banner

ዝክረ ጻድቅ ንዓለም ይሔሉ፦ አቡነ ክፍለ ሥላሴ ዘዛውል ወዘባንብቆ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ዝክረ ጻድቅ ንዓለም ይሔሉ፦ አቡነ ክፍለ ሥላሴ ዘዛውል ወዘባንብቆ

ካብ ከርሢ ዛውል ዝወፅኡ ብርሃን ሃይማኖትን ዓምዲ ሥነ ምግባርን ዝኾኑ ብዕድመ ወዲ 28 ዓመት መንእሰይ፡ ብመንፈሳዊ ብስለት ግና ኣረጋዊ ዝኾኑ ኣቡነ ክፍለሥላሴ በረኸት ቅዱስ ታሪኾም ክንካፈል ፍቓድ እግዚአብሔር ይኹነልና።
አቡነ ክፍለ ሥላሴ ካብ ኣቦኦም ተክለማርያም ወልደ ዘኬዎስን፡ ካብ ኣደኦም ርግበ ዳዊትን ኣብ ዛውል ተወልዱ። ስሞም ድማ ‘መሓርየ እግዚእ’ በልዎም። መሓርየ እግዚእ (ኣቡነ ክፍለሥላሴ) እተን ልምሉማት ኣእጋሮም ናይ ታተ ዕድሜአን ኣኅሊፈን ምስ ተረራ ብኡ ንብኡ ናብ ጕስነት ጤለ በጊዕ እየን ወፊረን።

‘ኅሩይ እምከርሠ እሙ’ ካብ ማኅፅን ኣደኦም ዝተኃርዩ ስለዝነበሩ ገና ካብ ሕፃንነቶም ጀሚሮም ፍርሀተ እግዚአብሔር ዝነበሮም ‘ስመ ሥላሴ’ ብከንቱ ዘየልዕሉ ምእዙዝ ነበሩ። ንጠባዮም ዘጽንዑ ካብቶም ንጥሪቶም ምምላስ ዝተሃከዩ ጓሶት “ብስም እግዚአብሔር ምለሰን” ይብልዎም እሞ ስለ ስመ እግዚአብሔር ኢሎም ይእዘዙ ነበሩ።

ንከንቱነት ዓለም ብቃለ እግዚአብሔር ንክስዕሩ በትሪ ጕስነት ደርብዮም ናብ ደብረ ኣቡነ ሳሙኤል ደብረ ኣባይ ኣምርሑ። ኣብ ደብረ ኣባይ ከኣ ብዘደንቕ ትሕትና ንኣቦታት እናተኣዘዙ፡ ብዘሎ መጻሕፍተ ቤተ ክርስቲያንን መዝሙረ ዳዊትን ኣጽፊፎም ተማህሩ። ምስናይ ብርቱዕ ተጋድሎ ተማሂሮም በረከተ አበው (መንፈሳዊ ምርቓ) ሰኒቖም ናብ ገዳም ደብረ ቢዘን ከዱ።

ኣቡነ ክፍለሥላሴ እቲ ተጋድሎ ቅዱሳን አበው ዘደብረ ቢዘን ከም ዕንባባ ዝረኣየ ንህቢ ሃነን ኣበሎም። ዓቢይ ፍቕሪ መንፈሳውነት ስለ ዝነበሮም ከኣ ኣሰረ ፍኖት ቅዱሳን ኣቦታት ኣቡነ ፊልጶስን ኣቡነ ዮሓንስን ስዒቦም ብሕይወቶም ኪመስልዎም ጊዜ ኣይወሰዱን።ሥጋኦም ንማኅበር፤ ነፍሶም ንእግዚአብሔር ዝወፈዩ ጻድቅ ኣቦ ስለዝነበሩ፡ ደኺመ ከይበሉ ዕዮታት ማኅበር ንምስላጥ ለይትን ቀትርን የገልግሉ፣ ንሓንቲ መዓልቲ’ውን ትኹን ብኩራት ብዘይብሉ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰዓተ ጸሎት ሓደ ሽሕ (1000) ስግደታት እናሰገዱ ናይ ሾብዓተ ሰዓታት ጸሎት የብጽሑ ነበሩ። ሰንሰለት ተዓጢቖም ድማ ብዘይ ድቃስን ዕረፍትን ጸኒዖም ይጋደሉ ነበሩ።

