banner

ቅዱስ ኣትናቴዎስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ቅዱስ ኣትናቴዎስ

ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከምዝሕብሮ፡ ድኅሪ ዘመነ ሓዋርያት ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ዝተፈላለየ ዘመናት ብደገ ብዓላውያን ነገሥታት፡ ብውሽጢ ድማ ብናይ ጽርኣውያን ፍልስፍናን፡ ትምህርቲ መናፍቕነትን ተፈቲና እያ። ብረድኤት ዘይፍለያ እግዚአብሔር ድማ በብጊዜኡ ጽኑዕ እምነትን ትዕግሥትን ዝለበሱ፣ ቃለ እግዚአብሔር ዝዓጠቑ፡ ኣሠረ ፍኖት ሓዋርያት ዝተኸተሉ ዓበይቲ መምህራን ሊቃውንት ኣተንሢኡላ እዩ። ሓደ ካብዚኦም ድማ “ድኅሪ ሓዋርያት ነቲ ሓቀኛ እምነተ ክርስትና ኣብ መላእ ዓለም ንኽሰፍሕን ጸኒዑ ንኽነብርን ዝገበረ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ሓዋርያ” ብምባል ጸሓፍቲ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዝጠቐስዎ ኣቦ ቅዱስ ኣትናቴዎስ እዩ።

ተውሳክ፡ . . .ቅዱስ ኣትናቴዎስ

‘ይሁዳ ጠፍአ፡ ቅዱስ ማትያስ ተክአ’

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ

ነታ እግዚአብሔር ብደሙ ዝመሥረታ ቤተ ክርስቲያን፡ ብስብከቶምን መጻሕፍቶምን፡ ብገድሎምን ትሩፋቶምን ስለዝጓሰይዋ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንቅዱሳን ሓዋርያት ዓቢይ ክብሪ ትህቦም። ንኣብነት፦ ተጋድሎኦም ብምምካር፡ በዓላቶም ብምኽባር፡ ብስሞም ቤተ ክርስቲያን ብምጽዋዕ፡ ሥእሎም ብምሥኣልን ብኣማላድነቶም ብምእማንን፡ ብሓፈሻ ኣሰረ ፍኖቶም ስዒብና ሕይወት ክንረክብ ትምህረና። ሓደ ካብ ቅዱሳን ሓዋርያት ቅዱስ ማትያስ እዩ።

ሓዋርያ ቅዱስ ማትያስ መተካእታ ናይቲ ንጐይታ ኣኅሊፉ ዝሃበን ዘትኃዘን ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ኮይኑ ምስ ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት ምስ ተቘጽረ፡ ዕጫ ሃገረ ስብከቱ ናብ ‘በላዕተ ሰብእ’ ትበሃል ሃገር በጽሓቶ። ከም ልማድ ናይዞም ዓዲ፡ ዝኾነ ጋሻ እንተመጽአም ኂዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንሠላሳ መዓልቲ ኣዕይንቱ ኣዒሮም፡ ሳዕሪ እናኣብልዑ ኣጽኒሖም ብድኅሪኡ ኣውፂኦም ይበልዕዎ ነበሩ። እንሆ ድማ ቅዱስ ማትያስ፡ ‘ክበልዑኒ እንድዮም’ ከይበለ፡ ‘ናብ ተዃሉ እልእከኩም ኣለኹ’ ዝብል ቃል ጐይታ ዘኪሩ፡ ተጸናኒዑ ኣብታ ሃገር ኣተወ። ብትብዓት ቃል ወንጌል ክሰብኽ ምስ ጀመረ፡ ኣዕይንቱ ኣዒሮም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎ። እ

ተውሳክ፡ . . .‘ይሁዳ ጠፍአ፡ ቅዱስ ማትያስ ተክአ’

ጻድቕ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

‘ዘተወክፈ ጻድቀ በስመ ጻድቅ ዐስበ ጻድቅ ይነሥእ/ንጻድቕ ብስም ጻድቕ ዝቕበል ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ።’ ማቴ. 10፡41

