banner

ገዳም ደብረ ጽጌ ጺዳርዋ ኣቡነ እንድርያስ (ሰፍኣ)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
ገዳም ደብረ ጽጌ ጺዳርዋ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ከባቢ ሰፍኣ ምብራቕ ካብ ዓዲ ፈለስቲ ኣብ 1760 ሜትሮ ብራኸ ይርከብ። እዚ ገዳም’ዚ ብ1327 ዓ.ም. ብዓቢይ ጻድቕ ኣቦ ኣቡነ እንድርያስ እዩ ተገዲሙ። ኣቡነ እንድርያስ ካብ ለዋሃትን ፈርሃት እግዚኣብሔርን ዘለዎም ሥድራ ማለት ዘአማኑኤልን ኣመተ መንፈስ ቅዱስን ኣብ እንድርታ ትግራይ ተወልደ። ኣቐዲሞም ዘአማኑኤልን ኣመተ መንፈስ ቅዱስን ውሉድ ስለዘይነበሮም ኣዝዮም ይኃዝኑ፣ ጾም፣ ጸሎትን ምጽዋትን ብብዝኂ የዘውትሩ ነበሩ። ብስም ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ እትጽዋዕ ቤተ ክርስቲያን ከይዶም ውላድ ክትህቦም እሞ መብጽዓ ኪህብዋ ተማባጽዑ። ቅድስት ድንግል ማርያም ከኣ ቅዱስ ሚካኤል ብየማና፡ ቅዱስ ገብርኤል ከኣ ብጸጋማ ገይራ ብምምጻእ “ ልደቱ ምስ ልደተይ 1 ግንቦት ዝኾነ ቡሩኽ ሕፃን ክትወልዱ ኢኹም” ኢላ ኣብሠረቶም። “ተወልደ ሕፃን በተፍጻሜተ ቀዳማይ ወርኅ ዘውእቱ ኔሳን በወርኀ ልደታ አመ ሠርቁ ለዓኮን ዘውእቱ ግንቦት ወበጊዜ ልደቱ አብርሀ ቤተ ከመ ፀሐይ ወወድቁ ዲበ ምድር እለ ሀለዉ ውስተ ውእቱ ቤት።’ በዚ ኸኣ 1 ግንቦት 1245 ዓ.ም. ተወልደ።

ኣቡነ እንድርያስ ውልድ ምስ በለ ጸሎት ገበረ እሞ ጸላኤ ሠናያት ሳጥናኤል ነዚ ሰሚዑ “እዚ ሕፃን እዚ ለካ ጸላእየይ፣ ኣንጻረይ ኪኸውን እዩ” ኢሉ ተጨኒቑ ኪቐትሎ ሓሰበ፡ እንተኾነ እቲ ኣብኡ ኃዲሩ ዝነበረ መንፈስ ቅዱስ ከልከሎ። ድኅሪ ፵ (40) መዓልቲ ኣብታ ቅድም ዝተማባጽዑላ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን ብኢድ ኤጲስ ቆጶስ ተጠምቀ። ብጸሎተ ምህላ ዝተረኽበ ንምባል ‘መሓረነ እግዚእ’ ዝብል ስም ጥምቀት ተሰይመ።
ሽዑ ኣብ ቤት ዘአማኑኤል፡ እቲ ዘጥመቐ ኤጲስቆጶስ ምስ ኵሎም ካህናትን ዲያቆናትን እናዘመሩ ከለዉ፣ ሕፃን መሓረነ እግዚእ ከኣ ኣብ ዝባን ኣደኡ አመተ መንፈስ ቅዱስ ተኃዚሉ ከሎ “ስብሐት ለእግዚአብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር ለዕጓለ እመ ሕያው ዘሠምሮ” ኢሉ ኣመስገነ።

ድኅሪ ሠለስተ (3) ዓመት ጡብ ምስ ኃደገ ልክዕ ከምታ መብጽዓዖም ናብታ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን ወሰድዎ። ከም ነቢይ ሳሙኤል ኸኣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዓበየ። ሠራዊተ ዲያብሎስ ከይቐርብዎ ክልቲኦም ሊቃነ መላእኽቲ ቅዱስ ሚካኤልን ቅዱስ ገብርኤልን ለይትን መዓልትን ይሕልዎ ነበሩ። ቅዱስ ገብርኤል’ውን ሰማያዊ መናን ሰማያዊ ጽዋዕን እናኣምጽአ ይምግቦ ነበረ።