ብቓልን ብግብርን ሕያው ወንጌል ስለዝኾኑ ድማ ካብ ኣባ ገብረ ማርያም (ካብ አቡነ ፊልጶስ ሻዱሻይ አበምኔት) ምንኵስና ተቐቢሎም ኣስኬማ መላእክት ደፍኡ። ድኅሪ ምንኵስናኦም እቶም ኣኅዋት መነኰሳት ንሲሳይ ዚኸውን ማሕረጽ ኪጥሕኑ ኣዘዝዎም። ኣቦና ድማ ኣቐዲሞም ሓሪጾም ስለዘይፈልጡ “ኣነ ሓሪጸ(ጥሒነ) ኣይኽእልን እየ እሞ ግደፉኒ” በልዎም። እቶም ኣኅዋት መነኰሳት ከኣ “እዚ ዕቡይ መነኮስ እንታይ ኮይኑ እዩ ሓሪጹ ዘይኽእል፧” ብምባል ኣዕዘምዘሙ።

ኣቡነ ክፍለ ሥላሴ ብምጕርምራም ናይቶም ኣኅዋት ኣዝዮም ብምኅዛን ናብ መጋቢ ከይዶም “ብዓቕመይ ክሓርጽ ሥርናይ ሃበኒ” በልዎ። ካብ መጋቢ ሥርናይ ተቐቢሎም ናብ ቤት ማሕረጽ ኣትዮም ናብቲ ‘ዝለመንዎ ዘይከልእ ዝነገርዎ ዘይርስዕ’ ልዑል እግዚአብሔር ምስ ጸለዩ ድኅሪ ጸሎቶም እቲ ሥርናይ ተጣሒኑ ጸንሖም። ሽዑ ንእግዚአብሔር ኣመስጊኖም ነቶም ኣኅዋት ሃብዎም፣ ንሳቶም ግና ነቲ ምሥጢር ኣይፈለጥዎን። ከመይ! ኣቡነ ክፍለሥላሴ ነዚ ነገር እዚ ብዘይካ ንሓደ ዝፈትዎም እንተዘይኮይኑ ንኻልእ ኣይነገሩን።

ኣባ ክፍለ ሥላሴ ድኅሪ ምንኵስና ናብ ጳጳስ ሃገረ ደምብያ ከይዶም ሥልጣነ ክህነት ተቐብኡ። ተቐቢሎም ኪምለሱ ከለዉ፡ ኣብ ፈለግ መረብ ምስ በጽሑ ነቲ ምስኦም ዝነበረ ንእሽቶ ብሥጋ ኃዎም፡ “ኦ ኃወይ እንሆ እቲ ብሥጋ ዝወለደና ኣቦና ሎሚ ኣዕሪፉ ኣሎ” በልዎ። ሽዑ ዓዲ ምስ ኣተዉ እቶም ደቂ ዓዲ ዛውል ዘይፈለጡ መሲልዎም “ኣቦኻ ዓሪፉ” ኢሎም ነገርዎም። ኣባ ክፍለ ሥላሴ ከኣ፣ “ኦ ኣኅዋተይ ኣይትብከዩ፣ ኣቦይ ከም ዝዓረፈ ኣቐዲመ ፈሊጠ እየ፣ እግዚአብሔር ኣብ ገነት ሓጐስ ምእንቲ ከእትዎ ግና ብጸሎት ኃግዙኒ” በልዎም። እቶም ሰባት ነዚ ምስ ሰምዑ በቲ ዝተዋህቦም ጸጋ ተገረሙን ንእግዚአብሔር ኣመስገኑን።

ኣቡነ ክፍለሥላሴ መዓርገ ክህነት ተቐቢኦም ውኁዳን ዓመታት ኣብ ገዳም ደብረ ቢዘን ምስ ጸንሑ፣ ናብ ገዳም አቡነ እንድርያስ ሰፍኣ ጺዳርዋ ኪኸዱ እኳ እንተሓሰቡ፣ ብራእይ ግና “ናብ’ታ ዓባይ ዳዕሮ ዘላታ እምባ ባምብቆ ኢኻ ትኸይድ” ዝብል ኣምላኻዊ መልእኽቲ መጽኦም። ንፍቓድ መንፈስ ቅዱስ ብሕጕስ መንፈስ ተቐቢሎም ከኣ ኣብ ባምብቆ ዓቢይ መንፈሳዊ ተጋድሎ ጀመሩ። ድኅሪ ውኁድ ዓመታት ቤተ ክርስቲያን ሓኒፆም፡ ካብ ደብረ ቢዘን ብስም ቅድስት ሥላሴ ታቦት ኣምጽኢሞ፣ ጸሎተ ቅዳሴ ሠሪዖም ነቲ ቦታ ባረኽዎን ቀደስዎን።

