banner

ገዳም ደብረ ጽጌ ወደብረ ድኁኃን ኣቡነ ዮናስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሀሎ አሐዱ ብእሲ በአሐቲ ሀገር እንተ ስማ ቡር ሀገረ መስቀል ዘስሙ ንዋየ እግዚእ ወስመ ብእሲቱ ኂሩተ ማርያም / ኣብ ‘ቡር ሃገረ መስቀል (እንዳ መስቀል)’ ትብሃል ዓዲ፡ ንዋየ እግዚእ ዚብሃል ሰብኣይ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኂሩተ ማርያም ይነብር ነበረ። ካብዞም ብሕጊ እግዚኣብሔር ዚመላለሱ፣ ኣዝዮም መንፈሳውያን ክልተ ሰብ ቃል ኪዳን ‘ካብ ወይኒ ወይኒ ይፈሪ’ ከምዝበሃል ብዕለት 17 ኅዳር 1404 ዓ.ም ብሩኽ ውላድ ተወልደ። ስመ ክርስትናኡ ኸኣ ‘ሀብተ እግዚእ’ ተባህለ። ኣብ እዋን ምንኵስናኡ ግና ‘ዮናስ’ ተባህለ፣ ዮናስ ማለት ለዋህ፣ ሕያዋይ ርግብ ማለት እዩ።

ኣቡነ ዮናስ ገና ሕፃን ኮይኑ ኣብ ጒስነት ኣባጊዕ ከሎ፡ ቅድሚ ናብ መንፈሳዊ ቤት ትምህርቲ ምእታዉ ብመንፈስ ቅዱስ መዝሙረ ዳዊት ተገሊጽሉ፡ ብዘይ ምቍራጽ እናጸለየ ከሎ ናይ ምናኔ መንፈስ ኃደሮ። ሽዑ ነቲ ዅሉ ናይ ዓለም ነገር ንድኅሪት ገዲፉ ካብቲ ዝተወልደሉ ሃገር'ውን ርኂቑ ናብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ምድሪ ወዲ ሠበራ ኣብ እትርከብ ደብረ ሲና እትበሃል ገዳም ኣተወ። ኣብዛ ገዳም ብሥጋ ኣኮኡ ዝብጽሖ ኣቡነ ድምያኖስ ዝተባህለ ዓቢይ ባሕታዊ ረኸበ። ኣቡነ ድምያኖስ፡ ምርጫኡ ንምናኔ ምዃኑ ተረዲኡ መጽሐፈ ብሉይን ሓዲስን፡ መጽሓፈ መነኮሳትን ሥርዓት ምንኵስናን ምስ መሃሮ፡ መዓርገ ምንኵስና ኣልበሶ። ስሙ ድማ ‘ዮናስ’ በሎ።

ብድኅር’ዚ ሕጊ ብሕትውና ተኸቲሉ፡ ለይተ ለይቲ ‘ጠራቒት’ ኣብ ዝተባህለት ቀላይ እናኸደ ኪጽሊ ይኃድር፡ ብጊዜ መዓልቲ ኸኣ ኣብ ስብከተ ወንጌል ይውዕልን፡ ጾም፡ ጸሎትን ስግደትን የዘውትርን ነበረ። ካብ ብዝኂ ተጋድሎ ብሕትውናኡ ድማ ኣፃብዕ ኣእዳዉ ልክዕ ከም ፀሓይ የብርህ ነበረ። ኃሙሽተ ፍረ ዳዕሮ ወይ ፍረ ዓየ እንተዘይኮይኑ ካልእ መግቢ ፈጺሙ ኣይጥዕምን ነበረ። ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ሰሙን ሓንሳእ ኅብስተ ኣኮቴትን ጽዋዐ በረከትን የቐብሎ ነበረ። ሓደ እዋን ኣብ ቀላይ ኮይኑ ኪጽሊ ከሎ “ሰላም ለከ ኦ ፍቁርየ ዮናስ” ዝብል ኣምላኻዊ ድምፂ ሰምዐ። ናብ ሰብከተ ወንጌል ተዋፊሩ ኪምህር ከምዘለዎ’ውን ተነግሮ እሞ “ወይኩን ፍቃድከ” ብምባል ትሕት ኢሉ ተኣዘዘ። ብድኅር’ዚ ብስብከቱ ንብዙኃት ኣእሚኑ ኣጥመቐ። ምዉታት ብምትንሣእ፣ ሕሙማን ብምፍዋስ፣ ኣጋንንቲ ብምውፃእ፣ ብኸምዚ መንገዲ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቱ ቐጸለ።

