banner

ሓዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ ወልደ እልፍዮስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

'ስለ ስመይ ከኣ ብዅሉ ሰብ ዝተጸላእኩም ክትኾኑ ኢኹም' ማቴ. 10፡22

እግዚአብሔር ብሓድነቱ ዓለም ቅድሚ ምፍጣሩ ብልቢ ዝመኸሮ፡ ዓለም ድኅሪ ምፍጣሩ ኣብ ነቢያት ኃዲሩ ዝተዛረቦ ንምፍጻም ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል ወልደ እግዚአብሔር ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወልደ። ሰብ ኮይኑ ድማ ሕጊ ጠባያውን ሕጊ መጽሓፋውን እናፈጸመ ብብንእሽቶ ዓበየ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ 30 ዓመት ምስ ኮነ ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ብኢድ ዮሓንስ ተጠሚቑ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ኣመስከረ። ከይወዓለ ከይኃደረ ናብ ገዳመ ቆሮንቶስ ከይዱ ድማ 40 መዓልትን 40 ለይቲን ጾመ። ድኅሪ’ዚ ናብ ገሊላ ተመሊሱ ትምህርቲ ኺምህርን ተኣምራትን ኺገብርን ጀመረ። ሉቃ. 4፡14 ተኣምራቱ ርእዮም ትምህርቱ ሰሚዖም ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ኃሙሽተ ዕዳጋ ዝኣክሉ ሕዝቢ ሰዓብዎ፡ ካብኣቶም ድማ መጀመርታ 12 ሓዋርያት፡ ቀጺሉ 72 ኣርድእቲ፡ 36 ቅዱሳት ኣንስቲ ኃረየ።

ተውሳክ፡ . . . ሓዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ ወልደ እልፍዮስ

“ይእዜ ሠዐሮ ለገብርከ በሰላም እግዚኦ በከመ አዘዝከ/ ኦ ጐይታ ደጊም ንባርያኻ ብሰላም ኣፋንዎ’” ስምዖን ኣረጋዊ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ስምዖን ኣረጋዊ

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ነፍስን ሥጋን ተዋሒዱ ምስ ተወልደ፡ ሕጊ መጽሓፋዊ ንምፍጻም ኣብ 40 መዓልቱ፡ መሥዋዕቲ ንምቕራብ ምስ ዮሴፍን ኣደኡ ድንግል ማርያምን ናብ ቤተ መቅደስ ኢየሩሳሌም ከደ። (ዘሌ. 12፡4-8, 14፡4-7 ሉቃ. 2፡22-24)

እንሆ ድማ ኣብዚ ቤተ መቅደስ’ዚ ኣምላኽ ካብ ድንግል ተወሊዱ፡ ናቱ ግብረ ምድኃን ብዓይነ ሥጋ ከይረኣየ ከምዘይመውት ተስፋ ዝተነግሮ ሓደ ጻድቅ ኣረጋዊ ሰብ ነበረ። ስሙ ‘ስምዖን’ ይበሃል። ‘ስምዖን’ ማለት ሰማዓኒ እግዚአብሔር ማለት’ዩ። ሓደ ካብቶም ልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንምርኣይ ዝምነዩ ዝነበሩ’ዩ። በዓል ኣቦና ኣብርሃም፡ ቅዱስ ዳዊት . . . ንልደት ጐይታ ብዓይነ ሕሊና ርእዮም ባህ በሎም እምበር ብዓይነ ሥጋ ንምርኣይ ዕድል ኣይረኸቡን፤ ብዓይነ ሥጋ ንምርኣይ ዝተዓደለ ስምዖን እዩ። ስምዖን ብመጻሕፍተ ብሉያት ዝተራቐቐ ጸሓፊ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ዘመኑ 284 ቅ.ል.ክ. በጥሊሞስ ዝበሃል ንምድረ እስራኤል ከይተረፈ ብዙኅ ኣህጉር ዝገዝእ ዝነበረ ንጉሥ፡ ንዅሎም ናይ ፍልስፍናን ታሪኽን መጻሕፍቲ ናብ ቛንቛኡ (ጽርኢ) የተርጕሞም ነበረ። በዚ ተሓጕሱ ኸሎ ካብቶም መማኽርቱ ሥጋዊ ፍልጠትን መንፈሳዊ ጥበብን ዝኃዙ መጻሕፍተ ብሉያት ተሪፎምኻ ኣለዉ፡ ነዚኣቶም እንተ ትርጕሞም ብሉጽ ጥበብ ምረኸብካ ኔርካ’ ኢሎም ኣማኸርዎ።

Read more: “ይእዜ ሠዐሮ ለገብርከ በሰላም እግዚኦ በከመ አዘዝከ/ ኦ ጐይታ ደጊም ንባርያኻ ብሰላም ኣፋንዎ’” ስምዖን ኣረጋዊ

