banner

ቅዱስ ዲሜጥሮስ ሊቀ ጳጳሳት ዘእስክንድርያ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ቅዱስ ዲሜጥሮስ ሊቀ ጳጳሳት ዘእስክንድርያ

ቅዱስ ድሜጥሮስ ተኻሊ ወይኒ ብምባል ዚፍለጥ ብ119 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ግብጺ ተወልደ። ወለዱ ብመንገዲ እግዚአብሔር ዚመላለሱ ሕያዎትን ቅኑዓትን ክርስቲያን ነበሩ። እንተኾነ ግና ውላድ ብዘይ ምንባሮም ብጾምን ጸሎትን ናብ እግዚአብሔር ተማህለሉ። እግዚአብሔር ከኣ ዝለመንካዮ ዘይከልእ ስለዝኾነ ዝተባረኸ ውላድ ሃቦም። ድሜጥሮስ ኢሎም ከኣ ሰም ኣውፅኡሉ።

ድሜጥሮስ ማለት መስትያት ማለት እዩ። መስትያት ኣብ ስኒ ዘሎ ርስሓት፡ ኣብ ርእሲ ዘሎ ገፈል ከምዘርኢ፡ ንሱ ድማ ዝተሠወሩ በዓላትን ኣጽዋማትን የርኢ። ከምኡውን መነጽር ማለት እዩ። መነጽር ንዝረኃቐ ኣቕሪቡ ንዝረቐቐ ኣፍርዩ፡ ንዝተበተነ ኣኪቡ፡ ከም ዜርኢ ንሱ ኸኣ ዝተበተኑ በዓላትን ኣጽዋማትን ኣኪቡ ዝረኀቑ ኣዝናማት ኣቕሪቡ የርኢ።


ቅዱስ ድሜጥሮስ ሓረስታይ ብምዃኑ ወይኒ ተኺሉ ኣጽዲቑ ይነብር ነበረ። ተክለ ወይን ዝተባህለት ጓል ኃው ኣቦኡ ብንእሽቶኣ ኣቦኣን ኣደኣን ሞይቶምዋ ኣብ ቤት ኣቦኡ ምስ ኣቦኡን ኣደኡን ምስኡን ዝዓበየት ኣብ መበል 15 ዕድሚኡ ብዘይ ፍቓዱ ኣመርዓውዎ።

ከምዚ ኺኸውን ዝኸኣለ እቲ ዘመን እቲ ዓላውያን ዝበዝኁሉ ክርስቲያን ዝወኃዱሉ ዘመን ነበረ እሞ፡ ክልቲኦም ዓቕሚ ኣዳምን ሔዋንን ምስ በጽሑ ካብ ሕንፃ ሃይማኖት ዚፈርስ፡ ሕንፃ ሥጋ ይፍረስ ኢሎም ኣተኣታተውዎም። ሥርዓት መርዓውን መርዓትን ይፈጽሙ ኢሎም መጋረጃ ዘርጊሖምሎም ወፅኡ።

እንተኾነ ግና ኽልቲኦም ንመውስቦ ፍቓዶም ስለ ዘይነበረ ድንግልናኦም ዐቂቦም ን48 ዓመታት ሓደ ኽዳን ተኸዲኖም፡ ሓደ ምንጻፍ ተነጺፎም ይኃድሩ ነበሩ። ቅዱስ ሚካኤል ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ኮይኑ ብየማናይ ክንፉ ንእኡ፡ ብጸጋማይ ክንፉ ንእኣ ኸዲንዎም ኃዲሩ ንግሆ ብኣምሳል ንስር ብመስኮት ኪወፅእ ከሎ ይረአ ነበረ።

ድኅሪ እዚ በቲ ሽዑ ጊዜ ቅዱስ ዮልያኖስ ዝተባህለ ካብ ቅዱስ ማርቆስ መበል 11 ሊቀ ጳጳሳት ዘእስክንድርያ ዝነበረ ሕዝቢ ኣኪቡ፡ “ኣነ ኣሪገ እየ ብድኅረይ ዝሽየም ኅረዩ” በሎም። እቶም ሕዝቢ ድማ “ንስኻ ሱባዔ ኣቲኻ፡ ጸሊኻ እቲ ኺኸውን ዘለዎ ንገረና እምበር” በልዎ።

ንሱ ኸኣ “ንስኻትኩም ጸልዩ፡ ኣነውን ክጽሊ” ኢሉ ሱባዔ ኣተወ እሞ መልኣኽ እግዚአብሔር “ብዘይ ጊዜኡ ዝፈረየ ሠለስተ ዘለላ ወይኒ ሓደ ሰብ ኬምጽኣልካ እዩ እሞ ብድኅሬኻ ዚሽየም ኸኣ ንሱ እዩ” በሎ።

