banner

ቅዱሳን ሓዋርያት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ቅዱሳን ሓዋርያት

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ንትምህርቱ ሰሚዖምን ተኣምራቱ ርእዮምን ካብ ዝሰዓብዎ ሕዝቢ መጀመርታ “ንዑ ሰዓቡኒ” ኢሉ ዝጸውዖምን ዝመረጾምን ንዓሠርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቱ እዩ። (ማር. 3፡13) እዞም ደቀ መዛሙርቱ ‘ሓዋርያት’ ተባሂሎም ይጽውዑ። 

ሓዋርያ ማለት ካብ ‘ሖረ’ ዝብል ግእዛዊ ቓል ዝወፅአ ኾይኑ ከያዲ፡ ልዑኽ ማለት እዩ። ንወንጌለ መንግሥት ድኅነት ዓለም ንዅሉ ዓለም ከበሥሩ ዝተላእኩ ማለት እዩ።
ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንሓዋርያት ካብ ኃሙሽተ ወገን እዩ ዝመረጾም፡ ማለት ካብ ኣለምቲ፡ ካብ ሓነፅቲ፡ ካብ ተቐበልቲ ግብሪ ቐረጽ፡ ካብ ገፈፍቲ ዓሣ፡ ካብ ሓረስቶት መረጾም። ከም በዓል ቅዱስ ጴጥሮን ካብ ምግፋፍ ዓሣ ዝተጸውዑ ኪኾኑ ኸለዉ፡ ከም በዓል ቅዱስ ማቴዎስ ድማ ካብ ምቕራጽ ቀረጽ ዝተጸውዐ እዩ። (ማቴ. 4፡20 ፣ 9፡9።) ከም በዓል ቅዱስ ናትናኤል ከኣ ምሁራነ ኦሪት’ውን ኣለዉ። (ዮሓ. 1፡44-49)

ኵሎም ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ማዕረ ስለዝኾኑ ጸውዖም፡ ንሳቶም ድማ ኵሉ ዘለዎም ገዲፎም ሰዓብዎ። 

ቤተ እስራኤል ዝተመሥረተት ብናይ ዓሠርተው ክልተ ነገድ ኣቦታት ዝኾኑ ዓሠርተው ክልተ ደቂቀ ያዕቆብ እያ። ኣብ ሓዲስ ኪዳን ድማ ናይ እስራኤል ዘነፍስ ማኅበር ቤተ ክርስቲያን ዝተመሥረተት ብዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት እያ። ዝርዝር ኣስማቶም ድማ፦

1. ቅዱስ ጴጥሮስ
2. ቅዱስ እንድርያስ
3. ቅዱስ ያዕቆብ
4. ቅዱስ ዮሓንስ
5. ቅዱስ ፊልጶስ
6. ቅዱስ በርተሎሜዎስ
7. ቅዱስ ማቴዎስ
8. ቅዱስ ቶማስ
9. ቅዱስ ያዕቆብ ወልደ እልፍዮስ
10. ቅዱስ ታዴዎስ
11. ቅዱስ ስምዖን ቀነናዊ
12. ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ደኃር ግና ብቅዱስ ማትያስ ተተክአ።

ቅዱሳን ሓዋርያት ኣብቲ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝወዓሎ እናወዓሉ፡ ኣብ ዝኃደሮ እናኃደሩ ንልዕሊ ሠለስተ ዓመት ተማህሩ። “ኃጢኣቶም ዝኃደግኩምሎም ኪኅደገሎም፡ ንዘይኃደግኩምሎም ግና ኣይኪኅደገሎምን እዩ” በሎም። (ዮሐ. 20፡23) ኣጋንንቲ ከውፅኡ ሕሙማንን ድዉያንን ኪፍውሱ ሥልጣን ሃቦም።(ማቴ. 10፡1)። ኣብ መወዳእታ ድማ “እምበኣርከስ ኪዱ፡ ንዅሎም ኣሕዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕክምዎም ደቀ መዛሙርተይ ግበሩዎም። ከምኡ’ውን ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኪሕልዉ መሃርዎም” ኢሉ ኣዘዞም። ማቴ. 28፡19-20። በዚ መሠረት ቅዱሳን ሓዋርያት፡ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎም ፈራሃት ዚነበሩ ተባዓት ኮይኖም፡ ካብ ብልየት ተሓዲሶም፡ ብኣእምሮ በርቲዖም ምሥጢር ተገሊጽሎም ሓደ ቛንቋ ዝፈልጡ ዝነበሩ 71 ቛንቋ ተዋሂብዎም ነዚ ዓለም ብዕጻ ተኻፊሎም ብርሃን ወንጌል ኣብ ኵሉ ኣብርሁ። ኣምልኮ ጣዖት ኣጥፊኦም ርኩሳን ኣጋንንቲ ገሢጾም፡ ብዕርፊ መስቀል ሓሪሶም፡ ንጹሕ ዘርኢ ወንጌል ዘሪኦም ብደሞም ኃተሙ። ቤተ ክርስቲያን ሓነፁ። መምርሒ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ወንጌልን፣ ንዝመሃርዎ ሕዝቢ ንእምነቱ መጽንዒ ዝኾኑ መልእኽትታትን ጸሓፉ። ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን ሠርዑ። ነቲ ካብ ጐይታ ዝተመሃርዎን፡ ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን ብስብከቶምን፡ ብዝተዋህቦም ሥልጣንን ዝተዓደልዎ ጸጋን ብመጻሕፍቶምን ኣውሪሶም ተጋዲሎም ዓረፉ።

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ሓዋርያዊት እያ። ‘ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱሳን ሓዋርያት ብትምህርቱን ተኣምራቱን ኣዳልዩ፡ ‘ንኣኻትኩም ዝሰምዐ ንኣይ ሰምዐ’ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ሥልጣን ሂብዎም እዩ። (ሉቃ. 10፡16) ቅዱሳን ሓዋርያት ድማ ነቲ ካብ ጐይታ ዝተመሃርዎን ዝተኣዘዝዎን ዝተዋህቦምን ሥራሕን ሥልጣነ ክህነትን ንተካእቶ ጳጳሳት ኣመኃላለፍዎ። ጳጳሳት ከኣ ነቲ ካብ ሓዋርያት ዝተቐበልዎ ሥራሕን ሥልጣንን ንተካእቶም ብምምኅልላፍ ክሳዕ ሕጂ በጽሐ። (1ይ ጢሞ. 4፡13-14)

                                     ወስብሐት ለእግዚአብሔር

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195