banner

"ንኣይ ዝሕግዘንን ዝከላኸለለይን ሚካኤል እዩ” ዳን. 10፡21 (2)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

"ንኣይ ዝሕግዘንን ዝከላኸለለይን ሚካኤል እዩ” ዳን. 10፡21

ቅዱስ ሚካኤል ሓደ ካብቶም ሊቃነ መላእኽቲ እዩ። (ይሁዳ 1፡9) ኃይላት ናይ ዝበሃሉ ነገድ ሓለቓ እዩ። (ሄኖ. 10፡2-12) ቅዱስ ሚካኤል ናይ ዕብራይስጥ ቃል ኮይኑ ትርጕሙ ‘መን ከም እግዚአብሔር’ ማለት እዩ፡ ከምኡ ውን ‘ሚካኤል’ ብሂል ዕፁብ ማለት እዩ። ቅዱስ ሚካኤል ዲያብሎስ ብትዕቢት ኣምላኽነት ደልዩ፡ ኣብ ሞንጎ መላእኽቲ ህውከት ምስ ኣለዓዓለ ናይ ቅዱሳን መላእኽቲ መራሒ ኮይኑ ንዲያብሎስ ዝተዋግኦ ጽኑዕ ኃያል መልኣኽ እዩ። ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኮነ፡ ሚካኤልን መላእኽቱን ነቲ ገበል ተዋግእዎ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም እንተኾነ እቲ ገበልን መላእኽቱን ተሳዕሩ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዝነበረ ቦታኦም ኣጥፍኡ። (ራእ. ዮሓ. 12፡7)

ቅዱስ ሚካኤል ስለ ሕዝበ እግዚአብሔር ዝከራኸር መልኣኽ እዩ። ዲያብሎስ ናይ ሙሴ መቃብር ንእስራኤላውያን ኣርእዩ፡ ኣምልኮተ ባዕድ ንኽፍጽሙ ንምምሃር ኣብ ዝተንሥኣሉ ጊዜ ዝተኸራኸሮን፡ ንእስራኤላውያን ንምውፃእ ዝሕግዞም ዝነበረን ቅዱስ ሚካኤል እዩ። (ዳን. 10፥13-21) ኣብ መወዳእታ ዘመን’ውን ካብ ጥፍኣት ሓሳዌ መሢሕ ዘድኅኖም ንሱ እዩ። (ዳን. 12፡1) ‘ሓደ ካብቶም ሊቃነ መላእኽቲ’ ብምባል ነቢይ ዳንኤል ዝገለጾ፡ ኣብ ምርኮ ባቢሎን ዝራድኦም ዝነበረ ቅዱስ ሚካኤል እዩ። (ዳን. 10፥13)

ንእስራኤላውያን ዝመርሐ (ዘፀ. 14፥9)፣ መንደቅ ኢያሪኮ ንከፍርሱ ዝሓገዘ (ኢያሱ 3፥15)፣ እስራኤላውያን ንእግዚአብሔር ኣብ ዝበደልሉን ዝተማረኹሉን ጊዜ ምእንቲኦም ዘማለደን ምሕረት ዘውሃበን (ዘካ. 1፥12)፣ ንኢያሱ ዝሓለወን ምእንቲኡ’ውን ዝተኸራኸረ (ዘካ. 3፡1)፣ ንእስራኤላውያን ሕጊ ሂቡ፡ ምስኦም ኣብ ሲና ዝነበረ (ግብ.ሐዋ. 7፡38) ቅዱስ ሚካኤል እዩ። ናይ ሶምሶን ምውላድ ንማኑኄ ዘበሠረ (መሳ. 13፥15)፣ ንእስራኤላውያን ከጥፍእ ዝመጽአ 185,000 ናይ ኣሶራውያን ሠራዊት ዝቐተለ (2ይ ነገ. 19፥35-37)፣ ኣብ ኣምልኾተ እግዚአብሔር ጸኒዑ ብምርካቡ ናብ ጕድጓድ ኣናብስቲ ንዝተደርበየ ነቢይ ዳንኤል ዚኸውን ስንቂ ኣትኂዙ ንነቢይ ዕንባቆም ክሳብ ባቢሎን ዘብጽሐ (ተረፈ ዳን. 13፡35-38) ሊቀ መላእኽቲ ቅዱስ ሚካኤል እዩ።

ኣብ ዕለተ ትንሣኤ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይቲ መቓብር እምኒ ገምጢሉ ንማርያም መግደላዊት ዝተራእየ (ማቴ 28፥2)፣ ንሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ናይ ሄሮድስ ቤት ማእሠርቲ ዘውፅአ (ግብ. 12፡11)፣ ነቲ ብልቡ ንእግዚአብሔር ዝደሊ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ ቆርኔሌዎስ ኣብ ታስዐይቲ ሰዓት ዝተገለጸ (ግብ. 10፥3) ቅዱስ ሚካኤል እዩ።

