banner

እምነ ሰሎሜ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ወለዲ እዛ ቅድስቲ ኣደ እዚኣ ኣቦኣ ሕይወትብነ፡ ኣዲኣ ከኣ እምባመሪና ይበሃሉ። እዞም ቅዱሳን ሰብ ቃል ኪዳን ውላድ ብምስኣኖም ብጸሎት ንእግዚኣብሔር ይልምንዎ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ ኣቦኣ ሕይወትብነ ኣብ ታሽዓይ ሰዓት ቅዱስ ሩፋኤል ተገሊጹ “እምባ መሪና በዓልቲ ቤትካ ቅድስቲ ውላድ ክትወልድ እያ” ኢሉ ኣብሠሮ። ኣዝዩ ተሓጒሱ ድማ እቲ ካብ መልኣኽ ዚሰምዖ ንእምባ መሪና በዓልቲ ቤቱ ነገራ፣ እምባ መሪና’ውን “ከምቲ ንበዓል ቤተይ ዝተገለጽካሉ ተገለጸለይ” ኢላ ኣበርቲዓ ለመነት፣ ቅዱስ ሩፋኤል ከኣ ተገልጸላ እሞ ክልተኦም በዚ ነገር እዚ ተደኒቖም ካብታ ብሥራት ዚሰምዑላ ዕለት 28 ሚያዝያ ክሳዕ ዕለት 6 ነሓሴ ብጾም ብጸሎት ብምጽዋት ሱባኤ ኣትዮም 7 ነሓሴ ኣብ ዕለት ፅንሰት እግዝእትነ ማርያም እምባ መሪና ንቅድስቲ ሰሎሜ ፀነሰት፣ ኣብ 40 መዓልቲ ድማ “ከምቲ ነደይ ኣብ ማሕፀን ሓና ዝፈጠርክዋ፣ ከምኡ ድማ ንሰሎሜ ኣብ ማሕፀን እምባ መሪና ፈጠርክዋ” ዚብል ኣምላኻዊ ድምፂ እምባ መሪና ካብ ማሕፀና ሰምዐት።

ቅድስቲ እምባ መሪና ካብ ፅንሳ ኣብ መበል 4ይ ወርኃ ኣብ ከባቢኣ ናብ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ንኽትሳለም እናኸደት ከላ ኣብ ከባቢ ሩባ ምስ በጽሐት ንኸተዕርፍ ኮፍ በለት።

ሽዑ ካብቲ ሩባ ማይ ኪወርዳ ዚመጽኣ ብዙኃት ሕሙማት ኣንስቲ፡ ከም ዓይነ ሥዉራት፡ በሃማት፡ ለምጻማት፡ ጸማማት፡ ቈራያት ዚነበራ ብማዕዶ ኣብ መንጎ እተን ጥዑያት ኮይነን ምስ ረኣያኣ ምሕረት እግዚኣብሔር ጸዊዕወን “ኪትፍውሰናን ኬተሕውየናን ኪትባርኸናስ ንዓናይ ናብኣ ንኺድ ተበሃሃላ። ሽዑ እተን ጥዑያት ነዚ ሰሚዐን እናሰሓቓ “እዚኣ ደኣ መን ኮይና እያ ከመይ ገይራኸ ኪትፍውሰክን፧” እናበላ ኣላገጻላ። ንሳተን ግና ንሕናስ ንኺድ ደኣ ኢለን ናብ እምባ መሪና ከዳ። ኣብ ቅድሚኣ ድማ ናይ ጸጋ ስግደት ሰገዳላ፣ ጽላሎት እምባ መሪና ኸኣ ኣብ ልዕሊአን ወደቐ፣ ብኡ ንብኡ ድማ ነፍስ ወከፈን ካብቲ ዝነበረን ሕማመን ሓወያ። እቲ ኣብተን ሕሙማት ዚነበረ ሕማም ከኣ ናብተን ዘላገጻ ጥዑያት ኢና በሃልቲ ተሳገረ። ሽዑ ናብቲ ዝሓሰበቶ ቤተ ክርስቲያን በጺሓ፣ ዲያቆን “ተንሥኡ ለጸሎት” ምስ በለ፡ ኣብ ማሕፀን እምባመሪና ዝነበረት ሰሎሜ “ኣደይ ተንሥኢ ተንሥኢ ዲያቆን ተንሥኡ ለጸሎት ይብል ኣሎ” ኢላ ተዛረበት፣ ቀጺሉ ካህን “ሰላም ለኵልክሙ” ምስ በለ ብትሑት ቃል “ምስለ መንፈስከ “ ኢልኪ ተቐበሊዮ በለታ። እምባ መሪና ነዚ ድምፂ ፅንሳ ብምስማዕ ፈርሐት። ሽዑ “ኣደየ ኣጆኺ ኣይትፍርሒ፣ ኣነ ሰሎሜ ጓልኪ ኣብ ማሕፀንኪ ተፀይረ ዘሎኹ ኣብ ዕለት ሓደ ግንቦት ልደት እግዝእትነ ማርያም ኽትወልድኒ ኢኺ” ኢላ ኣጸናነዓታ።

