banner

ቅዱስ ሩፋኤል ሊቀ መላእክት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል

ቅዱሳን መላእክት፡ ልኡካን ኣገልገልቲ፡ ምሕረት እግዚአብሔር ናብ ሰባት፡ ምስጋና ልማኖ ጸሎት ሰባት ድማ ናብ እግዚአብሔር ዘብጽሑ ምእንቲ ዅሉ ፍጥረት ዝልምኑ ፍሉያት ቀረባ እግዚአብሐር ማለት እዩ።
ቅዱሳን መላእኽቲ፡ ነባብያን ለባውያን ሕያዋን ኃያላንን ቅልጡፋትን ረቂቃንን እዮም። እዚ ማለት ባሕርይ ናይ ሕማም ድካም ሞት የብሎምን። ብዝኆም ብቝጽሪ ዘይውሰን አእላፈ አእላፋት (ናይ ብዙኅ ብዙኅ) ቍጽሮም ብዘይካ ፈጣሪኦም ካልእ ኣይፈልጣን እዩ።

ተውሳክ፡ . . .ቅዱስ ሩፋኤል ሊቀ መላእክት

ኣብርሃም ፡ ይስሓቅ ፡ ያዕቆብ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ኣርእስተ አበው

ኣብርሃም ፡ ይስሓቅ ፡ ያዕቆብ

ናይ ቅድም ሽሙ፡ “ኣብራም” እዩ ነይሩ። ትርጕሙ ድማ ዓቢይ ማለት እዩ። ኣቦና ኣብርሃም ብሥነ ፍጥረት ተመራሚሩ ምስ በጽሖ እግዚአብሔር ኣምላኽ፡- “ካብ ዓድኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ ዓዲ ኣቦኻን ውፃእ ናብቲ ኣነ ዘርእየካ ምድሪ ኸኣ ኺድ” ኢሉ ኣዘዞ። በዚ መሠረት’ዚ ካብ ቤቱን ሥድራኡን ምእንቲ ፍቕሪ እግዚአብሔር ተፈልዩ ናብቲ እግዚአብሔር ዝኣዘዞ ቦታ ከይዱ ከም ፍቓድ እግዚአብሔር ክነብር ጀመረ። ኣቦና ኣብርሃም ኣዝዩ ሕያዋይ ናይ እግዚአብሔር ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ብብሩህ ገጽን ለጋስ ኢድን ኣጋይሽ ምቕባል የዘውትር ነበረ። ኣብቲ እዋን’ቲ ኃለፍቲ መንገዲ እንዳ ኣብርሃም ተኣልዮም ከይተዓንገሉን ከየዕረፉን ኣይኃልፉን ነበሩ።

ተውሳክ፡ . . .ኣብርሃም ፡ ይስሓቅ ፡ ያዕቆብ

ገባሬ ተአምር ቅዱስ ቂርቆስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ገባሬ ተአምር ቅዱስ ቂርቆስ

19 ሐምሌ፡ ቅዱስ ቂርቆስ ምስ ኣደኡ ኢየሉጣ ብተራዳእነት ሊቀ መላእኽት ቅዱስ ገብርኤል፡ ካብ እቶን ሓዊ ዝደኃኑሉ ዕለት እዩ። ቅዱስ ቂርቆስ ሠናይ ገድሊ ተጋዲሉ ካብ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ቃል ኪዳን ተቐቢሉ ብሰማዕትነት ኃለፈ። ድኅሪ ሰማዕትነቱ ከምቲ ጐይታ “እቲ ብኣይ ዝኣምን ንሱ ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘለኹ ግብርታት ዝገብር፡ ካብኡ ዝዓቢ’ውን ከም ዝገብር ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” (ዮሓ. 14፡12) ዝበሎ፡

ተውሳክ፡ . . .ገባሬ ተአምር ቅዱስ ቂርቆስ

ቅዱስ ሓዋርያ ታዴዎስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“ነዚ እዩ ጐይታ ሃብታም መንግሥተ ሰማያት ካብ ዝኣቱስ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክኃልፍ ይቐልል ዝበለ” ቅዱስ ሓዋርያ ታዴዎስ

