banner

‘ይሁዳ ጠፍአ፡ ቅዱስ ማትያስ ተክአ’

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ

ነታ እግዚአብሔር ብደሙ ዝመሥረታ ቤተ ክርስቲያን፡ ብስብከቶምን መጻሕፍቶምን፡ ብገድሎምን ትሩፋቶምን ስለዝጓሰይዋ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንቅዱሳን ሓዋርያት ዓቢይ ክብሪ ትህቦም። ንኣብነት፦ ተጋድሎኦም ብምምካር፡ በዓላቶም ብምኽባር፡ ብስሞም ቤተ ክርስቲያን ብምጽዋዕ፡ ሥእሎም ብምሥኣልን ብኣማላድነቶም ብምእማንን፡ ብሓፈሻ ኣሰረ ፍኖቶም ስዒብና ሕይወት ክንረክብ ትምህረና። ሓደ ካብ ቅዱሳን ሓዋርያት ቅዱስ ማትያስ እዩ።

ሓዋርያ ቅዱስ ማትያስ መተካእታ ናይቲ ንጐይታ ኣኅሊፉ ዝሃበን ዘትኃዘን ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ኮይኑ ምስ ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት ምስ ተቘጽረ፡ ዕጫ ሃገረ ስብከቱ ናብ ‘በላዕተ ሰብእ’ ትበሃል ሃገር በጽሓቶ። ከም ልማድ ናይዞም ዓዲ፡ ዝኾነ ጋሻ እንተመጽአም ኂዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንሠላሳ መዓልቲ ኣዕይንቱ ኣዒሮም፡ ሳዕሪ እናኣብልዑ ኣጽኒሖም ብድኅሪኡ ኣውፂኦም ይበልዕዎ ነበሩ። እንሆ ድማ ቅዱስ ማትያስ፡ ‘ክበልዑኒ እንድዮም’ ከይበለ፡ ‘ናብ ተዃሉ እልእከኩም ኣለኹ’ ዝብል ቃል ጐይታ ዘኪሩ፡ ተጸናኒዑ ኣብታ ሃገር ኣተወ። ብትብዓት ቃል ወንጌል ክሰብኽ ምስ ጀመረ፡ ኣዕይንቱ ኣዒሮም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎ። እ

ንተኾነ ግና ቅዱስ ማትያስ ጸልዩ ክልቲአን ኣዕይንቱ ከም ቀደመን ከምዚርእያ ገበረን። ጐይታ ተገሊጹ’ውን ‘በዚ ገጢሙካ ዘሎ ማእሰርቲ ጽናዕ፡ ካብ ኵሉ ድማ ከድኅነካ እየ’ ኢሉ ሠላሳ መዓልቲ ከይኣኸለ ኸሎ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንኸውፅኦ ንሓዋርያ እንድርያስ ሰደደሉ። ቅዱስ እንድርያስ ምስ ረድኡ ናብቲ ቅዱስ ማትያስ ዘለዎ ቤት ማእሰርቲ ነቲ ብጽኑዕ መፍትሕ ተዓጽዩ ዝነበረ ደፊኡ ብምእታው ምስ ቅዱስ ማትያስ ተራኸበ። ብኡ ንብኡ ከይወዓሉ ከይኃደሩ ነቶም በብሓደ እናተሓርዱ ኪብልዑ ተኣሲሮም ዝነበሩ 123 ሰባት ጸልዮም ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውፅእዎም።

ሓዋርያ ቅዱስ ማትያስ ምስ ቅዱስ እንድርያስን ረድኡን ስብከቱ ብምቕጻል ‘ስለምንታይ እግዚአብሔር ዝኣክል ፈጣሪ ገዲፍኩም፡ ንፍጡር እምኒ እተምልኹ፣ በቲ ሓደ ንዅሉ ፍጥረታት ዝፈጠረ ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ እመኑ፡ ክፉእ ሰይጣናዊ ግብርኹም ኅደጉ’ እናበለ መሃሮም። እቶም ሕዝቢ ግና ኂዞም ክቐትልዎም ምስ ደለዩ ጸልዮም ብማይ ከምዘዕለቕልቑ ገበርዎም። እቶም ሕዝቢ በቲ ዝተገብረ ተኣምራት ልቦም ምስ ተሰብረ ግና ቅዱሳን ሓዋርያት ጸልዮም እቲ ማይ ከምዝነጽፍ ገበርዎ። ነቶም ሕዝቢ ድማ ምሂሮም ኣእሚኖም ኣጥመቕዎም፣ ዝመርሕዎም ካህናት ድማ ሸሙሎም። ንዝተወሰነ ጊዜ እናመሃርዎምን እናኣጸናንዕዎምን ምስ ጸንሑ ግና ጽንዓት እምነቶም ተመልኪቶም ኃዲጎሞም ከዱ።

