
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
መጋቤ ሓዲስ ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት
ዕለት 19 ታኅሣሥ ዝክረ በዓል ናይ ዓቢይን ልዑልን ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል እዩ።
• ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት፡ ሓደ ካብቶም ንቕዱሳን ነቢያትን ሐዋርያትን ሰማዕታትን ጻድቃንን ንምርዳእ ዚለኣኹ ቅዱሳን መላእኽቲ እዩ።
• ቅዱስ ገብርኤል፡ ሰባኬ ፀሐየ ጽድቅን ነቶም ብንጹሕ ልቡና ነቲ ብሥራቱ ዚቕበልዎ ፀዋር ጥዑም ዜና ብሥራትን እዩ። ነቶም ብሕንዚ ስሕተት ሰይጣን ዝሓመሙን ነቶም ብኽሕደት ትእዛዝ እግዚአብሔር ብሞት ኃጢኣት ዝሞቱን ሰባኺ ሕይወትን መድኃኒትን እዩ።