banner

ጥንታውያን ገዳማት ኤርትራ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ጥንታውያን ገዳማት ኤርትራ

ኣብ ሃገርና ኤርትራ ብጥንታውነቶምን ታሪኾምን ቅድስናኦምን ዝፍለጡ ብዙኃት ገዳማት ኣለዉ። እንተኾነ ግን ንዅሎም ሓደ ብሓደ ኣብዛ ንእሽቶይ ወረቐት ዘርዚርካ ዝውዳእ’ኳ እንተዘይኮነ፣ ንምልላይ ዝኣክል ንውኁዳት ጥንታውያንን ታሪኻውያንን ገዳማት ክንጠቅስ ኢና፡ እግዚአብሔር ጥበቡ ይግለጸልና፦
፩. ገዳም ደብረ ሲና
ገዳም ደብረ ሲና ኣብ ሰሜን ኤርትራ ዞባ ዓንሰባ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ከባቢ መንሳዕ ዝርከብ ጥንታውን ታሪኻውን ገዳም እዩ። እዚ ገዳም እዚ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ገጽ ሄሮድስ ንምህዳም ካብ ሃገራ ናብ ምድረ ግብጺ ኣብ ዝተሰደትሉ ጊዜ ኣብ ሃገርና’ውን ስለ ዝበጽሐት ምስ ፍቁር ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስን ዮሴፍን ሰሎሜን ዘዕረፈትሉ እዩ። ኣብ 330 ዓ.ም. ብኣባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ናብ ሃገርና ኣብ ዝኣተውሉ ጊዜ ጥምቀት ክርስትና ዝተጀመረሉ፡ ነገሥታት ኣክሱም ኣብርሀን ወኣጽብሐን ዝተጠመቑሉ ገዳም እዩ።

ተስዓቱ ቅዱሳን ሮማውያን ኣብ 454 ዓ.ም. ብዘመን እልኣሜዳ ወዲ ሰልዓዶባ ካብ ሃገሮም ናብ ሃገርና መጺኦም ኣብ ‘ኣግዓሮ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ ኮይኖም ክጽልዩ ከለዉ፡ ከምቲ ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ዝረኣዮ፡ ኣብ ገዳም ሲሓት ዝብሃል ዝነበረ ናይ ሕጂ ደብረ ሲና ዝተተኽለ ዓምደ ብርሃን ስለዝረኣዩ ደብረ ሲና ኢሎም ሰመይዋ። ብድኅሪኦም ኣባ ዮሓኒ ዝበሃሉ ግብጻዊ ብ474 ዓ.ም. ምስ ብዙኃት መነኮሳት ናብ’ዚ ቦታ መጺኦም ነቲ ብስም ማርያም ዘምጽኦ ጽላት ብጳጳስ ኣባ ናሆም ኣባሪኾም ናብ’ዚ ኣደናቒት በዓቲ ኣእቲዮም ገደምዋ። እዚ ገዳም ክሳዕ ሕጂ ጥንታውነቱ ዓቂቡ ብማኅበርን ብመቝነንን ዝነብሩ መነንቲ መነኮሳት ሓቝፉ፡ ጥንታዊ ታሪኻዊ ቅርስታቱ ሓልዩ ዝርከብ ዓቢይ ገዳም እዩ። እዚ ገዳም እዚ ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ ይበዓል፡ እዚ ድማ 21 ግንቦት ደብረ ምጥማቅ ከምኡ’ውን 21 ሰነ ሕንፀተ ቤታ እዩ።

፪. ገዳም ደብረ ወርቅ ሃም፦

ገዳም ደብረ ወርቅ ሃም፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ብወገን ደቡብ ጫፍ ኤርትራ ይርከብ። እዚ ገዳም’ዚ ብ523 ዓ.ም. አቡነ ሊባኖስ መሥረትዎ፡ አቡነ ሊባኖስ ካብ ኣቦኦም ኣብርሃምን ኣደኦም ንግሥተ ማርያምን (በዚሊሳ) ዝበሃሉ ሃብታማት ክርስቲያን ቤተ ሰብ ኣብ ቍስጥንጥንያ (ሮም) ተወልዱ። ዕድመኦም ንምስትውዓል ምስ በጽሐ መንፈሳውን ሥጋውን ትምህርቲ ቀሰሙ። ኣካለ መጠን በጺሖም ምስ ጓል ንጉሥ ቍስጥንጥንያ እኳ እንተተመርዓዉ፡ ብመጸዋዕታ መንፈስ ቅዱስ ብመሪሕነት መልኣኽ ግና ብብሕትውና ተጸሚዶም ካብ ኣባ ጳኵሚስ ኣርዑት ምንኵስናን ኣስኬማን ተቐቢሎም ብዙኅ ተጋደሉ። ብድኅርዚ ንማርሳ ተኽላይ ተሳጊሮም ኣብ ኤርትራ (ምድረ ኣግኣዚ) ብ430 ዓ.ም. ኣተዉ። ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት እናተመላለሱ ስብከተ ወንጌል ኣስፋሕፍሑ። ንወንጌል ማቴዎስ ካብ ግሪኽ ናብ ግእዝ ስለዝተርጐሙ፡ ብናይ ጥንታዊ ዓረብ ማቴዎስ ንምባል ‘መታ(መጣዕ)’ ዝብል ቅጽል ስም ተዋህቦም። በዚ ኸኣ ሊባኖስ መጣዕ ተጸውዑ። ብድኅር’ዚ ናብታ እግዚኣብሔር ዝመደበሎም ናይ ቃል ኪዳን ቦታ ደብረ ወርቅ ሃም ኣትዮም፡ ባረኽዋን ቀደስዋን። መነኮሳት ኣፍርዮም፡ ነዊኅ ዓመታት ብገድልን ትምህርትን ጸኒዖም፡ ካብ እግዚኣብሔር ቃል ኪዳን ተቐቢሎም ብ3ተ ጥሪ ዓረፉ።
እዚ ገዳም’ዚ ብዙኅ ዘዅርዕ መንፈሳዊ ታሪኽ ዝዓቀበ፡ ፈዋሲ ተኣምራታዊ ማይ ዘለዎ፡ ብዙኅ ኣስከሬን ቅዱሳን ዘለዎ፡ ታሪኻዊ ቅርሳ ቅርስን ጽሑፍን ዚውንን ጥንታዊ ገዳም’ዩ።