ዜና ቅድስናኡን ጽኑዕ ብሕትውናኡን ትምህርቱን ካብ ተራ ሕዝቢ ክሳዕ ነገሥታት ኣብ ኵሉ በጽሐ። ኣቡነ ዮናስ ብብሕትውና ኣብ ዳሞት ዝበሃል ዓዲ ነይሩ፡ ‘ናብ ገዳምካ ተመለስ ኪድ’ ዝብል ቃል ምስ ሰምዐ፡ ናብ ገዳም ደብረ ሲና ኣቡነ ድምያኖስ ተመልሰ። መዓርገ ክህነት’ ተቐቢኡ ፡ ድኅሪ ኣቡነ ዲምያኖስ ኣበምኔት ኮይኑ ንዓሠርተ ዓመት ዝኣክል ኣገልጊሉ እዩ። ነቶም ደድኅሪኡ ዝስዕቡ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ በቦታኦም ከትኅዞም ደልዩ ናብ እግዚአብሔር ምስ ጸለየ፡ ሠለስተ ቦታታት ማለት ደብረ ጽጌ፣ ደብረ ድኁኃንን ደብረ ሣህል ተገልጸሉ እሞ ብሥርዓተ ማኅበር ተመሥረተ።

ቅዱስ ኣቡነ ዮናስ፡ ዕለተ ዕረፍቱ ከምዝበጽሐ ብመንፈስ ቅዱስ ፈሊጡ፡ ነቶም ደቁ ኣጸናኒዑ ኣብ ክንዲኡ ንኣቡነ ጳውሎስ ሸመሎም። ከምቲ ንዅላቶም ኣሥመርቲ እግዚኣብሔር ዝወሃቦም ቃል ኪዳን ተቐቢሉ ኣብ 95 ዓመት ዕድሚኡ፡ ብ17 መጋቢት 1499 ዓ.ም ነፍሱ ካብ ሥጋኡ ተፈልያ ብኢድ መላእኽቲ ናብ ሰማይ ዓረገት። ኣብ ደብረ ድኁኃን ምስ ተቐብረ፡ ካብ መቓብሩ ዘይቲ ፈልፈለ፣ ብእኡ ኸኣ እቶም ደቁ ንመብራህቲ ይጥቀሙ ነበሩ። እቲ ኣብ መቓብሩ ዝነበረ ላህላህታ ናይ ዘይቲ ድማ ክሳዕ ሎሚ ምልክቱ ኾይኑ ይርአ ኣሎ።

ከምቲ ነቢይ ዳዊት “ደብር ርጉእ ወደብር ጥሉል ደብር ዘሠምሮ እግዚአብሔር የኀድር ውስቴቱ/ ኣብቲ ርጉእ ደብሪ፣ ጥሉል ደብሪ እግዚኣብሔር ዚፈተዎ ደብሪ ኣብኡ የኃድር” መዝ. 68፡15-16 ኢሉ ንገዳማትን ኣድባራትን ዝተነበየሎም ኣቡነ ዮናስ ኣብ ብዙኅ ቦታታት ገዳማት ከም ዚመሥረተ ይንገር። ደብረ ጽጌ ትምዛእ፣ ደብረ ድኁኃን ቆሓይን፣ ደብረ ሣህል ምድሪ ወዲ ሠበራ ከባቢ ማይ ጨው፣ ደብረ ጽዮን ዓዲ ውስኽ፣ ደብረ ጸሪቅ ትግራይ ተምቤን. . . እየን። እንተኾነ ኣብዚ ጊዜ’ዚ ብመልክዕ ገዳም ዘለዋስ እዘን ክልተ ገዳማት ደብረ ድኁኃን (ቆሓይን) ከምኡ’ውን ደብረ ጽጌ (ትምዛእ) እየን።

