banner

ብርሃናተ ቤተ ክርስቲያን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ

ቅዱሳን ሓዋርያት: ብኸመይ ከም እተጸውዑን ክሳዕ ዕርገት ዝነበርዎ ኵነታትን ኣብ ኣርባዕቱ ወንጌል፡ ድኅሪ ዕርገትን ክሳዕ መጀመርያ ስሳታትን ከኣ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ተጻሒፉ ይርከብ። ብሰፊሑ ታሪኽን ገድልን ሓዋርያት ንምፍላጥ ግና እቲ እንኮ ምንጪ ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና ዝርከቡ መጻሕፍቲ ታሪኽ እዮም።
ስለዚ ካብዞም ዝተጠቕሱ ቅዱሳት መጻሕፍቲ መወከሲ ብምግባር ናይ ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን ታሪኽን ገድልን ብኸፊሉ ከነቕርብ ኢና እሞ በረከተ ኣምላኩ ምስ ኵልና ይኹን!

ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ኣብ ወሰናስን ባሕሪ ገሊላ ኣብ እትርከብ ቤተ ሳይዳ ተወሊዱ። ስም ኣቦኡ ዮና ኾይኑ። ዚዓበየላ ኸተማ ቅፍርናሆም ኮይና፡ ምስ እንድርያስ ኃዉ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ዓሣ ይገፉ ነበሩ።

ተውሳክ፡ . . .ብርሃናተ ቤተ ክርስቲያን

ብርሃነ ዓለም፡ ማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን፡ ንዋየ ኅሩይ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ


ብርሃነ ዓለም፡ ማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን፡ ንዋየ ኅሩይ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ

ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ዓሌቱ ዕብራዊ ኾይኑ ኣብ ከተማ ጠርሴስ ተወሊዱ። ሮማውያን ነቶም ኣብ ትሕቲኦም ዚመሓደሩ ሕዝቢ፡ ሮማዊ ዜግነት ይህቡ ስለዝነበሩ፡ ብኣቦኡ ሮማዊ ዜግነት ነበሮ። (ፊል. 3፡5)።
ቅዱስ ጳውሎስ፡ ካብቲ በቲ ዘመን ፍሉጥ ዝነበረ ፈሪሳዊ ምሁረ ኦሪት ሊቅ ገማልያል፡ ንዅሉ ሕግን ሥርዓትን ኣይሁድ ብርቐትን ዕምቈትን ኣጽንዐ። በታ ኦሪታዊት እምነቱ ቀናእ ፈሪሳዊ ብምዃን ንክርስቲያናት ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ይቃወም ነበረ። ብፍላይ እኳ ሊቀ ዲያቆናት እስጢፋኖስ ወንጌል ብምስባኹ ገበን ተቘጺሩ ብኽሲ ኣብ ባይቶ ኣይሁድ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ጸኒዑ ዝተኸራኸሮን ብዳርባ እምኒ ተቐጥቂጡ ብሰማዕትነት ኪኃልፍ ከሎ ኽዳውንቲ ቀተልቲ ይሕሉ ነበረ። (ግብ. 7፡58)

ተውሳክ፡ . . .ብርሃነ ዓለም፡ ማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን፡ ንዋየ ኅሩይ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ

ጻድቕ አቡነ ክፍለ ሥላሴ ዘዛውል ወዘባንብቆ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ጻድቕ አቡነ ክፍለ ሥላሴ ዘዛውል ወዘባንብቆ

ካብ ከርሢ ዛውል ዝወፅኡ ብርሃን ሃይማኖትን ዓምዲ ሥነ ምግባርን ዝኾኑ ብዕድመ ወዲ 28 ዓመት መንእሰይ፡ ብመንፈሳዊ ብስለት ግና ኣረጋዊ ዝኾኑ ኣቡነ ክፍለሥላሴ በረኸት ቅዱስ ታሪኾም ክንካፈል ፍቓድ እግዚአብሔር ይኹነልና።
አቡነ ክፍለ ሥላሴ ካብ ኣቦኦም ተክለማርያም ወልደ ዘኬዎስን፡ ካብ ኣደኦም ርግበ ዳዊትን ኣብ ዛውል ተወልዱ። ስሞም ድማ ‘መሓርየ እግዚእ’ በልዎም። መሓርየ እግዚእ (ኣቡነ ክፍለሥላሴ) እተን ልምሉማት ኣእጋሮም ናይ ታተ ዕድሜአን ኣኅሊፈን ምስ ተረራ ብኡ ንብኡ ናብ ጕስነት ጤለ በጊዕ እየን ወፊረን። ‘ኅሩይ እምከርሠ እሙ’ ካብ ማኅፅን ኣደኦም ዝተኃርዩ ስለዝነበሩ ገና ካብ ሕፃንነቶም ጀሚሮም ፍርሀተ እግዚአብሔር ዝነበሮም ‘ስመ ሥላሴ’ ብከንቱ ዘየልዕሉ ምእዙዝ ነበሩ። ንጠባዮም ዘጽንዑ ካብቶም ንጥሪቶም ምምላስ ዝተሃከዩ ጓሶት “ብስም እግዚአብሔር ምለሰን” ይብልዎም እሞ ስለ ስመ እግዚአብሔር ኢሎም ይእዘዙ ነበሩ።