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ናይ ቅዱሳን ጻድቃን ስም ትጽውዕን ዝኽሮም ተብዕልን እያ። እዚ ድማ ቅዱሳን ጻድቃን ምእንቲ መንግሥተ እግዚአብሔር ክብሉ ካብ ዓለምን ፍትወታን ተፈልዮም፡ ፍቓድ ሥጋኦም ንፍቓድ ነፍሶም ኣግዚኦም፡ ብጾም፡ ብጸሎት፡ ብስግደት፡ ብምናኔ ጸኒዖም ኣሠረ ፍኖት ክርስቶስ ስለዝሰዓቡ እያ። ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ “. . . ሰኣኑ፡ ጸበቦም፡ ሓሳረ መከራ ጸገቡ። ዓለም ንእኣቶም ዘይትበቅዕ ስለ ዝኾነት ኣብ ምድረ በዳን ኣብ እምባታትን ኣብ በዓታትን ኣብ ጐዳጕዲ ምድርን ኮለል በሉ።” ዝበሎ (ዕብ. 11፡37-38)፣ ኵሉ ፈተና ዓለምን ጸብአ አጋንንትን ሰጊሮም ንእግዚአብሔር ስለዘሥመሩ ዓስቢ ገነት መንግሥተ ሰማያት ዝረኸቡ ከምኡ’ውን ንኻልኦት ደቂ ሰባት ምኽንያተ ድኅነት ዝኸውን ቃል ኪዳን ዝተቐበሉ፡ ‘ቅዱሳን ጻድቃን’ ንብሎም። ሓደ ካብዞም ቅዱሳን ጻድቃን ድማ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ እዩ።

ተውሳክ፡ . . . ጻድቕ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ

ሓዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ ወልደ እልፍዮስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

'ስለ ስመይ ከኣ ብዅሉ ሰብ ዝተጸላእኩም ክትኾኑ ኢኹም' ማቴ. 10፡22

እግዚአብሔር ብሓድነቱ ዓለም ቅድሚ ምፍጣሩ ብልቢ ዝመኸሮ፡ ዓለም ድኅሪ ምፍጣሩ ኣብ ነቢያት ኃዲሩ ዝተዛረቦ ንምፍጻም ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል ወልደ እግዚአብሔር ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወልደ። ሰብ ኮይኑ ድማ ሕጊ ጠባያውን ሕጊ መጽሓፋውን እናፈጸመ ብብንእሽቶ ዓበየ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ 30 ዓመት ምስ ኮነ ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ብኢድ ዮሓንስ ተጠሚቑ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ኣመስከረ። ከይወዓለ ከይኃደረ ናብ ገዳመ ቆሮንቶስ ከይዱ ድማ 40 መዓልትን 40 ለይቲን ጾመ። ድኅሪ’ዚ ናብ ገሊላ ተመሊሱ ትምህርቲ ኺምህርን ተኣምራትን ኺገብርን ጀመረ። ሉቃ. 4፡14 ተኣምራቱ ርእዮም ትምህርቱ ሰሚዖም ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ኃሙሽተ ዕዳጋ ዝኣክሉ ሕዝቢ ሰዓብዎ፡ ካብኣቶም ድማ መጀመርታ 12 ሓዋርያት፡ ቀጺሉ 72 ኣርድእቲ፡ 36 ቅዱሳት ኣንስቲ ኃረየ።

ተውሳክ፡ . . . ሓዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ ወልደ እልፍዮስ

“ይእዜ ሠዐሮ ለገብርከ በሰላም እግዚኦ በከመ አዘዝከ/ ኦ ጐይታ ደጊም ንባርያኻ ብሰላም ኣፋንዎ’” ስምዖን ኣረጋዊ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ስምዖን ኣረጋዊ

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ነፍስን ሥጋን ተዋሒዱ ምስ ተወልደ፡ ሕጊ መጽሓፋዊ ንምፍጻም ኣብ 40 መዓልቱ፡ መሥዋዕቲ ንምቕራብ ምስ ዮሴፍን ኣደኡ ድንግል ማርያምን ናብ ቤተ መቅደስ ኢየሩሳሌም ከደ። (ዘሌ. 12፡4-8, 14፡4-7 ሉቃ. 2፡22-24)