እዚ ኸኣ ድሜጥሮስ ወይኑ ኼቃንዕ ኣብ ኣታኽልቱ እንተ ኣተወ ኣብ ዘይእዋኑ ዝፈረየ ሠለስተ ዘለላ ወይኒ ረኺቡ ወሲዱ ንበዓልቲ ቤቱ ሃባ። ንሳ ድማ “ነዝስ ንኣና ክንበልዖ ኣይግብኣናን እዩ፡ ወሲድካ ንሊቀ ጳጳሳት ሂብካ ኣቡነ ዘበሰማያት ተቐቢልካ ምጻእ” በለቶ። ንሱ ነተን ሠለስተ ዘለላ ወይኒ ኂዙ ናብ ኣቡነ ዮልዮስ ከደ። ኣቡነ ዮልዮስ ንድሜጥሮስ ዘምጽኦ ምኽንያት ብምፍላጡ ብዓቢይ ፍቕርን ኣኽብሮትን ተቐበሎ። እቶም ኣብ ከባቢ ኣቡነ ዮልዮስ ዝነበሩ ሰባት ግና ንሓደ ተራ ሓረስታይ ክንድዚ ዝኣኽል ኣኽብሮት ጌሩ ኪቕበሎ ኸሎ ባህ ኣይበሎምን ነበረ። ከመይሲ ቕድሚ እዚ ኣብ ዘሎ እዋን እቲ ወይኒ ኂዙልካ ዚመፅእ ሰብ ብድኅሬኻ ንኣኻ ዚትክእ ፓትርያርክ ኪኸውን እዩ ዝብል ራእይ ርእዩ ስለ ዝነበረ በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ንድሜጥሮስ ብፍቕርን ብኣኽብሮትን ዝተቕበሎ።

ሽዑ ነቲ ዘለላ ወይኒ ንሊቀ ጳጳሳት ሂቡ ኺምለስ ከሎ እቲ ሊቀ ጳጳሳት ዮልዮስ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ “ድኅረይ ዝሽየም እዚ እዩ ግና ሕራይ ኣይብለኹምን እዩ እሞ ኣገዲድኩም ሸሞዎ” በሎም።
እቲ ሊቀ ጳጳሳት ብዙኅ ኣይጸንሐን ቀልጢፉ ዓረፈ እሞ ንእኡ ቀቢሮም ምስተመልሱ ንድሜጥሮስ መንበረ ማርቆስ ንበይኑ ኣይነብርን እዩ’ሞ ተሸመልና በልዎ።

ድሜጥሮስ እምበኣርከስ “ሕጉን ሥርዓቱን ንገሩኒ” በሎም። ንሳቶም ከኣ “ኣይተመሃርኩን ደኣ ኢልካና እምበር ኣቦናስ ዓንቀጸ ብፁዓንን ዓንቀጸ ኣባግዕን ኣንቢቡን ተርጕሙን ይምህረና ነይሩ” በልዎ።

ኣብዚ ጊዜ እዚ ዘይተማህረ ክንሱ መንፈስ ቅዱስ ገሊጽሉ ዓንቀጸ ብፁዓንን ዓንቀጸ ኣባግዕን ኣንቢቡን ተርጕሙን ነገሮም፡ ቀዲሱ ኣቝረቦም። ብድኅሪ እዚ ብሉይን ሓዲስን ተገልጸሉ። ኣብ መንበር ማርቆስ ተቐሚጡ ቕኑዕ ፍትሒ እናፈትሐ ኸምኡውን ትንቢት እናተገልጸሉ ነበረ። ድሜጥሮስ ከምቲ ዝተባህለ ቕኑዕ ልቢ ስለ ዝነበሮ ናይ ደቂ ሰባት ኃጢኣት ይረኣዮ ነበረ ብኸምዚ “ንስኻ ቝረብ ንስኻ ጽናሕ ተነሳሕ” እናበለ ይፈላልዮም ነበረ፡ ብሰንኪ እዚ እቲ ሕዝቢ ኸጕረምርም ጀመረ “ንሱ ንርእሱ ሰበይቲ ኂዙስ ንኣና ኻብ ቍርባን ይኽልክለና፧ ቕድሚ ሕጂ ኣብ መንበረ ማርቆስ ንጹሕን ድንግልን’ዩ ዚሽየም ዝነበረ፡ ኣብ ዘይግብኦ መንበር ተቐሚጡስ ኽፈላልየና” እናበሉ ይሓምዎ ነይሮም። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ጕድኣት ሕዝቢ ስለ ዘይፈቱ መልኣኹ ልኢኹ “ኢትፍቅድ አድኅኖ ርእስከ አላ ክሥት ዘሀሎ ምስሌከ ወምስለ ብእሲትከ” “ድኅነት ነፍስኻ ጥራይ ኣይትድለ፡ እቲ ኣባኻን ኣብ ማእከል ሰበይትኻን ዘሎ ኅቡእ ምሥጢር ግለጾ” በሎ። ንሱ ኸኣ ፍቓድ ጐይታ ኻብ ኮነ ሕራይ ይኹን ኢሉ ንሊቀ ዲያቆናት ጽባሕ መዓልቲ ኽቕድስ እየ እሞ ነዚ ሕዝቢ ዓቢይን ንእሽቶን ኸይበልካ ንዅሉ ኣክቦ ነፍስ ወከፍ ድማ ሓደ ሓደ ዕንፀይቲ ኂዞም ከም ዝመጽኡ ግበር በሎ እሞ ኂዞም ተኣከቡ። ከም ደመራ መስቀል ንእኡ ኣኪቡ ቕዳሴ ኣተወ።

