banner

መጋቤ ሓዲስ ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

መጋቤ ሓዲስ ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት

ዕለት 19 ታኅሣሥ ዝክረ በዓል ናይ ዓቢይን ልዑልን ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል እዩ።

• ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት፡ ሓደ ካብቶም ንቕዱሳን ነቢያትን ሐዋርያትን ሰማዕታትን ጻድቃንን ንምርዳእ ዚለኣኹ ቅዱሳን መላእኽቲ እዩ።
• ቅዱስ ገብርኤል፡ ሰባኬ ፀሐየ ጽድቅን ነቶም ብንጹሕ ልቡና ነቲ ብሥራቱ ዚቕበልዎ ፀዋር ጥዑም ዜና ብሥራትን እዩ። ነቶም ብሕንዚ ስሕተት ሰይጣን ዝሓመሙን ነቶም ብኽሕደት ትእዛዝ እግዚአብሔር ብሞት ኃጢኣት ዝሞቱን ሰባኺ ሕይወትን መድኃኒትን እዩ።

• ቅዱስ ገብርኤል፡ ክብሪ ውዳሴኡን ብዝኂ ጸጋኡን ኣይውሰንን እዩ። ከመይ ንሱ መብሠሪ ሓጐስ እዩ፡ ብመጀመርታ እግዚአብሔር ወልድ ናብ ምድሪ መጺኡ ሰብ ከም ዚኸውን ንምድራውያን ዘብሠሮም ንሱ እዩ። ደኃር’ውን ዜና ዕርገት ኣምላኽ ንሰማያውያን ዘብሠሮም ንሱ እዩ።

እምበኣር ፍቁራን ኣቦታትን ኣደታትን ኣኅዋትን ኣኃትን! ሕጂ ድማ ምእንቲ ስሙ ንድኻታት ኣኅዋትና እናራኅራኅናን እናመጽወትናን ብምሉእ ልብና ነፍቅሮ። ከምኡውን ኵሉ ጊዜ ኮነ ኣብቲ መዓልቲ ክብረ በዓሉ ናብ ቤተ ክርስቲያኑ ኬድና ብዘይ ትህኪት ንሳለም። ከመይ ንሱ ምእንቲ ደቂ ሰብ ይልምን እዩ። ንሕና ኸኣ ብልማኖን ብስግደትን ብሠናይ ድልየትን ኣብ መከራና ካብኡ ረድኤት ንድለ። ኃጢኣትና ኬስተሥርየልናን ምእንታና ኪማልድን ከኣ ብስግደትን ብምጽዋትን ናብኡ ንተዓቖብ። ኣብ ወወርኁ ኸኣ ካብ ዓመት ክሳብ ዓመት መበል 19 መዓልቲ በዓሉ ነኽብር። ኣማላድነቱ ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ንዘለዓለመ ዓለም ይኹን ኣሜን።

ሰላም ለአእዛኒከ ኆኅያተ ቃለ አብ ሕያው፡
ወለመላትሒከ ልሁያት አምሳለተ ጽጌ ዘበድው፡
ኦ ገብርኤል መልአከ አድኅኖ ፍንው፡
አድኅነኒ ዘአድኀንኮሙ በአክናፊከ ምንትው፡
አመ ውስተ እሳት ተወድዩ ሠለስቱ ዕደው

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195