እንሆ ድማ ኣብዚ ቤተ መቅደስ’ዚ ኣምላኽ ካብ ድንግል ተወሊዱ፡ ናቱ ግብረ ምድኃን ብዓይነ ሥጋ ከይረኣየ ከምዘይመውት ተስፋ ዝተነግሮ ሓደ ጻድቅ ኣረጋዊ ሰብ ነበረ። ስሙ ‘ስምዖን’ ይበሃል። ‘ስምዖን’ ማለት ሰማዓኒ እግዚአብሔር ማለት’ዩ። ሓደ ካብቶም ልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንምርኣይ ዝምነዩ ዝነበሩ’ዩ። በዓል ኣቦና ኣብርሃም፡ ቅዱስ ዳዊት . . . ንልደት ጐይታ ብዓይነ ሕሊና ርእዮም ባህ በሎም እምበር ብዓይነ ሥጋ ንምርኣይ ዕድል ኣይረኸቡን፤ ብዓይነ ሥጋ ንምርኣይ ዝተዓደለ ስምዖን እዩ። ስምዖን ብመጻሕፍተ ብሉያት ዝተራቐቐ ጸሓፊ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ዘመኑ 284 ቅ.ል.ክ. በጥሊሞስ ዝበሃል ንምድረ እስራኤል ከይተረፈ ብዙኅ ኣህጉር ዝገዝእ ዝነበረ ንጉሥ፡ ንዅሎም ናይ ፍልስፍናን ታሪኽን መጻሕፍቲ ናብ ቛንቛኡ (ጽርኢ) የተርጕሞም ነበረ። በዚ ተሓጕሱ ኸሎ ካብቶም መማኽርቱ ሥጋዊ ፍልጠትን መንፈሳዊ ጥበብን ዝኃዙ መጻሕፍተ ብሉያት ተሪፎምኻ ኣለዉ፡ ነዚኣቶም እንተ ትርጕሞም ብሉጽ ጥበብ ምረኸብካ ኔርካ’ ኢሎም ኣማኸርዎ።

Read more: “ይእዜ ሠዐሮ ለገብርከ በሰላም እግዚኦ በከመ አዘዝከ/ ኦ ጐይታ ደጊም ንባርያኻ ብሰላም ኣፋንዎ’” ስምዖን ኣረጋዊ

“አነ ውእቱ ገብርኤል ዘእቀውም ቅድመ እግዚአብሔር/ ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዝቐውም ገብርኤል እየ” ሉቃ. ፩፡፲፱/1፡19

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ቅዱሳን መላእኽቲ፦ ልኡኻን እግዚአብሔር፡ ኣብሠርቲ ሓጐስ፡ ሓለውቲ ሰባት . . . ወዘይመስሎ እዮም።
ቅዱሳን መላእኽቲ ወትሩ ከይደኸሙ “ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እግዚአብሔር ጸባኦት ፍጹም ምሉእ ሰማያት ወምድረ ቅድሳተ ስብሐቲከ/ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት ክብሪ ምስጋናኻ ኣብ ሰማያትን ምድርን ምሉእ እዩ” እናበሉ የመስግኑ። (ኢሳ. 6፡3-4, ራእ. 4፡8) ወንጌላዊ ዮሓንስ ኣብ ራእይ መጽሓፉ (8፡2) ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደው ዝብሉ ሾብዓተ መላእኽቲ ድማ ርኣኹ ዝበሎ ንሊቃነ መላእኽቲ እዩ። ሓደ ካብዞም ሊቃነ መላእኽቲ ቅዱስ ገብርኤል እዩ።
ገብርኤል፦ ማለት “ኣምላክ ወሰብእ/ ኣምላኽ ከሎ ሰብ ዝኾነ፡ ሰብ ከሎ ድማ ኣምላኽ ዝኾነ”፤ ከምኡ ውን “ኃይሊ እግዚአብሔር እዩ” ዝብል ትርጕም ኣለዎ። ብተወሳኺ’ውን “ገብር” ማለት ኣገልጋሊ እዩ፤ “ኤል” ከኣ እግዚአብሔር ማለት እዩ።
ነቢይ ሄኖክ ኣብ መጽሓፉ ብዛዕባ ቅዱስ ገብርኤል ኪገልጽ ከሎ፡ “ገብርኤል ኣብ ልዕሊ ዓይኒ ማያትን ኣብ ልዕሊ ገነትን ኣብ ልዕሊ ኪሩቤልን ዝተሸመ ካብቶም ቅዱሳን መላእኽቲ እቲ ሓደ እዩ።” (መጽ. ሄኖ. 6፡7)

ተውሳክ፡ . . . “አነ ውእቱ ገብርኤል ዘእቀውም ቅድመ እግዚአብሔር/ ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዝቐውም ገብርኤል እየ” ሉቃ. ፩፡፲፱/1፡19

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195