banner

ሓዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ ወልደ እልፍዮስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሓዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ ወልደ እልፍዮስ

ያዕቆብ ማለት አኀዜ ሰኰና አዕቃጺ (ሓንኳሊ) ማለት እዩ። ነገዱ ካብ ነገደ ጋድ ሃገረ ስብከቱ ኢየሩሳሌም ዕረፍቱ የካቲት 10 ቍጽሩ ካብ 12 ሓዋርያት እዩ።
ኣብ ቍጽሪ ሓዋርያት ክልተ ያዕቆብ ተገሊጾም’ዮም፡

1. ያዕቆብ ዓቢይ፡ ወልደ ነጎድጓድ፣ ወልደ ዘብዴዎስ ብሄሮድስ ኣግሪጳ ተታሒዙ ብ44 ዓ.ም. ኣብ ኢየሩሳሌም ብሰማዕትነት ዝዓረፈ።
2. ያዕቆብ ወልደ እልፍዮስ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣኅዋት ጐይታ ብምባል ያዕቆብ፡ ዮሳን ስምዖንን ተጠቒሶም’ዮም። (ማር.6፡3) 

ያዕቆብ ወልደ እልፍዮስ ድኅሪ ናብ ብዙኅ ቦታታት እናተዛዛወረ ስብከተ ወንጌል ምስባኹ ናብ ሃገረ ስብከቱ ኢየሩሳሌም ተመልሰ። ናብ ምኵራብ ኣይሁድ ኣትዩ ከይፈርሀ ብዛዕባ ኣምላኽነት ወልደ እግዚአብሔር፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብቶም ብመልክዕናን ከም ምስልናን ሰብ ንፍጠር ኢሎም ንሰብን ንዅሉ ፍጥረታትን ዝፈጠሩ፡ ኣብ ሰማያት ኣብ መንበረ ኪሩቤል ኮይኖም ብመላእኽቲ ዝምስገኑ ሓደ ምዃኑን፡ ምልዓት ዘመን ምስ ኣኸለ ድማ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ኣብ ማሕፀን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሓዲሩ ድኅሪ 9 ወርኅን 5 መዓልትን ዝተወልደ ንሱ እግዚአብሔር ከምዝኾነን ነቶም ዘይድፈሩ ኣይሁድ ከይፈርሀ ቓል ቅዱስ ወንጌል ንባቡን ትርጕሙን ገሊጹ መሃሮም።

ከምኡ’ውን ናይ ክርስቶስ ልደቱን ጥምቀቱን ሞቱን ትንሣኤኡን ዕርገቱን ረቂቕ ምሥጥረ መለኮቱን ካልኣይ መጺኡ ከከም ግብሩ ንዅሉ ከምዝፈርድን ምስ መሃሮም፡ እኩያን ኣይሁድ ነዚ ሰሚዖም ኣብ ልዕሊኡ ተንሥኡ። ኂዞም ድማ እናኣጋፍዑ ምእንቲ ክቐትሎ ናብ ቀላውዴዎስ ንጉሥ “እዚ ሰብ እዚ ብዛእባ ኻልእ ንጉሥ ብዘይኻ ንጉሥ ቄሳር ይሰብክ ኣሎ” ብምባል ከሰስዎ።

ንጉሥ ቀላውዴዎስ ነዚ ምስ ሰምዐ ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ኣዘዘ። በዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ኣኽሊለ ሰማዕትነት ተቐበለ። በረኸቱን ጸሎቱ ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195