banner

ቅዱስ እስጢፋኖስ ሊቀ ዲያቆናት ወቀዳሜ ሰማዕት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ቅዱስ እስጢፋኖስ ሊቀ ዲያቆናት ወቀዳሜ ሰማዕት

ቅዱስ እስጢፋኖስ፡ ብቕዱሳን ሓዋርያት ሊቀ ዲያቆናት ተሸይሙ ምእመናን እናኣብዝሐን ቤተ ክርስቲያን እናኣስፍሐን ከገልግል ከሎ፡ ብግብረ ሰይጣን ዝተላዕሉ ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ቀተልዎ። በዚ ሰማዕትነቱ ድማ ቀዳሜ ሰማዕት ተባህለ። ግብረ ሓዋርያት ምዕራፍ 6 - ምዕራፍ 7 ።

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ንቅድስናን ክብርን ቅዱስ እስጢፋኖስ ወትሩ እኳ ትዝክሮ እንተኾነት፡ ዕለት 15 መስከረም በዓለ ቅዱስ እስጢፋኖስ እተኽብረሉ ምኽንያት ግና መጽሓፈ ስንክሳር ከምዚ ዚስዕብ ይብል፡-

ቅዱስ እስጢፋኖስ ካብ ዝዓርፍ ድኅሪ ብዙኅ ዓመታት፡ ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ ካብ ዚነግሥ ድማ ድኅሪ 300 ዓመት፡ ሥጋ ቅዱስ እስጢፋኖስ ኣብ ዚተቐብረሉ ጥቓ ኢየሩሳሌም ‘ሉክያኖስ’ ዚተባህለ ሰብኣይ ነበረ። ነዚ ሰብ’ዚ ቅዱስ እስጢፋኖስ ብሕልሚ እናተገልጸ “ኣነ እስጢፋኖስ እየ፡ ሥጋይ ኣብዚ ቦታ’ዚ ተቐቢሩ ኣሎ” ይብሎ ስለዝነበረ ንኤጲስቆጶስ ኢየሩሳሌም ከይዱ ኵሉ ዝረኣዮ ነገሮ። እቲ ኤጲስቆጶስ ከኣ ምስ ክልተ ኤጲስ ቆጶሳት ኾይኑ ብኽብርን ብምስጋናን ንመቓብሩ ኰዓቶ። በዚ ጊዜ’ዚ እቲ መቓብር ኣዝዩ ጥዑም ጨና ጨነወ’ሞ “ስብሐት ለእግዚአብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር ሥምረቱ ለሰብእ” ዝብል ምስጋና መላእኽቲ ተሰምዐ። እዚ ምስ ሰምዑ ኵሎም ስለ እቲ ዝተገብረ ንእግዚአብሔር እናኣመስገኑ ተሰኺሞም ናብ ጽርሐ ጽዮን ወሲዶም ቀበርዎ።

ድኅሪ’ዚ እለእስክንድሮስ ዚተባህለ ቍስጥንጥንያ ዝሃገሩ ግና ኣብ ኢየሩሳሌም ዝቕመጥ ሰብኣይ ቤተ ክርስቲያን ሓኒፁሉ ንሥጋኡ ናብኡ ኣግዓዝዎ። ድኅሪ ኃሙሽተ ዓመት እለእስክንድሮስ ሞተ’ሞ ኣብ ጐድኒ መቓብር እስጢፋኖስ ተቐብረ። በዓልቲ ቤት እለእስክንድሮስ ድኅሪ ሸሞንተ ዓመት፡ ሬሣ ሰብኣያ ናብ ቍስጥንጥንያ ንኽትወስድ ናብቲ ቤተ ክርስቲያን ከደት። ኣስከሬን ሰብኣያ ዘለዎ ሣፁን ምስ ሣፁን ቅዱስ እስጢፋኖስ ይመሳሰል ስለዝነበረ ብፈቃደ እግዚአብሔር ተጋግያ ኣስከሬን ቅዱስ እስጢፋኖስ ዘለዎ ሣፁን ኣብ መርከብ ጽዒና ናብ ቍስጥንጥንያ ኽትጓዓዝ ጕዕዞኣ ጀመረት። ኣብ መንገዲ፡ ካብ ሣፁን ቅዱስ እስጢፋኖስ ጣዕመ ዝማሬ ሰምዐት እሞ ተደኒቓ ነቲ ሣፁን እንተረኣየት ሣፁን ቅዱስ እስቲፋኖስ ከምዝኾነ ፈለጠት። እዚ ዝኾነ ብፈቃደ እግዚአብሔር ከም ዝኾነ ተረዲኣ ንእግዚአብሔር እናኣመስገነት መንገዳ ናብ ቍስጥንጥንያ ቀጸለት።

ኣብ ቍስጥንጥንያ ምስ በጽሐት እቲ ዝኾነ ኵሉ ንንጉሥ ነገረቶ። ንጉሥን ሊቀ ጳጳሳትን ካህናትን ሕዝብን ብኽብሪ ተቐበልዎም። ብዙኅ ተኣምራት ከኣ ኣርኣየ። ሓደ ካብኡ ድማ ኣብ ሠረገላ ኣብቅልት ጽዒኖም ክወስድዎ ከለዉ፡ ኣብ ‘ቍስጥንጥንያ’ ዝበሃል ቦታ ምስ በጽሑ እተን ኣብቅልቲ ምኻድ ኣብየን ደው በላ፡ ዋላ እንተኸትከትወን ምንቅስቓስ ኣበያ። ብድኅር’ዚ ሓንቲ በቕሊ ብልሳን ሰብ “ንሥጋ ቅዱስ እስጢፋኖስ ኣብዚ ኣንብርዎ” ኢላ ተዛረበት። ነዚ ዚሰምዑ ኵሎም እናተገረሙ ንኣድጊ በለዓም ዘዛረበ ኣምላኽ ኣመስገኑ። እቲ ንጉሥ ኸኣ ኣብቲ ቦታ ቤተ ክርስቲያን ኽሕነፀሉ ኣዘዘ እሞ ብፈቃደ እግዚአብሔር ኣብቲ ዝተሓንፀ ቤተ ክርስቲያን ብኽብሪ ሥጋ ቅዱስ እስጢፋኖስ ተነብረ።
በረከተ ጸሎቱ ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን፡ ኣሜን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195