banner

ገዳም ወግረ ስኂን ኣቡነ እንድርያስ (ዕፉን)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ገዳም ወግረ ስኂን ኣቡነ እንድርያስ ዕፉን ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ዝርከብ ኮይኑ፡ ካብ ዓረዛ ንሸነኽ ደቡብ 33 ኪ.ሜ. ከምኡ’ውን ብመራጕዝ ንሸነኽ ምዕራብ ካብ ዓዲ ብሓይላይ 25 ኪ.ሜ. ኣብ ልዕሊ ሩባ ዑበል እዩ።
መሥራቲ ናይዚ ገዳም’ዚ ኣቡነ እንድርያስ እዩ። ኣቡነ እንድርያስ ካብ ቅዱሳን ወለዲ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ደቀምሓረ ኮርባርያ (እገላ ኃመስ)ተወልደ። ኣቐዲሞም እዞም ቅዱሳን ወለዲ ቀሺ መንክርን ፀዳለ ብርሃንን ውላድ ስለዘይነበሮም ናብ እግዚአብሔር ብጸሎት ይምኅፀኑ ነበሩ። ድኅሪ ነዊኅ እዋን ድማ ብሩኽን ዓቢይን ውላድ ከምዝወልዱ፡ ስሙ እውን ‘እንድርያስ’ ከም ዝበሃል ብሕልሚ ኣርኣዮም። በዚ ኸኣ ኣቡነ እንድርያስ 29 ሚያዝያ ተጸኒሱ፡ 29 ጥሪ ተወልደ። ከም ኵሉ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኸኣ ኣብ ኣርብዓ መዓልቲ ንጥምቀተ ክርስትና ናብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ከደ፡ እቲ ማይ ከም ጸባ ፃዕድዩ ተራእየ፣ ገና ካብ ዝውለድ ዚጅምር ኣዘንቲኻ ዘይውዳእ፤ ሰሚዕካ ዘይጽገብ ብጸጋ እግዚአብሔር ዘደንቕ መንፈሳዊ ሕይወት ስለዝነበሮ ንመጻኢ ዓቢይ መንፈሳዊ ኣቦ ከምዝኸውን ርጉጽ ነበረ።

ሓደ መዓልቲ መልኣኽ እግዚኣብሔር ንኣቡነ መርቆሬዎስ ኣብ ኮርባርያ ዝተባህለ ዓዲ ንምንኵስና ዝበቅዕ ውላድ ከምዝህቦን ከይዱ ክባርኾን ብዝገለጸሉ ራእይ ከይዱ ባረኾ።