ካብ ዝገበረቶ ተኣምራት

ኣብ ሻብዓይ ወርኂ ፅንሳ፣ ሓደ መስፍን ካብ ካልእ መስፍን ዚተለቅሖ ገንዘብ ክሒዱ ኣብ ልዕሊ እቲ መስፍን ኃደጋ ኬውድቕ ተበገሰ፣ እቲ በዚ ዚፈርሐ ኣለቃሒ መስፍን ምስ ሠራዊቱ ሃዲሙ ናብ ሕይወትብነን እምባ መሪናን ከይዱ እቲ ኪገብሮ ዘለዎ ከማኽርዎን ብጸሎት ኪሕግዝዎን ተማኅፀነ። ሽዑ ሰሎሜ ኣብ ማሕፀን ኣደኣ ኮይና ዓው ብዝበለ ድምፂ “ኣጆኻ ኣይትፍራሕ፣ ከመይ ንሱን ሾብዓተ ደቁን ኣረሚ ቐቲልዎም እዩ። ነቲ ዝሃብካዮ ወርቂ ድማ ኣብ ትሕቲ ዓራት በዓልቲ ቤቱ ቐቢርዎ ኣሎ። ክሳዕ እዚ ዝበልኩኻ ዚፍጸም ንሠለስተ መዓልቲ ኣብዚ ቀኒ” ኢላ መለሰትሉ።

ነዚ ዚሰምዐ መስፍን “እዚ ኣብ ማሕፀንኪ ዘሎስ ነቢይ ድዩ ወይ መልኣኽ፧” ኢሉ ኣብ ቅድሚ እምባ መሪና ናይ ጸጋ ስግደት ሰገደ። ሰሎሜ ደጊማ ኣብ ማኅፀን ኣዲኣ ኮይና “ከምዚ እትብሎ ዘሎኻ ወዲ ኣይኮንኩን፣ ጓለንስተይቲ ፈላሲት ክሳዕ ዕለተ ሞተይ ንመከራ ዝውለድ እየ” በለቶ። ደጊሙ ነዚ ነገር እዚ ካብ ማሕፀን እምባ መሪና ሰሚዑ ናብ ምድሪ ወደቐ፣ ከም ምዉት ከኣ ኮነ።
ሽዑ ድኅሪ ሠለስተ መዓልቲ ናይቲ መዋቲ መስፍን በዓልቲ ቤትን ኣዝማድን ናብቲ ዘለቅሖ መስፍን መጺኦም “ሰላም ንግበር፣ ወርቅኻ ዕጽፊ ጌርና ክንህበካ ኢና” በልዎ። ንሱ ኸኣ እናበኸየ ‘እቲ ወርቀይ ኣበይ ከም ዘሎ ደኣ ንገሩኒ እምበር ኣይቅበለኩምን እየ” በሎም። እቶም ኣዝማዱ “ኣብ ትሕቲ ዓራት በዓልቲ ቤቱ ተቐቢሩ ኣሎ” በልዎ። ንሱ “ብሓቂ ትንቢት ናይዛ ሕፃን ኣብ ማሕፀን ኣዲኣ ኮይና ዚተናገረቶ ተፈጸመ” በለ። እምባ መሪና ድማ “ወርቂ ናይዚ መስፍን እዚ ኣይትቀበል፣ ምኽንያቱ ምስ ሰበይቲ ኃዉ ዘምዩ እዩ” በለቶ። ነቲ ገንዘብ ከኣ ንድኻታት ዓደሎ።

