banner

መጋቤ ሓዲስ ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

መጋቤ ሓዲስ ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት

ዕለት 19 ታኅሣሥ ዝክረ በዓል ናይ ዓቢይን ልዑልን ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል እዩ።

• ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት፡ ሓደ ካብቶም ንቕዱሳን ነቢያትን ሐዋርያትን ሰማዕታትን ጻድቃንን ንምርዳእ ዚለኣኹ ቅዱሳን መላእኽቲ እዩ።
• ቅዱስ ገብርኤል፡ ሰባኬ ፀሐየ ጽድቅን ነቶም ብንጹሕ ልቡና ነቲ ብሥራቱ ዚቕበልዎ ፀዋር ጥዑም ዜና ብሥራትን እዩ። ነቶም ብሕንዚ ስሕተት ሰይጣን ዝሓመሙን ነቶም ብኽሕደት ትእዛዝ እግዚአብሔር ብሞት ኃጢኣት ዝሞቱን ሰባኺ ሕይወትን መድኃኒትን እዩ።

ተውሳክ፡ . . .መጋቤ ሓዲስ ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት

ቅዱስ አቡነ ኣብርሃም ሶርያዊ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ቅዱስ አቡነ ኣብርሃም ሶርያዊ

አቡነ ኣብርሃም ሶርያዊ ፡ ሃብታም ነጋዳይ ኮይኑ ብሥራሕ ንግዲ ብዙኅ ጊዜ ንግብጽ ይመላለስ ብምንባሩ ኣብ መወዳእታ ጠቕሊሉ ግብጽ ኣተወ። ኣቡነ ኣብርሃም ፍርሃት እግዚአብሔር ዘለዎ መፍቀሬ ነዳያን ምዃኑ ብዅሉ ተፈልጠ። መበል 61 ሊቀ ጳጳሳት ዘእስክንድርያ ምስ ዓረፈ አበው ሊቃነ ጳጳሳትን መምህራንን ውሉደ ክህነትን ንሊቀ ጳጳስነት መረጽዎ። ንሱ'ውን ኵሉ ንብረቱ ንድኻታትን ጽጉማትን መጽዊቱ ብፍቓድ እግዚአብሔር ኣብ መንበረ ማርቆስ ብፓትርያርክነት ተሾመ።

ተውሳክ፡ . . .ቅዱስ አቡነ ኣብርሃም ሶርያዊ

ሓዋርያ ቅዱስ እንድርያስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሓዋርያ ቅዱስ እንድርያስ - ‘በኵረ ሓዋርያት፡ ተባዕ ለመስቀል’

• ‘እንድርያስ’ ማለት ‘በኵረ ሓዋርያት’ ማለት እዩ።
ቅዱስ እንድርያስ ኃው ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኑ ኣብ ዓዱ ቤተ ሳይዳ ብምግፋፍ ዓሣ ይናበር ነበረ ። ‘እንድርያስ’ ማለት በኵረ ሓዋርያት - ብመጀመርታ ዝተጸወዐ ሓዋርያ ማለት እዩ። (ዮሓ. 1፡35-45) ቅዱስ እንድርያስ፡ ኣቐዲሙ ወደ መዝሙር ዮሓንስ መጥምቅ ነበረ። መምህሩ ዮሓንስ መጥምቅ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኪኃልፍ ከሎ ርእዩ “እንሆ ኃጢኣት ዓለም ዘርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” ክብል ምስ ሰምዖ፡ ብኡ ንብኡ ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሰዓቦ። ንኃዉ ጴጥሮስ ድማ ‘ረከብናሁ ለማስያስ ዘበትርጓሜሁ ይብልዎ ክርስቶስ/ ነቲ መሲሕ ክርስቶስ ዝትርጕሙ ረኺብናዮ’ ኢሉ ናብ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ወሰዶ።