፫. ገዳም እንዳ ዮሓንስ መጥምቅ ቴድረር፦

ገዳም እንዳ ዮሓንስ መጥምቀ መለኮት ቴድረር ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ከባቢ ቴድረር ይርከብ። እዚ ገዳም እዚ ብሠለስተ ደቂ ድራር ናይ መንፈስ ወዶም ንአቡነ ሊባኖስ ብድኅሪ ዕረፍቲ አቡነ ሊባኖስ ብ537 ዓ.ም. ተመሥረተ። እዚ ገዳም’ዚ ብስም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ እዩ። ሄሮድስ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኪቐትል ትሕቲ 2 ዓመት ቈልዑት ብምትላል ክእክቦም ኣብ ዝኣወጀሉ እዋን ሥድራኡ ንቅዱስ ዮሓንስ ኣቦኡ ካህን ዘካርያስን ኣደኡ ቅድስቲ ኤልሳቤጥን ኣብ በረኻ ወሲዶም ሓብእዎ። ድኅር ነዊኅ ጊዜ ኣብዚ ቦታ እዚ ኣቦኡን ኣደኡን ምስ ሞቱ ናብራ ብሕትውና ክነብር ጀመረ። ጥምቀተ ንስሓ ይምህር ነይሩ ደኃር ምእንቲ ወንጌል ብሰማዕትነት ዝዓረፈ ቅዱስ እዩ። ቅዱስ ዮሓንስ ብመንፈስ “ህርጉደኣማድር” ኣብ ዝበሃል ዓዲ ንሓደ ይኵኖ እግዚእ ዝተባህለ ሹመኛ ብሕልሚ ተገሊጹሉ ቤተ ክርስቲያን ሓነፀሉ። እንተኾነ ግና ብሰንኪ ሰበይቱ ካብዚ ቦታ ተላዒሉ ንሰንበል ኣሥመራ መጽአ። ካብኡውን ናብ እንበይቶ ሰሓርቲ ቀጺሉውን ናብ ዓደርብዓ ኣብ መወዳእታ ከኣ ናብዚ ሕጂ ተደኵንሉ ዘሎ ከባቢ ቴድረር መጽአ። ኣብ ቴድረር ምስ መጽአ ነቲ ቦታ ስለዝፈተዎ ‘እዚኣ ናይ ዘለዓለም መዕረፊተይ እያ’ ኢሉ ኃደራ። ደኃር ብደቂ ድራር ገብረ ክርስቶስ ተገደመት።
፬. ገዳም ደብረ ድማኅ:-
እዚ ገዳም’ዚ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ይርከብ። ገዳም ደብረ ድማኅ ብአቡነ መርቆሬዎስ ብ1659 ዓ.ም. ተመሥረተ። አቡነ መርቆሬዎስ ካብ ኣቦኦም ቀሲስ ቶማስን ካብ ኣደኦም እምነ ሰሎሜን ብ1279 ዓ.ም. ኣብ ‘ሓይ’ ዝተባህለ ቦታ ተወልዱ። ኣቦኦም ቀሲስ ቶማስ ነቲ ኣቡነ መርቆሬዎስ ካብ ቅድሚ ፅንሰቶም ጀሚሩ ክሳዕ ዚዓብዩ ብወዶም ዚፍጸም ተኣምራትን መንፈሳዊ ዕቤትን ምስ ኣስተውዓሉ ናብ ኣኮኦም ኣቡነ ጳውሎስ ኪመሃሩ ወሰድዎም። ብጥበብ እግዚአብሔር ኣብ ውሽጢ ዓመት መዝሙር ዳዊት፡ ብሉይን ሓዲስን ኣጠናቐቑ። ድኅሪ ብዙኅ ጻዕርን ተጋድሎን ካብ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ኣርዑተ ምንኵስና ተቐበሉ። ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ምድሪ ኣግዓዚት ብብሕትውናን ብምስፋሕ ስብከተ ወንጌልን ድኅሪ ምግዳል፡ ናብ ቈላ ሠራየ እንዳ ማርያም በርቛሕ ምስ ኣቡነ ኤዎስታቴዎስ ከይዶም ብጽኑዕ ብሕትውና ን7 ዓመት ተቐመጡ። ብድኅር እዚ ከምቲ ንኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ክፍሎም ኣርማንያ ዝኾነ፡ ንአቡነ መርቆሬዎስ ድማ ፃዕዳ ርግቢ እናመርሐ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ገዳም ደብረ ድማኅ ኣብጽሖም። ድኅሪ ብዙኅ ተጋድሎ ድማ ከም ትምኒቶም ካብ ኣምላኾም ቃል ኪዳን ተቐቢሎም ብ16 ታኅሣሥ 1411 ዓ.ም. ዓረፉ።
ኣብዚ ገዳም እዚ እቲ ከም ትምኒቶም ዝሃቦም ፃዕዳ ጸበል ብዙኅ ተኣምራት ዚገብርን ብቅዱስ ሚካኤል ዝተዋህቦም ዘጋል መስቀልን ካልእ ታሪኻዊ ቅርስን ይርከብ። እዚ ገዳም’ዚ ከም ካልኦት ገዳማት ብሕገ ጳኵሚስ ዚመኃደር ገዳም እዩ።