ቅዱስ መሓረነ እግዚእ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዘሎ ትምህርቲ 81 መጻሕፍቲ ተማህረ። ሥራሑ ብጾም፣ ጸሎት ስግደት ጀመረ። ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ዅሉ ጊዜ እናመጽአ ይናዝዞን ይሰምዖን ነበረ። “በከመ ይቤ በወንጌል ዘሰ ያፈቅረኒ ወየዐቅብ ቃልየ ኣነ ወአቡየ ንመጽእ ኀቤሁ ወንሬስዮ ምዕራፈ/ እቲ ዜፍቅረኒ ቃለይ ኪሕሉ እዩ፡ ኣቦይ ከኣ ኬፍቅሮ እዩ፡ ናብኡ መጺእና ድማ ኣብኡ ማኅደር ክንገብር ኢና።” (ዮሓ. 14፡23)

ወዲ 12 ዓመት ምስ ኮነ “ሐለየ በልቡ ወይቤ ምንት ይበቍዐኒ፣ ንብረተ ዝንቱ ዓለም፣ ወእትገኀስ እምአዝማድየ ወእኅድግ አቡየ ወእምየ” ብምባል ናብ ሰሉዳ ዝተባህለት ገዳም ከደ እሞ ምስ ንእግዚኣብሔር ዘሥመረ ዓቢይ ባሕታዊ ኣባ ገብረክርስቶስ ተራኸበ። ቅዱስ መሓረነ እግዚእ ንኣባ ገብረክርስቶስ፡ “ኢይክል አሐዱ ገብር ተቀንዮ ለክልኤ አጋእዝት ለአሐዱ ይትኤዘዝ ወለካልኡ ኢይትኤዘዝ / ንገንዘብን ንእግዚኣብሔርን ክትግዛእ ኣይከኣልን እዩ” “እለኒ በልዑ ከመ ዘኢበልዑ እለኒ ሰተዩ ከመ ዘኢሰትዩ፣ እለኒ ተፈሥሑ ከመ ዘኢተፈሥሑ”፣ እዩ ዝብል እሞ ኣመንኵሰኒ በሎ። ኣባ ገብረክርስቶስ ድማ “በረኸት ኣቦታተይ እንጦንዮስ፣ መቃርዮስ፣ ጳኵሚስ ይኅደርካ። እቲ ናታቶም ምንኵስና ዝባረኸ ኣምላኽ ምንኵስናኻ ይባርኸልካ” ኢሉ ባረኾ። ስመ ክርስትናኡ መሓረነ እግዚእ ኪኸውን ከሎ ስመ ምንኵስናኡ ኸኣ እንድርያስ ተባህለ። እንድርያስ ማለት ጎበዝ መንእሰይ ማለት እዩ።
ቅዱስ ኣቡነ እንድርያስ ድኅሪ ምምንዃሱ ንዓይኑ ሰለምታ ንሰብነቱ ድቃስ ንሥጋኡ ዕረፍቲ ዝብሃል ኣይሃበን። ለይቲ ምስ መዓልቲ ከም ዓንዲ ሓፂን ብጸሎት ተተኽለ፣ ኣእጋሩ ክሳዕ ዚሓብጥ ከም መንኰራኩር፣ ረሃጹ ክሳዕ ናብ ምድሪ ዘንጠብጥብ ይሰግድ ነበረ።
ብትሕትናኡ ኸኣ ዝተፈልጠ ኣቦ ኾነ፣ ጋሻ እንተ መጽአ እግሪ ኣብ ምሕፃብ ቀዳማይ ኮነ። እንሆ ፍቓድ እግዚአብሔር ኮይኑ ናብ ጳጳስ ብምኻድ መዓርገ ዲቁና ተሸመ። ከም ሊቀ ዲያቆናት ቅዱስ እስጢፋኖስ ከኣ መንበረ ጸባኦት ክሳዕ ምርኣይ በቕዐ። ድኅር’ዚ ውን ኣባ ገብረክርስቶስ ጥብዓቱ ብምርኣይ “ይቤሎ ተሠየም ቀሲሰ መዓርገ ክህነት” “ይግብኣካ እዩ እሞ ኪድ ካብ ጳጳስ ክህነት ተቐበል” በሎ። “ሕራይ” ኢሉ ፍቓድ መምህሩ መሊኡ ካብ ጳጳስ መዓርገ ክህነት ተቐብዐ፣ ልክዕ ከም ናይ መልከ ጼዴቅ ጌሩ ኸኣ ብትግሃት ኣገልገለ። ምሥጢረ ቍርባን ኪህብ ከሎ ንዚግብኦን ንዘይግብኦን ይፈላሊ ነበረ።