ተውሳክ፡ . . .ሓዋርያ ቅዱስ እንድርያስ

አባ ሊቃኖስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

አባ ሊቃኖስ

አባ ሊቃኖስ ካብ ተስዓቱ ቅዱሳን ሓደ እዩ። 'ሊቃኖስ' ብልሳነ ሱርስት 'ሊቅ ምሁር' ማለት እዩ። ካብ ቍስጥንጥንያ ናብ ምድረ ኣግዓዚ ምስ መጽአ፡ ካብ ኣክሱም ብሸነኽ ሰሜን ኣብ ዝርከብ ደብረ ቈናጽል ኣብ ዝበሃል እምባ መንበሪኡ ገይሩ ብሥርዓት ገዳም ኣስቄጥስ ገዳም ገደመ። ገዳም ደብረ ቈናጽል ብተፈጥሮ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ለምለም ዝኾነን ዓበይቲ ኣግራብን ዝመልኦ፡ ኣቦታት ባሕታውያን ዘይፍለዮ ገዳም እዩ። ኣብዚ ቦታ’ዚ አቡነ ሊቃኖስ ብኣገልግሎት ስብከተ ወንጌል ንኣስታት 21 ዓመታት ኣገልጊሉ፡ ካብ ቋንቋ ፅርእን ሱርስትን መጽሓፍተ ሓዲሳት ብኸፊል ናብ ግእዝ ተርጒሙ እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ሃይማኖቱ ኣጽኒዑ፡ ስብከተ ወንጌል ኣስፊሑን ደቀ መዛሙርት ኣብዚኁን 28 ኅዳር ብሰላም ዓረፈ።

ተውሳክ፡ . . . አባ ሊቃኖስ

ቅዱስ ሐዋርያ ፊልጶስ አሐዱ እምዓሠርቱ ወክልኤቱ ሐዋርያት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ቅዱስ ሐዋርያ ፊልጶስ አሐዱ እምዓሠርቱ ወክልኤቱ ሐዋርያት 

18 ኅዳር ዕለተ ዕረፍቱ ናይ ሓደ ካብ ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት ዝኾነ ቅዱስ ፊልጶስ እዩ። ‘ፊልጾስ’፦ ማለት መፍቀሬ አኃው ፈታው ኣኅዋት፣ ኣኃዜ ኲናት ረያጼ ኣፍራስ ማለት እዩ። ሓዋርያ ፊልጶስ፡ ብዓል ቤተ ሳይዳ እዩ። ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ገሊላ “ሰዓበኒ” ምስ በሎ ብኡ ንብኡ ንዅሉ ኃዲጉ ሰዓቦ። ‘እቲ ሙሴ ኣብ ኦሪት፡ ነቢያት’ውን ኣብ ትንቢቶም ብዛዕባኡ ዝጸሓፉሉ ጐይታ ኢየሱስ ረኺብናዮ . . . ነዓ ርአ’ ብምባል ንሓዋርያ ናትናኤል ናብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብጽሖ። (ዮሓ. 1፡43-46) ኣብ መዋዕለ ስብከት ጐይታ’ውን ሓዋርያ ፊልጶስ ንኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ፦ “ጐይታይ! ነቦ ደኣ ኣርእየና እምበር ይኣኽለና” ኢሉ ብምሕታቱ ብዛዕባ ምሥጢረ ሥላሴ ክመሃር ዝበቕዐ ሓዋርያ እዩ። ዮሓ. 14፡8

ተውሳክ፡ . . .ቅዱስ ሐዋርያ ፊልጶስ አሐዱ እምዓሠርቱ ወክልኤቱ ሐዋርያት

"ንኣይ ዝሕግዘንን ዝከላኸለለይን ሚካኤል እዩ” ዳን. 10፡21 (2)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

"ንኣይ ዝሕግዘንን ዝከላኸለለይን ሚካኤል እዩ” ዳን. 10፡21

ቅዱስ ሚካኤል ሓደ ካብቶም ሊቃነ መላእኽቲ እዩ። (ይሁዳ 1፡9) ኃይላት ናይ ዝበሃሉ ነገድ ሓለቓ እዩ። (ሄኖ. 10፡2-12) ቅዱስ ሚካኤል ናይ ዕብራይስጥ ቃል ኮይኑ ትርጕሙ ‘መን ከም እግዚአብሔር’ ማለት እዩ፡ ከምኡ ውን ‘ሚካኤል’ ብሂል ዕፁብ ማለት እዩ። ቅዱስ ሚካኤል ዲያብሎስ ብትዕቢት ኣምላኽነት ደልዩ፡ ኣብ ሞንጎ መላእኽቲ ህውከት ምስ ኣለዓዓለ ናይ ቅዱሳን መላእኽቲ መራሒ ኮይኑ ንዲያብሎስ ዝተዋግኦ ጽኑዕ ኃያል መልኣኽ እዩ። ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኮነ፡ ሚካኤልን መላእኽቱን ነቲ ገበል ተዋግእዎ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም እንተኾነ እቲ ገበልን መላእኽቱን ተሳዕሩ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዝነበረ ቦታኦም ኣጥፍኡ። (ራእ. ዮሓ. 12፡7)

ተውሳክ፡ . . . "ንኣይ ዝሕግዘንን ዝከላኸለለይን ሚካኤል እዩ” ዳን. 10፡21 (2)

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195