፭. ገዳም ደብረ ክሳሄ፦
ገዳም ደብረ ክሳሄ ኣብ ዞባ ደቡብ ዓዲ ዃላ ኃሊፍካ ኣብ ቈሓይን ጫፍ ኤርትራ ይርከብ። እዚ ገዳም እዚ ብአቡነ ኣብሳዲ ዝተመሥረተ ጥንታዊ ገዳም እዩ። አቡነ ኣብሳዲ ካብ ካህን ቶማስን ቅድስት እምነ ሰሎሜን ካብ ዝተባህሉ ወለዲ ብ 16 የካቲት 1282 ዓ.ም ተወልዱ። ቅድሚ ምንኵስናኦም “ሀሎ ክርስቶስ” እናተባህሉ ይጽውዑ ነበሩ። ወዲ 12 ዓመት ምስ ኮኑ መኒኖም ናብ ብሥጋ ኣኮኦም ዝነበሩ ባሕታዊ ኣባ ገብረ መስቀል(ዳንኤል) ከይዶም መንፈሳዊ ትምህርቲ እናተማህሩ ብተጋድሎን ጸሎትን ምስ ደልደሉ ናብ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ከይዶም ምንኵስና ተቐበሉ። ስሞም ድማ (ኣብሳዲ) በልዎም፣ ‘ኣብሳዲ’ ማለት ትርጕሙ ኣቦ ብዙኃን ማለት እዩ። ብብሕትውናን ብተጋድሎን ድኅሪ ምጽንሖም “ሑር ውስተ ሓማሴን/ ናብ ሃገረ ሓማሴን ኪድ” ዝብል ቃል ሰሚዖም ትምህርተ ሃይማኖት እናመሃሩን ብብሕትውናን ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ኤርትራ ንብዙኅ ዓመታት ድኅሪ ምጽናሕ፡ ብመንፈስ እግዚኣብሔር ተመሪሖም ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ገዳሞም ገዳም ደብረ ክሳሄ (ደብረ ማርያም) ቈሓይን ከይዶም ኣብኡ ን7 ዓመት ተቐሚጦም ኣብ መበል 98 ዓመቶም ዓረፉ። ገዳም ደብረ ክሳሄ ክሳዕ ሕጂ በቲ ኣቡነ ኣብሳዲ ዝመሥረትዎ ብሥርዓት ጳኵሚስ ብሓድነትን ብመቝነንን ይካየድ ኣሎ።
፮. ገዳም ማርያም ዓይላ ጉንደት
ገዳም እንዳ ማርያም ዓይላ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዓዲ ዃላ ዓይላ ኣብ ጥቓ ፈለግ መረብ ብወገን የማን ዝርከብ እዩ። እዚ ገዳም እዚ ታሪኻዊነቱ ምስ ምምጻእ ወላዲተ ኣምላክ ዝተኃኃዝ ታሪኽ’ኳ እንተለዎ ከም ገዳም ዝተገደመ ግና ብ1390 ዓ.ም. ብወዲ ኣቡነ ኣብሳዲ ዝነበሩ ኣባ ተወልደመድኅን እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ገዳም ማርያም ዓይላ ናይ መነኮሳት መፍረዪ ናይ ድዉያን መፈወሲ ኮይኑ ንብዙኅ ዘመናት ዝጸንሐን ዘሎን ገዳም እዩ። ማርያም ዓይላ ካብተን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ ዝረገጸተንን ዝባረኸተንን ገዳማት ኤርትራ ሓንቲ እያ። ናይዚ ገዳም ኣጸዋውዓኡ ውን ምስ ልደተ ክርስቶስ ዝተተኃኃዘ ምዃኑ ካብቲ ቓሉ ንርዳእ።
‘ዓይላ’ ማለት ናይ ስንባደ ኣደማምፃ እዩ፡ እዚ ድማ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብዚ ቦታ እዚ ንኣስታት ሠለስተ ኣዋርኅ ተቐሚጣ ከም ዝነበረት’ሞ ፍቁር ወዳ’ውን ኣብዚ ቦታ እዚ ንስማ ዚጽውዑ ብዙኃን መነኮሳትን ባሕታውያንን ዕረ እናበልዑ ከም ዚነብሩ ምስ ኣርኣያ እቲ ቦታ ናይ ቅዱሳን ምዃኑ ተረዲኣ ኣብኡ ንኽትቅመጥ ተመነየት። ሃንደበት ግና ‘ተንሥኢ’ ዝብል ድምፂ መልኣኽ ሰምዐት’ሞ ሰንቢዳ ‘እ. . . ኣ’ በለት። በዚ ድማ ማርያም ‘እ’ ኢላ ተባህለ። ካብዚ ድማ ማርያም ዓይላ ዝብል ስያመ ተዋህባ። ገዳም ማርያም ዓይላ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዓዲ ዃላ፡ ዓይላ ጕንደት ኣብ ጥቓ ፈለግ መረብ ብወገን የማን ይርከብ።