ልደት ሕፃን ሰሎሜ

እምነ ሰሎሜ ኣብ ዕለት ሓደ ግንቦት ተወልደት፣ ዕለት ዕሥራ ሓምለ ንጥምቀታ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተኣኪቦም ካህናት ጸሎት ኬብጽሑ ተንሥኡ፣ ሕፃን ሰሎሜ ብልሳና “ኣነ ጳጳስ ከይመጽአ ኣይጥመቕን እየ። እቲ መልአኽ እግዚአብሔር ሓቢርዎ ንኽብሪ ጥምቀት ዚመጽእ ዘሎ ጳጳስ ኣብ መንገዲ ኣሎ” በለት። በዚ ነገር እዚ እቶም ካህናት ኣብ ክልተ ተኸፍሉ። ገሊኦም ንጸበ፣ ገሊኦም ከኣ ነጥምቃ ኢሎም ስለ ዝተኸራኸሩ መልአኽ እግዚአብሔር መጺኡ ንሕፃን ሰሎሜን እምባ መሪናን ሃንደበት ካብቲ ቤተ ክርስቲያን ኣልዒሉ ናብ ቤተን ወሰደን። እቲ ንጥምቀት ዝተዳለወ ማይ ከኣ ከም እምኒ ደረቐ፣ በዚ ነገር እዚ ኣብቶም ንጥምቀት ዚተኣከቡ ራዕድን ፍርሓትን ኮይኑ ኣብ ምድሪ ወዲቖም ከም በድኒ ኾኑ። እቲ ንኽብራ ዚተላእከ ጳጳስ ድማ ክይድ ውዒሉ ናብ ቤቶም ምስ መጽአ፡ ሕይወትብነ ጽቡቕ ገይሩ ተቐበሎ። ሕፃን ሰሎሜ ድማ ኣብ ዝባን ኣደኣ ኮይና “ካብ ዝባንኪ ኣውርድኒ ኣብ እግሩ ክሳለም” ኢላ ካብ ዝባን ኣዲኣ ወሪዳ ልክዕ ከም ጓል ዓሠርተው ክልተ ዓመት መሲላ ኣብ እግሪ ጳጳስ ተሳለመት። ሽዑ ንጽባሒቱ ሰንበት ኮይኑ ናብ ቤተ ክርስቲያን ከዱ። እቲ ጳጳስ ከኣ በቶም ዚወደቑ ሰባትን በቲ ከም እምኒ ዝደረቐ ማይን ተገሪሙ “እዚኣቶም ደኣ ምዉታት ድዮም፧ እዚ ማይከ ከመይ ኢሉ እዩ ደሪቑ፧” ኢሉ ተገረመ። ሕፃን ሰሎሜ ነቲ ዝተፈጸመ ካብ ጥንቱ ክሳዕ ተፍጻሜቱ ነገረቶ። ካብ ዝባን ኣደኣ ወሪዳ ድማ ነቶም ዚወደቑ “ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ተንሥኡ” በለቶም። ንሳቶም ብኡ ንብኡ ብቕጽበት ተንሢኦም ኣብ እግራ ወዲቖም “ብኣኺ ወዲቕና ብኣኺ’ውን ተንሢእና” በሉ። ነቲ ደሪቑ ዚነበረ ማይ’ውን “ብስም ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ ናብቲ ቐዳማይ ፍጥረትካ ተመለስ” በለቶ። ናብቲ ጥንታዊ ፍጥረቱ ኸኣ ተመልሰ። ብኢድ እቲ ዝመጽአ ጳጳስ ከኣ ተጠምቀት። ቅዱስ ሚካኤል ከኣ መንፈሳዊ ኣቦኣ ኾነ።

