banner

"ኣባ ጉባ ሓደ ካብ ተስዓቱ ቅዱሳን"

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

"ኣባ ጉባ ሓደ ካብ ተስዓቱ ቅዱሳን"

ኣብ ኃምሻይ ክፍለ ዘመን፡ ኣብ ምድረ ኣግዓዚ ስብከተ ወንጌል ኣብ ምስፋሕ፡ ሥርዓተ ምንኩስና ኣብ ምዝርጋሕ ነባሪ ኣገልግሎት ዝፈጸሙ ተስዓቱ ቅዱሳን እዮም። ሓደ ካብዞም ቅድሳን ድማ ኣባ ጉባ እዩ። ኣባ ጉባ፡ ብ 29 ታኅሣሥ ኣብ ቂልቂያ ንኡስ ኤስያ ተወሊዱ ኣብ ኣርብዓ መዓልቱ ጸጋ ጥምቀት ተቐቢሉ፡ ስመ ክርስትናኡ “ጉባ” ኢሎም ሰየምዎ። ‘ጉባ’ ማለት ኣፈ ወርቅ፡ ኣፈ መዓር ማለት እዩ።

ኣባ ጉባ፡ ብኣካልን መንፈስን ምስ ዓበየ ቅዱሳት መጻሕፍትን ሥርዓተ ብሕትውናን ምንኩስናን ብዝግባእ ተማህረ።

መልአከ እግዚአብሔር እናተገልጸሉ ካብ ሓደ ዓዲ ናብ ካልእ ዓዲ ክኸይድ ድኅሪ ምጽናሕ ናብ ምድረ ኣግዓዚ መጺኡ ምስ ተስዓቱ ቅዱሳን ተራኸበ።

ንነዊኅ ዓመታት ምስ እዞም ሸሞንተ ቅዱሳን ብሓድነት ድኅሪ ምንባር፡ ከም ፈቃድ እግዚአብሔር ነናብ ዝተመደበሎም ቦታ ክኸዱ ከለዉ፡ ኣባ ጉባ ድማ ናብ ካብ መደራ ክልተ ምዕራፍ ርኅቕ ኢሉ ዝርከብ ቦታ ከደ። ነቲ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ እናስተማህረን ሕሙማት እናፈወሰን ምዉታን እናተንሥአን፡ ኣብ ኣምልኮተ እግዚአብሔር ከምዝጸንዑን ብሥነ ምግባር ከምዝዓብዩን ገበረ።

ኣባ ጉባ፡- ብዙኃት ደቀ መዛሙርት ኣፍርዩ፡ ብጾም፡ጸሎት፡ ስግደት፡ ምስትምሃር . . . ንብዙኅ ዓመታት ጸኒዑ ገድሉ ምስ ፈጸመ፦ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብግርማ ተገሊጹ ቃል ኪዳን ሃቦ። ድኅሪ’ዚ ድማ ብዕለት 29 ግንቦት ብሰላም ኣብታ ዝገደማ ገዳሙ ዓሪፉ ተቐብረ።

በቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሃቦ ቃል ኪዳን ከኣ ጸጋ በረኸትን ፈውሰ መድኃኒትን ካብ ገዳሙ ኣይተፈልየን፡ ክሳዕ ዳግም ምጽኣት’ውን ዝነብር እዩ።

በረኸት ቃል ኪዳኑ የሳትፈና!
ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195