1. ደብረ ጽጌ፣- እዚ ገዳም እዚ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ማይ ዓይኒ ትምዛእ ይርከብ። ብዙኅ ጥንታዊ ታሪኽ ዝሓቘፈ፣ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዚዓቀበ፣ ዚተፈላለየ ንዋየ-ቅድሳት ከም መስቀል ኢድ ኣቡነ ዮናስ ፣ መቖምያን በትርን ኣቡነ ዮናስ ፣ መንበር እምኒ ኣቡነ ዮናስ፣ ጥንታውያን ኣዋልዕን ካልኦት ኣግራብን ዚርከቦ ዓቢይ ገዳም እዩ።
2. እቲ ኻልኣይ ገዳም ድማ ደብረ ድኁኃን እዩ። ደብረ ድኁኃን ማለት ደብረ ፍቅር ወሰላም ማለት’ዩ። እዚ ገዳም እዚ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ማይምነ ዝርከብ ኮይኑ ቅድሚ ዕረፍቶም 1428 ዓ.ም. ተገዲሙ። ኣቀማምጣ ቦታኡ ጽኑዕ ስለ ዝኾነ ብወረርቲ ከይጥቃዕ ብዙኅ ዘፍርህ ኣይኮነን፣ እዚ ጽንዓት እዚ ስለ ዘለዎ ኸኣ ብዙኃት ብኽብሪ ዚጥመቱ መጻሕፍቲ ሃይማኖትን ታሪኽን ፍልስፍናን ዚዓቀበ እዩ። ኣቡነ ዮናስ ዚጽልየሉ ዝነበረ በዓቲ ኣብ ውሽጡ ስፍሕ ዝበለ ኮይኑ መቕደስን ቅድስተ ቅዱሳንን ቤተ ልሔምን መቐመጢ ንዋየ ቅድሳትን ዘጠቓልል ኮይኑ ክሳዕ ሕጂ ኣሎ። ደብረ ድኁኃን ሕጂ’ውን መልክዕ ገዳምነቱ ዘየጥፍአ ‘ድሩክ ለተዐቅቦ’ ንብሕትውና ዝኸውን በዓትታት ዘለዎ ገዳም እዩ።

እዘን ክልተ ገዳማት ደብረ ድኁኃን (ቆሓይን) ከምኡ’ውን ደብረ ጽጌ (ትምዛእ) ዋላ እኳ ብቝጽሪ ክልተ ይበሃላ እምበር ሕገንን ቅዋመንን፣ ሥርዓተንን ኣበምኔተንን፣ ምምኅዳረንን ሓደ እዩ።
ገዳም ደብረ ኣቡነ ዮናስ ዓበይቲ ኣቦታት ዝፈረየ ኮይኑ ሓደ ካብኦም ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ካልኣይ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘሀገረ ኤርትራ እዮም።

ካብዘን ኣብ ኤርትራ ዚርከባ ገዳማት ደቂ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ማለት ብደቁን ደቂ ደቁን ዚውለዳ ዘበላ “ዮም ውሉዱ ኵልክሙ በፍሥሓ ኀቢረክሙ ለኤዎስጣቴዎስ አቡክሙ ግበሩ ተዝካሮ እንዘ ትብሉ ውዳሴሁ አማን ፍጹም ምንኵስናሁ/ ሎሚ ኵልኹም ደቁ ብኃባር ተሓጕስኩም ንኣቦኹም ኤዎስጣቴዎስ ምንኵስንኡ ፍጹም'ዩ እናበልኩም ወድስዎ፡ ዝኸበረ በዓሉ ኸኣ ግበሩ”” ብዝብል ለበዋ መሠረት ብምግባር ብዕለት ፲፰/ 18 መስከረም ብኃባር ኣብዚ ገዳም ደብረ ጽጌ ኣቡነ ዮናስ ተኣኪበን ክሳዕ እዚ ቀረባ ጊዜ የብዕላ ነበራ።

ዋላ እኳ ኣቡነ ዮናስ ዝዓረፈሉ ዕለት 17 መጋቢት እንተኾነ፡ ክብረ በዓሉ ግና 21 ጥር እዩ ዝብዕል። እዚ ድማ ኣቡነ ዮናስ ነቶም ደቁ ‘ ግበሩ ተዝካርየ ምስለ ማርያም እምየ’ ስለዝበለ ዓመት መጸ ኣብ 21 ጥር ኣስተርእዮ ወበዓለ ዕረፍታ ለማርያም ክብረ በዓሉ ይኽበር።

                            ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን፡ ኣሜን።

                                     ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195