ኣቡነ ክፍለሥላሴ ብዙኃን ደቀ መዛሙርት ኣፍርዮም፡ ብጸሎቶም እናረድኡን ብትሩፋቶም ግብሪ ጽድቂ እናፈጸሙን ነበሩ። መርኣያ ቅድስናኦም ድማ ኣብ ባምብቆ ቦታኦም ከለዉ፡ ከምቲ ታቦተ ጽዮን ንነቢይ ዕዝራ ብኣምሳል ኅዝንቲ ሰበይቲ ዝተራእየቶ፡ ከምኡ ድማ ከምዚ ሰብ ምስ ሰብ ዚዛረብ ብራእይ መጺኣ “ ኦ ፍቁርየ ሊተሰ ወደዩኒ ውስተ ዝኅር በአምሳለ ግሔ ኀበ አልቦቱ መሥዋዕት ወቍርባን ቅዱስ ወኢየዐርጉ ዕጣነ ንጹሐ” – “ኣንታ ፍቁረይ ነኣይ’ሲ ከም ጊሔ ኣብ ሓደ ጕድጓድ ኣብቲ መሥዋዕቲ፣ ቍርባን፣ ንጹሕ ዕጣን ዘይብሉ ቦታ ኣእትዮሙኒ” ክትብል ተዛረበቶም። እዚ ከኣ ኣብቲ እዋን እቲ ካህናት ቤተ ክርስቲያን ዓዲ ፈለስቲ፡ ነቲ ዮልዮስ ዝተባህለ ኃያልን ዓማፅን መኰንን ቤተ ክርስቲያንና ከየቃጽለልና ብምባል ፈሪሆም ንታቦት ኣብ በረኻ በዓቲ ኃቢኦም ብዘይ ሰብ ስለዝኃደግዎ እዩ። አቡነ ክፍለ ሥላሴ ነዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዑ ናብ ዓዲ ፈለስቲ ብምኻድ ነቶም ካህናት፣ “ብሓቂ ዲኹም ንታቦት ኣብ ጕድጓድ በዓቲ ኃቢእኩምዎ፧” በልዎም። ንሳቶም “ታቦት የብልናን ኣይኃባእናን” በልዎም። ኣቡነ ክፍለሥላሴ ግና “ኦ ኣኅዋተይ ፣ ሓቂ ተዛረቡ ኣይትኅብኡለይ” ብምባል ኵሉ እቲ ዝረኣዮ ካብ ጥንቱ ክሳዕ ተፍጻሜቱ ምስ ነገርዎም፡ ኣዝዮም እናፈርሁ “ኦ ኣቦና፣ እወ ንዮልዮስ ፈሪህና ነቲ ታቦት ኣብ በዓቲ ኃቢእናዮ ኣሎና፣” በልዎም። በዚ ኸኣ ነቲ ታቦት ብኽብሪ ናብ ቤተ ክርስቲያን መለስዎ።

ኣቡነ ክፍለሥላሴ ከም መቐጸልታ ጽኑዕ ተጋድሎኦም ከኣ ነቶም ተማሃሮኦም “ኣብ ውሽጢ ቤቱ ሾብዓተ እመት ዝኸውን ጕድጓድ ኵዓቱለይ እሞ፣ ኣነ ኣብኡ ምስ ኣቶኹ ክደኑኒ፣ ኣብ ልዕሊኡ ከኣ ናይ ዕንጨይቲ ሰሌዳ ጌርኩም ብጸብርን ብኣእማንን ልክዕ ብምስሊ መቓብር ሕተምዎ፣ “ሰባት ኣበይ ኣሎ፧” ኢሎም ምስ ዚሓትኹም “ኣይፈለጥናን በልዎም”፣ 40 መዓልትን 40 ለይትን ምስ ኮነ ግና ከፊትኩም ደሃየይ ግበሩ” በልዎም። ኵሉ ምስ ተዳለወ ኣቡነ ክፍለሥላሴ ምስቲ ኣብ ሰብነቶም ዘሎ ሞቝሕ ናብቲ ጕድጓድ ኣተዉ እሞ ኣብርሃም ዝተባህለ ወደ መዝሙሮም ምስኦም ኣትዩ ኢዶምን እግሮምን ኣሲርዎም ወፅአ። ከምታ ዝኣዘዝዎም ነቲ ጕድጓድ ሓቲሞም፡ ሰብ ምእንቲ ከይፈልጥ ሓደ ዓቢይ መደብ ሠርሑላ።