፯. ገዳም ደብረ ኮል፦
ገዳም ደብረ ኮል፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ እምኒ ኃይሊ ከባቢ መራጕዝ ዚርከብ ገዳም እዩ። ኣቦና ኣቡነ ቡሩከ ኣምላክ ንገዳም ደብረ ኮል ሙራደ ቃል ዝገደሙ ኾይኖም፡ ኣቦኦም ንጉሥ ሮማ ዝነበረ ቴዎቅሪጦስ ኣደኦም ከኣ ሚሊዳማ ካብ ዝተባህሉ ቅዱሳን ብ1 ግንቦት 1290 ዓ.ም. ተወልዱ። ብጸጋ ምስ ዓበዩ ካብ ሃገሮም ብምኽንያት ምናኔ ወዲ 7 ዓመት ከለዉ ብመንፈስ እግዚአብሔር ተመሪኆም ናብ ኤርትራ መጽኡ። ናብ ‘ሰብዓ’ እትበሃል ዓዲ ዓረዛ ብምኻድ ካብ ኣቡነ ኣብሳዲ ዘደብረ ክሳሄ ኣስኬማ መላእክት ተቐበሉ። ብድኅር'ዚ ‘ቡሩከ ኣምላክ’ ዚብል ስም ተዋህቦም። አቡነ ቡሩከ ኣምላክ ብጽኑዕ ብሕትውና ን55 ዓመታት ኣብ ደብረ ማርያም ምስ ተቐመጡ ብፍቓድ መንፈሳዊ ኣቦኦም ኣቡነ ኣብሳዲ ናብ ደብረ ኮል ብ1352 ዓ.ም. ከይዶም መሥረትዎ። ደብረ ኮል ኣዝዩ ዱር ንምቕማጡ ኣጸጋሚ ቦታ እኳ እንተነበረ፡ ኣቦና ብብሕትውና ንኣስታት 63 ዓመታት ድኅሪ ምቕማጦም ካብ ኣምላኾም ቃል ኪዳን ተቐቢሎም እታ ዝዓርፉላ ዕለት ምስ በጽሐት ምስ ደቆምን ኣባላት ሥድራኦምን ብሽፋቱ ብ14 ነሓሴ ኣብ መበል 120 ዕድመኦም ብሰማዕትነት ዓረፉ። እታ ደሞም ዝነጠበላ መቓብሮም ዘለዋ ቦታ ክሳዕ ሎሚ ማይ ይፍልፍል ኣሎ።
ኣብዚ ገዳም እዚ ካብ መቓብር ኣቡነ ቡሩክ ዝወፅእ ማየ ጸበል ዓመት ምሉእ ዘየቋርጽን ንብዙኃን ሕሙማን ዝፍውስ ተኣምራታዊ ጸበል እዩ፡ እዚ ገዳም እዚ በቲ አቡነ ቡሩክ ኣምላክ ዘቘሙዎ ሥርዓተ ጳኵሚስ ዝምራሕ ሓድነት ገዳም እዩ።