ካብኡ ወፂኡ ኣንዲዱ ናብ ውሽጢ እናተመላለሰ ኺዓጥን ጀመረ ንሰበይቱ ድማ ኻብ ምቛመ ኣንስቲ ኣጸዊዑ ኽዳንኪ ዘርግሒ ኢሉ ኻብቲ ጓህሪ ሓፊሱ ሓፊሱ ኣብ ክዳና ገበረላ። ንሳ ጓህሪ ሓቝፋ ነቲ ሕዝቢ ዘይራቶ ምሰተመለሰት ክዳና ምንዳድሲ ይትረፍ ከይጸለመ ብፃዕዳኡ ደኣ ተራእየ፡ እቲ ሕዝቢ ድማ ተገረመ። ሽዑ እቶም ሕዝቢ “ኣቦና ነዚ ብምንታይ ምኽንያት ከም ዝሠራሕካዮ ንገረና" በልዎ፡ ንሱ "ኣነ ነዚ ሥራሕ እዚ ዝሠራሕክዎ ክኸብረሉን ክሽየመሉን ኢለ ኣይኮንኩን ንስኻትኩም ብሓሜት እትጕድኡ ብምዃንኩም መልኣኽ እግዚአብሔር እዞም ሕዝቢ ከይጕድኡስ ምሥጢሩ ግለጸሎም ኢሉኒ" በሎም።

እዚ ኸኣ “ንሳ ሰበይቲ ከምዝኾነት ኣነ ውን ሰብኣይ ከም ዝኾንኩ ብተግባር ኣይንፋለጥን ኢና” ኢሉ ነገሮም። ንሳቶም ድማ “ኦ ኣቦና ይቕረ በለልና” ኢሎም ኣብ እግሩ ወደቑ። ንሱ ኸኣ “ይፍታሕ ወይሥረይ ይኅደግ ወያንጽሕ ካህን ሊቀ ካህናት ሠራዬ ኃጢኣት ወደምሳሴ አበሳ . . . ” ኢሉ ኣስተሠረየሎም። ኑዛዜ ሥርየት ማለት ኣጻብዕካ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ እናውረድካ 12 ጊዜ  እግዚኦ መሃረና ክርስቶስን በእንተ ማርያም እግዚኦ ማሃረና ክርስቶስ ዝብል ስርዓተ ሥርየት ኃጢኣት ብድሜጥሮስ ካብዚ ጊዜ እዚ ኣትሒዙ ተጀመረ።

እዚ ቤተ ክርስቲያንና ትጥቀመሉ ዘላ ናይ በዓላትን ኣጽዋማትን ኣቈጻጽራ ቕዱስ ድሜጥሮስ መልኣኽ እግዚአብሔር ብዝገለጸሉ ካብ ለይቲ 23 ካብ መዓልቲ 7 ሱባዔ ኣትዩ ብመጥቅዕን ኣበቅቴን ዚስራሕ ዘመን ባሕረ ሓሳብ ብምሉኡ ዝደረሶ እዩ።

ቅዱስ ዲሜጥሮስ ንኻልኦት ኣርኣያ ኺኸውን ብዚኽእል ቅድስና ዝመልኦ ሕይወት ንቤተ ክርስቲያን ብግቡእ ኪመርሕ ምስ ጸንሐ ኣብ መበል 105 ዓመቱ ብ220 ዓ.ም. ብሰላም ዓረፈ። (ዕብ. 13፡7-9)

በረኸቱን በረኸት ፈጣሪኡን ምስ ኵልና ይኹን ኣሜን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195