“አነ ውእቱ ገብርኤል ዘእቀውም ቅድመ እግዚአብሔር/ ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዝቐውም ገብርኤል እየ” ሉቃ. ፩፡፲፱/1፡19

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ቅዱሳን መላእኽቲ፦ ልኡኻን እግዚአብሔር፡ ኣብሠርቲ ሓጐስ፡ ሓለውቲ ሰባት . . . ወዘይመስሎ እዮም።
ቅዱሳን መላእኽቲ ወትሩ ከይደኸሙ “ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እግዚአብሔር ጸባኦት ፍጹም ምሉእ ሰማያት ወምድረ ቅድሳተ ስብሐቲከ/ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት ክብሪ ምስጋናኻ ኣብ ሰማያትን ምድርን ምሉእ እዩ” እናበሉ የመስግኑ። (ኢሳ. 6፡3-4, ራእ. 4፡8) ወንጌላዊ ዮሓንስ ኣብ ራእይ መጽሓፉ (8፡2) ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደው ዝብሉ ሾብዓተ መላእኽቲ ድማ ርኣኹ ዝበሎ ንሊቃነ መላእኽቲ እዩ። ሓደ ካብዞም ሊቃነ መላእኽቲ ቅዱስ ገብርኤል እዩ።
ገብርኤል፦ ማለት “ኣምላክ ወሰብእ/ ኣምላኽ ከሎ ሰብ ዝኾነ፡ ሰብ ከሎ ድማ ኣምላኽ ዝኾነ”፤ ከምኡ ውን “ኃይሊ እግዚአብሔር እዩ” ዝብል ትርጕም ኣለዎ። ብተወሳኺ’ውን “ገብር” ማለት ኣገልጋሊ እዩ፤ “ኤል” ከኣ እግዚአብሔር ማለት እዩ።
ነቢይ ሄኖክ ኣብ መጽሓፉ ብዛዕባ ቅዱስ ገብርኤል ኪገልጽ ከሎ፡ “ገብርኤል ኣብ ልዕሊ ዓይኒ ማያትን ኣብ ልዕሊ ገነትን ኣብ ልዕሊ ኪሩቤልን ዝተሸመ ካብቶም ቅዱሳን መላእኽቲ እቲ ሓደ እዩ።” (መጽ. ሄኖ. 6፡7)

ተውሳክ፡ . . . “አነ ውእቱ ገብርኤል ዘእቀውም ቅድመ እግዚአብሔር/ ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዝቐውም ገብርኤል እየ” ሉቃ. ፩፡፲፱/1፡19

እምነ ሰሎሜ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ወለዲ እዛ ቅድስቲ ኣደ እዚኣ ኣቦኣ ሕይወትብነ፡ ኣዲኣ ከኣ እምባመሪና ይበሃሉ። እዞም ቅዱሳን ሰብ ቃል ኪዳን ውላድ ብምስኣኖም ብጸሎት ንእግዚኣብሔር ይልምንዎ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ ኣቦኣ ሕይወትብነ ኣብ ታሽዓይ ሰዓት ቅዱስ ሩፋኤል ተገሊጹ “እምባ መሪና በዓልቲ ቤትካ ቅድስቲ ውላድ ክትወልድ እያ” ኢሉ ኣብሠሮ። ኣዝዩ ተሓጒሱ ድማ እቲ ካብ መልኣኽ ዚሰምዖ ንእምባ መሪና በዓልቲ ቤቱ ነገራ፣ እምባ መሪና’ውን “ከምቲ ንበዓል ቤተይ ዝተገለጽካሉ ተገለጸለይ” ኢላ ኣበርቲዓ ለመነት፣ ቅዱስ ሩፋኤል ከኣ ተገልጸላ እሞ ክልተኦም በዚ ነገር እዚ ተደኒቖም ካብታ ብሥራት ዚሰምዑላ ዕለት 28 ሚያዝያ ክሳዕ ዕለት 6 ነሓሴ ብጾም ብጸሎት ብምጽዋት ሱባኤ ኣትዮም 7 ነሓሴ ኣብ ዕለት ፅንሰት እግዝእትነ ማርያም እምባ መሪና ንቅድስቲ ሰሎሜ ፀነሰት፣ ኣብ 40 መዓልቲ ድማ “ከምቲ ነደይ ኣብ ማሕፀን ሓና ዝፈጠርክዋ፣ ከምኡ ድማ ንሰሎሜ ኣብ ማሕፀን እምባ መሪና ፈጠርክዋ” ዚብል ኣምላኻዊ ድምፂ እምባ መሪና ካብ ማሕፀና ሰምዐት።