ታዴዎስ ማለት ዘርእን ማእረርን፡ ካህነ ኣምላኽ ማለት እዩ። ቍጽሩ ምስ ዓሰርተው ክልተ ሓዋርያት ኮይኑ ሃገረ ስብከቱ ሶርያ እዩ። ሊቀ ሓዋርያት ጴጥሮስ ኣሰንይዎ ናብ ሃገረ ስብከቱ ሶርያ ኣምርሐ። ኣብ መንገዲ ንሓደ ሓረስታይ “እንጌራ እንተሎካ ሃበና፧” ኢሎም ምስ ሓተትዎ ንሱ ድማ “ሕጂ ንጊዜኡ ምሳይ የብለይን። እንተኾነ ንስኻትኩም ነዞም ኣብዑረይ ኂዝኩምለይ ጽንሑ እሞ ንገዛይ ከይደ ከምጽኣልኩም” ኢልዎም ናብ ገዛኡ ኸደ።

ተውሳክ፡ . . .ቅዱስ ሓዋርያ ታዴዎስ

ዝክረ ጻድቅ ንዓለም ይሔሉ፦ አቡነ ክፍለ ሥላሴ ዘዛውል ወዘባንብቆ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ዝክረ ጻድቅ ንዓለም ይሔሉ፦ አቡነ ክፍለ ሥላሴ ዘዛውል ወዘባንብቆ

ካብ ከርሢ ዛውል ዝወፅኡ ብርሃን ሃይማኖትን ዓምዲ ሥነ ምግባርን ዝኾኑ ብዕድመ ወዲ 28 ዓመት መንእሰይ፡ ብመንፈሳዊ ብስለት ግና ኣረጋዊ ዝኾኑ ኣቡነ ክፍለሥላሴ በረኸት ቅዱስ ታሪኾም ክንካፈል ፍቓድ እግዚአብሔር ይኹነልና።
አቡነ ክፍለ ሥላሴ ካብ ኣቦኦም ተክለማርያም ወልደ ዘኬዎስን፡ ካብ ኣደኦም ርግበ ዳዊትን ኣብ ዛውል ተወልዱ። ስሞም ድማ ‘መሓርየ እግዚእ’ በልዎም። መሓርየ እግዚእ (ኣቡነ ክፍለሥላሴ) እተን ልምሉማት ኣእጋሮም ናይ ታተ ዕድሜአን ኣኅሊፈን ምስ ተረራ ብኡ ንብኡ ናብ ጕስነት ጤለ በጊዕ እየን ወፊረን።

ተውሳክ፡ . . .ዝክረ ጻድቅ ንዓለም ይሔሉ፦ አቡነ ክፍለ ሥላሴ ዘዛውል ወዘባንብቆ

“ፍቅረ ብጻይ ክሳዕ ሞት” - ኣባ ለትጹን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“ፍቅረ ብጻይ ክሳዕ ሞት” - ኣባ ለትጹን

ኣብ ሃገረ ብሕንሳ ዝተወልደ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ቅዱሳን ኣበው ናይ ፍቕሪ ኣቦ ‘ኣባ ለትጹን’ እዩ። ቅድሚ ምንኵስናኡ፡ ኣብ ዕድመ ጉብዝናኡ፡ “ዘይፈቅድ ያድኅና ለነፍሱ ለይግድፋ ወዘሰ ገደፋ ለነፍሱ በእንቲአየ ይረክባ ለሕይወት ዘለዓለም/ ንሕይወቱ ኪረኽባ ዝደሊ ከጥፍኣ እዩ፡ እቲ ንሕይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ግና ንዘለዓለማዊ ሕይወት ከድኅና እዩ” (ማቴ. 10፡39) ዝብል ቃል ወንጌል ምስ ሰምዐ ልቦናኡ ብፍቅረ እግዚአብሔር ነደደ። ናብ ደብረ እስዋት ብምኻድ ኸኣ ብጽኑዕ ተጋድሎ ኣብ ጾምን ጸሎትን ተጸሚዱ ከሎ መልኣከ እግዚአብሔር ተገሊጹ ናብ ኣባ ኤስድሮስ ከይዱ ኣስኬማ መላእክት ኣርዑት ምንኵስና ክለብስ ኣዘዞ።

ተውሳክ፡ . . . “ፍቅረ ብጻይ ክሳዕ ሞት” - ኣባ ለትጹን

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195