ኣተዓባብያ ሕፃን ሰሎሜ

ሕፃን ሰሎሜ ከም ኣተዓባብያ ኵሎም ሕፃናት ብመንፈሳዊ ኣተዓባብያ ዓበየት፣ ናይ ወትሩ ሥራሓ ድማ ጾም፣ ጸሎትን ስግደትን ነበረ፣ ብመዓልትን ለይትን (300) ስግደት ትሰግድ ፣ ምስኡ ድማ ኵሉ መጻሕፍቲ ጸሎት ተብጽሕ፣ ጸጋ እግዚኣብሔር ከኣ ኣብኣ የዓርፍ ነበረ፣ መንጸፋ ድማ (120) ኣእሻዅ ዘለዎ እግዝእትነ ማርያም ዝፈተለትላ መንጸፍ ትንጸፍ ነበረት፣ ነዚ ኵሉ ተጋድሎኣ ሰብ ኣይፈልጦን ነበረ። ትርኢታ ከኣ ከምተን ጽቡቕ ዚምገባን ዚኽደናን ትመስል ነበረት።
ሰሎሜ ጓል 15 ዓመት ኣኺላ ክንዲ ኣዴታታ ድኅሪ ምዃና ናብ ዲያቆን ቶማስ ዝተባህለ ከምኣ ሓደ ቅዱስ ሰብ ተመርዓወት፣ ናይ ሠለስተ መዓልቲ ሱባኤኦም ምስ ወድኡ ቅዱስ መርቆሬዎስ ሰማዕት ብራእይ ተራእዮም፣ “ሱባኤ የኣኽለኩም፣ ሰብኣይን ሰበይትን ኩኑ፣ ምእንቲ ክትኣምኑኒ ድማ ቅዱስ ሚካኤል ምሳይ ኣሎ፣ ቅዱስ ሚካኤል ከኣ እወ ሓቂ እዩ፣ ነቲ ዚፅነስ ሕፃንውን በቲ ናይ ዕለቱ በዓል መርቆሬዎስ ሰማዕት ስም ኣውፅኡሉ” ኢልዎም ካብኦም ተሠወረ።

ፅንሰትን ልደትን ጥምቀትን ኣቡነ መርቆሬዎስ

ድኅር’ዚ ኣቡነ መርቆሬዎስ ኣብ ዕለት 25 ኅዳር ካብ ቅድስት ሰሎሜ ተፀንሰ። ብዕለት 29 ነሓሴ ብእግዝእትነ ማርያምን መላእኽትን ተሰንያ ወለደት፣ ቅድም ንመርቆሬዎስ ደኃር ንኣብሳዲ ፣ ንማቴዎስ ዘበርበሬ፣ ንመክብበ ደናግል ከምቲ ብራእይ ዚረኣይዎ ወሲዳ ብዘሎ ኵሉ ሥርዓትን ሕግን ኣምሂራ ኣዕበየቶም።
ከምቲ ኣብ ማሕፀን ኣዲኣ ኮይና “ኣነ ፈላሲት ጓለንስተይቲ ደኣ እምበር ወዲ ተባዕታይ ኣይኮንኩን” ዝበለቶ እቲ ትንቢት ምእንቲ ኪፍጸም ኣብ መበል ኣርብዓን ሸሞንተን ዓመት ዕድሜኣ ርእሳ ላጽያ ፣ ንዓለም መኒና ንሠለስተ ወርኂ ብጾምን ብጸሎትን ብትሕትናን ፍርሃት እግዚኣብሔርን ተመኵሮ ድኅሪ ምውሳዳ ኣርዑት ምንኵስና ካብ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ተቐበለት፣ ካብ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ፍንትት ኢላ ድማ ተመንን ግሔታትን ኣብ ዚበዝኅዎ ኣብ ከባቢ ገዳም ደብረ ድማኅ ባሕተወት፣ ንመጻኢ ወለዶ ትእምርቲ ምእንቲ ኪኸውን ድማ ከውሒ ሃሪማ ማይ ኣፈልፈለት። ክሳዕ ንእግራ ዚውሕጥ ንብዓት እናነብዐት መዓልቲ ፍርዲ ትዝክር ነበረት።፡

ፈተና ጸላኤ ሠናያት ንቅድስቲ ሰሎሜ

ሓደ መዓልቲ ጸላኤ ሠናያት ቤተ ዘመድ ተመሲሉ ናብኣ መጺኡ “ሰላም ንኣኺ ይኹን” ኢሉ “ስለምንታይ ኢኺ ኣብዚ ቦታ እዚ ምስ ኣራዊት ነብርን ኣንበሳን ተቐሚጥኪ፧ ቤትኪ ገዲፍኪ፧ ፈሊጥክኒዶ ኣሎኺ፧ ኣነ ወዲ ኃው ኣቦኺ እገሌ እየ ናይ ሥጋ ኴንክኒ ክናዝዘኪ መጺአ፣ ሰብኣይኪ ካልእ ሰበይቲ ተመርዕዩ፣ ደቅኺ ዘኽቲሞም፣ ንምንታይ ካብቲ ማሞቕ ቤትኪ ኣብዚ ቍርን ኣስሓይታን መሪጽኪ፧" በላ።
ቅድስቲ ሰሎሜ መንፈስ ቅዱስ ገሊጹላ ሓሳዊ ምኻኑ ፈሊጣ፣ “ተድላን ሓጐስን እዚ ዓለም እዚ ከም ጽላሎት ኃላፊ ስለ ዝኾነ ነዚ መሪጸ፣ ሃብቲ ምድሪ ኣይደልን ፣ ሃብቲ ሰማይ ይኅሸኒ” በለቶ። ጸላኤ ሠናያት ብመልሳ ተገሪሙ “ናብ ቤት ምምላስ ይትረፍሲ ንምንታይከ ሕራይ ዘይትብልኒ፧ ሥጋኺ ብጾም፣ ብጸሎት፣ ብስግደት ማሲኑ፧” በላ።