ካብ መዓልትታት ሓደ መዓልቲ “ንኢየሩሳሌም ከይደ ቤተልሔም ዝተወልደላ፣ ዮርዳኖስ ዝተጠምቀላ፣ ናዝሬት ዝዓበየላ፣ ቀራንዮ ዝተሰቐለላ ክርኢ ክኸይድ” ኢሉ ሰንሰለት ሓፂን ተዓጢቑ ብጸሎት ንጐይታ ሓተተ። ሽዑ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ቅዱሳን መላእኽት ተገሊጹ “ኦ ፈታውየይ እንድርያስ እቲ ዅሉ ኣነ ዝፈትዎ ዘበለ ትፍጽም ኣሎኻ። . . . ሕጂ ኸኣ ናብ ኢየሩሳሌም ምኻድ ኣይትሕሰብ፣ ምኽንያቱ ኣነ እታ ሥጋኻ እትቕበረላ ከርእየካ እየ። ኣብኣ ዓቢይ በዓቲ ኣዳልየልካ ኣሎኹ፣ ነዛ በዓቲ እዚኣ ኸኣ ከም ቤተልሔም፣ ነቲ ኣብኣ ዘሎ ማይ ከም ዮርዳኖስ፣ ንመቓብርካ ከምቲ ናተይ መቓብር ጎልጎታ ንደብርኻ ኸኣ ከም ደብረ ጽዮን ክገብረልካ እየ” በሎ። በዚ ድማ
ቅዱስ ኣቡነ እንድርያስ “ምርሐኒ እግዚኦ ፍኖተ እንተ ባቲ አሐውር/ ኦ ጐይታ እቲ ዝኸደሉ መንገዲ ምርሓኒ” (መዝ. 143፡10) ኢሉ ነታ ቦታ ክደሊ ከሎ ኣብ ከባቢኡ ተኣማኔ እግዚእ ዝተባህለ ምእመን ረኸበ። ንሱ ኸኣ ነቶም ከባቢ ወንጌልን ኦሪትን ኪምህረሉ ስለዝለመኖ፡ ዅሉ ዓሠርተ ትእዛዛትን ወንጌልን ሰበከሎም።

ኣብ ሓበላ ከሎ፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ንኣቡነ እንድርያስን ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስን ኣብ ኣሥመራ ዘሎ መቅደሰይ መጺእኩም ቀድሱለይ’ ኢላ ምስ ዝኣዘዘቶ፣ መጻሕፍቲ ዝስከም ኣድጉ ጽዒኑ ድኅሪ ብዙኅ መንገዲ ኣሥመራ ንምእታው ምስ ተቓረበ፡ ኣብ ቅድሜኡ ሓደ ዓቢይ ጎቦ ምስጋር ከልኦ፡ “ወተግኅሰ ደብር እምቅድሜሆሙ በጸሎቱ ለአባ እንድርያስ ወማዕምቅ መልአ።” ከምዝብል መጽሓፍ ገድሉ ብትእምርተ መስቀል ባሪኹ ካብቲ ቦታ ንገምገም ዓርበ ረቡዕ ከምዝግዕዝ ገበሮ። እዚ ዓቢይ እምባ ኣብ ከባቢ ርእሰ ኣድባራት ቅድስት ማርያም ኣሥመራ ዝነበረ ንዓርበ ረቡዕ ገጹ ዝፈለሰ ምዃኑ ይንገር።