ቅድስቲ እምባ መሪና ካብ ፅንሳ ኣብ መበል 4ይ ወርኃ ኣብ ከባቢኣ ናብ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ንኽትሳለም እናኸደት ከላ ኣብ ከባቢ ሩባ ምስ በጽሐት ንኸተዕርፍ ኮፍ በለት።

ተውሳክ፡ . . .እምነ ሰሎሜ

ሓፂር ታሪኽ ቅዱስ ጴጥሮስ ተፍጻሜተ ሰማዕት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ቅዱስ ጴጥሮስ ተፍጻሜተ ሰማዕት ካብቶም ፍርሃት እግዚአብሔር ዝነበሮም፡ውላድ ግና ዘይነበሮም ሊቀ ካህናት ቴዎድሮስን ቅድስት ሶፍያን ኣብ ሃገረ ግብጽ ተወሊዱ።
ኣብ በዓል ጴጥሮስ ወጳውሎስ(፭ ሓምለ)፡ ኣደኡ ቅድስቲ ሶፍያ ብዙኃት ፃዕዳ ክዳን ዝተኸድኑ ምእመናንን ምእመናትን ንደቆም ኂዞም ናብ ቤተ ክርስቲያን ኪኸዱ ከለዉ ምስ ርኣየት እምብዛ ኃዘነት። ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣትያ ኸኣ ቡሩኽ ውላድ ኽህባ ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምሪራ ብንብዓት ለመነት። ቅዱስ ፍቓድ ጐይታ ኾይኑ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ቅዱሳን ሓዋርያት ጴጥሮስን ጳውሎስን ተገሊጾም፦ “እግዚአብሔር ንንብዓትኪ፡ ንጸሎትክን ምህለላኽን ተቐቢልዎ እዩ፡ ቡሩኽ ውላድ ከኣ ኪህበኪ እዩ እሞ ስሙ ጴጥሮስ በሊዮ፡ ናብ ሊቀ ጳጳሳት ኣባ ቴዎናስ ኴድኪ ንገርዮ እሞ ንሱ ክጽልየልኪ እዩ” በልዋ። ብድኅር’ዚ ፀኒሳ ምስ ወለደት ስሙ ‘ጴጥሮስ’ ሰመየቶ። ቅድስት ሶፍያ ወዳ ሾብዓተ ዓመት ምስ ኮኖ ልክዕ ከም ሕፃን ሳሙኤል ንሊቀ ጳጳሳት ወፈየቶ። ፍትው ወዲ ኸኣ ነበረ እሞ ፈለማ ኣናጕንስጢስ ብድኅሪኡ ዲያቆን ቀጺሉውን ኣብ ኣገልግሎት ኣብያተ ክርስቲያናት ምእንቲ ክላኣኾ ኢሉ ካህን ጌሩ ሸሞ።

ተውሳክ፡ . . . ሓፂር ታሪኽ ቅዱስ ጴጥሮስ ተፍጻሜተ ሰማዕት

ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ

ብርግጽ ኣብ ዙርያ ዝፋን ጐይታ ዚቖሙን ዘመስግኑን ክቝጸሩ ዘይከኣሉ ኣእላፈ ኣእላፋት ሠራዊተ መላእክት ከምዘለዉ በዓል ራእይ ነቢይ ዳንኤል(ዳን. 7፡10) ደኣ ይግለጽ እምበር፡ ብፍሉይ ድማ ዕሥራን ኣርባዕተን ሊቃናት ካህናተ ሰማይ ከም ዘለዉ ኣብ ራእይ ዮሓንስ ተጻሒፉ ኣሎ። (ራእ. ዮሓ. 4፡10) ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ ኣብ ቅድሚ ሰማያዊ ኣምላኽ ዓቢይ ኽብሪ ዘለዎም፡ ኣብ ዕሥራን ኣርባዕተን ተሸይሞም ዕሥራን ኣርባዕተን ሰዓት ንሰማያዊ ንጉሥ ዘመስግኑ፡ ጸልዮም ንርእሶም ሓልዮም ዓስቦም ተቐቢሎም ዝነብሩ ሰማያውያን መላእኽቲ እዮም። ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ራእዩ ንኽብሮም ኪገልጽ ከሎ ፃዕዳ ልብሲ ለቢሶም፡ ኣኽሊል ደፊኦም ኣብ ዙርያ ዝፋን ጐይታ ድማ ዕሥራን ኣርባዕተን ዝፋናት ተዘርጊሕሎም ንኪቕመጡ ክብሪ ከም ዝተዋህቦም ደጋጊሙ ይዛረብ። (ራእ. ዮሓ. 4፡4) ብሓፈሻ እቲ ናቶም ኣገልግሎት ፦

ተውሳክ፡ . . .ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195