፰. ገዳም ደብረ ቢዘን፦
ገዳም ደብረ ቢዘን፥ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ይርከብ። ነዚ ገዳም’ዚ ብ1360 ዓ.ም. ዝመሥረትዋ ኣቡነ ፊሊጶስ እዮም። ኣቦና አቡነ ፊሊጶስ ብጥቅምቲ 1319 ዓ.ም. ብዘመነ መንግሥት ዓምደ ጽዮን ካብ ኣቦኦም ይርድአነ እግዚእን ካብ ኣደኦም መግደላዊትን ዝተባህሉ ቅዱሳን ኣብ ኣንከረባርኳ(ጐላጉል) ተወልዱ። ብ 18 ኅዳር ኣብ በዓል ሓዋርያ ፊሊጶስ ስለዝተጠምቁ ድማ ፊሊጶስ ኢሎም ሰመይዎም። ኣብ 12 ዓመት ዕድመኦም መንፈስ እግዚአብሔር ዝኃደሮም ብቁዕ ብምንባሮም ኣብ ደብረ ጸራቢ ኣተዉ’ሞ ካብ ኣቡነ በኪሞስ ኣርዑተ ምንኵስና ተቐበሉ። ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ኤርትራ እናተዛወሩ ኸኣ ወንጌል እናሰበኹ ብብሕትውና ድኅሪ ምንባሮም ምስ 16 ኣርድእቶም ናብ ገዳም ደብረ ቢዘን ኣትዮም ብ1365 ዓ.ም. ሓድነትን ማኅበራዊ ናብራን ኣቝሞም ገደምዎ። ካብኡ ንደኃር ብጾምን ጸሎትን ተጸሚዶም ኪነብሩ ጀመሩ፡ ብድኅር’ዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጹ ከምዚ በሎም፡ “ንዅሉ ኣብ ሰማይን ምድርን ዘሎ ምሥጢራት ከምኡ’ውን 81 ቅዱሳት መጻሕፍቲ ገሊጸልካ ኣሎኹ። ብምልክት ካብ መምህር ስለ ዘይተመሃርካ ስምካ ‘ፋድል ፊልጶስ’ ይኹን።” ‘ፋድል’ ማለት ፊደል ዘይቈጸረ ዘይተማህረ ማለት እዩ። አቡነ ፊሊጶስ ኣብ ገዳሞም ደብረ ቢዘን ብብዙኅ ተጋድሎ ድኅሪ ምቕማጥ ኣብ መበል 84 ዕድመኦም ብ 5 ነሓሴ ዓረፉ።
ገዳም ደብረ ቢዘን፦ 3 ጥንታውያን ኣብያተ ክርስቲያንን፡ ሥላሴ ዝተገልጽሉ ቦታን ዝተፈላለየ ታሪኻዊ ቅርሲን ዝውንን ዓቢይ ገዳም እዩ።


፱. ገዳም እንዳ አቡነ እንድርያስ ዕፉን
ገዳም እንዳ አቡነ እንድርያስ ዕፉን ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ይርከብ። ነዚ ገዳም እዚ ዝመሥረትዎ ኣቡነ እንድርያስ እዮም። አቡነ እንድርያስ ካብ ኣቦኦም ቀሲስ መንክርን ኣደኦም ፀዳለ ብርሃንን ኣብ ኮርባርያ ተወልዱ። ስሞም ድማ ከምቲ ዝረኣይዎ ሕልሚ እንድርያስ ኢሎም ሰመይዎም። ኣቡነ እንድርያስ ሕፃን ከለዉ፡ ናብ አቡነ መርቆሬዎስ ከይዶም ምስ ተማህሩ መዓርገ ምንኵስና ካብ አቡነ መርቆሬዎስ ተቐበሉ። ብድኅር’ዚ ብጽኑዕ ብሕትውናን ገድልን ኪነብሩ ጀመሩ፡ ብብዝኂ ተጋድሎን ብሕትውናን ድማ ናብ ራእያትን ገቢረ ተኣምራትን መዓርግ በጽሑ። ኣቦኦም አቡነ መርቆሬዎስ ብዝነገርዎም መሠረት ናብቲ እግዚኣብሔር ዝመደበሎም ቦታ ክፍሎም ካብ ኣቦኦም ተፈልዮም ከዱ። ኣብዚ ቦታ እዚ ከኣ ብብዙኅ ተጋድሎ ምስ ኣርድእቶም ንብዙኅ ዓመታት ድኅሪ ምጽናሕ ብ29 መጋቢት 1484 ዓም ኣብ መበል 96 ዕድመኦም ዓረፉ።
እዚ ገዳም’ዚ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ብዙኃት መነኮሳት እኳ እንተዘይሃለውዎ ኣዝዩ ታሪኻውን ብዙኅ ቅርስን ዝኃዘ ገዳም እዩ።

፲. ገዳም ደብረ ጽጌ ጺደርዋ፦
ገዳም ደብረ ጽጌ ጺደርዋ ኣብ ዞባ ደቡብ ከባቢ ሰፍኣ ዚርከብ ገዳም እዩ። እዚ ገዳም እዚ ብአቡነ እንድርያስ ዝተመሥረተ ገዳም እዩ። አቡነ እንድርያስ ካብ ኣቦኦም ዘአማኑኤልን ካብ ኣደኦም አመተ መንፈስ ቅዱስን ዝተባህሉ ኣብ ሕንጣሎ ፍሉይ ስሙ ደርግዓጀን ብ 1 ግንቦት ተወልዱ። ስሞም ድማ መሓረነ እግዚእ ተባህሉ። ትምህርተ ሃይማኖትን መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ምስ ኣጽንዑ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኣውራጃ ተምቤን ጭኽ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣትዮም ብብሕትውና ተቐመጡ። ናብ ዓድዋ እንዳ ጊዮርጊስ ናብ ዝበሃል ቦታ ከይዶም ድማ ብብሕትውና ንብዙኅ ዓመታት ድኅሪ ምቕማጥ ካብ ኣቡነ ገብረክርስቶስ ዝተባህሉ ባሕታዊ ኣርዑተ ምንኵስና ተቐበሉ። አቡነ እንድርያስ ኣብ ብዙኅ ቦታታት ምድረ ኣግኣዚት እናተዛወሩ ብርክት ዝበለ ተኣምራት እናሠርሑ ብብሕትውናን ገድልን ድኅሪ ምንባር መንፈስ እግዚኣብሔር መሪሕዎም ነዚ ገዳም ደብረ ጽጌ(ጺደርዋ) ብ1327 ዓ.ም. ገደምዎ። ድኅሪ ብዙኅ ተጋድሎ ድማ ብ 1 የካቲት ኣብዚ ገዳሞም (ደብረ ጽጌ) ዓረፉ።
ካብቲ እዋን’ቲ ጀሚሩ ድማ እዚ ገዳም እዚ ብመንፈሳዊ ሕይወት ብዙኃን መነኮሳትን መነኮሳይትን ብማኅበራዊ ናብራን ብሓድነት ኮይኖም ብሥርዓተ ጳኵሚስ ብመቝነን እናተመኃደሩ ይነብሩ ኣለዉ። ኣብዚ ገዳም እዚ፥ መስተንክራዊ ተኣምር ዝገብር ጸበል ማይ ዮርዳኖስን ዝተፈላለየ ቅርስን ይርከብ።