ንጽባሒቱ ግና “ኦ ፍቁረይ ስለምንታይ ከምዚ እትገብር፧ ንስኻ ኣብ ጕድጓድ ኣቲኻስ መን እዩ ቅዱስ ሥጋን ክቡር ደምን ኪሥውዕ፣ መንከ ኪዓጥን፧ ሕጂ ድማ ንዓ ቀልጢፍካ ተንሥእ።’ ዝብል ብራእይ ተገልጸሎም። ብኡ ንብኡ ኸኣ እቲ ተዓፅዩ ዝነበረ ብተኣምራት ተኸፊቱ፣ እቲ መእሰር ኣእዳዉን እግሩን ተፈቲሑ ቀልጢፉ ወፅአ። ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣተዉ እሞ ሰዓት ሾብዓተ ምስ ኮነ ብኢዶም ጠቓዕ ጠቓዕ ኣበሉ። እቶም ደቀ መዛሙርቶም ከኣ ድምፂ ሰሚዖሞ ብቕልጡፍ እንተመጽኡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተቐሚጦም ረኸብዎም። “መን ደኣ ኣውፂኡካ፧ መን’ከ ኢድካን እግርኻን ፈትሓልካ፧” ኢሎም ምስ ሓተትዎም እቲ ኵሉ ዝኾነ ነገር ነገርዎም።

ኣቡነ ክፍለ ሥላሴ ብሕይወተ ሥጋ ከለዉ ነቲ ዜና ቅድስናኦም ዝሰምዑ ሕዝቢ ብጸሎቶም ክራድእዎም ይምሕጸንዎም ነበሩ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣብ’ዛ ደብረ መድኃኒት ኢሉ ዝሰመያ ደብሩ ዓዲ ባምብቆ ክፉእ ሕማም ከብቲ (ጉልሓይ) ኣተወ እሞ: ብዙኃን እንስሳ ተወድኡ። ሽዑ እቶም ሕዝቢ ናብ አቡነ ክፍለ ሥላሴ መጺኦም ነገርዎም። ኣቡነ ክፍለ ሥላሴ ኸኣ “እቲ ዘሕምመን ዘሎ ክፉእ ጋኔንን መንፈሰ ርኩስን እዩ” ፣ ብኃይሊ ሥጋን ደምን ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ ከባርሮ እየ” በሎም። ሽዑ ቅድሚ ጸሎተ ቍርባን ምሥርዑ እቲ እኩይ ጋኔን ወፂኡ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ዓዲ ከይዱ ብዓው ዝበለ ድምፂ ኣእወየ። እቶም ደቂ ዓዲ ኣውያት ምስ ሰምዑ ድምፂ ሰይጣን ምዃኑ ስለዘይፈለጡ፡ ሰባት ዝተባእሱ መሲልዎም ከካብ ቤቶም ወፂኦም እንተጐየዩ ብዓይኖም ዝርእይዎ ሰብ ስኢኖም “እንታይ ዲና ኴንና፧ እዚ ኣውያት ኣበይ ድዩ፧” እናበሉ ናብ ዓዶም ተመሊሶም ንጽባሒቱ ናብ አቡነ ክፍለ ሥላሴ ከይዶም ዘጋጠሞም ኵሉ ነገርዎም። ኣቡነ ክፍለሥላሴ ከኣ “ኦ ኣኅዋተይ፤ ኣዚኹም ተሓጐሱ፥ ንእግዚአብሔር ከኣ ኣመስግንዎ፣ ምኽንያቱ እቲ ዝበኣሰኩም ዝነበረ እኩይ ጋኔን ንሱ እዩ ኡይ እናበለ ብኃይሊ አምላኸይ ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ባሕሪ ገጹ ዝሃደመ” በልዎም። ብድኅሪዚ ኣብ እንስሳ ምሉእ ጥዕና ኮይኑ እንስሳ ኣዝዮም በዝኁ፣ እቶም ደቂ እቲ ከባቢ ከኣ ተሓጐሱ፣ ነቲ ንጻድቕ ኣቡነ ክፍለሥላሴ ዝሃቦም እግዚአብሔር ከኣ ኣመስገኑ።