ከምኡ’ውን ኣቡነ እንድርያስ ገና ወዲ ኃሙሽተ ዓመት ከሎ ብሕልሚ ንኣቡነ መርቆሬዎስ ግሩምን ዘብህግን ፈላሲ ኾይኑ ተራእዮ። በዚ ከኣ መደብ እግዚአብሔር ብምዃኑ፡ ኣቡነ እንድርያስ ናብ ደብረ ድማኅ ከይዱ ትምህርተ ሃይማኖት ተማህረ። ኣብ መወዳእታ ድማ ‘ከም’ቲ ዓለም ኣባይ ምውቲ ዝኾነት ኣነ’ውን ንዓለም ምዉት እየ’ ብምባል ዓለም መኒኑ ንእግዚኣብሔር ከገልግል ካብ ኣቡነ መርቆሬዎስ ኣርዑት ምንኵስና ኣስኬማ መላእክት ተቐበለ። ኣብ ደብረ ድማኅ ብርድእናን ብሕትውናን ጽሙድ ተጋዳሊ ኮይኑ ዋላ እኳ ብዕድመ እንተነኣሰ መንፈሳዊ ተግባሩ ኣዝዩ ዘደንቕ ከምኡ’ውን ክሳብ ራእያት ምርኣይን ተኣምራት ምግባርን በቒዑ ነበረ። ቅዱስ ኣቡነ መርቆሬዎስ ከኣ ነቲ ናይ ወዱ መንፈሳዊ ዕቤት ብዓይኒ መንፈስ ተኸታቲሉ፡ ምእንቲ ናብ ልዑል ጸጋ ክበጽሕን ንፈተና ኣጋንንት ክስዕርን ወትሩ ይምርምሮን ይመኽሮን ነበረ።
ኣብቲ እዋን’ቲ ጽኑዕ መንፈሳዊ ተጋድሎ ዝነበሮን ጳጳሳት ዘይፍለይዎን ዓቢይ ገዳም ዝነበረ፡ ዳምባ ምጭ ንኣቦኡ ኣፍቂዱ፡ ብጽኑዕ ተባሕትዎ በዓቲ ዓጽዩ ብጸሎት፡ ጾምን ስግደትን ተወሲኑ ነዊኅ ዓመት ምስ ተቐመጠ ናብ ገዳም ደብረ ድማኅ ተመልሰ።
ኣቡነ እንድርያስ መጋቢ ኮይኑ ከገልግል ከሎ፡ ገበል ኣብ ገንኢ ስዋ ምስ ኣተወ፡ ንሓደ ተማሃራይ “እንተ ሞትኩ ማኅበር ከይሰተይዎ” ብምባል፡ ዋላ እኳ ዘይሰትይ እንተ ነበረ በጃ ማኅበር ንምዃን ግና ሰተዮ። ሓደ ኣባል ማኅበር ብማዕዶ ርእዩ ንኣቡነ መርቆሬዎስ “ኣቡነ እንድርያስ ኣይሰትን እየ እናበለስ ተሓቢኡ እዩ ዝሰቲ” ኢሉ ነገሮ። ኣቡነ መርቆሬዎስ ድማ “ኣንታ እንድርያስ ወደይ ስለምንታይ ደኣ ከምዚ ትገብር፧” ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ “ኣነ ከምዘይሰተኹ እዛ ምርኵሰይን እታ ዚሰተኹላን ይመስክራ” ብምባል መለሰሉ። እተን ምርኵስን መስተይን ድማ ናብ ኣቡነ እንድርያስ ሰጊደን፡ ከም እምኒ ኢያሪኮን ኣድጊ በለዓምን ብቓል ሰብ፦ “ንሱስ ስለ ማኅበር በጃ ንምዃን’ዩ እምበር ስዋ ብሂጉ ኣይሰተየን” ብምባል መስከራሉ። ኣቡነ መርቆሬዎስ ድማ “ኣንታ እንድርያስ ወደይ ኣብዚ ዘብቃዓካ እግዚኣብሔር ይመስገን፣ ድኅሪ ደጊም ግና ምሳይ ኣይክትነብርን ኢኻ፣ ክፍሊ ርስትኻ ብወገን ደቡብ እዩ። ምልክቱ ድማ ክትከይድ ከለኻ ኣብታ ዝኣተኻያ ዓዲ ሓደ ዝወዳ ሰበይቲ ወዳ ሞይቱ ኣብ መሪር ብኽያትን ከቢድ ኃዘንን ክትጸንሓካ እያ። ንስኻ ጸሊኻ ከተተንሥኦ ኢኻ፣ ጕዕዞኻ ቀጺልካ ኣርሒቕኻ ምስ ከድካ እታ ክፍልኻ ዝኾነት ገዳምካ ብማዕዶ ብርሃን ተዓፊና ክትርእያ ኢኻ” ብምባል ትንቢታዊ ቃል ነጊሩ “ኣብ ትኸዶ ኵሉ እግዚአብሔር ምሳኻ ይኹን” ኢሉ ኣፋነዎ።

ኣቡነ እንድርያስ በቲ ዝተዋህቦ ሓበሬታ መንገድን ዝተነግሮ ምልክታትን ኵሉ ከምቲ ዝተባህሎ ሓደ ብሓደ ተፈጸመ። ብወገን ደቡብ ከይዱ፡ ነቲ ዝሞተ ወዲ ኣተንሢኡ፡ ጕዕዞኡ ምስ ቀጸለ ብማዕዶ ወግረ ስኂን ገዳሙ ብብርሃን ተዓፊና ተራእየቶ እሞ ኣዝዩ ተሓጐሰን ንእግዚአብሔር ኣመስገነን። እቲ ቦታ ብብርሃን ተዓፊኑ ስለዝነበረ “ዕፉን‘ዩ” ክብል ገለጾ፣ በዚ ኸኣ ክሳዕ ሎሚ ብብርሃን ዝተዓፈነ ሽፉን ንምባል ‘ዕፉን’ እናተባህለ ይጽዋዕ ኣሎ። እቲ ብማዕዶ “ዕፉን‘ዩ” ዚተባህለሉ ቦታ ግና ብቐረባ ዚብጻሕ ብዘይምንባሩ ቍልቍልን ዓቐብን ክሰግር ግድን ኮኖ። ቍልቍል ወሪዱ ዓቀበት ደይቡ ከዕርፍ ኢሉ ኣብ ትሕቲ ደው ዝበለ እምኒ ተጸጊዑ ኮፍ ምስ በለ፡ እቲ እምኒ ድንን ኢሉ ኣጽለለሉ።