፲፩. ገዳም ደብረ ጽጌ፦
ገዳም ደብረ ጽጌ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ማይ ዓይኒ ኣብ መንጎ ትምዛእን ተኸላን ይርከብ። እዚ ገዳም እዚ ምስ ታሪኽ ገዳም ደብረ ድኁኃን ዝተተኃኃዘ እዩ። ነዚ ገዳም እዚ ዝመሥረቱ አቡነ ዮናስ እዮም። አቡነ ዮናስ ካብ ኣቦኦም ንዋየ እግዚእን ኣደኦም ኂሩተ ማርያምን ብዕለት 17 ኅዳር 1404 ዓ.ም. ኣብ ኣውራጃ ዓጋመ ንኡስ ወረዳ ስሩኽሶ ሃገረ ቡር እንዳ መስቀል ዝተባህለ ዓዲ ተወልዱ። አቡነ ዮናስ ብሕፃኖም ኣብ ጕስነት ከለዉ መንፈስ ቅዱስ ገለጸሎም። ብድኅሪኡ ናይ ምናኔ መንፈስ ተላዒልዎም ናብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ፡ ናብ እትርከብ ገዳም ደብረ ሲና ናብ ኣባ ድምያኖስ ብሥጋውን ኣኮኦም ናብ ዝኾኑ ከይዶም መንፈሳዊ ትምህርትን፡ ሥርዓተ ምንኵስናን መጽሓፈ ሓዲሳትን ብሉይን ምስ ተማህሩ ብ1418 ዓ.ም. ኣርዑተ ምንኵስና ተቐበሉ። ‘ዮናስ’ ኢሎም ሰመይዎም። ትርጕሙ ኸኣ ‘ዘይቲ’ ማለት እዩ። ድኅሪ ብዙኅ ገድሊ ድማ እግዚአብሔር ከምቲ ንኵሎም ዘሥመርዎ ቅዱሳን ዝሃቦም ቃል ኪዳን ሃቦም። ኣብ መበል 95 ዕድመኦም ድማ ብ17 መጋቢት 1451 ዓ.ም ነፍሶም ካብ ሥጋኦም ብኢድ መላእኽቲ ናብ ናይ ዘለዓለም ማኅደራ ኣተወት። ኣብዚ ሕጂ ደብረ ድኁኃን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ገዳሞም ኸኣ ብኽብሪ ተቐብሩ። ናይ አቡነ ዮናስ ክብረ በዓል ብ21 ጥሪ እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ኣቡነ ዮናስ “ዝኽረይ ምስ በዓለ ማርያም ግበሩለይ” ኢሎም ንደቈም ብዝተላበውዎ መሠረት እዩ።