ድኅሪ ምስ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ምፍልላዩ፡ ቅዱስ ኣቡነ እንድርያስ ኣብ ማይ ምጭቓ ዝተባህለ ኣብ መንጎ ዓዲ ናህባይን ዓዲ ፈለስትን ዝርከብ በዓቲ ከምኡ’ውን “ወሖረ መንገለ ዛናአብ” ካብ ማይ ምጭቓ’ውን ናብታ ኣብ ከባቢኡ እትርከብ ዛናኣብ ከም ዝኸደ መጽሓፈ ገድሉ ይነግር። ኣብዚ ጊዜ’ዚ መግቡ ሱር ዒቃ እዩ ዝነበረ። “ወነበረ ህየ እንዘ ይሴሰይ ቈጽለ አሥርቆ ዘውእቱ ሥርወ ዒቃ” ኣብዚ እዋን'ዚ ብሕልሚ ለይቲ “ነታ ክህበካ እየ” ዝበሎ ማየ ዮርዳኖስ ዘለዋ ገዳም ይርኢ፣ ብቐትሪ ግና ይስእና። ከምኡ’ውን ተኣማኔ እግዚእ ዝተባህለ ምእመን “ንኣኻ ትኸውን ገዳም ብራእይ ርእየ” ምስ በሎ ሓሳቦም ሓደ ኾይኑ ነታ ቦታ ከይዱ ረኸባ ልክዕ ከምቲ ዝተነግሮ’ውን ጸንሓቶ። ብትእምርተ መስቀል ባሪኹ ኣመስጊኑ ድማ ኣብኣ ምስ ኣርድእቱ ብተባሕትዎ ተቐመጠ ።

ሓደ መዓልቲ ጥሜትን ጽምእን ኣብ ዝበርትዓሉ እዋን እቶም ኣርድእቲ ንኣቡነ እንድርያስ “ካብዚ ገዳም ወፂእና ክንምገብ ኣፍቅደልና” በልዎ። እንተኾነ ኣቡነ እንድርያስ “ኣጽንዖ መካን ስለ ዝበልጽ እዞም ደቀይ ቁሩብ ተዓገሡ። ዓሣ ካብ ባሕሪ፣ መነኮስ ካብ ገዳም እንተወፂኡ ጽቡቕ ኣይኮነን” እኳ እንተበሎም እቶም ኣርድእቲ ግና መሊቖም ናብ እንዳ ተኣማኔ እግዚእ ዓዲ ሞገስ ከባቢ ጣላን ዓደብዛገን ኪምገቡ ኸዱ። እቲ ሰብኣይ እኳ ኪኣትዉ እንተ ፈቐደሎም እታ ሰበይቲ ግና “ኣቦኦም’ከ ምስኦም ኣሎ’ዶ፧ ኣቦኦም ኣቡነ እንድርያስ እንተ ዘይሃልዩ ኣይቕበሎምን እየ” በለት። ከምዚ ክትብል ከላ ኣቡነ እንድርያስ ብመንፈስ ቅዱስ ይፈልጥ እሞ “ወይቤ አቡነ ሚጦሙ ኀቤየ ለእሉ አግብርቲከ ወኢትኅድጎሙ ይሠጠሙ ውስተ ባሕረ ዓለም” ኢሉ ምስ ጸለየሎም ተመልሱ።

