ ክቡር፡ ኣሜን።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195