ሓዋርያ ቅዱስ ማትያስ ናብ ደማስቆ ኣትዩ፡ ኵሉ’ቲ ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመሃሮ ትምህርትን ዝገበሮ ተኣምራትን ዝፈጸሞ ትሩፋትን ሰበኸ። እንተኾነ እቶም ሕዝቢ ቐልጢፎም ኂዞም ኣሰርዎ። ኣብ ሓፂን ዓራት ምእሳር ጥራሕ ኣይኣኽሎን እዩ ኢሎም’ውን ብትሕቲኡ ሓዊ ኣጕዶም ኣብ ሻብዓይ መዓልቲ መጺኦም እንተረኣይዎ፡ ሥጋኡስ ይትረፍ ክዳኑ እኳ ከይተተንከፈ ጸንሖም። ደጊሞም ድማ ንብዙኅ መዓልታት ዝኣክል ገዲፎምዎ፡ ሓዊ ከይሓረረ እኳ ደኣ መልክዑ ከም ፀሓይ በሪሁ ምስ ጸንሖም፡ በዚ ተኣምራት’ዚ እናተገረሙ፡ ካብቲ ሓዊ ኣውፂኦም፡ ‘ብዘይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካልእ ኣምላኽ የልቦን’ ኢሎም ኣመኑ። ሓዋርያ ቅዱስ ማትያስ ድማ ኣጥሚቑ ስመ ክርስትና ክብረ ውልድነት ሃቦም፡ ዝጓስይዎም ካህናት’ውን ሸመሎም።

ኣብ መወዳእታ ሓዋርያ ቅዱስ ማትያስ፡ ኣብ ከተማታት ይሁዳ ይምህር ድኅሪ ምንባሩ፡ ኣብ ‘ፊላዎን’ እትበሃል ዓዲ ሸምጊሉ፡ ዕድመ ጸጊቡ ብኽብሪ 8 መጋቢት ዓረፈ። ኣብዛ ዓዲ’ዚኣ ውን ቀበርዎ፣ ኣብ መቃብሩ ድማ ብዙኅ ተኣምራት ተገብረ።

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፦ ንቅዱስ ማትያስ በዓለ ዕረፍቱ ብምዝካር ብኽብሪ ከተብዕሎ ኸላ፣ ብኣንጻሩ ነቲ ከሓዲ ጐይታኡ ዝኾነ ይሁዳ ግና ክትረግሞ ትነብር። ካብ ማኅበረ ሓዋርያት ይሁዳ፡ ካብ ጉባኤ ሊቃውንቲ ኣርዮስን ንስጥሮስን ካልኦትን፡ ካብ ማኅበረ መላእኽቲ ድማ ዲያብሎስ ብመናፍቕነትን ክሕደትን በብጊዜኡ እንተተንሥኡ ነታ ብደሙ ዘጥረያ ቤተ ክርስቲያን ከጥፍእዋ ኣይክእሉን እዮም። እግዚአብሔር ከኣ በብጊዜኡ መተካእታኦም የተንሥእን ይመርጽን እዩ።

በረከቱን ረድኤቱን ናይ ቅዱስ ማትያስ ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።
ስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

ሰላም እብል ለዘተኀርየ ወዘተፈቅረ፣ ህየንተ ይሁዳ ይትኈለቍ ምስለ ሓዋርያት ኅቡረ፣ ከዊኖ ማትያስ በላዕለ እኩያን ኄረ፣ ሥጋሁ ቅዱሰ ሴሰዮሙ ወደሞ ክቡረ፣ ተውላጠ ሴሰይዎ ሎቱ ከመ ላሕም ሣዕረ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195