ኣቡነ ክፍለሥላሴ ካብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ዘይፍለዩ እኳ እንተኾኑ ሓደ እዋን ግና ክሳዕ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኬድካ ገተገልግል ዘይክእል ሕማም ስለዝሓመሙ፡ ኣብ ክንዳኦም ሓንቲ እግሩ ሕምምቲ ዝኾነት ፈታዊኦም ካህን ናብ ቤተ ክርስቲያን ከይዱ ብሓንቲ እግሩ ቆይሙ ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ብሰሜንን ደቡብን ዓጢኑ ፣ ብምሥራቅን ምዕራብን ታቦት ግና ከይዓጠነ ወዲኡ፣ ኪበጽሖም መጸ። ሽዑ ኣቡነ ክፍለ ሥላሴ “ኣንታ ኃወይ፣ ስለምንታይ ከምዚ ትገብር፧ ብወገን ምሥራቕን ምዕራብን ስለምንታይ ከምቲ ናይ ኣቦታትካ ጌርካ ዘይዓጠንካ፧” በልዎ። እቲ ካህን ነዚ ምስ ሰምዐ፣ ኣዝዩ ሰንበደ፣ ፍርሃትን ራዕድን ከኣ ኃዞ፣ በቲ ዝገበሮ ጌጋ ተኣሚኑ ከኣ ተነስሐን ንእግዚአብሔር ኣመስገነን።

ኣቡነ ክፍለ ሥላሴ፣ ጊዜ ዕረፍቶም ምስ ቀረበ፡ ነቲ ፈታዊኦም ካህን “ኦ ኃወይ፣ ኣነ ሠሉስ መዓልቲ ኣብታ በዓል ኣቦና አብርሃም ክመውት እየ” በልዎ። እቲ ካህን ከኣ ኣዝዩ ተገረመ። እንተኾነ ክሳዕ እታ ጊዜ ዕረፍቶም ብብርቱዕ ተጋድሎ ይነብሩ ነበሩ። ቅድሚ ምንኵስና ዕሥራ (20) ዓመት፣ ድኅሪ ምንኵስና ከኣ ሸሞንተ (8) ዓመት ነይሮም፣ኣብ 28 ዓመት ዕድመኦም ካብ ብዝኂ ገድሊ ሓሚሞም፡ ሠናይ ተጋዲሎም ጕያኦም ወዲኦም ሰዓት ሾብዓተ ሠሉስ 28 ሰኔ ብሰላም ናብ ናይ ዘለዓለም ዕረፍቶም ኸዱ። ከመይ! ‘ጻድቃንሰ ኢሞቱ ኀበ እግዚኦሙ ነገዱ በመንግሥተ ሰማያት ይሁቦሙ ዘፈቀዱ’ ከምዝብል። ኣቡነ ክፍለ ሥላሴ ኣብታ ባዕሎም ዝተኸልዋን ዚጽልዩላ ዝነበሩን ደብረ መድኃኒት ቅድስት ሥላሴ ባምብቆ ቤተ ክርስቲያን ተቐብሩ። ክሳዕ ሕጂ ኣስከሬኖም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ደብረ መድኃኒት ቅድስት ሥላሴ ባምብቆ ተኣምራት እናኣርኣየ ይነብር ኣሎ።

ናይ ኣቡነ ክፍለሥላሴ ዝኽሮም ዝገበረ፣ ብጸሎቶም ዝተማሕፅነ ኣብዚ ዓለም እዚ ካብ መከራ ሥጋ፣ ኣብቲ ዚመጽእ ዓለም ካብ መከራ ነፍሲ ዚድኅን ምዃኑ ካብ እግዚአብሔር ቃል ኪዳን ስለ ዝተቐበሉ፡ ብሓፈሻ ሕዝበ ክርስቲያን ብፍላይ ድማ ሕዝቢ ባምብቆን ሕዝቢ ዛውልን ዓመት መጽአ 28 ሰኔ ብኽብሪ ዝክረ በዓሉ የብዕልዎ እዮም።

ጸሎቱን ምሕረት አምላኹን ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን፥ ኣሜን።

ይትባረክ እግዚአብሔር አምላከ አበዊነ!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195