ሽዑ ኣቡነ እንድርያስ ነቲ ገንኢ “ማይ ምልኡለይ” ኢሉ ኣብኡ ምስ ጸለየ “ወዘንተ ብሂሎ ዐተበ በትእምርተ መስቀል ዲበ ውእቱ ማይ ወኮነ ጥዑመ ከመ ዓያያተ መዓር ወይቤሎሙ አቡነ እንድርያስ ለደቂቁ ንሥኡ ስትዩ ዘወሀበክሙ እግዚኣብሔር ወሰትዮሙ ደቂቁ ውእተ ማየ ዘኮነ ወይነ ጥዑመ አንከሩ ጥቀ”።
ከምኡ’ውን ቅዱስ ኣቡነ እንድርያስ ምእንቲ ደቁ ኢሉ ናብ ኣምላኽ ጸሎት ገበረ እሞ ካብ ኣርያም 3 ኩምራ ሥርናይ ከም ዓውዲ መሲሉ መልአ። እዚ ኩምራ'ዚ ን7 ዓመት ዝኣክል ኣብ በረኻ ከሎ፣ ኣቡነ እንድርያስ ናይ ጎሞር መሥፈር ካብ እምኒ መዐቀኒ ገበረሎም። ካብታ መዐቀኒት ዝያዳ ከይወስዱ ኸኣ ኃደራ በሎም። እዚ ሥርናይ ኣርያም እዚ ንሾብዓተ ዓመት ዝኣክል ብዘይ ሓደ ነገር ማለት ዝናም ከይዘነሞ፣ ነቐዝ ከይበልዖ፣ ኣዕዋፍ ከይለቐማሉ፣ ሰረቕቲ’ውን ኣይወስዱሉን። ምኽንያቱ ናይ ቅዱስ ኣቡነ እንድርያስ ጸሎት ስለዝኸደኖ፡ “ጸሎቱ ለጻድቅ ትክል ወታሠልጥ” (ያዕ. ፭፣፲፭5፥15)። ድኅሪ 7 ዓመት ግና እቶም ኣርድእቲ “ስለምንታይ ኢና ነቲ እግዚኣብሔር ዝሃበና ንሰፍሮ፧ ከም ድሌትና ዘይንወስድ” ብምባል ዝተዋህቦም ኃደራ እሞ ጠለሙ ሽዑ ነቲ ሥርናይ ኣራዊት፣ ጻጸ፣ ኣዕዋፍ፣ ሰረቕቲ ከምዝኣትውዎ ንኣቡነ እንድርያስ ብመንፈስ ተገልጸሉ፣ ናብ ቤት ኣእትውዎ ኸኣ በሎም። ንሾብዓተ ዓመት ከኣ ተመገቡ። ብድምር ን14 ዓመት ዝኣክል ካብ ኣርያም ዝወረደ መና ከም ዝተመገቡ መጽሓፈ ገድሉ ይሕብር። እቲ ዝወርደሉ ዝነበረ ቦታ’ውን ንምልክት ዝኣክል መስቀል ተጌሩሉ “ምውራድ መና“ ኣባ ጊዮርጊስ “ ሰአል ለነ እንድርያስ አቡነ በአርዑተ ወንጌል ዘተፀምደ ፧ ለደቂቀ ቤቱ ገሀደ ፡ሥርናየ አርያም ዘአውረደ” ኢሉ ኣብ መጽሓፈ ሰዓታት ገሊጽዎ ይርከብ። “ (ሥርናይ ኣርያም) እናተባህለ ክሳዕ ሎሚ ይጽዋዕ ኣሎ።

ድኅር’ዚ ዝተጠቕሰ 14 ዓመት ከኣ ቅዱስ ኣቡነ እንድርያስ ናብ ኣምላኽ ጸሎት ገበረ እሞ ካብ ሰማይ ወርቂ ዘነመ። ሽዑ ካብቶም ኣርድእቲ ሓደ ዘካርያስ ዝተባህለ ርእይዎ ከብቅዕ ኃዲግዎ ኸደ። ኣቡነ እንድርያስ “ስለምንታይ ዘየልዓልካዮ፧” ምስ በሎ ፍቓድ መምህሩ ክመልእ ኣልዓሎ። ሽዑ ኣቡነ እንድርያስ “ስለምንታይ ኣብቲ ቐዳማይ ጊዜ ዘየልዓካዮ፧” እንተ በሎ “ኢታንሥእ ዘኢያንበርከ” ስለዝብል ኢሉ መለሰሉ። ንሱ “ነዚ ወርቂ'ዚ ኣይትሽጥዎ ኣይትምዘንዎ፣ እንታይ ደኣ ብለውጢ ተጠቐሙሉ” ብዝበሎም መሠረት ይነብሩ ነበሩ። ንዘውኃደሎም ኣይሓምይዎ፣ ንዘብዝኃሎም ኣይንእድዎ ነበሩ። ኵሉ ጊዜ ኸኣ ሠርከ ሠርክ ናብቶም ኣርድእቲ ብርሃነ መንፈስ ቅዱስ ይወርድ ነበረ።