ንሳ ድማ “እንተበላዕኩ ኣይውስኽ፣ እንተዘይበላዕኩ ኣይንኪ “በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅድስ አሐዱ አምላክ” ኢላ ኣማዕቲባ “ርሓቕ ኣታ ርኹስ” በለቶ። ብኡ ንብኡ ድማ ከም ትኪ በነነ፣ ስለ እቲ ኵሉ ዚገበረላ ንእግዚኣብሔር ኣመስገነት።
ኣብ ጸሎታ መላእኽቲ መጺኦም “ኦ ሰሎሜ፣ ቡርክቱ ለአብ ወልዕልቱ ለወልድ ወማኅደሩ ለመንፈስ ቅዱስ አልቦ ዘይትማሰለኪ ዘእንበለ ማርያም ወላዲቱ” እናበሉ የጸናንዕዋ ነበሩ።፡ ተራዳኢኣ መልኣኽ ገብርኤል የገልግላን ኅብስተ መና እናኣምጽአ ይምግባን ነበረ። ኪትቈርብ ኣብ ዝደለየቶ ጊዜ ድማ ኣብ ልደት፡ ጥምቀት፡ 21 ጥሪ፡16 ነሓሴ፡ ትንሣኤ፤ ሠረገላ እሳት ኣምጺኡ ብደመና ጽዒኑ ናብ ኢየሩሳሌም ወሲዱ የቐብላ ነበረ፡።
ንነፍሲ ዚኸውን እንተሓተተት፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብኣ መጺኡ ንዚሓተተቶ ቃል ብቓል ይነግራ፣ ብዅሉ ግብሪ ጽድቂ ፍጽምቲ ኾነት፣ ንእግዚኣብሔር ድማ ኣሥመረቶ። ብኣካለ ሥጋ ኸላ ናብ ሰማያት ዓሪጋ ጻድቃንን ኃጥኣንን ትርኢ ነበረት። በዚ ከምዚ 33 ዓመት ድኅሪ ምንባራ፣ ምስቲ በዓል ቤታ ዚገበረቶ 48 ዓመት ተደሚሩ 81 ዓመት ገበረት።

ቃል ኪዳን ከምዚተቐበለት

ኣብ 23 ኅዳር ምሸት ቁሩብ ሓመመት፣ ብሕማማ ድማ ንእግዚኣብሔር ኣመስገነት፣ ሽዑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብቕድሚኡን ብድኅሪኡን ብየማኑን ጸጋሙን ኣእላፍ መላእኽትን ቅዱሳንን ኣስዒቡ ናብኣ መጺኡ “እንታይ ክገብረልኪ ትደልዪ፧ ከመይ እቲ ናባይ እትመጽእሉ ጊዜ ኣኺሉ እዩ” በላ።
ንሳ “ተዝካረይ ንዚገብሩ፣ ስመይ ንዚዝክሩ ብስመይ ቤተ ክርስቲያን ዚሓንፁ መሓረለይ” በለቶ። ጐይታና ኸኣ “ከምዚ እትብሊዮ ኪኸውን ምሒለልኪ ኣሎኹ” ኢሉ ቃል ኪዳን ሂቡ ናብ ሰማያት ዓረገ። ንጽባሒቱ ሰዓት 9 ናይ ንግሆ ድማ ዕለት 24 ኅዳር ነፍሳ ካብ ሥጋኣ ተፈልየት። ናብ መንግሥተ ሰማያት ከኣ ብኢድ መላእኽቲ ዓረገት።
                                                                                                             ጸሎታን በረኸታን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

                                                                                                                         ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195