banner

እቶም ሠለስተ መንእሰያት (ሠለስቱ ደቂቅ)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

እቶም ሠለስተ መንእሰያት (ሠለስቱ ደቂቅ)

ሠለስቱ ደቂቅ ‘ኣናንያ ኣዛርያ ሚሳኤል’ ደቂ ንጉሥ ኤልያቄም ንጉሥ ይሁዳ እዮም። ነቢይ ዳንኤል ድማ ወዲ ኃፍቶም እዩ። ንጉሥ ናቡከደነጾር ንንጉሥ ይሁዳ ኢኮንያን ስዒሩ ንደቂ እስራኤል ብምርኮ ናብ ባቢሎም ምስ ወሰዶም፡ ካብ ደቂ እስራኤል እናመሃረን እናመገበን ኣገልገልቱ ክገብሮም መንእሰያት ኃረየ። ካብቶም ዝኃረዮም ዳንኤልን እዞም ሠለስተ መንእሰያትን (ሠለስቱ ደቂቅ) ይርከብዎም። እዞም ቅዱሳን ግና በቲ ብልዒ ንጉሥን ነቢትን ንኸይረኽሱ፡ ነቲ ሓለቓ ሹማምንቲ ኣሕምልትን ማይን ክህቦም ለመንዎ። እቲ ሓለቓ ድማ ‘ንስኻትኩም ካብቶም ካልኦት እንተ ዓቢርኩም ንጉሥ ንኣይ ስለዝቐጽዓኒ ኣይከውንን እዩ’ በሎም። ንሳቶም ከኣ ‘ንዓሠርተ መዓልቲ ተዓዘበና ደኃር ንኣናን ነቶም ብልዒ ንጉሥ ዚበልዑንን ርኣየና ሽዑ ኸምቲ ዚመሰለካ ግበረና’ በልዎ።


ድኅሪ ጊዜ፡ ናቶም ትርኢት ካብቶም ብልዒ ንጉሥ ዝበልዑ በሪሁን ጸቢቑንን ተረኽበ። ኣብ ቕድሚ ንጉሥ ናቡከደነጾር’ውን ሞገስ ስለዝረኸቡ፡ መኳንንቲ ጌሩ ኣብ ባቢሎን ሸሞም።

ንጉሥ ናብከደነፆር ነዊኅን ዓቢይን ምስሊ ኣቒሙ ንዅሎም ሕዝብታት ኪሰግዱ ኣዘዘ። ነዚ ምስሊ’ዚ ዘይሰግድ ግና ብኡ ንብኡ ኣብ ጕሁር እቶን ሓዊ ከም ዝድርበይ ኣወጀ። ስለዚ ኵሎም ኣሕዛብን ወገናትን ነቲ ናቡከደነጾር ዘቖሞ ምስሊ ፍግም ኢሎም ክሰግዱ ከለዉ ሠለስቱ ደቂቅ ግና ‘ኣይንሰግድን’ በሉ።

በዚ ተኸሲሶም ድማ ኣብ መጋባእያ ንጉሥ ቀረቡ። ንጉሥ ተቖጢዑ ንሠለስቱ ደቂቅ “ነቲ ኣነ ዘቖምኩዎ ምስሊ ስገዱ እንተ ዘይሰገድኩም ግና ብኡ ንብኡ ናብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ኽትድርበዩ ኢኹም። እቲ ኻብ ኢደይ ዜናግፈኩም ኣምላኽከ መን እዩ፧” እናበለ ፈከረሎም።

ንሳቶም ግና “ኦ ንጉሥ እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ካብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ኼናግፈና ይኽእል እዩ፡ ካብ ኢድካ’ውን ኬናግፈና እዩ። ንሱ ኬናግፈና እንተ ዘይፈተወ ንሕናስ ንኣማልኽትኻ ኸም ዘይነምልኾም፡ ነቲ ዘቖምካዮ ምስሊ ወርቂ’ውን ከም ዘይንሰግደሉ ፍለጥ” በልዎ።

ሽዑ ንጉሥ ናቡከደነፆር ኣዝዩ ተቘጢዑ፡ ነቲ እቶን ካብቲ ዝነበሮ ሾብዓተ ኢድ ኣበርቲዖም ኬንድድዎ ኣዘዘ። ሽዑ ምስ ክዳውንቶም ኣሲሮም ናብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ደርበይዎም። እቲ ሃልሃልታ፡ ነቶም ዝደርበይዎም ሰባት ቀተሎም። ሠለስቱ ደቂቅ ግና ብእሱራቶም ናብቲ ጕሁር ሓዊ እኳ እንተ ኣተዉ፡ ዋላ ሓንቲ ኣይተንከፎምን። እቲ ንጉሥ እንተ ርኣየ ምስ ራብዓይ ርእሶም ዋላ ሓንቲ ኸይኮኑ ርኣየ። በዚ ተደኒቑ “እቶም ዝደርቤናዮም ሠለስተ ሰባት’ዶ ኣይኮኑን፡ እንሆ ኣነ ኣርባዕተ ፍቱሓት ሰባት ገለ እኳ ኸይተጐድኡ ኣብ ማእከል ሓዊ ኺመላለሱ እርኢ ኣለኹ፡ ትርኢት እቲ ራብዓይ ድማ መልኣክ ይመስል” በለ።

በዚ ኸኣ ንጉሥ “እቲ ነዞም ባሮቱ፡ መልኣኹ ሰዲዱ ዘናገፎም ኣምላኽ ይባረኽ። ንሳቶም ብእኡ ተወኪሎም ትእዛዘይ ኣበዩ፡ ብዘይ ንኣምላኾም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸየምልኹን ከይሰግዱንሲ ሕይወቶም ወፈዩ” በለ።

ብድኅር እዚ ንጉሥ ንኣናንያን ኣዛርያን ሚሳኤልን ኣብ ዞባታት ባቢሎን ሸሞም።

እምበኣርከስ ካብዚ ታሪኽ ኣናንያን ኣዛርያን ሚሳኤልን ብዙኅ ኢና ንመሃር። ንኣብነት፦

1. ‘እቲ ብዘይካይ ካልእ ኣምላኽ ኣይተምልኽ’ ዝብል ትእዛዝ ክሳዕ ሞት ምሕላው ከም ዝግባእ፣
2. ብእግዚአብሔር ዝተወከለ ካብ ኵሉ መከራ ከም ዝናገፍ፣
3. ትእዛዝ እግዚአብሔር እንተ ሓሊና ኣብ ቅድሚ ሰባት ሞገስ ከም እንረክብ፣
4. ብጽቡቕ ብልዕን መስተን ጥራይ ኃይልን ጽባቐን ከምዘይርከብ፣ እቲ ዝበለጸ ብጾም ዝርከብ ኃይልን ጽባቀን ምዃኑ፣
5. . . . ወዘይመስሎ

በረኸት ኣናንያን ኣዛርያን ሚሳኤልን ምስ ኵላትና ይኹን!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195