እዛ ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን ዝኾነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ንበዓል ቅዱስ ሚካኤል ዕለታዊ፡ ወርኃውን ዓመታውን ትዝክሮን ተኽብሮን። ብፍላይ ድማ ዓመት መጸ 12 ኅዳር ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ተኽብር። ቅዱስ ሚካኤል ኣብዚ ዕለት ነዞም ዚስዕቡ ተኣምራት ገበረ፡- ንግሥት ኪልዎፓትራ ሳተርን ንዝተባህለ ጣዖት ዘሥርሓቶ ቤት፡ ቅዱስ እለእስክንድሮስ ፓትርያርክ እስክንድርያ (312-326 ዓ.ም.)ንከጥፍኦ ምስ ተለዓለ፡ ገና ኣምልኾተ ጣዖት ካብ ልቢ እቲ ሕዝቢ ስለዘይጠፍአ፡ ‘18 ፓትርያርካት ዘይተንከፍዎ ንስኻ ስለምንታይ ተፍርሰልና ኣሎኻ’ ኢሎም ተቓወምዎ። ቅዱስ እለእስክንድሮስ ግን ነቲ ሕዝቢ መኺሩ ምሂሩ፡ ናይ ሳተርን በዓል ይውዕለሉ ኣብ ዝነበረ ዕለት ናይ ቅዱስ ሚካኤል በዓል ንኸኽብሩ ኣዊጁ፡ ነቲ ቤት ጣዖት ብስም ቅዱስ ሚካኤል ሰይሙ ቤተ ክርስቲያን ገበሮ። ድኅሪ'ዚ ብስም ቅዱስ ሚካኤል ኣብያተ ክርስቲያን ብብዝኂ ክሕነፅን በዓሉ ክበዓልን ጀመረ።

ከምኡ ውን ኣብቲ ኬልቄዴናውያን ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳውያን ተላዒሎሙሉ ኣብ ዝነበሩሉ ማእከላይ 4ይ ክፍለ ዘመን ብሰማዕትነት ዝኃለፈት ግብጻዊት ኣፎምያን ሰብኣያን፡ ኣብ ወወርኁ ዕለት 12 ናይ ቅዱስ ሚካኤል በዓል የኽብሩ ነበሩ። ሰብኣያ ቅድሚ ምማቱ፡ በዓል ቅዱስ ሚካኤል በብወርኁ ክትዝክር ሓደራ ኢሉ ሥእሊ ናይ ሊቀ መላእኽት ቅዱስ ሚካኤል ሂብዋ ነበረ። ሰይጣን ብቀሺን ፈላሲን ተመሲሉ ብተደጋጋሚ እናመጸ ካብ ሕጂ ንደኃር ከምዚ ዝበለ ብስም ቅዱስ ሚካኤል እትገብርዮ በዓል፡ ግደፍዮ ይብላ ነበረ። ብፍላይ ድማ ኣብ ዕለት 12 ኅዳር ‘ኣነ ቅዱስ ሚካኤል እየ’ ኢሉ መጻ። እንተኾነ ግን በትረ መስቀል ብዘይ ምኃዙ ቅድስት ኣፎምያ ስለዝጠርጠረቶ፡‘ንስኻ ቅዱስ ሚካኤል እንተኾይንካ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሥእሊ ኣሎኒ፡ ከምጽኦ እሞ ተሳለሞ’ በለቶ። ሰይጣን ድማ ከም ዝፈለጠቶ ፈሊጡ ዘሊሉ እኳ እንተሓነቓ፡ ተረዳኢ ዝኾነ ቅዱስ ሚካኤል ቀልጢፍ መጺኡ ንዲያብሎስ ሰዓረላ። ካብዚ ንደኃር በዓል ቅዱስ ሚካኤል ብሰፊሕ ክኸብር ጀመረ። (ድርሳነ ሚካኤል ዘኅዳር)

ኣብ ገድሊ ኣቡነ ተክለ ሃይማኖት’ውን ሓላዊ መልኣኽ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ቅዱስ ሚዳኤል ንሞተሎሜ ሥዒሩ፡ ንእግዚእ ኃረያ ኣደ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ካብ ዳሞት ናብ ኢትሳ ከም ዝመለሳ ተጻሒፉ ንረኽቦ። ኣብ ገደለ ክርስቶስ ሠምራ’ውን ሓላዊ መልኣኽ ቅዱስ ሚካኤል ከምዝነበረን ኣብ ኵሉ ገድላ ድማ ይራድኣ ከም ዝነበረን ብሰፊሑ ተዘርዚሩ ንረኽቦ።

ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ካብቶም ኣብ ሥነ ሥዕሊ ሰፊሕ ቦታ ዘለዎም ሓደ፡ ሥዕሊ ቅዱስ ሚካኤል እዩ። ኣብ መንጽር ማዕፆን ቤተ መቅደስ ብብዝሒ ተሣኢሉ ንረኽቦ። ኣብ መንደቕ ቤተ መቅደስ ዝሠኣሉ ኣሣእል ቅዱስ ሚካኤል ኣብ መንበሩ ከሎ ዘርእዩ እዮም። ኣብ ማዕጾ ቤተ መቅደስ ድማ ልብሰ ተክህኖ ለቢሱ ሴፍ ኂዙ ደው ኢሉ ከሎ ዘርእዩ እዮም። ኣብ ሥዕለ ኣድኅኖ ምስለ ፍቁር ወልዳ ብሸነኽ የማን ተሣኢሉ ንረኽቦ።

በዚ መሠረት ቅዱስ ሚካኤል ምእንቲ ደቂ ሰባት ዝልምን ምዃኑ ፈሊጥና ብኣማላድነቱ ክንኣምንን ናይ ጸጋ ስግደት ክንሰግደሉን ይግብኣና። በዚ መንገዲ እንተ ኣቅናዕና፡ ከምቲ ቅዱስ ዳዊት “ኣብ ኵሉ መንገድኻ ክሕልወካ ንመላእኽቱ ክእዝዘልካ እዩ’ሞ እግርኻ ብእምኒ ከይትዕንቀፍሲ ኣብ ልዕሊ ኣእዳዎም ክፆሩኻ እዮም” ዝበሎ እዩ። (መዝ. 91፡11-12)

ተራዳእነቱ ምስ ኵልና ይኹን!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195