ተውሳክ፡ . . . ጻድቕ አቡነ ክፍለ ሥላሴ ዘዛውል ወዘባንብቆ

ቅዱሳን ሓዋርያት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ቅዱሳን ሓዋርያት

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ንትምህርቱ ሰሚዖምን ተኣምራቱ ርእዮምን ካብ ዝሰዓብዎ ሕዝቢ መጀመርታ “ንዑ ሰዓቡኒ” ኢሉ ዝጸውዖምን ዝመረጾምን ንዓሠርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቱ እዩ። (ማር. 3፡13) እዞም ደቀ መዛሙርቱ ‘ሓዋርያት’ ተባሂሎም ይጽውዑ። 

ሓዋርያ ማለት ካብ ‘ሖረ’ ዝብል ግእዛዊ ቓል ዝወፅአ ኾይኑ ከያዲ፡ ልዑኽ ማለት እዩ። ንወንጌለ መንግሥት ድኅነት ዓለም ንዅሉ ዓለም ከበሥሩ ዝተላእኩ ማለት እዩ።
ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንሓዋርያት ካብ ኃሙሽተ ወገን እዩ ዝመረጾም፡ ማለት ካብ ኣለምቲ፡ ካብ ሓነፅቲ፡ ካብ ተቐበልቲ ግብሪ ቐረጽ፡ ካብ ገፈፍቲ ዓሣ፡ ካብ ሓረስቶት መረጾም። ከም በዓል ቅዱስ ጴጥሮን ካብ ምግፋፍ ዓሣ ዝተጸውዑ ኪኾኑ ኸለዉ፡ ከም በዓል ቅዱስ ማቴዎስ ድማ ካብ ምቕራጽ ቀረጽ ዝተጸውዐ እዩ። (ማቴ. 4፡20 ፣ 9፡9።) ከም በዓል ቅዱስ ናትናኤል ከኣ ምሁራነ ኦሪት’ውን ኣለዉ። (ዮሓ. 1፡44-49)

ተውሳክ፡ . . . ቅዱሳን ሓዋርያት

ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“ ጐይታይን ኣምላኸይን” ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ

ብልሳነ ዕብራይስጥ ‘ቶማስ’ ማለት ፀሓይ እዩ። ድርብ ስሙ ‘ዲዲሞስ’ ብልሳነ ጽርኢ ማንታ ማለት እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ካብ ነገደ ኣሴር ዝተወልደ ኮይኑ፡ ኣቐዲሙ ‘ትንሣኤ ሙታን የሎን’ ኢሎም ካብ ዝኣምኑ ወገን ሰዱቃውያን ነበረ። ማቴ. 22፡25

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ንተኣምራቱ ርእዮምን ንትምህርቱ ሰሚዖምን ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ክንዲ ኃሙሽተ ዕዳጋ ዚኣኽሉ ሕዝቢ ይስዕብዎ እኳ እንተነበሩ ካብዚኦም ግና መጀመርታ ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት ቀጺሉ ከኣ 72 ኣርድእትን 36 ቅዱሳት ኣንስትን ጥራሕ እዩ ኃርዩ። ሓደ ካብዞም ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት ዝኾነ ቅዱስ ቶማስ፡ ደድኅሪ መምህሩን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሠለስተ ዓመትን ሠለስተ ወርኅን ኣብ ምድረ እስራኤል ተዘዋወረን ተመላለሰን። (ማቴ. 10፥3፣ ዮሓ. 20፥24፣ ግብ. 1፥13)።

ተውሳክ፡ . . . ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ

ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ 

'ኣብ ወርኂ ታኅሣሥ ዕለቱ ሰኑይ፡ ሰዓቱ ሰዓት ፫ተ ብግዕዝ (9ተ)፡ ኣብ ቅድሚ ታቦተ ጽዮን ኣክሱም ደው ኢሉ ድምፁ ዓው ብምባል “ሃሌ ሉያ ለአብ፡ ሃሌ ሉያ ለወልድ፡ ሃሌ ሉያ ለመንፈስ ቅዱስ፡ ቀዳሚሃ ለጽዮን ሰማየ ሣረረ፡ ወበዳግም ኣርኣዮ ለሙሴ ዘከመ ይገብር ግብራ ለደብተራ/ ሃሌ ሉያ ንአብ፡ ሃሌ ሉያ ንወልድ፡ ሃሌ ሉያ ንመንፈስ ቅዱስ፡ ንሰማይ ፈጠሮ ደጊሙ'ውን ንሙሴ ናይ ደብተራ ሥራሕ ኣርኣዮ” (ዘፀ. ፳፭፥፰-፲/25፥8-10)። እዚ ዕፁብ ድንቂ ዝኾነ ዜማ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኣዜመ፡ ነዚ ዜማ'ውን ካብ መላእኽቲ ወይ ካብ ሰማይ ዝተረኽበ እዩ ንክብል “ማኅሌት ኣርያም” በሎ። እዚ ዜማ’ዚ ክሳዕ ፍጻሜ ዓለም ከይጠፍአ ዝነብር እዩ። ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዜማ ዘዝየመን “ኣርያም” ኢሉ ዝሰመዮን ኣቦና ቅዱስ ያሬድ እዩ።

ተውሳክ፡ . . . ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195