ክሳዕ ሕጂ ድማ ምዕራፍ ኣቡነ እንድርያስ እናተባህለ፡ ዝኾነ ናብ ገዳም ዝድይብ ኃላፊ መንገዲ ንበረኸት ክኾኖ ኢሉ ኣብኡ ከየዕረፈ ኣይኃልፍን እዩ።

ኣቡነ እንድርያስ፡ ዓቐበት ወዲኡ ጥርዘ ጥርዚ ኅልፍ ኢሉ ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሐ እቲ ብርሃን ባና ከም ግመ ቅንጥጥ በለ እሞ ዓቢይ በዓቲ ረኺቡ ኣብኡ ኣትዩ ተቐመጠ። እቶም ኣርድእቱ ከኣ ኣብቲ ከባቢኡ ዘለዉ ናኣሽቱ በዓትታትን ኣጓዱን ሠፈሩ።
ኣቡነ እንድርያስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብቲ ሰፈር ኣራዊት ብዱር ዝተሸፈነ ጽኑዕ በረኻ፡ ድምፂ ኣራዊትን ግርማ ለይትን ጸብኢ ኣጋንንትን ተዓጊሡ፡ ቋርፍ በረኻ እናተመገበ፡ ብጽኑዕ ብሕትውናን ብርቱዕ ተጋድሎን ንብዙኅ ዓመታት ተቐመጠ። ብድኅር’ዚ ‘ግብረ ዘወሃብካኒ ፈጸምኩ/ዝሃብካኒ ሥራሕ ፈጸምኩ’ ብምባል ካብ እግዚኣብሔር ቃል ኪዳን ተቐቢሉ 29 መጋቢት 1484 ዓ.ም. ኣብ 96 ዓመት ዕድመኡ ዓረፈ። ኣብ ውሽጢ እቲ ብብሕትውና ዝነበሮ በዓቲ ኸኣ ተቐብረ። እዚ በዓቲ’ዚ ክሳዕ ሕጂ ከም ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ የገልግል ኣሎ።

ገዳም ወግረ ስኂን ኣቡነ እንድርያስ ዕፉን ከም ኵሎም ገዳማት ሃገርና ብብዝኂ መነኮሳት ዝነበርዎ ዉዕዉዕ ገዳም እዩ ነይሩ። ሎሚ ግና ነዚ ገዳም እዚ ደመና ብርሰት ዘንጸላልዎ ዘሎ ይመስል፣ ምኽንያቱ ሎሚ እዚ ገዳም እዚ ሓደ መነኮስ ጥራይ እዩ ኂዙ ዚርከብ ዘሎ እምበር ዝትክኡ ተመሃሮ ዝረኣይዎ ኣይኮነን። ብመንፈሳዊ ኣገልግሎት ኮነ ልምዓታዊ ዕዮን እቶትን’ውን ኣዝዩ ዝተዳኸመ እዩ። ኣብ ውሥጡ ብዙኅ ዘይተፈተሸ ሃብትን ዘይተጻሕፈን ዘይተነግረን ታሪኽን ሓቚፉ ከምዘሎ ግና ርዱእ እዩ፣ እሞ’ኸ ደኣ እንታይ ይገበር፧ ሎሚ ስቕ ኢልና እንተረኣናዮ፡ ጽባሕ ከም ብዅርና ኤሳው በኺኻ ዘይምለስ ኪኾነና እዩ።

ስለዚ በብዓቕምናን በብደረጃናን ገዳማትናን ኣድባራትናን ዚዕቀቡሉ መንገዲ ሃሰስ ክንብል እግዚአብሔር ምስትውዓል የሃበና።

                                                       እግዚአብሔር፡ ብቃል ኪዳን ኣቡነ እንድርያስ ገዳማትና ሕዝብናን ይሓልወና።

                                                                                     ወስብሓት ለእግዚአብሔር

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195