፲፪. ገዳም ደብረ ምዕዋንን ደብረ ኮዳዱን፦
ገዳም ደብረ ምዕዋን ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ይርከብ። ገዳም ደብረ ኮዳዱ ድማ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ ጽልማ ኣብ እምኒ ጸሊም ዝርከብ ገዳም እዩ። እዞም ገዳማት እዚኦም ብኣቡነ ብፁዕ ኣምላክ ዝተመሥረቱ እዮም። አቡነ ብፁዕ ኣምላክ ካብ ኣቦኦም ያፈቅረነ እግዚእን ካብ ኣደኦም ዘመደ ማርያምን ብ1 መስከረም 1425 ዓ.ም ኣብ ምድረ ጣጥያ ተወልዱ፡ መበቈል ዓዶም ግና ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ጽልማ ፍሉይ ሽሙ እምኒ ጸሊም እዩ። ሥድራኦም ከምቲ ቅድሚ ምውላዶም ዝተበሠርዎ ብፁዓ ኣምላክ ኢሎም ሰመይዎም። ወዲ 8 ዓመት ምስ ኮኑ ድማ ኣቦኦም ብትእዛዝ እግዚኣብሔር ምስ ኣኅዋቶም ናብ ደብረ ቢዘን ወሰድዎም። ኣብኡ ድማ ትምህርተ ሃይማኖትን ቅዱሳት መጻሕፍትን ተማህሩ። መንፈስ ቅዱስ ሰለዝኃረዮም ኸኣ ገና ሕፃን ከለው ተኣምራትን ይገብሩ ነበሩ። ወዲ 15 ዓመት ምስ ኮኑ ኸኣ እቶም መነኮሳት ኣገልግሎቶምን ትግሃቶምን ርእዮም ብ1440 ዓ.ም. ካብ ኣቡነ ጴጥሮስ 4ይ ወለዶ ወዲ ኣቡነ ፊሊጶስ ኣስኬማ ዘመላእክት (መዓርገ ምንኵስና) ተቐበሉ። ብድኅር'ዚ ኣብ ደብረ ቢዘን ብብዙኅ ገድልን ትሩፋትን 20 ዓመት ተቐሚጦም ኣብ መበል 42 ዕድመኦም ናብ ኮዳዱ ጽልማ ብምኻድ ን30 ዓመታት ብጾምን ጸሎትን ተወሲኖም ተቐመጡ። ድኅር እዚ ብፍቓድ እግዚአብሔር ወጺኦም ናብታ እግዚአብሔር ዘዳለወሎም ናይ ቃል ኪዳን ቦታ ደብረ ምዕዋን ምድረ እገላ ከይዶም ብብዙኅ ተጋድሎ ተቐሚጦም ነዚ ቦታ ቀደስዎ። ኣቡነ ብፁአ ኣምላክ ብዙኃት መነኮሳት ኣፍርዮም ካብ ኣምላኽ ቃል ኪዳን ተቐቢሎም ኣብ መበል 75 ዕድሚኦም ብ 9 ግንቦት 1500 ዓ.ም. ዓረፉ። ኣብዚ ገዳም”ዚ ክሳዕ ሕጂ ንጥንታውነቱ ዝዕቕቡን፡ ንኽብሪ ኣቦና እናዘከሩ ኣሠሮም ዝስዕቡ ብዙኃት መነኮሳት ይርከቡ።
፲፫. ገዳም እንዳ ኣቦና፦
ገዳም እንዳ ኣቦና ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ከባቢ ደቂ ድግና ይርከብ። ደብረ ጥሉል ተባሂሉ ከኣ ይስመ። እዚ ገዳም ብኣቡነ ኣብራንዮስ ብ1705 ዓ.ም. ተገደመ። አቡነ ኣብራንዮስ ካብ ኣቦኦም ወልደክርስቶስን ካብ ኣደኦም ወለተትንሣኤን ዝበሃሉ ቅዱሳን ብ1624 ዓ.ም. ኣብ ጐጃም ፍሉይ ሽሙ እነነብሴ ተወልዱ። አቡነ ኣብራንዮስ ተፀኒሶሙሉ ዝነበርሉ ጊዜ ናይ ሃይማኖት ስደት ብምንባሩ እግዚኣብሔር ነቲ ዝነበረ ሕማቕ ኵነታት ንከይርእዩ ኣብ ማኅፀን ኣደኦም 7 ዓመትን 7 ወርኅን ገበሩ። ኣብ ማኅፀን ኣደኦም ከለዉ ብተኣምራት ብዝተዛረብዎ ኃይለ ቃል ‘ኣቦና’ ተባህሉ። ድኅር እዚ እቲ ናይ ሃይማኖት ምንዋጽ ምስ ሃድአ ተወልዱ። ኣብ 7ተ ዓመት ዕድመኦም ወለዶም ናብ መምህር ኣባ ገብረኢየሱስ ወሰድዎም እሞ ንኃሙሽተ ዓመት ዝኣክል ካብ ፊደል ጀሚሮም ብሉያትን ሓዲሳትን መንፈሳዊ ሕይወትን ተማህሩ። ብመንፈስን ብተሞክሮ ገድልን ምስ ጸንዑ ድማ ካብ ኣባ ገብረኢየሱስ መዓርገ ምንኵስና ተቐበሉ። ብድኅር’ዚ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ምድረ ኣግኣዚ ብብሕትውናን ብገድልን ድኅሪ ምጽናሕ ብመንፈሰ እግዚኣብሔር ተመሪሖም ናብ ሕጂ ገዳሞም ዘሎ ብ1705 ዓ.ም. ከይዶም ብዙኃት መነኮሳት ኣፍረዩ። ክሳዕ እታ እግዚአብሔር ዝመደበሎም ናይ ዕረፍቲ ጊዜኦም ድማ ብብዙኅ ትሩፋት ምስ ተቐመጡ፡ ጐይታ ተገሊጹ ቃል ኪዳን ኣተወሎም። ብ21 ነሓሴ 1713 ዓ.ም. ኣብ ደብረ ጥሉል ኣዕረፉ። እዚ ገዳም እዚ ካብ ዝምሥረት ናይ ኣስታት 300 ዓመት ዕድመ ዘለዎ እዩ። ካብ ዝግደም ኣትኂዙ ኸኣ ብማኅበር ዝመኃደረሉ ርስትን ሕርሻን ኣለዎ። ኣብቲ መካነ መቓብሮም ከኣ ሕሙማት ዝፍውስ ጸበል ይርከብ።
፲፬. ገዳም ፃዕዳ እምባ፦
ገዳም ፃዕዳ እምባ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ዝርከብ ገዳም እዩ። እዚ ገዳም ብአቡነ ሰይፈ ሚካኤል ብ1676 ዓ.ም. ዝተመሥረተ ታሪኻዊ ገዳም እዩ። አቡነ ሰይፈ ሚካኤል ኣብ ሰሜን ዓንሰባ ደርሰነይ ዝተባህለ ዓዲ ካብ ኣቦኦም ዓምደሚካኤልን ኣደኦም ኂሩተማርያም ብ1626 ዓ.ም. ተወልዱ። ካብ ቤተሰቦም ተፈልዮም ብምናኔ ናብ ስግር ሃገር ኣውራጃ ኣድያቦ ሰጊሮም ይቕመጡ ነበሩ። ኣብ ቤተ ቂርቆስ እንዳ ኣቡነ ኖላዊነኄር ካብ ኣቡነ ዕንቈብርሃን መዓረገ ምንኵስና ተቐበሉ። ብድኅር’ዚ ንኣምላኾም እናኣመስገኑ ኣብ ደብረ ሳላ ዝተባህለ ቦታ ብብሕትውና ክነብሩ ጀመሩ። ካብ እግዚአብሔር ዝተላእኸ መልኣኽ መጺኡ እናመርሖም ናብ ፃዕዳ እምባ ዝበሃል ቦታ ኣብጽሖም’ሞ እግዚአብሔር ዘዳለወልካ ቦታ(ገዳም) እዚ እዩ ኢልዎም ተሠወረ። አቡነ ሰይፈሚካኤል ናብቲ ዝተዋህቦም ገዳም ንምእታው ብኃይሊ እግዚአብሔር እንተዘይኮይኑ የማነ ጸጋም ብጸድፊ ዝተኸበን ሓደ መእተውን ዘለዎ እዩ። አቡነ ሰይፈ ሚካኤል ብ1669 ዓ.ም. ንገዳም ፃዕዳ እምባ ኣትዮም ማኅበር ሠሪዖም ሓድነት ሥርዓተ ጳኵሚስ መሥረቱ፡ ብዙኃት መነኮሳት ኣፍርዮም፡ ብድኅሪ ጽኑዕ ገድልን ተባሕትዎን ካብ ኣምላኾም ቃል ኪዳን ተቐቢሎም ብ19 ጥቅምቲ 1722 ዓ.ም. ናብታ ዘይትኃልፍ ርስቲ ተሰጋገሩ።
ኣብዚ ገዳም ካብ ቋርፍ ዳዕሮ ከም ስዋ ተጸሚቑ ከም ጸበል ይስተ’ሞ ብዙኃን ሕሙማን ይፍወስ። ከምኡ ውን ካብ መካነ መቓብሮም ጸበል ዝሰትዩን ዝልከዩን ሕሙማን ይሓውዩን ይፍወሱን። ኣብዚ ገዳም ብዙኅ ታሪኻዊ ቅርሲ ውን ኣሎ።