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጊዜ ዕረፍቲ ኣቡነ እንድርያስ ምስ ቀረበ ኣእላፈ ኣእላፋት መላእኽቲ ኣኸቲሉ መጺኡ ከምቲ ናይ ኵሎም ቅዱሳነ እግዚኣብሔር ምሉእ ቃል ኪዳን ሃቦ።
“ነዛ ገዳም እዚኣ ከም ቤተልሔም ዝተወለድኩላ፣ ከም ደብረ ጽዮን፣ ደብረሲና፣ ሙራደ ቃል፣ ንመቓብርካ ከኣ ከም ጎልጎታ ክሓስበልካ እየ። እቲ ዅሉ ናብ'ዚ ደብሪ'ዚ ኣብ ዕለት ሞትካን ልደትካን ብእምነት ዝኸደ ከድኅነልካ እየ” በሎ። ነቲ ኣብኡ ዘሎ ማይ ከኣ ከም ዮርዳኖስ ጌረዮ ኣሎኹ። እቲ ዅሉ ብእምነት ብእኡ ዝተሓፅበ ካብ ዝነበሮ ደዌ (ሕማም) ኪሓዊ እዩ። “ወዘሂ ተቀብረ ውስተ ዛቲ ምኔት ውስተ ምሥራቂሃ ወምዕራቢሃ ወውስተ ሰሜና ወደቡባ እስከ ኀበ ይበጽሕ ጽላሎታ እሬስዮ ለድኂን” ምስ በሎ ንሰማይ ዓረገ።

ንዅሎም ደቁ ኣኪቡ “እንሆ ጐይታይ ክትመውት ኢኻ ኢሉኒ ስለዘሎ ክነግረኩም ስምዑኒ፣ ምሉእ እምነት ሓድነትን ሠለስትነትን የሃልኹም። ነንሓድሕድኩም ተፋተዉ (ተፋቀሩ) “እስመ ተፋቅሮ ይደፍኖን ለኵሎን ኀጣውእ” ኃዳጋት ኩኑ”። ከምዚ ምስ በሎም ንእሽቶ ሕማም ሓመመ።

ሽዑ እቶም ደቁ “ንስኻ ካብ ሰማይ ሥርናይ ዘውረድካ ብጸሎትካ፣ ንስኻ ኣቦና ንደቅኻ መና ዝመገብኻና’ኸ ትመውት ዲኻ፧” ከምዚ ክብሉ ኸለዉ ኸኣ ካብ ኣዕይንቶም ከም ውኂዝ ክረምቲ ንብዓት ይውኅዝ ነበረ። ሽዑ ኣቡነ እንድርያስ ንደቁ ኪበኽዩ ምስ ረኣዮም “ኣይትብከዩ፣ ኣነ ካብዛ ኃላፊት ዝኾነት ዓለም ናብታ ዘይትኃልፍ እየ ዝኸይድ ዘሎኹ” በሎም። ኣቡነ እንድርያስ ነቶም ኣርድእቱ “ብድኅሬይ ድኅሪ ዓሠርተ መዓልቲ ከተርክቡኒ ኢኹም” ብዝበሎም መሠረት ድኅሪ ዓሠርተ መዓልቲ 999 ኣርድእቲ ተሰየፉ፣ ሕጂ እንዳ ሰማዕታት ቤተ ክርስቲያን ተባሂሉ ብስሞም ታቦት ተቐሪጽሎም ኣሎ።

ኣቡነ እንድርያስ ዝዓረፈሉ ዕለት 1 የካቲት እዩ፣ ዝተወልደሉ ኸኣ ዕለት 1 ግንቦት እዩ።

ጸሎቱን በረኸቱን ምሕረት ኣምላኹን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

ሕጂ ኣብቲ ገዳም ዚርከብ ቅርሲ

- ማየ ዮርዳኖስ፥ ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕደስ ኃሊፍካ
- መቓብር ኣቡነ እንድርያስ፥
- ጎሞር መስፈር ሥርናይ ኣርያም፥
- ናይ ኢድ ዝነበረ መስቀል፥
- ጭዃሮ ዝነበረት ሕጂ ዓባይ ኣውሒ ኮይና ኣላ ንሳ ናይቶም 999 መቓብር ዝዀዓተት እያ።
- ግራት ወርቂ፥
- መቓብር ንገብር ኄር ዝቐተለ ኣንበሳ፥
- ሥርናይ አርያም ዚወርደሉ ዝነበረ ዓውዲ

እዚ ገዳም’ዚ ኣዘንቲኻ ዘይውዳእ ሰሚዕካ ዘይጽገብ ዓሚቝ ታሪኽን ሰፊሕ መንፈሳዊ ተጋድሎን ዘለዎ ጥንታዊ ገዳም እዩ እሞ ነጊድና ክንበጽሖ፡ ኣንቢብና ክንፈልጦ፡ . . . እግዚአብሔር ጸጋኡ የብዝኃልና!

                                             ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

 

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195