፲፮. ገዳም አቡነ ሠረቀ ብርሃን፦
ገዳም አቡነ ሠረቀ ብርሃን ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ እምኒ ኃይሊ ዓዲ በሃይላይ ኃሊፍካ ዝርከብ ገዳም እዩ። አቡነ ሠረቀ ብርሃን ካብ ኣቡነ በርናባስ ኣርዑተ ምንኩስና ዝተቐበሉ እዮም። ሠረቀብርሃን ብዙኅ ተጋድሎ ዝፈጸሙን ከም በቕሊ ዘጓዓዕዞም ኣንበሳ ካብ ኣምላኽ ዝተዋህቡ ቅዱስ ኣቦ እዮም። ንኢየሩሳሌም’ውን ብደመና ተጻዒኖም በጺሖም ከም ዝተመልሱ መጽሓፈ ገድሎም ይሕብረና። ኣብ በረኻ እምበኸታ ድማ ምስ ኣርድዕቶም ወሪዶም ን66 ዓመታት ብብዙኅ ገድሊ ተቐመጡ። ድኅሪ ብዙኅ ተጋድሎ ዝዓርፍሉ ዕለት ምስ ኣኸለ ንደቈም እዚ ዝተቐብሩሉ ቦታ ብምልክት ኣርእዮም ኣብዚ ሎሚ ደብረ ጽጌ ደብረ መድኃኒት እናተባህለ ዝጽዋዕ ዘሎ ካብ ኩዶ ኣብዑር ንሸነኽ ሰሜን ብእግሪ ናይ ሓደ ሰዓት ዝኸውን ምስ ተጓዓዝካ ዝርከብ ገዳም ምስ 44 ቅዱሳን ደቈም ተቐብሩ።

ብሓፈሻ ስለዚ ገዳማትና መሠረት ሃይማኖትና ምዃኖም ፈሊጥና ብኣካል ብምብጻሕን ሓገዝና ብምብርካትን በረኸት ክንካፈል እግዚአብሔር ብጸጋ ይደግፈና።
ይትባረክ እግዚአብሔር አምላከ አበዊነ፥

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195